ሰለስተ መሰረታትን መርትዖታቱን (ትግርኛ)

  • earth ቋንቋ
    (ትግርኛ)
  • earth ምድላው:
    الشيخ محمد التميمي

ካልእ ቱርጉማት 68

sw سواحيلي- Kiswahili ur أردو- اردو hu هنجاري مجري- magyar fr فرنسي- Français hi هندي- हिन्दी bn بنغالي- বাংলা id إندونيسي- Indonesia en إنجليزي- English as آسامي- অসমীয়া ar عربي- العربية bs بوسني- bosanski ru روسي- Русский az أذري- azərbaycanca mk مقدوني- македонски ha هوسا- Hausa sr صربي- Српски dv ديفهي- ދިވެހި ky قرغيزي- Кыргызча ta تاميلي- தமிழ் te تلغو- తెలుగు fa فارسي- فارسي si سنهالي- සිංහල es إسباني- español ml مليالم- മലയാളം zh صيني- 中文 vi فيتنامي- Tiếng Việt ne نيبالي- नेपाली th تايلندي- ไทย dyo جوالا- Jóola hy أرميني- Հայերէն sn الشونا- Shona kk كازاخي- қазақ тілі de ألماني- Deutsch pa بنجابي- ਪੰਜਾਬੀ mfe كريولي- créole kn كنادي- ಕನ್ನಡ ja ياباني- 日本語 uk أوكراني- українська da دنماركي- dansk tg طاجيكي- тоҷикӣ kmr كردي كرمنجي- Bi zimanê Kurdî af أفريقاني- Afrikaans zu زولو- isiZulu my بورمي- ဗမာ ig إيجبو- Igbo cs تشيكي- čeština lt ليتواني- lietuvių prs دري- فارسی دری ro روماني- română hr كرواتي- hrvatski lo لاو- ພາສາລາວ pt برتغالي- português hu هنجاري مجري- magyar uz أوزبكي- Ўзбек ps بشتو- بشتو bg بلغاري- български tr تركي- Türkçe sl سلوفيني- slovenščina ka جورجي- ქართული fi فنلندي- suomi ti تجريني- ትግርኛ et إستوني- eesti sq ألباني- Shqip it إيطالي- italiano gu غوجاراتية- ગુજરાતી ms ملايو- Melayu nl هولندي- Nederlands yo يوربا- Èdè Yorùbá
PHPWord

 

 

ثَلَاثَةُ الأُصُولِ وَأَدِلَّتُهَا

 

 

 

ሰለስተ መሰረታትን መርትዖታቱን

 

 

 

 

 

لِلشَّيْخِ

مُحَمَّدٍ التَّمِيمِي رَحِمَهُ اللهُ

 

ሼኽ ሙሓመድ ኣ'ተሚሚ ኣላህ ይርሓመሉ

 

 


بِسْمِ اللهِ الرَّحمَنِ الرَّحِيمِ

እተን ሰለስተ መሰረታትን መርትዖታተንን

ብስም ኣላህ እቲ ፍጹም ርህሩህ እቲ ኣዝዩ ራህራሂ

ኣላህ ይርሓመልካ - ኣርባዕተ ነገራት ክንመሃር ከም ዝግብኣና ፍለጥ፡-

ቀዳመይቲ፦ ፍልጠት፡ ንሱ ድማ ንኣላህ ምፍላጥ፡ንነቢኡ ምፍላጥ፡ ንሃይማኖት እስልምና ድማ ብመርትዖታቱ ምፍላጥ ኢዩ።

ካልኣይቲ፦ ብእኡ ምስራሕ/ምትግባር።

ሳልሰይቲ፦ ናብኡ ምጽዋዕ/ምጉስጓስ።

ራብዓይቲ፡ ኣብኡ ንዝወርድ መከራ ብትዕግስቲ ምቕባል።

ናይ'ዚ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦ «ብስም እቲ ፍጹም ርህሩህን ኣዚዩ ራህራሂን ዝኾነ ኣላህ።»

﴿وَٱلۡعَصۡرِ1 إِنَّ ٱلۡإِنسَٰنَ لَفِي خُسۡرٍ2 إِلَّا ٱلَّذِينَ ءَامَنُواْ وَعَمِلُواْ ٱلصَّٰلِحَٰتِ وَتَوَاصَوۡاْ بِٱلۡحَقِّ وَتَوَاصَوۡاْ بِٱلصَّبۡرِ3﴾

{ብዘመን እምሕል 1

{ብርግጽ ወዲ-ሰብ እኮ ኣብ ጥፍኣት ኢዩ ዝርከብ 2

እንትርፎ እቶም ዝኣመኑን ሰናይ ተግባራት ዝሰርሑን፡ ብሓቂ(እምነት) ዝላበዉን ብትዕግስቲ ዝመኻኸሩን ሰባት ጥራይ ኢዮም ካብ'ዚ ጥፍኣት እዚ ዝድሕኑ }3

[ኣል ዓስሪ ፡1-3]።

ኢማም ኣሻፊዒ _ኣላህ ይርሓመሉ_ ከም'ዚ ይብል: "ኣላህ ኣብ ልዕሊ ፍጡራቱ ብዘይካ እዛ ሱራ ካልእ ዘየዉረደ ነይሩ እንተዝኸዉን፡ ምኣኸለቶም ነይራ።"

ከምኡ'ዉን ቡኻሪ ኣላህ ይርሓመሉ ከም'ዚ ይብል፡ ምዕራፍ፦ "ፍልጠት ቅድሚ ቃልን ተግባርን"፡ ናይ'ዚ መርትዖ ድማ እቲ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል﴾ "ኦ ሙሓመድ ብዘይካ ኣላህ ካልእ ዝምለኽ ጎይታ ከምዘየለ ፍለጥ እሞ፡ ንሓጥያትካን ንሓጥያት እቶም ዝኣመኑን ድማ ምሕረት ለምን...﴿ [ሙሓመድ፡9] ቅድሚ ቃልን ተግባርን ብፍልጠት ጀሚሩ።

ፍለጥ - ኣላህ ናቱ ርህራሄ የዉርደልካ -፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣስላማይን ኣስላመይቲን፡ እዘን ዝስዕባ ሰለስተ ነገራት እዚአን ክመሃረንን ኣብ ተግባር ከዉዕለንን ግዴታ ይኾኖ፡

ቀዳማይቲ፦ ኣላህ ፈጢሩና፡ ሽሻይ ሂቡና፡ ከምኡ'ውን ብኸንቱ(ብዘይ ዕላማ) ኣይሓደገናን። እንታይ ድኣ ናባና ልኡኽ ልኢኹ፡ ንዕኡ(ነቲ ልኡኽ) ዝተኣዘዞ ገነት ክኣቱ ኢዩ፡ ንትእዛዛቱ ዘይፍጽም ከኣ ናብ ሓዊ ገሃነም ክኣቱ ኢዩ።

ናይ'ዚ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡

﴿إِنَّآ أَرۡسَلۡنَآ إِلَيۡكُمۡ رَسُولٗا شَٰهِدًا عَلَيۡكُمۡ كَمَآ أَرۡسَلۡنَآ إِلَىٰ فِرۡعَوۡنَ رَسُولٗا15 فَعَصَىٰ فِرۡعَوۡنُ ٱلرَّسُولَ فَأَخَذۡنَٰهُ أَخۡذٗا وَبِيلٗا16﴾

{ከም'ቲ ንፊርዖን ልኡኽ ዝለኣኽናሉ፡ ንዓኻትኩም'ዉን ኣብ ምጽኣተ ዓለም ዝምስክረልኩም ልኡኽ ብርግጽ ልኢኽናልኩም ኢና።15}

"ፈርዖን ግን ነቲ ልኡኽ ስለዝኸሓዶን ስለዘይተማእዘዘን ብርቱዕ መቕጻዕቲ ቀጺዕናዮ 16} [ኣልሙዘሚል:15-16]።

ካልኣይቲ፦ ኣላህ ኣብ ኣምልኾኡ ሓደኳ ምስኡ መሻርኽቲ ምግባር ኣይፈቱን ኢዩ። ዝቐረበ መልኣኽ ኮነ ወላ ነቢ ልኡኽ። ናይ'ዚ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡

﴿وَأَنَّ ٱلۡمَسَٰجِدَ لِلَّهِ فَلَا تَدۡعُواْ مَعَ ٱللَّهِ أَحَدٗا18﴾

{ኩሉ መሳጊድ ናይ ኣላህ ኢዩ፡ ስለ'ዚ ምስ ኣላህ ወላሓደ ኣይትጸውዑ/ኣይተሻርኹ። ጸሎትኩም ናብኡ ጥራይ ኣቕንዑ/ግበሩ} [ኣልጂን:18]።

ሳልሰይቲ፦ንልኡኽ ዝተኣዘዘን ንኣላህ ብሓደነት ዘምለኸን ሰብ፡ ንኣላህን ንልኡኹን ተጻራሪ ሰብ፡ ወላ ነቲ ዝቐረበ መቕርቡ እንተኾነ'ዉን ምፍታዉን ምድጋፍን ኣይፍቀደሉን ኢዩ።

ናይ'ዚ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡

﴿لَّا تَجِدُ قَوۡمٗا يُؤۡمِنُونَ بِٱللَّهِ وَٱلۡيَوۡمِ ٱلۡأٓخِرِ يُوَآدُّونَ مَنۡ حَآدَّ ٱللَّهَ وَرَسُولَهُۥ وَلَوۡ كَانُوٓاْ ءَابَآءَهُمۡ أَوۡ أَبۡنَآءَهُمۡ أَوۡ إِخۡوَٰنَهُمۡ أَوۡ عَشِيرَتَهُمۡۚ أُوْلَٰٓئِكَ كَتَبَ فِي قُلُوبِهِمُ ٱلۡإِيمَٰنَ وَأَيَّدَهُم بِرُوحٖ مِّنۡهُۖ وَيُدۡخِلُهُمۡ جَنَّٰتٖ تَجۡرِي مِن تَحۡتِهَا ٱلۡأَنۡهَٰرُ خَٰلِدِينَ فِيهَاۚ رَضِيَ ٱللَّهُ عَنۡهُمۡ وَرَضُواْ عَنۡهُۚ أُوْلَٰٓئِكَ حِزۡبُ ٱللَّهِۚ أَلَآ إِنَّ حِزۡبَ ٱللَّهِ هُمُ ٱلۡمُفۡلِحُونَ22﴾

{ኦ መሓመድ ብኣላህን ብመወዳእታ መዓልቲ ኣሚኖም ከብቅዑ ንተጻባእቲ ኣላህን ልኡኹን ዝፈትው ሰባት ኣይትረክብን ኢኻ፡ ወላ'ዉን እዞም ተጻባእቲ ኣቦታቶም ወይ ደቆም ወይ ኣሕዋቶም ወይ ካብ ዓሌቶም ይኹኑ እቲኦም (እቶም ኣመንቲ) ኣላህ ኣብ ልቦም ጽኑዕ እምነት ሰቚሩ ብመርትዖታቱን ብርሃኑን ዝደገፎምን ዘዐወቶምን ኢዮም። ከምኡ'ዉን ኣብ መዋእሎም ዝነብሩሉ ብትሕቲኡ ዝዉሕዝ ኣፍላጋት ዘለዎ ገነት ከእትዎም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣላህ ብዝገበርዎ ፈትዩሎም ኢዩ፡ ንሳቶም ከኣ ብዝሃቦም ጸጋ ረድዮምሉ(ፈትየሙሉ) ኢዮም። እቲኣቶም(እቶም ኣመንቲ) ሰልፊ ኣላህ ኢዮም፡ ብርግጽ ከኣ እቶም ተዓወትቲ ሰልፊ ኣላህ ኢዮም.} [ኣልሙጃደላህ፡ 22]

ፍለጥ፡ ኣላህ ንትእዛዙ ይምራሕካ፡ ሓነፊያ - ሃይማኖት ኢብራሂም ኮይና፡ ንኣላህ ንዕኡ ጥራይ ብንጽህና ምምላኽ ኢዩ። በዚ ኸኣ ኣላህ ንኹሎም ደቂ ሰባት ኣዚዝዎምን ንዓኣ ክብል ዉን ፈጢርዎም። ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፦

﴿وَمَا خَلَقۡتُ ٱلۡجِنَّ وَٱلۡإِنسَ إِلَّا لِيَعۡبُدُونِ56﴾

{ንኣጋንንትን ሰብን ንዓይ ንብሕተይ ንኽምልኹኒ ደኣእምበር ንካልእ ኣይፈጠርኩዎምን.} [ኣዛሪያት:56]፡ ትርጉም 'ያዕቡዱኒ' ድማ፡ ብንጽል ብሓደነት ማለት ኢዩ።

እቲ ዝዓበየ ኣላህ ዝኣዘዞ ነገር ተዉሒድ ኢዩ። ንሱ ድማ ንኣላህ ብኣምልኾት ብሕታዊ ምግባር ኢዩ።

እቲ ዝዓበየ ዝኸልከሎ ነገር ድማ ሽርክ ኢዩ። ንሱ ድማ፡ ምስኡ ንኻልእ ምልማን(ምጽዋዕ) ኢዩ።

ናይ'ዚ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿وَٱعۡبُدُواْ ٱللَّهَ وَلَا تُشۡرِكُواْ بِهِۦ شَيۡـٔٗا...﴾

{ንኣላህ ኣምልኹ፡ ምስኡ'ዉን ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይተሻርኹ/ኣይትሓዉሱ...} [ኣልኒሳእ፡36]።

እተን ሰብ ክፈልጠን ግድነት ዝኾነኦ ሰለስተ መሰረታት እንታይ ኢየን? ኢልካ ምስ እትሕተት፧

ሓደ ናይ ኣላህ ባርያ ዝኾነ ሰብ ን ጎይታኡ ኣላህን፡ ንሃይማኖቱን፡ ከምኡ'ዉን ንነቢኡ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ክፈልጥ እንከሎ ኢዩ በል።

[እቲ ቀዳማይ መሰረት]

መን'ዩ ጎይታኻ (ረብኻ)?ምስ እትበሃል

ጎይታይ ድኣ እቲ ንዓይን ንኹሎም ኣብ ምድራዊት ዓለም ዘለዉ ፍጡራት ዓለምን ብጸጋኡ(ብሽሻዩ) ዝቀለበናን ዝኾብኮበናን ኣላህ ኢዩ። ንሱ ድማ እቲ ኣነ ዘምልኾ ብዘይክኡ ኻልእ ዝግዛኦ የብለይን በል። ናይ'ዚ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿ٱلۡحَمۡدُ لِلَّهِ رَبِّ ٱلۡعَٰلَمِينَ2﴾

{ኩሉ እቲ ምስጋናን ዉዳሰን ንኣላህ፡ ጎይታዓለም ይኹኖ} [ኣል ፋቲሓ፡ 2]። ብዘይካ ኣላህ ኩሉ ፍጡር ዘበለ ዓለም ኢዩ፡ ኣነ ድማ ሓደ ካብቲ ዓለም ኢየ።

ብምንታይ ከ ንረቢኻ(ንጎይታኻ) ፈሊጥካዮ? ምስ እትባሃል፡

ብተኣምራቱን ብፍጡራቱን በል።

ካብ'ቲ ተኣምራታቱን ምልክታቱን ድማ፡ ለይትን መዓልትን፡ ጸሓይን ወርሕን ኢዮም።

ካብ ፍጡራቱ'ዉን ሸዉዓተ ሰማያትን ኣብ ውሽጠን ዘለውን፡ ሸዉዓተ መሬታትን ኣብ ውሽጠን ዝርከብን፡ ኣብ መንጎአን ዘሎን ኢዮም።

ናይ'ዚ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿وَمِنۡ ءَايَٰتِهِ ٱلَّيۡلُ وَٱلنَّهَارُ وَٱلشَّمۡسُ وَٱلۡقَمَرُۚ لَا تَسۡجُدُواْ لِلشَّمۡسِ وَلَا لِلۡقَمَرِ وَٱسۡجُدُواْۤ لِلَّهِۤ ٱلَّذِي خَلَقَهُنَّ إِن كُنتُمۡ إِيَّاهُ تَعۡبُدُونَ37﴾

{ካብ ተኣምራቱ ድማ ለይትን መዓልቲን፡ ጸሓይን ወርሕን ኢዮም። ንጸሓይን ንወርሕን ኣይትስገዱ፡ ነቲ ንዐአን ዝፈጠረ ንኣላህ ጥራይ ስገዱ፡ ናይ ብሓቂ ንዕኡ ተምልኹ እንተኾንኩም.} [ፉ'ሲለት፡37]።

ከምኡ'ዉን ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፦

﴿إِنَّ رَبَّكُمُ ٱللَّهُ ٱلَّذِي خَلَقَ ٱلسَّمَٰوَٰتِ وَٱلۡأَرۡضَ فِي سِتَّةِ أَيَّامٖ ثُمَّ ٱسۡتَوَىٰ عَلَى ٱلۡعَرۡشِۖ يُغۡشِي ٱلَّيۡلَ ٱلنَّهَارَ يَطۡلُبُهُۥ حَثِيثٗا وَٱلشَّمۡسَ وَٱلۡقَمَرَ وَٱلنُّجُومَ مُسَخَّرَٰتِۭ بِأَمۡرِهِۦٓۗ أَلَا لَهُ ٱلۡخَلۡقُ وَٱلۡأَمۡرُۗ تَبَارَكَ ٱللَّهُ رَبُّ ٱلۡعَٰلَمِينَ54﴾

{ብርግጽ ጎይታኹም ኣላህ፡ እቲ ሰማያትን ምድርን ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልታት ዝፈጠረ፡ ድሕሪኡ ኣብ ልዕሊ ዓርሺ (ዝፋኑ) ዝሰፈረ፡ ንለይቲ ብብርሃን ናይ ቀትሪ ይትክኦ፡ ንቐትሪ ድማ ብጸላም ናይ ለይቲ የጥፍኦ። ነፍሲ ወከፍ ድማ እቲ ሓደ ቀልጢፉ ክወጽእ ይሓቶ። ጸሓይን ወርሒን ከዋኽብቲን ብትእዛዝ ናቱ(ኣላህ) ንኽንጥቀመለን ዘቕለለልና ፍጥረትን ኣካይዳ ኩሉ ነገርን ናቱ ምዃኑ ምሉእ ዘይጎደል መግለጺታት ዘለዎ፡ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ ነቲ ጎይታ ዓለማት ዝኾነ.} [ኣል ኣዕራፍ፡54]።

ጎይታ ማለት ከኣ እቲ ዝምለኽ ማለት ኢዩ፡ ናይ'ዚ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿يَٰٓأَيُّهَا ٱلنَّاسُ ٱعۡبُدُواْ رَبَّكُمُ ٱلَّذِي خَلَقَكُمۡ وَٱلَّذِينَ مِن قَبۡلِكُمۡ لَعَلَّكُمۡ تَتَّقُونَ21 ٱلَّذِي جَعَلَ لَكُمُ ٱلۡأَرۡضَ فِرَٰشٗا وَٱلسَّمَآءَ بِنَآءٗ وَأَنزَلَ مِنَ ٱلسَّمَآءِ مَآءٗ فَأَخۡرَجَ بِهِۦ مِنَ ٱلثَّمَرَٰتِ رِزۡقٗا لَّكُمۡۖ فَلَا تَجۡعَلُواْ لِلَّهِ أَندَادٗا وَأَنتُمۡ تَعۡلَمُونَ22﴾

{ኦ ኣቱም ደቂ ሰባት ነቲ ንዓኹምን ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩን ዝፈጠረ ጎይታኹም ተገዝእዎ ምእንቲ ፍርሓት ከተሕድሩ 21}

እቲ ንዓኹም መሬት ምንጻፍ ዝገበረልኩም፡ ሰማይ ዉን ብጹኑዕ ዝተሃንጸ ዝገበሮ፡ ካብ ሰማይ ማይ ኣዝኒቡ ካብኡ በብዓይነቱ ሽሻይ ፍረታት ዝገበረልኩም ብዘይክኡ ካልእ ፈጣሪ ከምዘየሎ እናፈለጥኩም ንኣላህ መሻርኽቲ ኣይትግበሩ 22} [ኣልበቐራ፡ 21-22]።

ኢብኑ ከሲር ረቢ ይርሓመሉ ከም'ዚ ኢሉ፡ "ናይ'ዚ ኩሉ ነገራት ፈጣሪ፡ ንሱ ኢዩ ናይ ብሓቂ ክምለኽ ዝግባእ።"

እተን ኣላህ ዝኣዘዘን ዓይነታት ኣምልኾ ድማ፡ ንኣብነት፡- ከም፡ እስልምና፡ ኢማንን፡ ኢሕሳንንን፡ ከምኡ'ዉን ዱዓ፡ ፍርሒ፡ ተስፋ፡ ምዉካል፡ ትጽቢት( ሃረርታ)፡ ራህባ(ምፍራሕ ካብ ኣላህ)፡ ምንብርካኽ፡ ፍርሒ ምስ ትሕትና፡ ቶባ ምባል(ናብ ኣላህ ምምላስ)፡ ረድኤት ምሕታት፡ ደገፍ ምሕታት፡ ዑቕባ ምሕታት፡ ምሕራድ፡ መብጽዓ ምእታዉ፡ ዝኣመሰሉን ካልእ ኣላህ ዝኣዘዞ ዓይነታት ስርዓተ ኣምልኾ ኩሉ ንልዑል ኣላህ ጥራይ ክኸዉን ይግባእ። ናይ'ዚ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፥

﴿وَأَنَّ ٱلۡمَسَٰجِدَ لِلَّهِ فَلَا تَدۡعُواْ مَعَ ٱللَّهِ أَحَدٗا18﴾

{መሳጊድ ድማ ናይ ኣላህ ኢየን፡ ምስ ኣላህ ወላ ሓደ ኣይትጸውዑ(ኣይተሻርኹ) ጸሎትኩም ክኣ ናብኡ ጥራይ ግበሩ.} [ኣልጂን:18]።

እምበኣር፡ ካብ'ዘን ዝተጠቕሳ ንኣላህ ገዲፍካ ንካልእ ምስእተምልኽ መሻርኽቲ ምስ ኣላህ ጌርካ ከሓዲ ኮንካ ማለት ኢዩ። ናይ'ዚ መርትዖ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡-

﴿وَمَن يَدۡعُ مَعَ ٱللَّهِ إِلَٰهًا ءَاخَرَ لَا بُرۡهَٰنَ لَهُۥ بِهِۦ فَإِنَّمَا حِسَابُهُۥ عِندَ رَبِّهِۦٓۚ إِنَّهُۥ لَا يُفۡلِحُ ٱلۡكَٰفِرُونَ117﴾

{ምስ ኣላህ ኣሻሪኹ ዝጽዉዕ መርትዖ የብሉን፡ ፍርዱ ድማ ናብ ጎይታኡ ኣላህ ኢዩ፡ ነቶም ከሓድቲ ድማ ኣላህ ዓወት ኣይህቦምን ኢዩ.} [ኣልሙእሚኑን፡ 117]

ኣብ ሓዲስ ከኣ፦

"الدُّعَاءُ مُخُّ العِبَادَةِ".

"ጸሎት እኮ ሓንጎል ናይ ኣምልኾ ኢዩ።"

ናይ'ዚ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿وَقَالَ رَبُّكُمُ ٱدۡعُونِيٓ أَسۡتَجِبۡ لَكُمۡۚ إِنَّ ٱلَّذِينَ يَسۡتَكۡبِرُونَ عَنۡ عِبَادَتِي سَيَدۡخُلُونَ جَهَنَّمَ دَاخِرِينَ60﴾

{ጎይታኹም ኢሉ፡ 'ለምኑኒ ክህበኩም። እቶም ነዚ ኣምልኾ ዝተዓበዩሉ ሕሱራት ኮይኖም ኣብ ገሃነብ ክኣትው ኢዮም.} [ቓፊር፡ 60]።

ናይ ፍርሒ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል:-

﴿...فَلَا تَخَافُوهُمۡ وَخَافُونِ إِن كُنتُم مُّؤۡمِنِينَ﴾

{...ንዓኣቶም ኣይትፍርሕዎም፡ ንዓይ ድኣ ፍርሑኒ፡ ናይ ብሓቂ ኣመንቲ እንተኾንኩም።} [ኣል ዒምራን፡175]።

ናይ ተስፋ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿...فَمَن كَانَ يَرۡجُواْ لِقَآءَ رَبِّهِۦ فَلۡيَعۡمَلۡ عَمَلٗا صَٰلِحٗا وَلَا يُشۡرِكۡ بِعِبَادَةِ رَبِّهِۦٓ أَحَدَۢا﴾

{...ምስ ጎይታኡ ክራኸብ ተስፋ ዝገበረ ሰናይ ስራሕ ሰሪሑ ኣብ ኣምልኾት ናይ ጎይኡታኡ ወላ ሓደ ሽርክነት ኣይግበር} [ኣልካህፍ፡110]።

ናይ ምውካል መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿...وَعَلَى ٱللَّهِ فَتَوَكَّلُوٓاْ إِن كُنتُم مُّؤۡمِنِينَ﴾

{...ናይ ብሓቂ ኣመንቲ እንተድኣ ኮንኩም ናብ ኣላህ ተወከሉ} [ኣልማኢዳ፡ 23]፡ ከምኡ'ዉን ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፡-

﴿...وَمَن يَتَوَكَّلۡ عَلَى ٱللَّهِ فَهُوَ حَسۡبُهُ...﴾

{...ናብ ኣላህ ተወኩል ዝገበረ ባዕሉ ኣላህ ይኣኽሎ (ማለት ነቲ ጉዳዩ ኣላህ ባዕሉ ይፍጽመሉ)} [ኣ'ጠላቕ፡ 3]።

መርትዖ ናይ ትጽቢት፡ ሃረርታ፡ ፍርሒ ምሕዳር፡ ፍርሒ ምስ ትሕትና ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡-

﴿...إِنَّهُمۡ كَانُواْ يُسَٰرِعُونَ فِي ٱلۡخَيۡرَٰتِ وَيَدۡعُونَنَا رَغَبٗا وَرَهَبٗاۖ وَكَانُواْ لَنَا خَٰشِعِينَ﴾

{...ንሳቶም እኳ ብርግጽ ናብ ሰናይ ተግባራት ይጓየዩን ጸሎቶም ድማ ፍርሒ ዝተሓወሶ ትጽቢትን ሃረርታን ገይሮም ይልምኑና ነይሮም። ከምኡ'ዉን ካብ'ቶም ፍርሒ ምስ ትሕትና ዘሎዎም ነይሮም.} [ኣልኣንቢያእ፡ 90]።

መርትዖ ናይ ፍርሒ ምስ ትሕትና ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡-

﴿...فَلَا تَخۡشَوۡهُمۡ وَٱخۡشَوۡنِ...﴾

{...ንዓታቶም ኣይትፍርሕዎም፡ ንዓይ ፍርሑኒ...} [ኣልማኢዳ፡ 3]።

መርትዖ ናብ ኣላህ ምምላስ፡ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡-

﴿وَأَنِيبُوٓاْ إِلَىٰ رَبِّكُمۡ وَأَسۡلِمُواْ لَهُ...﴾

{ናብ ጎይታኹም ተመለሱ፡ ናብኡ ተምበርከኹ...} [ኣ'ዙመር:54]።

መርትዖ ናይ ደገፍ ምሕታት ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡-

﴿إِيَّاكَ نَعۡبُدُ وَإِيَّاكَ نَسۡتَعِينُ5﴾

{ንዓኻ ነምልኽ፡ ካብኻ ጥራይ'ዉን ደገፍ ንሓትት} [ኣልፋቲሓ፡ 5]፡ ኣብ ሓዲስ ከኣ፦

"إِذَا اسْتَعَنْتَ فَاسْتَعِنْ بِاللَّهِ".

"ደገፍ ኣብ እትሓተሉ እዋን ካብ ኣላህ ጥራይ ደገፍ ሕተት።"

ናይ ዑቕባ ምሕታት መርትዖ ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡-

﴿قُلۡ أَعُوذُ بِرَبِّ ٱلۡفَلَقِ1﴾

{(ኦ መሓመድ )ናብ'ቲ ንወጋሕታ ካብ ጸላም ለይቲ ዝጨደደ ጎይታ እዕቆብ በል.} [ኣል ፈለቕ፡1]፡ ከምኡ'ውን ይብል፥

﴿قُلۡ أَعُوذُ بِرَبِّ ٱلنَّاسِ1﴾

{(ኦ ሙሓመድ) ናብ'ቲ ጎይታ ደቂ ሰባት እዑቆብ በል.} [ኣ'ናስ፡ 1]።

ናይ ረዲኤት ምሕታት መርትዖ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿إِذۡ تَسۡتَغِيثُونَ رَبَّكُمۡ فَٱسۡتَجَابَ لَكُمۡ...﴾

{ንጎይታኹም ረድኤት ምስ ሓተትኩም፡ መሊስልኩም...} [ኣልኣንፋል፡ 9]።

ናይ ምሕራድ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿قُلۡ إِنَّ صَلَاتِي وَنُسُكِي وَمَحۡيَايَ وَمَمَاتِي لِلَّهِ رَبِّ ٱلۡعَٰلَمِينَ162 لَا شَرِيكَ لَهُ...﴾

{(ኦ ሙሓመድ) ብርግጽ ሰላተይን ሕርዶይን ህይወተይን ሞተይን፡ ንኣላህ ጎይታ ናይ ዓለማት ዝኾነ ኢዩ በል162

መሻርኽቲ ዘይብሉ...} [ኣልኣንዓም፡ 162-163]፡ ካብ ሱና ዝመጸ ድማ:

"لَعَنَ اللَّهُ مَنْ ذَبَحَ لِغَيْرِ اللَّهِ".

"ኣላህ ነቲ ብዘይካ ንኣላህ ንኻልእ ኣምሊኹ ዝሓረደ ረጊምዎ(ኣላህ ካብ ርህራሂኡ የርሕቆ)"

ናይ መብጸዓ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿يُوفُونَ بِٱلنَّذۡرِ وَيَخَافُونَ يَوۡمٗا كَانَ شَرُّهُۥ مُسۡتَطِيرٗا7﴾

{በቲ መብጽዓኦም ዝኣተዉዎ ይፍጽሙ፡ ካብ'ቲ እከይን ንዙሕን ዝርጉሕን ዝኾነ መዓልቲ ቂያማ'ዉን ይፈርሑ።} [ኣል ኢንሳን፡7]።

[እቲ ካልኣይ መሰረት]

ንሃይማኖት ናይ እስልምና ብመርትዖታቱ ምፍላጥ ንሱ ድማ ናብ ኣላህ ብሓደነት ምምብርካኽ በቲ ታእዛዛቱ ክትቅየድን ክትምራሕን፡ ካብ ሽርክን ሸርኪ ዝፍጽሙን ምርሓቕን ነጻ ምዃንን ኢዩ።

ንሱ ድማ ሰለስተ ደረጃታት ኢዩ፡ ኣልኢስላም፡ ኣልኢማን፡ ኣልኢሕሳን ይበሃሉ።

ነፍሲ ወከፍ ደረጃ’ዉን ዓንድታት ኣለዉዎ።

ናይ ኢስልምና ዓንድታት ሓሙሽተ ኢየን፡ ብዘይካ ኣላህ ብሓቂ ዝምለኽ ኣምላኽ ከምዘየሎን ሙሓመድ ናይ ኣላህ ልኡኽ ከምዝኾነን ምምስካር፡ ሰላት ብግቡእ ምስጋድ፡ ዘካት ምሃብ፡ ረመዳን ምጻምን፡ ንኽቡር ቤት ኣላህ ሓጅ ምግባርን።

መርትዖ ብዘይካ ኣላህ ብሓቂ ዝምለኽ የለን ንዝብል ምምስካር ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿شَهِدَ ٱللَّهُ أَنَّهُۥ لَآ إِلَٰهَ إِلَّا هُوَ وَٱلۡمَلَٰٓئِكَةُ وَأُوْلُواْ ٱلۡعِلۡمِ قَآئِمَۢا بِٱلۡقِسۡطِۚ لَآ إِلَٰهَ إِلَّا هُوَ ٱلۡعَزِيزُ ٱلۡحَكِيمُ18﴾

{እነሆ ኣላህ፡ ብዘይካ ንሱ ካልእ ብሓቂ ዝምለኽ ከምዘየለ ባዕሉ መስኪሩ ኢዩ። መልኣኽትን ሰብ ፍልጠትን ዉን መስኪሮም ኢዮም።ብፍትሒ ዝቖመ ጎይታ፡ ብዘይካ ንሱ ካልእ ጎይታ ዝበሃል የለን። ንሱ ዕዙዝን ተዓዋትን ኢዩ።}

[ኣል ዒምራን፡ 18]።

ትርጉማ ድማ፡ ብዘይካ ኣላህ ካልእ ብሓቂ ዝምለኽ የለን።

"ላ ኢላሃ"፡ ብዘይካ ኣላህ ንኹሎም ዝምለኹ ምንጻግ።

"ኢለላህ"፡ ኣምልኾት ንኣላህ ንብሕትኡ ምዃኑ ምርግጋጽ።

ኣብ ኣምልኾኡ መሻርኽቲ የብሉን፣ ከም'ቲ ኣብ ንግስነቱ መሻርኽቲ ዘይብሉ።

ነዚኣ ዘብርሃን መግለጺኣን ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿وَإِذۡ قَالَ إِبۡرَٰهِيمُ لِأَبِيهِ وَقَوۡمِهِۦٓ إِنَّنِي بَرَآءٞ مِّمَّا تَعۡبُدُونَ26 إِلَّا ٱلَّذِي فَطَرَنِي..﴾

{ኢብራሂም ነቡኡን ንህዝቡን ኣነ ካብቶም ተምልኽዎም ነጻ ኢየ ኢሉ26

{ብዘይካ እቲ ዝፈጠረኒ...} [ኣ'ዙኽሩፍ፡26-27]፡ ከምኡ ዉን ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿قُلۡ يَٰٓأَهۡلَ ٱلۡكِتَٰبِ تَعَالَوۡاْ إِلَىٰ كَلِمَةٖ سَوَآءِۭ بَيۡنَنَا وَبَيۡنَكُمۡ أَلَّا نَعۡبُدَ إِلَّا ٱللَّهَ وَلَا نُشۡرِكَ بِهِۦ شَيۡـٔٗا وَلَا يَتَّخِذَ بَعۡضُنَا بَعۡضًا أَرۡبَابٗا مِّن دُونِ ٱللَّهِۚ فَإِن تَوَلَّوۡاْ فَقُولُواْ ٱشۡهَدُواْ بِأَنَّا مُسۡلِمُونَ64﴾

{(ኦ ሙሓመድ)ኣንቱም ሰብ መጽሓፍ ንዑ ናብ'ታ ናባናን ናባኹምን ሓንቲ ዝኾነት ቃል ብዘይካ ንኣላህ ንኻልእ ኣይነምልኽ ዝኾነ ይኹን ሽርካ ዉን ኣይንግበረሉ ነንሕድሕድና ዉን ከም ጎይታ ኣይንቛጻጸር እንድሕር ሕቆኦም ሂቦም ንሕና ናብ ጎይታና ዝእዘዙን ዝንበርከኹን ኢና መስክሩ በሎም.} [ኣለ ዒምራን፡64]።

መርትዖ ናይ ምስክርነት ሙሓመድ ብርግጽ ልኡኽ ኣላህ ምዃኑ ከም'ቲ ኣላህ ዝበሎ፦

﴿لَقَدۡ جَآءَكُمۡ رَسُولٞ مِّنۡ أَنفُسِكُمۡ عَزِيزٌ عَلَيۡهِ مَا عَنِتُّمۡ حَرِيصٌ عَلَيۡكُم بِٱلۡمُؤۡمِنِينَ رَءُوفٞ رَّحِيمٞ128﴾

{ካባኹም(ዓሌትኩም) ዝኾነ ሽግር ምስ ዘጋጥመኩም ሕማቕ ዝስመዖ፡ ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ንኽትህልው ብዙሕ ዝጽዕርን ዝደልይን በቶም ኣመንቲ ድማ ኣዝዩ ራህራህን ሓላይን ዝኾነ ልኡኽ ብርግጽ መጺኩም።} [ኣተውባ፡128]።

ትርጉም ናይ ሙሓመድ ብርግጽ ልኡኽ ናይ ኣላህ ዝብል ምስክርነት ድማ፦ ኣብ ዝኣዘዞ ምእዙዝ ምኻን፡ ብዝተዛረቦ ሓበሬታ ሓቂ ምባል፡ ብዝኸልከሎን ዝኾነኖን ምርሓቕ፡ ብዘይካ በቲ ንሱ ዘምጽኦ ሸሪዓ (ሕጊ) እምበር ብኻልእ ን ኣላህ ዘይምምላኽ ኢዩ።

ናይ ሰላትን፡ ዘካትን፡ ከምኡ'ዉን መግለጺ ተዉሒድን መርትዖ፡ ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿وَمَآ أُمِرُوٓاْ إِلَّا لِيَعۡبُدُواْ ٱللَّهَ مُخۡلِصِينَ لَهُ ٱلدِّينَ حُنَفَآءَ وَيُقِيمُواْ ٱلصَّلَوٰةَ وَيُؤۡتُواْ ٱلزَّكَوٰةَۚ وَذَٰلِكَ دِينُ ٱلۡقَيِّمَةِ5﴾

{ንኣላህ ብንጽህና ክግዝእዎን ካብ ኩሉ ሃይማኖታት ናብ እስልምና ክዝንብሉን ሰላቶም ከቑሙን ዘካት'ዉን ክህቡን ጥራይ ኢዮም ተኣዚዞም። እዚ ድማ እቲ ቅኑዕ ሃይማኖት ኢዩ።} [ኣል በይና:5]።

ናይ ጾም መርትዖ ድማ፡ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿يَٰٓأَيُّهَا ٱلَّذِينَ ءَامَنُواْ كُتِبَ عَلَيۡكُمُ ٱلصِّيَامُ كَمَا كُتِبَ عَلَى ٱلَّذِينَ مِن قَبۡلِكُمۡ لَعَلَّكُمۡ تَتَّقُونَ183﴾

{ ኦ ኣንቱም ኣመንቲ ጾም ክትጾሙ እኮ ተኣዚዝኩም ኢኹም ከም'ቲ ቅድሜኹም ዝነበሩ ዝተኣዘዙ ምእንቲ ፍርሓት ኣላህ ከተሕድሩ183} [ኣልበቐራ:183]።

ናይ ሓጅ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿...وَلِلَّهِ عَلَى ٱلنَّاسِ حِجُّ ٱلۡبَيۡتِ مَنِ ٱسۡتَطَاعَ إِلَيۡهِ سَبِيلٗاۚ وَمَن كَفَرَ فَإِنَّ ٱللَّهَ غَنِيٌّ عَنِ ٱلۡعَٰلَمِينَ﴾

{ግቡእ ናይ ኣላህ ደቂ ሰባት ክገብርዎ ዘለዎም ክእለት ንዘለዎ ሰብ ሓጅ ክገብር ግቡኡ ኢዩ} [ኣለ ዒምራን፡97]።

ካልኣይ ደረጃ፡ ኢማን፡ ንሱ ድማ፡ ሰብዓን ገለን ክፋል ኮይኑ፡ እቲ ዝለዓለ ላኢላሃ ኢለ ላህ ፡ እቲ ዝተሓተ ድማ ኣብ መንገዲ ንዝጸነሓካ ዘሸግር(ዝሃስይ) ነገራት ምውጋድ ኢዩ።ሓያእ(ምሕፋር) ዉን ሓደ ካብ'ቲ ክፋል ናይ ኢማን ኢዩ።

ዓንድታቱ(ኢማን) ሽዱሽተ ኢዮም፡ ብኣላህ ምእማን፡ ብመልኣኽቱ ምእማን፡ ብመጻሕፍቱ ምእማን፡ ብልኡኻቱ ምእማን፡ ብምጽኣተ ዓለም ምእማን፡ ከምኡ'ዉን ብ ቐደር(ጽሕፍቶ) ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ምእማን።

መርትዖ ናይዘን ሽዱሽተ ዓንድታት ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿لَّيۡسَ ٱلۡبِرَّ أَن تُوَلُّواْ وُجُوهَكُمۡ قِبَلَ ٱلۡمَشۡرِقِ وَٱلۡمَغۡرِبِ وَلَٰكِنَّ ٱلۡبِرَّ مَنۡ ءَامَنَ بِٱللَّهِ وَٱلۡيَوۡمِ ٱلۡأٓخِرِ وَٱلۡمَلَٰٓئِكَةِ وَٱلۡكِتَٰبِ وَٱلنَّبِيِّـۧنَ...﴾

{እቲ ሰናይ ስራሕ ኣንፈትካ ምብራቕን ምዕራብን ምግባር ኣይኮነን።እንታይ ደኣ እቲ ሰናይ ተግባር ዝበሃል፡ እቲ ብኣላህን፡ ብመጽኣተ-ዓለምን፡ ብመልኣኽትን፡ ብመጻሕፍትን፡ ብነብያትን ዝኣመነ ኢዩ...} [ኣልበቐራ፡177]።

ናይ ቐደር(ጽሕፍቶ) መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿إِنَّا كُلَّ شَيۡءٍ خَلَقۡنَٰهُ بِقَدَرٖ49﴾

{ንሕና ኩሉ ነገር ብ ቐደር (ጽሕፍቶ) ኢና ፈጢርናዮ።}

[ኣልቐመር፡49]።

ሳልሳይ ደረጃ፦ ኣል-ኢሕሳን —ሓደ ዓንዲ ኮይኑ—፡ ንሱ ድማ ንኣላህ ልክዕ ከም እትርእዮ ዘሎኻ ኮንካ ምምላኽ፡ ንስኻ እንተዘይረኣኻዮ ንሱ ይርእየካ ከምዘሎ ምእማን ማለት ኢዩ።

ናይ'ዚ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿إِنَّ ٱللَّهَ مَعَ ٱلَّذِينَ ٱتَّقَواْ وَّٱلَّذِينَ هُم مُّحۡسِنُونَ128﴾

{ብርግጽ ኣላህ እኮ 'ብምሕጋዝን ምሕላዉን' ምስቶም ንዑኡ ዝፈርሑን ኣብ ኩሉ ኩነታቶም ኣላህ ከምዝርእዮም ዘሎ ፈሊጦም ንብሕትኡ ዝሰርሑን ኢዩ ዝኸዉን}

[ኣልናሕል:128]።

ከምኡ'ዉን ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿وَتَوَكَّلۡ عَلَى ٱلۡعَزِيزِ ٱلرَّحِيمِ217 ٱلَّذِي يَرَىٰكَ حِينَ تَقُومُ218 وَتَقَلُّبَكَ فِي ٱلسَّٰجِدِينَ219﴾

{ናብ'ቲ ዕዙዝን ተዓዋትን ኣዝዩ ራህራሂ ዝኾነን ተወከል217

እቲ ሰላት ክትሰግድ እንከሎኻ ዝርእየካ(ዝከታተለካ) 218

እቲ ኩሉ ዓይነታት ምንቅስቕስ ናይ ሰላት ክትገበር እከሎኻ ዝርእየካ 219} [ኣ'ሹዓራእ:217-219]።

ከምኡ'ዉን ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፦

﴿وَمَا تَكُونُ فِي شَأۡنٖ وَمَا تَتۡلُواْ مِنۡهُ مِن قُرۡءَانٖ وَلَا تَعۡمَلُونَ مِنۡ عَمَلٍ إِلَّا كُنَّا عَلَيۡكُمۡ شُهُودًا إِذۡ تُفِيضُونَ فِيهِ...﴾

{ኣብ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ምስ እትህሉን፡ ወይ ዉን ቑርኣን ምስ እትቐርእ፡ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ምስ እትሰርሑን(ኣቱም ኣመንቲ)፡ ኣብኡ ተዋፊርኩም ኣብ እትኾንሉ እዋን ንሕና ኣብ ልዕሊኹም መስከርቲ ኢና።} [ዩኑስ:61] ኣል ኣያ(ጥቕሲ)።

መርትዖ ካብ ሱና ድማ፡ እቲ ፍሉጥ ሓዲስ ጅብሪል(ተባሂሉ ዝጽዋዕ)፡ ካብ ዑመር ረዲየላሁ ዓንሁ ዘዉረዩልና ከም'ዚ ኢሉ፡

"بَيْنَمَا نَحْنُ عِنْدَ رَسُولِ اللَّهِ ﷺ ذَاتَ يَوْمٍ، إِذْ طَلَعَ عَلَيْنَا رَجُلٌ، شَدِيدُ بَيَاضِ الثِّيَابِ، شَدِيدُ سَوَادِ الشَّعَرِ، لَا يُرَى عَلَيْهِ أَثَرُ السَّفَرِ، وَلَا يَعْرِفُهُ مِنَّا أَحَدٌ، حَتَّى جَلَسَ إِلَى النَّبِيِّ ﷺ فَأَسْنَدَ رُكْبَتَيْهِ إِلَى رُكْبَتَيْهِ، وَوَضَعَ كَفَّيْهِ عَلَى فَخِذَيْهِ، وَقَالَ: يَا مُحَمَّدُ !

ሓደ መዓልቲ ምስ ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኮፍ ኢልና እንከሎና፡ ሓደ ክዳኑ ኣዝዩ ጻዕዳ፡ ጸጉሩ ድማ ኣዝዩ ጸሊም ዝኾነ፡ ምልክት መገሻ ዘይረኣየሉ፡ ካባና ዉን ሓደ'ኳ ዘይፈልጦ ሰብኣይ ናባና መጸ። ናብ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ቀሪቡ ድማ ኮፍ በለ። ኣብራኹ ናብ ኣብራኹ ኣደጊፉ፡ ክልቲኡ ኣእዳዉ ኣብ ሰለፉ ኣንቢሩ፡ “ኦ ሙሓመድ!” ድማ በለ።

أَخْبِرْنِي عَنِ الإِسْلَامِ؟

ብዛዕባ እስልምና ኣፍልጠኒ?

فَقَالَ رَسُولُ اللَّهِ ﷺ: الإِسْلَامُ: أَنْ تَشْهَدَ أَلَّا إِلَهَ إِلَّا اللَّهُ وَأَنَّ مُحَمَّدًا رَسُولُ اللَّهِ، وَتُقِيمَ الصَّلَاةَ، وَتُؤْتِيَ الزَّكَاةَ، وَتَصُومَ رَمَضَانَ، وَتَحُجَّ البَيْتَ إِنِ اسْتَطَعْتَ إِلَيْهِ سَبِيلًا، قَالَ: صَدَقْتَ - فَعَجِبْنَا لَهُ، يَسْأَلُهُ وَيُصَدِّقُهُ –.

ናይ ኣላህ ልኡኽ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ድማ ፦ "እስልምና ማለት፡ ብዘይካ ኣላህ ብሓቂ ዝምለኽ ኣምላኽ ከምዘየሎን ብርግጽ ሙሓመድ ናይ ኣላህ ልኡኽ ምዃኑን ክትምስክርን፡ ሰላት ክትሰግድን፡ ዘካት ክትህብን፡ ረመዳን ክትጸዉምን፡ ዓቕሚ እንተሃልዩካ ድማ ሓጅ ክትገብርን ኢዩ።" ንሱ ድማ፡ "ሓቂ ተዛሪብካ" በለ። - ንሕና ድማ ብእኡ ተገረምና፡ ይሓቶ'ሞ ሓቅኻ ኢሉ ድማ ይምልስ። -

قَالَ: فَأَخْبِرْنِي عَنِ الْإِيمَانِ؟

«ብዛዕባ ኢማን ንገረኒ?ድማ በለ»

قَالَ: أَنْ تُؤْمِنَ بِاللَّهِ، وَمَلَائِكَتِهِ، وَكُتُبِهِ، وَرُسُلِهِ، وَاليَوْمِ الْآخِرِ، وَتُؤْمِنَ بِالقَدَرِ خَيْرِهِ وَشَرِّهِ، قَالَ: صَدَقْتَ.

ብኣላህን፡ ብመልኣኽቱን፡ ብመጽሓፍቱን፡ ብልኡኻቱን፡ ብመወዳእታ መዓልትን ምእማን፡ ከምኡ'ዉን ብቐደር(ጽሕፍቶ) ሰናዩ ይኹን ሕማቕ ምእማን ኢዩ ምስ በሎ፡ ንሱ ድማ፡ ሓቂ ተዛሪብካ፡ በለ።

قَالَ: فَأَخْبِرْنِي عَنِ الْإِحْسَانِ؟

ብዛዕባ ኢሕሳን ንገረኒ? በለ

قَالَ: أَنْ تَعْبُدَ اللَّهَ كَأَنَّكَ تَرَاهُ، فَإِنْ لَمْ تَكُنْ تَرَاهُ فَإِنَّهُ يَرَاكَ.

ንኣላህ ልክዕ ከም እትርእዮ ዘለኻ ኴንካ ክተምልኾ፡ንስኻ እንተዘይረኣኻዮ'ዉን ንሱ ይርእየካ ከምዘሎ ከተሕድር በሎ።

قَالَ: فَأَخْبِرْنِي عَنِ السَّاعَةِ؟

እምበኣር ብዛዕባ እታ ሰዓት(ምጽኣተ ዓለም) ንገረኒ በለ፧

قَالَ: مَا المَسْؤُولُ عَنْهَا بِأَعْلَمَ مِنَ السَّائِلِ.

ብዛዕባ እዛ ተሓትታ ዘሎኻ ወላ ዉን እቲ ተሓታቲ ካባኻ ዝበለጸ ፍልጠት የብሉን ኢሉ መለሰሉ።

قَالَ: فَأَخْبِرْنِي عَنْ أَمَارَاتِهَا؟

ብዛዕባ ምልክታታ በል ንገረኒ? በለ

قَالَ: أَنْ تَلِدَ الأَمَةُ رَبَّتَهَا، وَأَنْ تَرَى الحُفَاةَ العُرَاةَ العَالَةَ رِعَاءَ الشَّاءِ، يَتَطَاوَلُونَ فِي البُنْيَانِ.

ሓንቲ ባርያ ንጐይታኣ ክትወልድ እንከላ፡ ከምኡ'ውን እቶም ጥራይ እግሮሙን፡ ዕሩቓትን ዝኾኑ ጓሶት፡ ኣብ ህንጻታት ብምንዋሕ ክወዳደሩ ክትርኢ እንከሎኻ።"በሎ

قَالَ: ثُمَّ انْطَلَقَ فَلَبِثْتُ مَلِيًّا، ثُمَّ قَالَ لِي: يَا عُمَرُ! أَتَدْرِي مَنِ السَّائِلُ؟ قُلْتُ: اللَّهُ وَرَسُولُهُ أَعْلَمُ، قَالَ: فَإِنَّهُ جِبْرِيلُ، أَتَاكُمْ يُعَلِّمُكُمْ دِينَكُمْ".

«ድሕሪኡ ተሲኡ ከደ፡ ኣነ ድማ ንቕሩብ ጸናሕኩ። ድሕሪኡ ድማ ንዓይ፡ ‘ኦ ዑመር! እቲ ሓታቲ መን ምዃኑ ትፈልጥዶ፧’ በለኒ። ኣነ ድማ፡ ‘ኣላህን ልኡኹን ኢዮም ዝፈልጡ’ በልኩ። ‘ንሱ ጅብሪል ኢዩ፡ መጺኡኩም ዲንኩም(ሃይማኖትኩም) ክምህረኩም’ በለ።»

[እቲ ሳልሳይ መሰረት]

ንነብይኩም ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ምፍላጥ፡ ንሱ ድማ ሙሓመድ ወዲ ዓብዲላህ ወዲ ዓብዱል ሙጠሊብ ወዲ ሃሺም፡ ሃሺም ካብ ቑረይሽ፡ ቑረይሽ ካብ ዓረብ፡ ዓረብ ከኣ ካብ ዘርኢ ኢስማዒል ወዲ ኢብራሂም ሰላትን ሰላምን ይብጻሓዮም ኢዩ።

ዕድሚኡ ሱሳን ሰለስተን ዓመት ኔሩ - ካብኡ እተን ኣርበዓ ቅድሚ ነቢ ምዃኑ፡ ዕስራን ሰለስተን ድማ ነብን ልኡኽን እንከሎ።

ብ(ዓንቀጽ)ኢቕራእ ነብይነት ተዋሂብዎ፡ብ(ዓንቀጽ)ኣል-ሙደሲር ድማ ልኡኽ ተዋሂቡ፡ ዓዱ ከኣ መካ ኢያ።

ኣላህ ካብ ሽርክ ንኸጠንቅቕን ናብ ተዉሒድ ንኽጽዉዕን ልኢኽዎ፡ መርትዖ ናይ'ዚ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿يَٰٓأَيُّهَا ٱلۡمُدَّثِّرُ1 قُمۡ فَأَنذِرۡ2 وَرَبَّكَ فَكَبِّرۡ3 وَثِيَابَكَ فَطَهِّرۡ4 وَٱلرُّجۡزَ فَٱهۡجُرۡ5 وَلَا تَمۡنُن تَسۡتَكۡثِرُ6 وَلِرَبِّكَ فَٱصۡبِرۡ7﴾

{ ኦኣንታ ተሸፋኒ1

{ተንስእ እሞ ኣጠንቅቕ 2

ንጎይታኻ ድማ ኣዕብዮ 3

ንኽዳንካ ዉን ኣንጽህ4

ንስእልን ምስልን ራሕርሕ5

ካብ'ቲ ዝሃብካዮ ዝያዳ ንኽዋአሃበካ ኢልካ ህያብ ኣይትሃብ 6

ንስለ ጎይታኻ ኢልካ ተዓገስ 7} [ኣል ሙደሲር:1-7]።

ትርጉሙ ድማ

﴿قُمۡ فَأَنذِرۡ﴾

{ተንስእ'ሞ ኣጠንቅቕ}: ካብ ሽርክ የጠንቅቕ፡ ናብ ተዉሒድ ድማ ይጽዉዕ።

﴿وَرَبَّكَ فَكَبِّرۡ﴾

[ንጎይታኻ ድማ ኣዕብይ}

እዚ ማለት፦ ብሓደነት ጌርካ ኣዕብዮ።

﴿وَثِيَابَكَ فَطَهِّرۡ﴾

{ክዳዉንትኻ ድማ ኣንጽህ}

እዚ ማለት፦ ንግብርታትካ ካብ ሽርክነት ኣንጽህ።

﴿وَٱلرُّجۡزَ فَٱهۡجُرۡ﴾

{ንሩጅዝ ድማ ራሕርሕ}

ሩጅዝ፦ምስልታት፡ ምርሕራሖም ድማ ምግዳፍ ካብኣቶምን ካብ ከምኡ ዘምልኹ ሰባትን ነጻ ምዃን ኢዩ።

ንዓሰርተ ዓመት ናብ ተዉሒድ ጻዊዒት እናገበረ ጸኒሑ። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ድማ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፡ ኣብኡ ድማ እተን ሓሙሽተ ሰላት ግዴታ ዝኾና ተሓጊገን። ኣብ መካ ንሰለስተ ዓመት ሰጊዱ፡ ድሕሪኡ'ዉን ናብ መዲና ሂጅራ(ክስደድ) ተኣዚዙ።

ሂጅራ ማለት፡ ካብ ዓዲ ሽርክ ናብ ዓዲ እስላም ምስዳድ(ምግዓዝ) ኢዩ።

ሂጅራ ድማ ነዚ ኡማ(ህዝቢ ነቢ ሙሓመድ) ካብ ዓዲ ሽርክ ናብ ዓዲ እስልምና ምስዳድ ግድነት ኢዩ። ክሳብ ምጽኣተ ዓለም ዝኸዉን።

ናይ'ዚ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿إِنَّ ٱلَّذِينَ تَوَفَّىٰهُمُ ٱلۡمَلَٰٓئِكَةُ ظَالِمِيٓ أَنفُسِهِمۡ قَالُواْ فِيمَ كُنتُمۡۖ قَالُواْ كُنَّا مُسۡتَضۡعَفِينَ فِي ٱلۡأَرۡضِۚ قَالُوٓاْ أَلَمۡ تَكُنۡ أَرۡضُ ٱللَّهِ وَٰسِعَةٗ فَتُهَاجِرُواْ فِيهَاۚ فَأُوْلَٰٓئِكَ مَأۡوَىٰهُمۡ جَهَنَّمُۖ وَسَآءَتۡ مَصِيرًا97 إِلَّا ٱلۡمُسۡتَضۡعَفِينَ مِنَ ٱلرِّجَالِ وَٱلنِّسَآءِ وَٱلۡوِلۡدَٰنِ لَا يَسۡتَطِيعُونَ حِيلَةٗ وَلَا يَهۡتَدُونَ سَبِيلٗا98﴾

{ብርግጽ እቶም ነብሶም በደልቲ ካብ ዓዲ ከሓድቲ ናብ ዓዲ እስልምና ዘይተሰደዱ ምስ ሞቱ እቶም ምልኣኽቲ ኣብ ምንታይ (ኩነታት) ኔርኩም?" ይብልዎም። ንሳቶም ድማ፡ "ኣብ ምድሪ ተጨቚንና ኔርና" ይብሉ። መልኣኽቲ ከኣ “ምድሪ ኣላህ ሰፊሕ ኣይነበረትን ዲያ? ኣብኣ ስደት ምገበርኩም” ይብልዎም። እቶም ከምዚኣቶም መዕቆቢኦም ገሃነም ኢዩ። ንሳ ድማ ዝኸፍአ ናይ መወዳእታ መዕረፊ ኢያ97

{ብዘይካ ካ እቶም ካብ ሰብኡትን ኣንስትን ቆልዑትን ዝኾኑ ድኹማት፡ ዝኾነ ብልሓት ዘይክእሉን ዝኸድሉ መንገዲ ዘይረኽቡን እንተዘይኮይኖም 98} [ኣልኒሳእ፡97-98]።

ከምኡ'ዉን ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿يَٰعِبَادِيَ ٱلَّذِينَ ءَامَنُوٓاْ إِنَّ أَرۡضِي وَٰسِعَةٞ فَإِيَّٰيَ فَٱعۡبُدُونِ56﴾

{ኦ ባሮተይ እቶም ዝኣመንኩም፡ ምድረይ ሰፊሕ ኢዩ'ሞ ንዓይ ንብሕተይ ተገዝኡኒ} [ኣልዓንከቡት፡56]።

ኢማም ኣልበቐዊ ረቢ ይርሓመሉ ከም'ዚ ይብል፡ ምኽንያት ምዉራድ ናይ'ዛ ኣያ(ጥቕሲ)፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ መካ ዝነበሩን ዘይሃጀሩን(ዘይተሰደዱን) ኣስላም ኮይኑ፡ ግን ኣላህ ብስም ኢማን ጸዊዕዎም።

ናይ ሂጅራ መርትዖ ካብ ሱና ድማ፡ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ ይብል፦

"لَا تَنْقَطِعُ الهِجْرَةُ حَتَّى تَنْقَطِعَ التَّوْبَةُ، وَلَا تَنْقَطِعُ التَّوْبَةُ حَتَّى تَطْلُعَ الشَّمْسُ مِنْ مَغْرِبِهَا".

"ሂጅራ፡ ኣይቋረጽን ኢዩ ክሳብ ተዉባ እትቋረጽ ተዉባ ዉን ኣይትቋረጽን ኢያ ክሳብ ጸሓይ ካብ ምዕራባ እትወጽእ።"

ኣብ መዲና ምስ ተረጋገአ ድማ፡ በቶም ዝተረፉ ሕግታት ናይ እስልምና ማለት፡ ዘካት፡ ጾም፡ ሓጅ፡ ኣዛን፡ ጂሃድን፡ ከምኡ’ዉን ናብ ጽቡቕ ክእዝዝን ካብ ሕማቕ ክኽልክልን ተኣዚዘ። ነዚ እናፈጸመ ድማ ዓሰርተ ዓመት ጸንሐ።

ንሱ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኣብ ዝሞተሉ እዋን ሃይማኖቱ(እስልምና)ከምዘለዎ ነባሪ ኔሩ። ዝኾነ ይኹን ሰናይ ነገር ንህዝቡ ሓቢሩ ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ሕማቕ ነገራት ድማ ኣጠንቂቑ ኢዩ።

እቲ ናብኡ ዝመርሓና ሰናይ ነገር ድማ፡ ተዉሒድን ኩሉ እቲ ኣላህ ዝፈትዎን ዝፈቕዶን ኢዩ።

ካብ'ቲ ዘጠንቀቕና እከይ ነገር ድማ፡ ሽርኪ፡ ከምኡ’ዉን ኩሉ ኣላህ ዝጸልኦን ዝነጽጎን ነገር ኢዩ።

ኣላህ ናብ ኩሎም ደቂ ሰባት ልኢኽዎ፡ ንዕኡ ምእዛዝ ድማ ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም - ኣጋንንትን ደቂ ሰባትን - ግዴታ ገይሩ ኢዩ።ናይ'ዚ መርትዖ ድማ ሉዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿قُلۡ يَٰٓأَيُّهَا ٱلنَّاسُ إِنِّي رَسُولُ ٱللَّهِ إِلَيۡكُمۡ جَمِيعًا...﴾

{( 'ኦ ሙሓመድ)፡ ኣንቱም ሰባት ኣነ'ኮ ናብ ኩሉኹም ዝተላኣኽኩ ልኡኽ ናይ ኣላህ ኢየ በል ...} [ኣል ኣዕራፍ፡158]።

ከምኡ'ውን ኣላህ ነቲ ሃይማኖት ብእኡ ኣማልኦ፡ ናይ'ዚ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿...ٱلۡيَوۡمَ أَكۡمَلۡتُ لَكُمۡ دِينَكُمۡ وَأَتۡمَمۡتُ عَلَيۡكُمۡ نِعۡمَتِي وَرَضِيتُ لَكُمُ ٱلۡإِسۡلَٰمَ دِينٗاۚ...﴾

{...ሎሚ ሃይማኖትኩም ኣማሊኤልኩም፡ ጸጋይ'ዉን ኣብ ልዕሌኹም ፈጺመዮ፡ እስልምና ድማ ከም ሃይማኖት ፈትየልኩም ኣለኹ...} [ኤል ማኢዳ፡3]።

ናይ ሞቱ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿إِنَّكَ مَيِّتٞ وَإِنَّهُم مَّيِّتُونَ30 ثُمَّ إِنَّكُمۡ يَوۡمَ ٱلۡقِيَٰمَةِ عِندَ رَبِّكُمۡ تَخۡتَصِمُونَ31﴾

{ንስኻ ብርግጽ መዋቲ ኢኻ ንሳቶም’ዉን ብርግጽ መወትቲ ኢዮም 30

ብድሕሪኡ ንስኻትኩም ኣብ ቂያማ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ጎይታኹም ክትከራኸሩ ኢኹም 31} [ኣዙመር:30-31]።

ሰባት ድማ ምስ ሞቱ ይትንስኡ ኢዮም፡ ናይ'ዚ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿مِنۡهَا خَلَقۡنَٰكُمۡ وَفِيهَا نُعِيدُكُمۡ وَمِنۡهَا نُخۡرِجُكُمۡ تَارَةً أُخۡرَىٰ55﴾

{ካብኣ (ካብ መሬት) ፈጠርናኩም፡ ናብኣ ንመልሰኩም፡ ካብኣ ድማ ዳግማይ ነዉጽኣኩም} [ጣሃ:55]፡ ከምኡ'ዉን ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፦

﴿وَٱللَّهُ أَنۢبَتَكُم مِّنَ ٱلۡأَرۡضِ نَبَاتٗا17 ثُمَّ يُعِيدُكُمۡ فِيهَا وَيُخۡرِجُكُمۡ إِخۡرَاجٗا18﴾

{ኣላህ ካብ መሬት(ሓመድ) ኣብቂሉኩም17

{ብድሕሪኡ ድማ ኣብኣ ይምልሰኩምን ካብኣ ድማ የዉጽኣኩም 18} [ኑሕ፡17-18]።

ብድሕሪ ምትንሳእ ድማ፡ ብተግባራቶም ክሕተቱን ክፍረዱን ኢዮም። መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿...لِيَجۡزِيَ ٱلَّذِينَ أَسَٰٓـُٔواْ بِمَا عَمِلُواْ وَيَجۡزِيَ ٱلَّذِينَ أَحۡسَنُواْ بِٱلۡحُسۡنَى﴾

{...ነቶም ሕማቕ ዝሰርሑ በቲ ዝሰርሑዎ ክፈድዮም፡ ነቶም ሰናይ ዝሰርሑ ድማ በቲ ዝበለጸ ክፈድዮም ኢዩ።}

[ኣ'ነጅም፡31]።

ብድሕሪ ሞት ምትንሳእ ከምዘሎ ዝሓሰወ ድማ ክሒዱ ኢዩ። ናይ'ዚ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿زَعَمَ ٱلَّذِينَ كَفَرُوٓاْ أَن لَّن يُبۡعَثُواْۚ قُلۡ بَلَىٰ وَرَبِّي لَتُبۡعَثُنَّ ثُمَّ لَتُنَبَّؤُنَّ بِمَا عَمِلۡتُمۡۚ وَذَٰلِكَ عَلَى ٱللَّهِ يَسِيرٞ7﴾

{እቶም ዝኸሓዱ ካብ ሞት ኣይንትንስእን ኢና'በሉ። (ኦ ሙሓመድ) ብጎይታይ እባ እምሕል ብርግጽ ካብ ሞት ከም እትትንስኡ፡ ብድሕሪኡ'ዉን እቲ ኩሉ ኣብ ኣዱንያ እትገብርዎ ዝነበርኩም ከምእትንገሩ፡ እዚ'ዉን ኣላህ ንኽገብሮ ቀሊል ነገር ኢዩ" በሎም7።} [ኣተቓቡን:7]።

ኣላህ ንኩሎም ልኡኻቱ ኣበሰርትን ኣጠንቀቕትን ጌሩ ልኢኹዎም፡ መርትዖኡ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿رُّسُلٗا مُّبَشِّرِينَ وَمُنذِرِينَ لِئَلَّا يَكُونَ لِلنَّاسِ عَلَى ٱللَّهِ حُجَّةُۢ بَعۡدَ ٱلرُّسُلِۚ...﴾

{ኣበሰርትን ኣጠንቀቕትን ዝኾኑ ልኡኻት፡ ድሕሪኦም ንሰባት ኣብ ልዕሊ ኣላህ ዝኾነ መርትዖን መመኽነይታን ምእንቲ ከይህልዎም...} [ኣ'ኒሳእ፡165]።

እቲ ቀዳማይ ካብኦም ኑሕ ዓለይሂ ሰላም ኢዩ።

መወዳእታ ናቶም ድማ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኢዩ። ንሱ ናይ ነቢያት መደምደምታ ኮይኑ፡ ብድሕሪኡ ነቢ የለን። መርትዖ ናይ'ዚ ድማ ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፦

﴿مَّا كَانَ مُحَمَّدٌ أَبَآ أَحَدٖ مِّن رِّجَالِكُمۡ وَلَٰكِن رَّسُولَ ٱللَّهِ وَخَاتَمَ ٱلنَّبِيِّـۧنَ...﴾

{ሙሓመድ ኣቦ ናይ ሓዲኹም ኣይኮነን ግና ልኡኽ ናይ ኣላህን ናይ ነቢይታት መዛዘምን ኢዩ...} [ኣልኣሕዛብ፡40]።

ቀዳማዮም ኑሕ ምዃኑ መርትዖ ድማ፡ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿إِنَّآ أَوۡحَيۡنَآ إِلَيۡكَ كَمَآ أَوۡحَيۡنَآ إِلَىٰ نُوحٖ وَٱلنَّبِيِّـۧنَ مِنۢ بَعۡدِهِ...﴾

{ንሕና ናባኻ ዋሕይ(ራእይ) ልኢኽናልካ፡ ከም'ቲ ናብ ኑሕን ናብቶም ድሕሪኡ ዝነበሩ ነብያትን ዋሕይ ዝለኣኽናሎም ...} [ኣልኒሳእ፡163]።

ንነፍሲ-ወከፍ ሕብረተሰብ፡ ኣላህ - ካብ ኑሕ ክሳብ ሙሓመድ - ልኡኽ ልኢኹሉ ኢዩ። ንኣላህ በይኑ ከምልኹዎን፡ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ድማ ክኽልክልዎምን። መርትዖኡ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿وَلَقَدۡ بَعَثۡنَا فِي كُلِّ أُمَّةٖ رَّسُولًا أَنِ ٱعۡبُدُواْ ٱللَّهَ وَٱجۡتَنِبُواْ ٱلطَّٰغُوتَ...﴾

{ናብ ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ዝለኣኽናዮ ልኡኽ፡ካብ ጣኦት ርሒቖም ንኣላህ በይኑ ንኸምልኹዎ ኢዩ...}

[ኣልናሕል፡36]።

ኣላህ ድማ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ባሮት፡ ብጣኦት ምኽሓድን ብኣላህ ምእማንን ግዴታ ጌርዎ ኢዩ።

ኢብኑል ቐይም _ረቢ ይርሓመሉ_ ከም'ዚ ይብል፦ ጣኦት ማለት፦ ሓደ ሰብ(ተመላኺ) ወሰኑ ዝሓለፈሉ ነገር ኮይኑ፡ እዚ ድማ ካብ ዝምለኽ፡ ወይ ዝስዓብ፡ ወይ'ዉን ዝእዘዝ ኢዩ።

ጣኦታት ድማ ብዙሓት'ዮም፡ መራሕቶም ድማ ሓሙሽተ ኢዮም: ኢብሊስ - ኣላህ ይርገሞ፡ ፍቓደኛ ኮይኑ ዝተመለኸ፡ ንሰባት ናብ ኣምልኾ ነፍሱ ዝጸወዐ፡ ስውር ነገር ይፈልጥ ኢየ ዝብል ከምኡ'ዉን ብዘይ እቲ ኣላህ ዘውረዶ ሕጋታት ዝፈርድ።

ናይ'ዚ መርትዖ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦

﴿لَآ إِكۡرَاهَ فِي ٱلدِّينِۖ قَد تَّبَيَّنَ ٱلرُّشۡدُ مِنَ ٱلۡغَيِّۚ فَمَن يَكۡفُرۡ بِٱلطَّٰغُوتِ وَيُؤۡمِنۢ بِٱللَّهِ فَقَدِ ٱسۡتَمۡسَكَ بِٱلۡعُرۡوَةِ ٱلۡوُثۡقَىٰ لَا ٱنفِصَامَ لَهَاۗ وَٱللَّهُ سَمِيعٌ عَلِيمٌ256﴾

{ኣብ ሃይማኖት(እስልምና) ምግዳድ የለን፡ ቅኑዕ መንገዲ ካብ ሕማቕ መንገዲ ምፍላዩ ንጹር ኮይኑ ኢዩ። እቲ ብጣኦት ክሒዱ ብኣላህ ዝኣመነ፡ ብሓቂ ነቲ ዘይብተኽ ጽኑዕ ሰንሰለት ሒዙ። ኣላህ ድማ ሰማዕን ፈላጥን ኢዩ256} [ኣልበቐራ፡256]፡ እዚ ድማ ትርጉም ናይ "ላኢላሃ ኢለላህ" ኢዩ፡ ኣብ ሓዲስ ድማ፡

"رَأْسُ الأَمْرِ: الإِسْلَامُ، وَعَمُودُهُ: الصَّلَاةُ، وَذِرْوَةُ سَنَامِهِ: الجِهَادُ فِي سَبِيلِ اللَّهِ".

"«ልዕሊ ኩሉ ነገር እስልምና ክኸዉን እንከሎ፡ ዓንዲ ናቱ ድማ ሰላት ኢዩ፡ ዝለዓለ ክፍሊ ደረጅኡ ድማ ጂሃድ ምእንቲ ኣላህ ኢልካ ኣብ መንገዱ ምቅላስ ኢዩ»።"

ኣላህ ድማ ዝበለጸ ፈላጥ ኢዩ።

 

ዝርዝር ትሕዝቶ

 

[እቲ ቀዳማይ መሰረት] 6

[እቲ ካልኣይ መሰረት] 12

[እቲ ሳልሳይ መሰረት] 20

 

 

***

 

ti36v2.0 - 28/09/2026