رِسَالَةٌ فِي الدِّمَاءِ الطَّبِيعِيَّةِ لِلنِّسَاءِ
ብዛዕባ ባህርያዊ ደም ደቂ
ኣንስትዮ ዝገልጽ መልእኽቲ
بِقَلَمِ فَضِيلَةِ الشَّيْخِ العَلَّامَةِ
مُحَمَّدِ بْنِ صَالِحٍ العُثَيْمِينِ
غَفَرَ اللَّهُ لَهُ وَلِوَالِدَيْهِ وَلِلمُسْلِمِينَ
ብብርዒ ሸኽ ኣልዓ'ላማ
ሙሓመድ ብን ሳሊሕ ኣልዑሰይሚን
ኣላህ ንዕኡን ንወለዱን ንሙስሊሚንን ይምሓረሎም።
بِسْمِ اللهِ الرَّحمَنِ الرَّحِيمِ
ሙሓመድ ብን ሳሊሕ ኣልዑሰይሚን
ብዛዕባ ባህርያዊ ደም ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት መልእኽቲ
ምስጋና ይኹኖ ን ኣላህ ነመስግኖን ካብኡ ሓገዝ ንሓትትን ንሓጥያትና ክምሕረና ንልምኖን ናብኡ ድማ ንናሳሕን፡ ከምኡ'ውን ናብኡ ካብ ሕማቕ ባህርያት ናይ ነብስናን ተግባርናን ንዕቆብ። ኣላህ ዝመርሖ ሰብ ዘስሕቶ የለን፡ ንዘስሓቶ ሰብ ድማ ዝመርሖ የለን። በቲ እንኮ ሓደ ንሱ ኣላህ ብዘይክኡ ካልእ ክምለኽ ዝግበኦ ከምዘየለ ሽርካ ዘይብሉ እምስክር ከምኡ'ውን ሙሓመድ ባርዪኡን ልኡኹን ምዃኖም እምስክር፡ ኣላህ ምውዳሱን ሰላምን ኣብ ልዕሊኦም፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ስድረኦምን ብጾቶምን፡ ክሳብ መዓልቲ ፍርዲ ብልክዕ ንዝሰዓብዎምን የውርድ።
ድሕር'ዚ፦ እቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመን ደም፡ ንሱ ድማ ጽግያት (ሐይድ)፡ ኢስቲሓዳን ኒፋስን ኮይኑ፡ ካብ'ቶም ምብራሆምን ፍርዲ ናይ'ዚ ምፍላጥን፡ ከምኡ'ውን ኣብ'ዚ ጉዳይ ካብ ዝተዋህቡ ዘረባታት ሰብ-ፍልጠት ነቲ ጌጋ ካብ'ቲ ቅኑዕ ምፍላይን ኣድላዪ ዝኾነሎም ኣገደስቲ ጉዳያት ኢዩ። ከምኡ'ውን እቲ እንሙርከሰሉ ካብኡ ኣብ ዝተመርጸ ይኹን ወይ ኣብ ዝደኸመ ብመሰረት መብርሂ እቲ ኣብ ኪታብን(ቑርኣን) ሱናን ዝመጸ ክኸውን ኣለዎ።
1- ምኽንያቱ ክልቲኦም፡ እቶም ልዑል ኣላህ ንባሮቱ ኣምልኾን ግዴታን ዝገበረሎም ሕግታት ዝህነጸሎም ክልተ መሰረታውያን ምንጭታት ኢዮም።
2- ከምኡ'ውን ምኽንያቱ ኣብ ኪታብን ሱናን ምምርኳስ፡ ምርግጋእ ልብን፡ ምግፋሕ ደረትን፡ ሩፍታ ነብስን ካብ ተሓታትነት ነጻ ምዃንን ስለዝርከቦ ኢዩ።
3- ብዘይክኦም ዝኾነ ዘረባ መርትዖ ናይ ዘረብኡ ከቕርብ ኣለዎ እምበር ከም መርትዖ ኣይውሰድን ኢዩ።
ምኽንያቱ ኣብ ቃል ልዑል ኣላህን ቃል ልኡኹ ሰላላሁ ዓለይሂ ወሰለም፡ ከምኡ'ውን ቃል ሰብ-ፍልጠት ካብ ሰሓባ በቲ ዝተመርጸ መረዳእታ ብመሰረት እቲ ሚዛን ዝደፍእ ዘረባ(ቃውል)፡ ኣብ መጽሓፍን ሱናን ዝጻረሮ ክሳብ ዘይኮነ ብዝብል ቅድመ-ኹነት ካልእ ብዘይክኡ መርትዖ ስለዘየለ፡ ከምኡ'ውን ዘረባ ካልእ ሰሓቢ ዘይጻረሮ ምስ ዝኸውን፡ ኣብ ኪታብን ሱናን ዝጻረሮ እንተድኣ ሃልዩ ግና፡ ነቲ ኣብ ኪታብን ሱናን ዘሎ ምሓዝ ግዴታ ይኸውን፡ ናይ ካልእ ሰሓቢ ዘረባ እንተ ተጻሪርዎ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ኣበሃህላታት ኣየናይ ከም ዝበልጽ ምምዛን ይድለ እሞ፡ እቲ ዝበለጸ ካብኡ ድማ ይውሰድ፡ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ስለ ዝበለ:-
﴿...فَإِن تَنَٰزَعۡتُمۡ فِي شَيۡءٖ فَرُدُّوهُ إِلَى ٱللَّهِ وَٱلرَّسُولِ إِن كُنتُمۡ تُؤۡمِنُونَ بِٱللَّهِ وَٱلۡيَوۡمِ ٱلۡأٓخِرِۚ ذَٰلِكَ خَيۡرٞ وَأَحۡسَنُ تَأۡوِيلًا﴾
{...ኣብ ዝኾነ ነገር እንተ ተኻቲዕኩም ፡እቲ ዝተኻታዕኩሙሉ ነገር ናብ ኣላህን ልኡኹን ምለስዎ ብኣላህን ብናይ መወዳእታ መዓልትን ትኣምኑ እንተኾንኩም፡ ንሱ እቲ ዝሓሸን መወዳእትኡ ደስ በሃልን ኢዩ} [ኣ'ኒሳእ: 59]።
እዚኣ ሓጻር መልእኽቲ እምብኣር፡ ብዛዕባ መግለጺ ናይ'ዚ ደም ሕግታቱን ኣድላዪ ዝኾነ ነገራት ዝሓዘት ኮይና፡ ነዞም ዝስዕቡ ምዕራፋት ዘጠቓለለት ኢያ፡
·ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ ትርጉም ናይ ጽግያትን ምኽንያት ህላዊኡን።
·ካልኣይ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ ግዜ ናይ ጽግያትን ንውሓቱን።
·ሳልሳይ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ ኣብ ጽግያት ዘጋጥሙ ነገራት።
·ራብዓይ ምዕራፍ፡ ፍርዲ ናይ ጽግያት።
·ሓምሻይ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ ኢስቲሓዳን ሕግታታን።
.ሻድሻይ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ ኒፋስን ሕግታቱን።
·ሻውዓይ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ ጽግያት ዝኽልክሉ ወይ ዘምጽኡ፡ ከምኡ'ውን ጥንሲ ዝኽልክሉ ወይ ዝንጽሉ ነገራት ምጥቃም።
ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ ትርጉም ጽግያትን ምኽንያት ህላዊኡን
ጽግያት(ሐይድ) ብቋንቋ ትርጉሙ፦ ናይ ሓደ ነገር ምፍሳስን ምውሓዝን ማለት ኢዩ።
ኣብ ሸሪዓ ትርጉሙ ድማ፦ ንጓል ኣንስተይቲ ብባህርያዊ መገዲ ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ኣብ ፍሉጣት እዋናት ዝወጽእ ደም ኢዩ። ስለ'ዚ ንሱ ባህርያዊ ደም ኮይኑ፡ ብሰንኪ ሕማም፡ ወይ ቁስሊ፡ ወይ ምንጻል ጥንሲ፡ ወይ ብሰንኪ ሕርሲ ዝመጽእ ኣይኮነን። ባህርያዊ ደም ብምዃኑ ድማ፡ ብመሰረት ኩነታት ናይ'ታ ጓል ኣንስተይቲ፡ ከባቢኣን ኩነታት ኣየራን ይፈላለ ኢዩ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ'ዚ ጉዳይ እዚ ብግልጺ ብዝረአ ፍልልይ ይፈላለያ ኢየን።
እቲ ኣብ'ዚ ዘሎ ጥበብ ድማ፡ ዕሸል ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ከሎ፡ በቲ ካብ ማህጸን ወጻኢ ዘሎ ፍጡር ዝምገቦ ክምገብ ስለዘይክእል፡ ከምኡ’ውን እቲ ንዕኡ ኣዝዩ ሩህሩህ ዝኾነ ፍጡር ዓይነት ምግቢ ከብጽሓሉ ስለዘይክእል፡ በዚ መሰረት'ዚ ልዑል ኣላህ ኣብ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ደም ፈሳሲታት ይገብር እሞ፡ እቲ ዕሸል ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ከሎ ምብላዕን ምሕቃቕን ከየድለዮ ብእኡ ይምገብ። እዚ ብመንገዲ ሕምብርቲ ኣቢሉ ናብ ኣካላቱ ብምእታው፡ እቲ ደም ኣብ ውሽጢ ሰራውሩ እናተዘዋወረ ብእኡ ይምገብ። እቲ ዝበለጸ ፈጣሪ ዝኾነ ኣላህ ዝተባረኸ ኢዩ።
እዚ ድማ እቲ ናይ'ዚ ጽግያት ጥበብ ኢዩ። ስለ'ዚ ጓል ኣንስተይቲ እንተጠኒሳ ጽግያት ደው ይብላ፡ ብሳሕቲ እንተዘይኮይኑ ድማ ጽግያት ኣይመጻን ኢዩ። ከምኡ'ዉን ዘጥብዋ ኣንስቲ፡ ጽግያት ዝመጸን ውሑዳት ኢየን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መጀመርታ ግዜ ናይ ምጥባው።
ካልኣይ ምዕራፍ፦ ብዛዕባ ግዜ ጽግያትን ንውሓቱን
ኣብ'ዚ ምዕራፍ እዚ ዘሎ መግለጺ ኣብ ክልተ ክፋላት ይኽፈል፡
ቀዳማይ ክፋል፦ ብዛዕባ እቲ ጽግያት ዝመጸሉ ዕድመ።
ካልኣይ ክፋል፦ ብዛዕባ ግዜ ናይ ጽግያት።
እምበኣር እቲ ቀዳማይ ክፋል፦ ጽግያት ብብዝሒ ዝመጸሉ ዕድመ ኣብ መንጎ ዓሰርተ ክልተ ዓመትን ሓምሳ ዓመትን ኢዩ፡ ምናልባት'ውን ጓል ኣንስተይቲ ብመሰረት ኩነታታን ኣከባቢኣን ኩነታት ኣየራን ቅድሚኡ ወይ ድሕሪኡ ጽግያት ክመጻ ይኽእል ኢዩ።
ዑለማእ(ምሁራት እስልምና) ኣላህ ይርሓመሎም ተፈላሊዮም፦ ጽግያት ዝመጸሉ ዕድመ፡ ጓል ኣንስተይቲ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ጽግያት ዘይትርእየሉ፡ ከምኡ'ውን እቲ ቅድሚኡ ወይ ድሕሪኡ ዝመጻ ደም፡ ደም ፈሳድ(ብልሹው) እምበር ጽግያት ዘይኮነሉ ውሱን ደረት ኣለዎ ድዩ ንዝብል?
ዑለማእ(ምሁራት እስልምና) ኣብ'ዚ ጉዳይ ተፈላሊዮም፡ኣ'ዳሪሚ -ነቶም ፍልልያት ድሕሪ ምጥቃሱ- ከም'ዚ ይብል፦ እዚ ኩሉ ብወገነይ ጌጋ ኢዩ! ምኽንያቱ መወከሲ ናይ'ዚ ኩሉ ናብ'ቲ ጭቡጥ ምርካቡ(ህላዊኡ) ስለ ዝምለስ፡ ኣብ ዝኾነ ኩነታትን ዕድመን ዝኾነ መጠን ምስ ዝርከብ፡ ከም ሐይድ(ጽግያት) ክቑጸር ግድነት ይኸውን። ረቢ ድማ ዝበለጸ ፈላጥ ኢዩ1።
እዚ ኣ'ዳሪሚ ዝበሎ ድማ ንሱ ኢዩ እቲ ቅኑዕ፡ ከምኡ'ዉን ምርጫ ናይ ሸይኽ ኣል-ኢስላም ኢብኑ ተይሚያ ኢዩ2፡ ስለ'ዚ ጓል ኣንስተይቲ ደም ጽግያት ኣብ ዝረኣየትሉ ዝኾነ ግዜ፡ ዕድሜኣ ትሕቲ ትሽዓተ ዓመት ወይ ልዕሊ ሓምሳ ዓመት እኳ እንተኾነ፡ ንሳ በዓልቲ ጽግያት ኢያ። እዚ ኸኣ ምኽንያቱ ኣላህን ልኡኹን ሕግታት ጽግያት ምስ ምህላዉ ስለ ዘተኣሳሰርዎ፡ ኣላህን ልኡኹን ድማ ንዕኡ ዝኸውን ዝተወሰነ ዕድመ ስለ ዘይወሰኑሉ፡ ናብ'ቲ እተን ሕግታት ዝተኣሳሰራሉ ምህላው ምምላስ ግድነት ይኸውን። ብዝተወሰነ ዕድመ ምውሳኑ ድማ ካብ ቑርኣን ወይ ሱና (መንገዲ ነቢና) መርትዖ የድልዮ፡ ኣብ'ዚ ድማ ዝኾነ መርትዖ የለን።
እቲ ካልኣይ ክፍሊ ድማ ፦ንሱ ኸኣ ግዜ ናይ ጽግያት ኢዩ፡ ማለት መጠን ናይ ግዚኡ።
ዑለማእ(ምሁራት እስልምና) ኣብኡ ብኣስታት ሽዱሽተ ወይ ሸዉዓተ ርእይቶታት ብዓቢ ተፈላሊዮም ኢዮም። ኢብኑል-ሙንዚር ኣላህ ይርሓመሎም ከም'ዚ በሉ፡ ሓደ ጉጅለ ከም'ዚ በሉ፡ ንዝተሓተ ጽግያት ኮነ ንዝለዓለ ብመዓልታት ዝተገደበ ገደብ የብሉን3።
ኣነ ድማ በልኩ፦ እዚ ኣበሃህላ'ዚ ከም'ቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ኣበሃህላ ናይ ኣ'ዳሪሚ ኢዩ፡ ንሱ ድማ ምርጫ ናይ ሸይኹል ኢስላም ኢብኑ ተይሚያ ኮይኑ። እቲ ቅኑዕ ድማ ንሱ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ቑርኣንን ሱናን ግቡእ መገንዘቢን መርትዖ ስለ ዝኾኑዎ።
ቀዳማይ መርትዖ ድማ፡ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦
﴿وَيَسۡـَٔلُونَكَ عَنِ ٱلۡمَحِيضِۖ قُلۡ هُوَ أَذٗى فَٱعۡتَزِلُواْ ٱلنِّسَآءَ فِي ٱلۡمَحِيضِ وَلَا تَقۡرَبُوهُنَّ حَتَّىٰ يَطۡهُرۡنَۖ...﴾
{ብዛዕባ ጽግያት ይሓቱኻ፡ በሎም ንሱ ርስሓት ኢዩ፡ ስለ'ዚ ኣብ ግዜ ጽግያት ካብ ኣንስቲ ርሓቑ(ኣብ ጾታዊ ርክብ)፡ ክሳብ ዝጸርያ ድማ ኣይትቕረቡወን...} [ኣልበቐራ፡222]፡ ስለ'ዚ ኣላህ መወዳእታ ናይ'ቲ ምኽልካል ምጽራይ ጌርዎ፡ ነቲ መወዳእታ ድማ ሓደ መዓልትን ለይትን ምግባር፡ ወይ ሰለስተ መዓልታት፡ ወይ ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልታት ኣይገበሮን። እዚ ድማ ምኽንያት እቲ ፍርዲ ክውሰን እንከሎ፡ ምህላውን ዘይምህላውን ናይ ጽግያት ምዃኑ የመልክት። ስለ'ዚ ጽግያት ምስ ዝህሉ እቲ ፍርዲ ይጸድቕ፡ ካብኡ ምስ ጸረየት ድማ ፍርዲ ናቱ ይለዓል።
ካልኣይ መርትዖ፡ ኣብ ሰሒሕ ሙስሊም ኣብ ዝተረጋገጸ ሓዲስ፡ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ንዓኢሻ ብዑምራ ኢሕራም ጌራ ጽግያት ምስ ኣርከባ ከም'ዚ ኢሎማ፦
«افْعَلِي مَا يَفْعَلُ الْحَاجُّ، غَيْرَ أَنْ لَا تَطُوفِي بِالْبَيْتِ حَتَّى تَطْهُرِي». قَالَتْ: فَلَمَّا كَانَ يَوْمُ النَّحْرِ طَهُرَتْ، فَأَفَاضَتْ.
«እቲ ኣብ ሓጅ ዘሎ ሰብ ዝገብሮ ግበሪ፡ እንተኾነ ግን ክሳብ እትጸርዪ ንካዕባ ኣይቱኽለሊ።» ንሰን ድማ ኢለን፡ መዓልቲ ናሕሪ ምስ ኮነ ጸርየ፡ ጠዋፍ ኢፋዳ ድማ ፈጸመት። ሓዲስ4።
ኣብ ቡኻርን ሙስሊምን ዝሰነድዎ ነቢ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ንዓኣ ከም'ዚ ኢሎማ፦
«انتَظِرِي فَإِذَا طَهُرْتِ فَاخْرُجِي إِلَى التَّنْعِيمِ».
«ተጸበዪ፡ ምስ ነጻህኪ ድማ ናብ ተንዒም ኪዲ»5፣ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ገደብ ናይ'ቲ ምኽልካል ምጽራይ ገበሩዎ፡ ነቲ ገደብ ድማ ብዝተወሰነ ግዜ ኣይገበሩዎን፡ እዚ ድማ እቲ ሕጊ ምስ ምህላዉን ዘይምህላዉን ምስ ጽግያት ዝተኣሳሰር ምዃኑ የመልክት።
ሳልሳይ መርትዖ፡- እቲ ገሊኦም ካብ ፉቀሃእ (ሰብ ፍልጠት) ኣብ'ዚ ጉዳይ እዚ ዝጠቐስዎ ግምታትን ዝርዝራትን፡ ነዚ ምብራህ ኣድላዪ ክነሱ፡ ኣብ መጽሓፍ ልዑል ኣላህ ኮነ ኣብ ሱና ልኡኽ ኣላህ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኣይርከብን ኢዩ፡ እዚ ካብ'ቲ ደቂ ሰባት ክርድእዎን ብእኡ ኣቢሎም ንኣላህ ከምልኹዎን ግዴታ ዝኾነ ነገራት እንተዝኸውን ነይሩ፡ ኣላህን ልኡኹን ሰለላሁዓለይሂ ወሰለም ንኹሉ ሰብ ብግልጺ መብረህዎ ኔሮም፡ ምኽንያቱ እቶም ኣብኡ ዝምርኮሱ ከም ሕግታት ናይ ሰላት፡ ጾም፡ ምውሳብ፡ ምፍታሕ፡ ውርሻን ካልኦት ሕግታትን ኣገዳስነት ስለ ዘለዎም ኢዩ። ከም'ቲ ኣላህን ልኡኹን ብዝሒ ናይ ሰላትን፡ ግዜኣን፡ ሩኩዓንን ሱጁደንን ዝገለጽዎ፡ ምጽዋት(ዘካት) ድማ፦ ዝወጸሉ ንብረትን፡ ኒሳቡን፡ መጠኑን፡ ዝግብኦም ሰባትን፡ ጾም ድማ፡-እዋኑን ግዚኡን፡ ሓጅ ውን ከምኡ ካልእ ካብኡ ንታሕቲ ዘሎን፡ ክሳብ ስነስርዓት ምብላዕን ምስታይን፡ ምድቃስን ጾታዊ ርክብን፡ ኮፍ ምባልን፡ ናብ ገዛ ምእታውን ካብኡ ምውጻእን፡ ከምኡ'ውን ስነስርዓት ደገ ምውጻእ፡ ክሳብ ብቁጽሪ ምድራዝ ኢስቲጅማር [ድሕሪ ቀልቀል ብእምኒ ምድራዝ] ዝበሉ፡ ንካልኦት ደቀቕትን ዓበይትን ነገራት ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ካብ'ቲ ኣላህ ነቲ ሃይማኖት ብእኡ ዘማልኣሉን፡ ጸግኡ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዘዛዘመሉን ኢዩ፡ ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፦
﴿...وَنَزَّلۡنَا عَلَيۡكَ ٱلۡكِتَٰبَ تِبۡيَٰنٗا لِّكُلِّ شَيۡءٖ...﴾
{...ናባኻ ነቲ መጽሓፍ (ቑርኣን)፡ ንኹሉ ነገር መብርሂ ኮይኑ ኣውሪድናዮ...} [ኣ'ናሕል:89]፣ ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፦
﴿...مَا كَانَ حَدِيثًا يُفْتَرَى وَلَـكِن تَصْدِيقَ الَّذِي بَيْنَ يَدَيْهِ وَتَفْصِيلَ كُلَّ شَيْءٍ...﴾
{...ሓሶት ዘረባ ኣይኮነን፡ የግዳስ ነቲ ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዘጽድቕን ንኹሉ ነገር ድማ ዝርዝር መብርሂን ኢዩ...} [ዩሱፍ:111]።
እዚ ግምታትን ዝርዝራትን ኣብ መጽሓፍ ልዑል ኣላህ ኮነ ኣብ ሱና ልኡኽ ኣላህ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ስለዘይተረኽበ፡ ኣብኡ ምምርኳስ ከምዘይከኣል ተነጺሩ ኢዩ፡ የግዳስ እቲ ምምርኳስ ኣብ'ቲ ሸሪዓዊ ፍርዲ ብምህላዉን ብዘይምህላዉን ዝተኣሳሰረሉ ስያመ ናይ ጽግያት ኢዩ። እዚ መርትዖ እዚ -ማለት ሓደ ብይን ኣብ ቑርኣንን ሱናን ዘይምጥቃሱ፡ ተቐባልነት ከምዘይብሉ መርትዖ ምዃኑ- ኣብ'ዚ ጉዳይ እዚ ይኹን ኣብ ካልኦት ኣርእስታት ፍልጠት ይጠቅመካ ኢዩ። ምኽንያቱ ናይ ሸሪዓ ፍርድታት፡ ካብ መጽሓፍ ኣላህ፡ ወይ ካብ ሱና ናይ ልኡኹ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም፡ ወይ ፍሉጥ ካብ ዝኾነ ስምምዕ ዑለማእ (ኢጅማዕ)፡ ወይ ድማ ቅኑዕ ካብ ዝኾነ ምንጽጻር (ቒያስ) ብዝመጸ መርትዖ ሸሪዓ እንተዘይኮይኑ ኣይረጋገጽን ኢዩ። ሸይኽ ኣል-ኢስላም ኢብኑ ተይሚያ ኣብ ሓደ መሰረታዊ ሕጎም ከም'ዚ ይብሉ:- "ካብ'ዚ ድማ ስም ናይ ጽግያት ኢዩ፡ ኣላህ ኣብ ቑርኣንን ሱናን ዝተፈላለዩ ፍርድታት ብእኡ ኣተኣሳሲሩ ጌሩ። እንተኾነ ግን ውሑድ ይኹን ብዙሕ ግዜኡ ኣይወሰነን፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ክልተ ጽግያት ዘሎ ናይ ምጽራይ ግዜ ኣይወሰነን፡ እዚ ድማ ኡማ (ህዝቢ) ብሓፈሻ በዚ ዘጋጥሞ ኩነታትን ናብኡ ዘለዎ ኣድላይነትን እናሃለወ ክነሱ ኢዩ። ቋንቋ'ውን ኣብ መንጎ ሓደ መጠንን ካልእ መጠንን ኣይፈሊን ኢዩ፡ ስለ'ዚ ኣብ'ዚ ጉዳይ እዚ ደረት ዝገበረ ሰብ፡ ብርግጽ ንቑርኣንን ሱናን ተጻሪሩ ኣሎ"6። ዘረበኦም ተወዲኡ።
ራብዓይ መርትዖ፦ ምስትውዓል፡ ማለት ድማ ቅኑዕን ስሩዕን ቒያስ (ምንጽጻር)፡ እዚ ድማ ልዑል ኣላህ ንጽግያት ርስሓት (ርኽሰት) ምዃኑ ምኽንያት ብምግባሩ ኢዩ፡ ስለ'ዚ ጽግያት ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን እቲ ርስሓት'ውን ኣሎ ማለት ኢዩ፡ ኣብ መንጎ ካልኣይን ቀዳማይን መዓልቲ ፍልልይ የለን፡ ወላ ኣብ መንጎ ራብዓይን ሳልሳይን'ውን ፍልልይ የለን፡ ወላ ኣብ መንጎ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተን መበል ዓሰርተ ሓሙሽተን መዓልቲ ፍልልይ የለን፡ ከምኡ'ውን ወላ ኣብ መንጎ መበል ዓሰርተ ሸሞንተን መበል ዓሰርተ ሸውዓተን፡ ጽግያት ጽግያት ኢዩ፡ እቲ ርስሓት ድማ ርስሓት ኢዩ፡ እቲ ምኽንያት ኣብ ክልቲኡ መዓልታት ብማዕረ ይርከብ። ስለ'ዚ እቲ ምኽንያት ማዕረ እናሃለወ ክነሱ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ መዓልታት ኣብ ፍርዲ ምፍልላይ ብኸመይ ቅቡል ይኸውን? እዚዶ ኣንጻር'ቲ ቅኑዕ ቒያስ ኣይኮነን? ወይስ እቲ ቅኑዕ ቒያስ፡ እተን ክልተ መዓልቲ ኣብ'ቲ ዒላ (ምኽንያት) ማዕረ ስለዝኾና፡ ኣብ'ቲ ፍርዲ እውን ማዕረ ምዃነን ኣይኮነን?
ሓምሻይ መርትዖ፡ ፍልልይን ዘይምርግጋእን ርእይቶታት ናይ'ቶም ደረት ዝውስኑ ኢዩ፡ እዚ ድማ ኣብ'ዚ ጉዳይ'ዚ ናብኡ ምምርኳስ ናይ ግድን ዝኾነ መርትዖ ከምዘየለ የመልክት። የግዳስ ንሳቶም ንጌጋን ቅንዕናን ዝተቓልዑ ናይ ኢጅቲሃድ(ጻዕሪ) ፍርድታት ኢዮም፡ ሓዲኦም ካብ'ቲ ካልእ ንምስዓቡ ዝያዳ ቀዳምነት ዘለዎ ኣይኮነን፡ ኣብ እዋን ምስሕሓብ ድማ መወከሲ ናብ ኪታብን ሱናን ኢዩ።
እምበኣር፡ ንዉሑድ ይኹን ንብዙሕ ጽግያት ደረት የብሉን ዝብል ዘረባ(ቃውል) ሓያል ምዃኑ፡ ከምኡ'ዉን ንሱ እቲ ዝያዳ ተመራጺ ዘረባ ምዃኑ እንተደኣ ነጺሩ፡ ጓል ኣንስተይቲ እትርእዮ ጠንቁ ካብ ቁስሊ ወይ ተመሳሳሊ ዘይኮነ ዝኾነ ይኹን ባህርያዊ ደም ኢዩ፡ ብግዜ ወይ ብዕድመ ከይተወሰነ ደም ጽግያት ምዃኑ ፍለጥ። እቲ ደም ኣብ'ታ ጓል ኣንስተይቲ ቀጻሊ ኮይኑ ፈጺሙ ደዉ ዘይብል፡ ወይ ድማ ኣብ ወርሒ ከም ሓደ ወይ ክልተ መዓልታት ንዉሑድ ግዜ ጥራሕ ደዉ ዝብል እንተኾይኑ ግና፡ ኢስቲሓዳ ይኸዉን። መግለጺ ናይ ኢስቲሓዳን ፍርዱን ድማ - ፍቓድ ኣላህ እንተኾይኑ - ክመጽእ ኢዩ።
ሸይኽ ኣል-ኢስላም ኢብኑ ተይሚያ ከም'ዚ ይብሉ፦ "መሰረት ካብ ማህጸን ዝወጽእ ኩሉ ነገር ጽግያት ኢዩ ክሳብ መርትዖ ዝርከብ ኢስቲሓዳ ምዃኑ7።"
ከምኡ'ውን ኢሉ፦ ዝኾነ ዝወጽእ ደም፡ ደም ናይ ሱር ወይ ናይ ቁስሊ ምዃኑ ክሳብ ዘይተፈልጠ፡ ንሱ ደም ጽግያት ኢዩ8። ተወዲኡ።
እዚ ኣበሃህላ እዚ፡ ብመንጽር መርትዖ እቲ ዝያዳ ሚዛን ዝደፍእ ከምዝኾነ፡ ከም መሮትዖ ንምርዳእን ንምግንዛብን ዝያዳ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ከምኡ'ውን ካብ'ቲ እቶም ደረት ዝገበሩ ዝጠቐስዎ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉን ንምትግባሩን ዝቐለለ ኢዩ። ከም'ዚ ዝኣመሰለ ድማ ንምቕባሉ ዝያዳ ብቑዕ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ምስ መንፈስን መሰረትን ሃይማኖት እስልምና ስለዝሰማማዕ፡ ንሱ ድማ ምቕላልን ምምቻእን ኢዩ። ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦
﴿...وَمَا جَعَلَ عَلَيۡكُمۡ فِي ٱلدِّينِ مِنۡ حَرَجٖۚ...﴾
"{...ኣብ ሃይማኖት ድማ ዝኾነ ጸገም(ዘይጥዕም) ኣብ ልዕሌኹም ኣይገበረን...}" [ኣል ሓጅ:78]፡ ከምኡ'ውን ነቢ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ ይብሉ፦
«إِنَّ الدِّينَ يُسْرٌ وَلَنْ يُشَادَّ الدِّينَ أَحَدٌ إِلَّا غَلَبَهُ فَسَدِّدُوا وَقَارِبُوا وَأَبْشِرُوا».
«ብርግጽ ሃይማኖት ቀሊል ኢዩ፡ ሓደ እኳ ንሃይማኖት ከቢድ እንተገይሩዎ ሃይማኖት ከይሰዓሮ ኣይተርፍን ኢዩ፡ ስለ'ዚ ቅኑዕ ስርሑ፡ ናብ ጽቡቕ ቅረቡ፡ ተበሰሩ ድማ(ኣብሽሩ ብዓስቢ ናይ ጽቡቅ ስራሕኩም)» ኢሎም። ቡኻሪ ዘውረይዎ9።
ካብ ጠባዮም ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ድማ ኔሩ
«أَنَّهُ مَا خُيِّرَ بَيْنَ أَمْرَيْنِ إِلَّا اخْتَارَ أَيْسَرَهُمَا مَا لَمْ يَكُنْ إِثْمًا».
«ኣብ መንጎ ክልተ ነገራት ምርጫ እንተተዋሂቦም፡ ሓጢያት ክሳብ ዘይኮነ ነቲ ዝቐለለ ኢዮም ዝመርጹ ኔሮም »10።
ጽግያት ናይ ጥንስቲ፦
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ጓል ኣንስተይቲ ጥንሲ ምስ እትሕዝ ደም ደዉ ይብል ኢዩ። ኢማም ኣሕመድ ረሒመሁላህ ከም'ዚ ኢሎም፦ «ደቂ ኣንስትዮ ጥንሲ ዝፈልጣሉ፡ ደም ደዉ ብምባሉ ኢዩ»11።
ሓንቲ ጥንስቲ ደም ምስ እትርኢ፡ እቲ ደም ቅድሚ ሕርሲ ብሓጺር ግዜ ከም ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ ኣቐዲሙ ዝመጸ እንተኾይኑን፡ ምስኡ ድማ ጻዕሪ ሕርሲ እንተሃልዩን፡ እዚ ኒፋስ ኢዩ። ቅድሚ ሕርሲ ብነዊሕ ግዜ እንተኾይኑ፡ ወይ ድማ ቅድሚ ሕርሲ ብውሑድ ግዜ ኮይኑ ግን ጻዕሪ ሕርሲ ዘይብሉ እንተኾይኑ፡ ንሱ ኒፋስ ኣይኮነን፡ ግና ፍርዲ ናይ ጽግያት ዝውሃቦ ጽግያት ድዩ ዝኸውን ወይስ ፍርዲ ናይ ጽግያት ዘይውሃቦ ዝተበላሸወ ደም ኢዩ ዝኸውን?
ኣብ'ዚ ጉዳይ'ዚ ኣብ መንጎ ሰብ-ፍልጠት ፍልልይ ኣሎ። እቲ ቅኑዕ ግን፡ ከም'ቲ ልሙድ ናይ ጽግያት ኩነታታ እንተኾይኑ፡ ንሱ ጽግያት ምዃኑ ኢዩ። ምኽንያቱ ጽግያት ከይከውን ዝኽልክሎ ምኽንያት ክሳብ ዘየለ፡ እቲ መሰረት ናይ'ቲ ንጓል ኣንስተይቲ ዘጋጥማ ደም ጽግያት ምዃኑ ኢዩ። ኣብ ኪታብን ሱናን ድማ ጥንስቲ ጽግያት ክህልዋ ዝኽልክል የለን።
እዚ ድማ ናይ ማሊክን12 ኣ'ሻፊዒን13 መዝሃብ ኢዩ፡ ከምኡ’ውን ምርጫ ናይ ሸይኽ ኣል-ኢስላም ኢብን ተይሚያ ኢዩ፡ ኣብ ኣል-ኢኽቲያራት (ገጽ: 30) ከም'ዚ ይብል: ኣል-በይሃቒ ብሪዋያ ካብ ኣሕመድ ሓቢሩ፡ የግዳስ ናብኡ ከም ዝተመልሰ ውን ሓቢሩ ኢዩ። ተዛዚሙ።
በዚ መሰረት እዚ፡ እቲ ኣብ ጽግያት ናይ ጥንስቲ ዝጸድቕ ፍርዲ፡ ኣብ ጽግያት ናይ ዘይጥንስቲ ውን ይጸድቕ ኢዩ፡ ብዘይካ ኣብ ክልተ ጉዳያት፦
ቀዳማይ ጉዳይ፦ ፍትሕ፡ ነፍሰ-ጾር ንዘይኮነትን ዒዳ ክትጽበ ግዴታ ንዝኾነትን ጓል ኣንስተይቲ ኣብ እዋን ጽግያት ከላ ፍትሕ ምፍጻም ሓራም ኢዩ፡ ነፍሰ-ጾር ንዝኾነት ግና ሓራም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጥንስቲ ንዘይኮነት ሰበይቲ ኣብ እዋን ጽግያት ምፍታሕ ምስቲ ኣላህ ዝበሎ ዝጻረር ስለዝኾነ ኢዩ፡
﴿...فَطَلِّقُوهُنَّ لِعِدَّتِهِنَّ...﴾
{...ኣብ ግዜ ዒዳአን ፍትሑወን...} [ኣ'ጠላቕ፡1]፡ ጥንስቲ ኣብ እዋን ጽግያት እንከላ ምፍታሕ ግና ኣይጻረሮን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ጥንስቲ ዝፈትሐ ሰብ፡ ኣብ እዋን ጽግያት እንከላ ትኹን ወይ ድማ ጽርይቲ ብዘየገድስ፡ ንዒዳኣ ኢዩ ፈቲሑዋ፡ ምኽንያቱ ዒዳኣ ብጥንሲ ስለ ዝኾነ። ስለ'ዚ ድማ፡ ካብ ካልኦት ብዝተፈልየ፡ ድሕሪ ስጋዊ ርክብ ክፈትሓ ሓራም ኣይኮኖን።
ካልኣይቲ ጉዳይ፦ ጽግያት ናይ ጥንስቲ ዒዳ ኣየብቅዕን ኢዩ፡ ብኣንጻር ጽግያት ናይ ካልኦት፡ ምኽንያቱ ዒዳ ናይ ጥንስቲ ብምውላድ እንተዘይኮይኑ ስለዘየብቅዕ ኢዩ፡ ጽግያት ትርአ ወላ ውን ኣይትርአ፡ ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፡
﴿...وَأُوْلَاتُ الأَحْمَالِ أَجَلُهُنَّ أَن يَضَعْنَ حَمْلَهُنَّ...﴾
{...እተን ጥኑሳት ድማ ግዜአን ጥንሰን ክሳብ ዝወልዳ ኢዩ...} [ኣ'ጠላቕ: 4]።
ሳልሳይ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ጽግያት ዘጋጥሙ ነገራት
ኣብ ጽግያት ዘጋጥሙ ለውጥታት ዓይነታት ኣለዎ፦
ቀዳማይ ዓይነት፡ ምዉሳኽ ወይ ምንካይ፡ ንኣብነት ብልማድ ናይ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሽዱሽተ መዓልታት ኮይኑ፡ እቲ ደም ክሳብ ሸዉዓተ መዓልታት ምስ ዝቕጽል፡ ወይ ድማ ብልማድ ሸዉዓተ መዓልታት ኮይኑ ኣብ ሽዱሽተ መዓልታት ምስ እትጸሪ።
ካልኣይ ዓይነት፦ ምቅዳም ወይ ምድንጓይ፡ ንኣብነት ብልማድ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ኮይኑ ነቲ ጽግያት ኣብ መጀመርትኡ ምስ እትርእዮ፡ ወይ ድማ ብልማድ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ኮይኑ ኣብ መወዳእትኡ ምስ እትርእዮ ኢዩ።
ኣብ ፍርዲ ናይ'ዞም ክልተ ዓይነታት ምሁራት ተፈላልዮም ኢዮም። እቲ ቅኑዕ ግን፡ ደም ኣብ ዝረኣየትሉ ግዜ ኣብ ጽግያት ከምዘላ ኮይኑ፡ ካብኡ ምስ ጸረየት ድማ ጸርያ ማለት ኢዩ፡ እዚ ድማ ካብ'ቲ ልሙድ ግዜኣ ይብዛሕ ወይ ይውሓድ፡ ከምኡ'ዉን ይቕደም ወይ ይደንጒ ብዘየገድስ። ናይ'ዚ መርትዖ ኣብ'ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምዕራፍ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ሕጊ ኣውጻኢ ነቲ ፍርዲ ናይ ጽግያት ምስ ህላዊኡ ስለ ዘተኣሳሰሮ።
እዚ ድማ ናይ ኢማም ኣሻፊዒ መዝሃብ14 ኮይኑ፡ ከምኡ'ዉን ምርጫ ሸይኹል ኢስላም ኢብኑ ተይሚያ15 ኢዩ፡ ደራሲ ኣል-ሙቕኒ ድማ ነዚ ኣትሪሩን ደጊፉን ከም'ዚ ይብል: እቲ ዓዳ(ልማድ) በቲ ኣብ'ቲ መዝሃብ ዝተጠቕሰ መልክዕ ግምት ዝወሃቦ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ንኡማ(ህዝቦም) ምገለጹሎም ኔሮም፡ ነቲ መግለጺ ምድንጓይ ድማ ኣይፍቀደሎምን ስለዝኾነ፡ ምኽንያቱ ነቲ መብርሂ ካብ ግዚኡ ምድንጓይ ኣይፍቀድን ኢዩ፡ ኣንስቱን ካልኦት ኣንስትን ድማ ኣብ ኩሉ ግዜ ነዚ መብርሂ ስለ ዘድልየን፡ ነዚ ምብራህ ክዝንግዖ ኣይክእልን ኢዩ። ካብኦም ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዛዕባ ዓዳ(ወርሓዊ ልምዲ) ምጥቃስ ይኹን ምብራህ፡ ኣብ ጉዳይ ሙስተሓዳ(ካብ ግዚኡ ወጻኢ ደም ንዝፈሳ) እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣይመጸን16። ተዛዚሙ።
ሳልሳይ ዓይነት፦ ብጫ (ሱፍራ) ወይ ደብዛዛ (ኩድራ) ኮይኑ፡ ነቲ ደም ከም ማይ ቁስሊ ብጫ ኾይኑ ክትሪኦ እንከላ፡ ወይ ድማ ኣብ መንጎ ብጫን ጸሊምን ደብዛዝ ሕብሪ ክትሪኦ እንከላ ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ ግዜ ጽግያት እንተኾይኑ፡ ወይ ቅድሚ ምጽራይ (ጡህሪ) ምስኡ ዝቐጸለ እንተኾይኑ፡ ንሱ ጽግያት ኢዩ፡ ፍርዲ ናይ ጽግያት ድማ ነረጋግጸሉ። ድሕሪ ምጽራይ (ጡህሪ) እንተኾይኑ ግና ጽግያት ኣይኮነን፡ ከም'ቲ ኡሙ ዓጢያ ረዲየላሁ ዓንሃ ዝበለቶ፦ "«ብድሕሪ ጽርየት፡ ቢጫን ደብዛዝ ሕብሪ ዘለዎ ፈሳሲ ከም ዝኾነ ነገር ኣይንቖጽሮን ኔርና።»" ኣቡ ዳዉድ ብቅኑዕ ሰነድ ዘውረይዎ17፡ ከምኡውን ቡኻሪ ብዘይ እቲ ንሳ ዝበለቶ: (ድሕሪ ጡህሪ) ኣውሬሞ፡ ግን ከም'ዚ ብምባል ባብ ገይሮምሉ: ባብ ብጫን ደብዛዝን ኣብ ዘይ መዓልታት ሓይዲ18።
ኣብ'ቲ መግለጺ መጽሓፎም ፈትሕ ኣል-ባሪ ከም'ዚ ይብሉ፦ «በዚ ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ሓዲስ ዓኢሻ ዝመጸ ንምውህሃድ የመልክቱ፡ ከም'ዚ ክትብል ከላ፦ ጻዕዳ ፈሳሲ ክሳብ ትርእያ።» ምስ፡ቲ ኣብ'ዚ ባብ ዝተጠቕሰ ሓዲስ ኡም ዓጢያ ብምትእስሳር ድማ፡ እዚ - ማለት ሓዲስ ዓኢሻ - ጓል ኣንስተይቲ ኣብ መዓልታት ጽግያት ብጫን ደብዛዝ ሕብርን ምስ እትርኢ ዝምልከት ኮይኑ፡ ካብኡ ወጻኢ ኣብ ዘሎ መዓልታት ግን ከም'ቲ ኡም ዓጢያ ዝበለቶ ምዃኑ ኢዩ»19። ተዛዚሙ።
እቲ ዘመልከቶ ሓዲስ ዓኢሻ ድማ፡ ቡኻሪ ቅድሚ እዚ ባብ20 ኣረጋጊጾም ዝሰነድዎ ኮይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ናብኣ ዱርጃ (ጓል ኣንስተይቲ ካብ ኣሰር ደም ጽግያት ዝተረፈ ነገር እንተሎ ንምፍላጥ እትጥቀመሉ ነገር) ይሰዳላ ነበራ፡ ኣብ ውሽጡ ድማ ብጫ ሕብሪ ዝረኣዮ ኩርሱፍ (ጡጥ) ይርከቦ ነበረ እሞ፡ ንሳ ድማ ከም'ዚ ትብል፡ «ጻዕዳ ፈሳሲ ክሳዕ እትርእያ ኣይትተሃወኻ»21።
'ኣል-ቐሰቱል በይዳእ'፦ ደም ሐይዲ ደው ኣብ ዝብለሉ ግዜ ማህጸን ዘውጽኦ ጻዕዳ ፈሳሲ ኢዩ።
ራብዓይ ዓይነት፦ ኣብ ጽግያት ምቑርራጽ ምህላው፡ ማለት ሓደ መዓልቲ ደም ትርኢ፡ ሓደ መዓልቲ ድማ ንጽህና ትርኢ፡ ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ። እዚ ድማ ክልተ ኩነታት ኣለዎ፦
እታ ቀዳመይቲ ኩነታት፦ እዚ ኣብ ጓል ኣንስተይቲ ወትሩ ኣብ ኩሉ ግዜኣ ብቐጻሊ ዝህሉ እንተኾይኑ፡ እዚ ደም ኢስቲሓዳ(ካብ ንቡር ወጻኢ ዝፈስስ ደም) ኢዩ፡ ነታ ዝረኣየቶ ድማ ፍርዲ ናይ ሙስታሓዳ ይምልከታ።
ካልኣይቲ ኩነታት፦ እቲ ደም ምስ ጓል ኣንስተይቲ ቀጻሊ ምስ ዘይከውን፡ የግዳስ ኣብ ገለ ግዜ ጥራሕ ዝመጻ ኮይኑ፡ ትኽክለኛ ናይ ምጽራይ ግዜ ድማ ምስ ዝህልዋ ኢዩ። ዑለማእ ኣላህ ይርሓመሎም ብዛዕባ እዚ ግዜ ንጽህና'ዚ ተፈላሊዮም ኢዮም። እዚ ከም ምጽራይ ድዩ ዝሕሰብ ወይስ ፍርዲ ናይ ጽግያት ኢዩ ዝውሰድ?
መዝሃብ ናይ ሻፊዒ ድማ ኣብ'ቲ ዝያዳ ቅኑዕ ዝኾነ ካብ ክልተ ዘረቡኡ(ቀውለይሂ)፡ ፍርዲ ናይ ጽግያት ከም ዝወስድን፡ ጽግያት ከም ዝኸውን ኢዩ22። እዚ ድማ ምርጫ ናይ ሸይኹል ኢስላም ኢብኑ ተይሚያን ጸሓፊ ኣል-ፋኢቕን23፡ ከምኡ'ዉን መዝሃብ ናይ ኣቡ ሓኒፋ ኢዩ24 ። እዚ ድማ ምኽንያቱ፡ እቲ ጻዕዳ ፈሳሲ ኣብኡ ስለ ዘይረአ ኢዩ፡ ከም ጽርየት እንተዝቑጸር ኔሩ ድማ፡ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ጽግያትን፡ እቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ'ዉን ጽግያት ምኾነ ነይሩ፡ ነዚ ዝብል ከኣ የለን፡ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ብጽግያት ዝሕሰብ ናይ ዒዳ ግዜ ብሓሙሽተ መዓልታት ምተወድአ ኔሩ። ምኽንያቱ ንጽህና እንተዝሕሰብ ኔሩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ መዓልቲ ኣካላትካ ብምሕጻብን ብኻልእን ጸገምን ሽግርን ምፈጠረ ኔሩ። ኣብ ሕጊ (ሸሪዓ) ድማ ጸገም ዝበሃል ኣልቦ ኢዩ፡ ምስጋና ኩሉ ንኣላህ ይኹኖ።
እቲ ኣብ መዝሃብ ኣል-ሓናቢላ ብብዝሒ ዝፍለጥ ርእይቶ፡ እቲ ደም ጽግያት ምዃኑ፡ እቲ ደም ደዉ ዝብለሉ ግዜ ድማ ምጽራይ ምዃኑ ኢዩ። እንተኾነ ግና ድምር ናይ ክልቲኦም ካብ'ቲ ዝለዓለ ናይ ጽግያት ግዜ እንተደኣ ሓሊፉ፡ እቲ ካብኡ ሓሊፉ ዝፈስስ ደም ኢስቲሓዳ(ካብ ንቡር ወጻኢ ዝፈስስ ደም) ይኸውን25።
ኣብ ኣል-ሙቕኒ ከም'ዚ ይብል፡ «ደም ደዉ ምባል ካብ ሓደ መዓልቲ ንታሕቲ ምስ ዝኸውን፡ ከም ምጽራይ ኣይቑጸርን ኢዩ። እዚ ድማ ብመሰረት እቲ ብዛዕባ ናይ ድሕሪ ሕርሲ ደም ዝገለጽናዮ ካብ ዝተወረየ፡ ካብ ሓደ መዓልቲ ንታሕቲ ደም ደዉ ንዝብለሉ እዋን ግምት ከምዘይትህቦ ብምምርኳስ ኢዩ። እዚ ድማ -ኢንሻኣላህ- እቲ ቅኑዕ ኢዩ። ምኽንያቱ ደም ሓደ እዋን ይመጽእ፡ ካልእ እዋን ድማ ደዉ ይብል ኢዩ። ሰዓት ብሰዓት ንዝጸረየት ነብሳ ክትሕጸብ ግዴታ ምግባር ጸገም ስለዝፈጥር፡ እዚ ጸገም'ዚ ድማ ዝውገድ ብምዃኑን ኢዩ፡ ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፦
﴿...وَمَا جَعَلَ عَلَيۡكُمۡ فِي ٱلدِّينِ مِنۡ حَرَجٖ...﴾
{...ኣብ ሃይማኖት ድማ ኣብ ልዕሌኹም ዝኾነ ጸገም ኣይገበረን...} [ኣል-ሓጅ:78]፡ «በዚ መሰረት፡ ደም ካብ ሓደ መዓልቲ ንታሕቲ ደዉ ምባሉ ከም ምጽራይ ኣይቑጸርን ኢዩ፡ብዘይካ ነዚ ዘመልክት ነገር እንተ ርእያ፡ ንኣብነት እቲ ደም ደዉ ምባሉ ኣብ መወዳእታ ናይ ጽግያት ግዜኣ ምስ ዝኸውን፡ ወይ ድማ ጻዕዳ ፈሳሲ ምስ እትርኢ» በለ26 ተወዲኡ።
ስለ'ዚ እዚ ቃል ናይ ደራሲ ኣል-ሙቕኒ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ሓሳባት ማእከላይ ይኸውን፡ ኣላህ ድማ ነቲ ቅኑዕ ይፈልጥ።
ሓምሻይ ዓይነት፦ ናይ ደም ምድራቕ ኮይኑ፡ ጓል ኣንስተይቲ ጥሉል ጥራይ እትርእየሉ ኢዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ግዜ ጽግያት እንተኾይኑ፡ ወይ ቅድሚ ምጽራያ ምስኡ ዝቐጸለ እንተኾይኑ፡ እዚ ጽግያት ኢዩ፡ ድሕሪ ምጽራያ እንተኾይኑ ግና ጽግያት ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ናይ'ዚ ኩነታት፡ ምስ ደብዛዝን ቢጫን ሕብሪ ዘለዎ ፈሳሲ ዝምደብ ስለዝኾነ፡ ሕጉ ድማ እዚ ኢዩ።
ራብዓይ ምዕራፍ፦ ብዛዕባ ፍርዲ ናይ ጽግያት
ንጽግያት ካብ ዕስራ ዝዛይዱ ብዙሓት ፍርድታት ኣለውዎ፡ ካብኡ ነቶም ብብዝሒ ዘድልዩ ዝረኣናዮም ክንጠቅስ ኢና፡ ካብኣቶም ድማ፡-
ቀዳማይ፦ ስግዳን፦ ጽግያት ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ፈርዲ ይኹን ሱና ክትሰግድ ክልኩል ኢዩ፡ ከምኡ እንተጌራ ዉን ተቐባልነት የብሉን። ከምኡ'ውን ስግዳን ንዓኣ ግዴታ ኣይከውንን ኢዩ ብዘይካ ካብ ግዜ ናይ'ቲ ሰላት ማዕረ ሓንቲ ምልእቲ ረክዓ እንተድኣ ኣርኪባ ጥራይ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ'ዚ ግዜ እዚ ስግዳን ንዓኣ ግዴታ ይኸውን፡ ነዚ ድማ ኣብ መጀመርታ ናይ'ቲ ወቕቲ ትርከቦ ወይ ኣብ መወዳእታኡ ብዘየገድስ።
ኣብነት ናይ'ዚ ካብ መጀመርትኡ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ድሕሪ ምዕራብ ጸሓይ ብዓቐን ሓንቲ ረክዓ ዝኣክል ግዜ ምስ ሓለፈ ጽግያት እንተመጺኡዋ፡ ምስ እትጸርይ ሰላት መቕሪብ ቐዳእ(ክትትከኣ) ክትሰግድ ግዴታ ይኾና። ምኽንያቱ ቅድሚ ጽግያት ምምጽኡ ካብ'ቲ ግዜ ናይ'ቲ ሰላት ብዓቐን ሓንቲ ረክዓ ስለዘርከበት።
ኣብነት ናይ'ዚ ኣብ መወዳእትኡ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ቅድሚ ጸሓይ ምውጻኣ ብመጠን ሓንቲ ረክዓ ዝኸውን ግዜ እንከሎ ካብ ጽግያት ምስ እትጸርይ፡ ነብሳ ምስ ተሓጽበት ሰላት ፈጅሪ ቐዳእ ክትሰግድ ግዴታ ይኾና። ምኽንያቱ ካብ ግዚኡ ንሓንቲ ረክዓ ዝኣክል ክፋል ስለ ዘርከበት ኢዩ።
ግን እታ ጓል ኣንስተይቲ ካብ'ቲ ግዜ ንሓንቲ ምልእቲ ረከዓ ዘይኣክል ክፋል እንተ ኣርኪባ፡ ንኣብነት ኣብቲ ቀዳማይ ኣብነት ድሕሪ ዕራርቦ ጸሓይ ብገለ ደቓይቕ(ሓጺር ግዜ) ጽግያት እንተ ኣጋጢሙዋ፡ ወይ ኣብ'ቲ ካልኣይ ኣብነት ቅድሚ ምብራቕ ጸሓይ ብገለ ደቓይቕ ምስ እትጸርይ፡ እታ ሰላት(ስግዳን) ኣብ ልዕሊኣ ግዴታ ኣይኮነን፡ ከም'ቲ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበልዎ፦
«مَنْ أَدْرَكَ رَكْعَةً مِنَ الصَّلَاةِ فَقَدْ أَدْرَكَ الصَّلَاةَ».
«ሓንቲ ረክዓ ካብ ሰላት ዘርከበ፡ ነቲ ሰላት ኣርኪብዎ ማለት ኢዩ»። ቡኻሪን ሙስሊምን ዝተሰማምዑሉ27፡ ናይ'ዚ ርድኢት ድማ ፡ ካብ ሓንቲ ረክዓ ዝውሕድ ዘርከበ፡ ነቲ ሰላት ኣየረከቦን ማለት ኢዩ።
ካብ ግዜ ሰላት ዓስሪ ሓንቲ ረክዓ እንተኣርኪባ፡ ሰላት ዙህሪ ምስ ዓስሪ ኣብ ልዕሊኣ ግዴታ ይኸውን ድዩ? ወይ ድማ ካብ ግዜ ሰላት ኣል-ዒሻ ሓንቲ ረክዓ እንተኣርኪባ፡ ሰላት መቕሪብ ምስ ኣል-ዒሻ ኣብ ልዕሊኣ ግዴታ ይኸውን ድዩ?
ኣብ'ዚ ጉዳይ ኣብ መንጎ ዑለማእ ፍልልይ ኣሎ፡ እቲ ቅኑዕ ግና ግዴታ ዝኾና እቲ ግዚኡ ዘርከበቶ ጥራይ ምዃኑ ኢዩ፡ ንሳ ድማ ሰላት ዓስርን ናይ መወዳእታ ኣል-ዒሻን ጥራይ ኢዩ፡ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ ስለ ዝበሉ፡
«مَنْ أَدْرَكَ رَكْعَةً مِنَ الْعَصْرِ قَبْلَ أَنْ تَغْرُبَ الشَّمْسُ فَقَدْ أَدْرَكَ الْعَصْرَ».
«ሓንቲ ረክዓ ካብ ዓስሪ ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ዘርከበ፡ ነቲ ዓስሪ ኣርኪብዎ ማለት ኢዩ»። ቡኻሪን ሙስሊምን ዝተሰማምዑሉ28፣ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም፡ ዙህርን ዓስርን ኣርኪቡ ኢዩ ኣይበሉን።
ዙህሪ ኣብ ልዕሊኡ ግዴታ ምዃኑ ኣይጠቐሰን፡ እቲ መሰረት ድማ ካብ ግዴታ ነጻ ምዃን ኢዩ፡ እዚ ድማ መዝሃብ ኣቢ ሓኒፋን ማሊክን ኢዩ፡ ኣብ ሸርሕ ኣል-ሙሃዘብ ድማ ካብ ክልቲኦም ኣመሓላሊፉዎ ይርከብ29።
እንተኾነ ግና፡ ዚክሪ ፡ተክቢር፡ ተስቢሕ፡ ታሕሚድ፡ ኣብ መግቢ ይኹን ኣብ ካልእ ቢስሚላህ ምባል፡ ሓዲስን ፊቕህን ምቕራእ፡ ዱዓ ምግባርን ንዕኡ ኣሚን ምባልን፡ ከምኡ'ዉን ቑርኣን ምስማዕ፡ ካብ'ዚ ዝተጠቕሰ ዋላ ሓደ ንዓኣ ሓራም ኣይኮነን፡ እዚ ድማ ኣብ ሰሒሐይን (ክልቲኦም ሰሒሕ)ን ኣብ ካልኦትን ብርግጽ ዝተረጋገጸ ኢዩ።
«أَنَّ النَّبِيَّ صَلَّى اللهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ كَانَ يَتَّكِئُ فِي حِجْرِ عَائِشَةَ رَضِيَ اللهُ عَنْهَا وَهِيَ حَائِضٌ فَيَقْرَأُ الْقُرْآنَ».
«ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም፡ ዓኢሻ ረዲየላሁ ዓንሃ ኣብ እዋን ጽግያት እንከላ፡ ኣብ ሕቝፎኣ ተደጊፎም ቑርኣን ይቐርኡ ነበሩ።»30።
ከምኡ'ውን ኣብ ቡኻርን ሙስሊምን ዝሰነድዎ ካብ ኡም ዓጢያ ረዲየላሁ ዓንሃ ነቢ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ ክብሉ ሰሚዓ፡
«يَخْرُجُ الْعَوَاتِقُ وَذَوَاتُ الْخُدُورِ وَالْحُيَّضُ -يَعْنِي: إِلَى صَلَاةِ الْعِيدَيْنِ- وَلْيَشْهَدْنَ الْخَيْرَ، وَدَعْوَةَ الْمُؤْمِنِينَ، وَيَعْتَزِلُ الْحُيَّضُ الْمُصَلَّى».
«ጎራዙን ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝቕመጣ ኣዋልድን፡ ከምኡ'ዉን ኣብ ጽግያት ዘለዋ ደቂኣንስትዮ -ማለት ናብ ሰላት ክልቲኡ ዒድ- ይውጻኣ፡ ነቲ ኸይርን(ሰናይ ነገርን) ዱዓ ናይ'ቶም ኣመንትን ድማ ይካፈላ፡ እተን ኣብ ጽግያት ዘለዋ ደቂኣንስትዮ ግና ካብ'ቲ መስገዲ ቦታ ይፈለያ»31።
ጽግያት ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ባዕላ ቑርኣን ምቕራእ ብዝምልከት ድማ፡ ብመልሓሳ ብዘይ ምድማጽ ብዓይኒ ብምርኣይ ወይ ብልቢ ብምስትንታን እንተኾይኑ ሽግር የብሉን፡ ከም ሙስሓፍ ወይ ሰሌዳ ተቐሚጡ ናብ'ቲ ኣያት እናረኣየት ብልባ ከተቕርእ ከላ ማለት ኢዩ። ኢማም ኣ'ነወዊ ኣብ ሸርሕ ኣል-ሙሃዘብ ከም'ዚ ይብሉ፦ «ብዘይ ምጽራር ፍቑድ ኢዩ»32።
ግን ምቕራኣ [ምንባባ] ብቓል ምዉጽኣ(ምዝራብ) እንተደኣ ኮይኑ፡ መብዛሕትኦም ምሁራት እስልምና ክልኩልን ዘይፍቀድን ምዃኑ ተሰማሚዖምሉ ኢዮም፡ ከምኡ'ውን ቡኻሪን33 ኢብኑ ጀሪር ኣ'ጠበሪን34 ኢብኑ ሙንዚርን35 ከም'ዚ ይብሉ፡ ፍቑድ ኢዩ።
ካብ ኢማም ማሊክን ካብ ኢማም ኣሻፊዒን ኣብ'ቲ ናይ ቀደም ቃሎም (ኣል-ቐውል ኣል-ቐዲም)36 ተዘንትዩ፡ ኣብ ፈትሕ ኣል-ባሪ37 ድማ ካብ ክልቲኦም ጠቒስዎ ይርከብ።
ቡኻሪ ድማ ካብ ኢብራሂም ኣ'ነኸዒ ብታዕሊቕ ከም'ዚ ኢሉ ገሊጹ: ኣያ ክትቐርእ ጸገም የብሉን38።
ሸይኹል ኢስላም ኢብኑ ተይሚያ ኣብ'ቲ ብኢብኑ ቓሲም ዝተጠርነፈ ፈታዋ ከም'ዚ ይብሉ፦ "«ንዓኣ ካብ ቑርኣን ዝዓግታ ሱና ብመሰረቱ የለን፡ ምኽንያቱ እቲ ዘረበኦም:-"
«لَا تَقْرَأُ الحَائِضُ وَلَا الجُنُبُ شَيْئًا مِنَ الْقُرْآنِ».
«ኣብ ጽግያት ዘላን ጀናባ ዘለዎን ካብ ቑርኣን ዝኾነ ነገር ኽቐርኡ ኣይፍቀደሙን»39 ብስምምዕ ሰብ-ፍልጠት ሓዲስ ድኹም ዝኾነ ሓዲስ ኢዩ40።
ብርግጽ ኣብ ዘመን ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ደቂ ኣንስትዮ ጽግያት ይርእያ ነይረን ኢየን፡ ስለ'ዚ ምቕራእ ከም ሰላት ሓራም እንተዝኸውን ኔሩ፡ እዚ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ንህዝቢ ካብ ዝገለጽዎ ነገራት ምኾነ ኔሩ፡ ኣዴታት ሙእሚኒን ድማ ምተማሃረኦ ኔረን፡ እዚ ኸኣ ናብ ሰባት ካብ ዘመሓላልፍዎ ነገራት ምኾነ ኔሩ። ስለ'ዚ፡ ሓደ እኳ ካብ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዛዕባ'ዚ ዝኾነ ሓራም ምዃኑ ዘመሓላለፈ ብዘይምህላዉ፡ ንሶም ካብ'ዚ ከም ዘይከልከሉ እናተፈልጠ ድማ ሓራም ክትገብሮ ኣይፍቀድን ኢዩ። ኣብ ግዚኦም ጽግያት ብብዝሒ እናሃለወ ክነሱ ካብ'ዚ ካብ ዘይከልከሉ ድማ፡ ሓራም ከም ዘይኮነ ይፍለጥ።»41። ተወዲኡ።
ናይ ምሁራት ሃይማኖት ፍልልይ ድሕሪ ምፍላጥና ክበሃል ዝግብኦ፦ ንጽግያት ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ዝበለጸ ነገር፡ ብዘይካ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ቑርኣን ብመልሓሳ ኣድሚጻ ክትቐርእ ምግዳፍ ኢዩ። ንኣብነት መምህር ኮይና ነተን ተማሃሮ ንምምሃር ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ፡ ወይ ድማ ኣብ እዋን ፈተና እታ ተምሃሪት ንፈተናኣ ክትቀርእ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ግዜን ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ኩነታትን ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ።
ካልኣይ፦ ጾም፦ ንጽግያት ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ፈርዲ ይኹን ሱና ጾም ምጻም ሓራም ኢዩ፡ ከምኡ እንተጌራ ውን ተቐባልነት የብሉን፡ ይኹን እምበር ነቲ ግዴታ (ፈርዲ) ዝኾነ ጾም ክትቀዲ(ክትትክእ) ግዴታ ይኸውን፡ ብመሰረት ሓዲስ ዓኢሻ ረዲየላሁ ዓንሃ፦
"كَانَ يُصِيبُنَا ذَلِكَ -تَعْنِي: الْحَيْضَ- فَنُؤْمَرُ بِقَضَاءِ الصَّوْمِ وَلَا نُؤْمَرُ بِقَضَاءِ الصَّلَاةِ".
"ከም'ዚ የጋጥመና ነበረ -ማለት፡ ጽግያት- እሞ ንጾም ክንቀዲ ንእዘዝ ነበርና፡ ንስግዳን ክንቀዲ ግን ኣይንእዘዝን ነበርና።" ቡኻሪን ሙስሊምን ዝተሰማምዑሉ42።
ኣብ ጾም እንከላ ጽግያት እንተ ኣጋጢሙዋ፡ ቅድሚ ጸሓይ ምዕራባ ብገለ ደቓይቕ እኳ እንተኾነ፡ ጾማ ይፈርስ ኢዩ፡ ፈርዲ እንተድኣ ኮይኑ ድማ ነታ መዓልቲ እቲኣ ክትቀዲ(ክትትክእ) ግዴታ ይኸውን። ግን ቅድሚ ምዕራብ ጸሓይ ደም ጽግያት ከምዝተንቀሳቐሰ እንተተሰሚዕዋ፡ እቲ ደም ግን ድሕሪ ምዕራብ ጸሓይ እንተወጺኡ፡ ብመሰረት እቲ ቅኑዕ ርእይቶ ጾማ ምሉእ ኢዩ፡ ኣይፈርስን ድማ ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ኣካላት ዘሎ ደም ዝኾነ ሕጊ (ፍርዲ) ስለዘይብሉ።
ምኽንያቱ ድማ፡ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም፡ "ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሕልሚ ከም'ቲ ወዲ ተባዕታይ ዝርእዮ ምስ እትርኢ፡ ምሕጻብ ነብሲ ግዴታ ይኾና'ዶ?" ተባሂሎም ምስተሓተቱ፡
قال: «نَعَمْ إِذَا هِيَ رَأَتِ الْمَاءَ»
«እወ፡ ማይ እንተርእያ» በሉ43 ስለ'ዚ ነቲ ፍርዲ ምስ ምርኣይ መኒ(ፈሳሲ) እምበር ምስ ምንቅስቓሱ ኣየተኣሳሰሮን፡ ጽግያት ድማ ከምኡ፡ ፍርዱ ናብ ወጻኢ ወጺኡ ብምርኣዩ እንተዘይኮይኑ ብምንቅስቓሱ ኣይረጋገጽን ኢዩ።
ኣብ ጽግያት እንከላ ግዜ ፈጅሪ ምስ ዝኣቱ፡ ድሕሪ ፈጅሪ ወላ ብቑሩብ ግዜ ኣቢላ እኳ እንተጸረየት፡ ጾም ናይ'ቲ መዓልቲ እቲ ተቐባልነት የብሉን።
ቅድሚ ቅሩብ ፈጅሪ ምስ እትጸርይ እሞ ድማ እንተጸይማ፡ ወላ'ውን ነብሳ ድሕሪ ፈጅሪ እንተተሓጸበት፡ ጾማ ትኽክል ኢዩ። ልክዕ ከም'ቲ ጁኑብ (ነብሱ ምሕጻብ ዘድልዮ) እንከሎ ንጾም ኒያ ዝገበረ እሞ፡ ነብሱ ግና ድሕሪ ምውጻእ ፈጅሪ ዝተሓጸበ ሰብ፡ ጾሙ ትኽክል ከም ዝኸውን ማለት ኢዩ። ኣብ ሓዲስ ዓኢሻ ዝመጸ ረዲየላሁ ዓንሃ ኢለን፦
"كَانَ النَّبِيُّ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ يُصْبِحُ جُنُبًا مِنْ جِمَاعٍ غَيْرِ احْتِلَامٍ ثُمَّ يَصُومُ فِي رَمَضَانَ".
«ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ብሕልሚ ዘይኮነስ ካብ ጾታዊ ርክብ ጁኑብ ኮይኖም የውግሑ እሞ፡ ብድሕሪኡ ይጾሙ ነበሩ እዚ ድማ ኣብ ረመዳን ኢዩ።» ቡኻሪን ሙስሊምን ዝተሰማምዑሉ44።
ሳልሳይ ፍርዲ፦ ንካዕባ ጠዋፍ(ምኹላል)፦ ንካዕባ ጠዋፍ ሓራም ይኸውን፡ ፈርዲ ይኹን ነፍሊ፡ ካብኣ ድማ ቅቡል ኣይከውንን፡ እቶም ዝተረፉ ተግባራት ድማ፡ ከም ኣብ መንጎ ሰፋን መርዋን ሳዕይ ምፍጻም፡ ኣብ ዓረፋ ደው ምባል፡ ኣብ ሙዝደሊፋን ሚናን ምሕዳር፡ ጀመራት ምድርባይን ካልኦት ስርዓታት ሓጅን ዑምራን ዝኣመሰሉ ሓራም ኣይኮናን ኢዩ። ነቢ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ንዓኢሻ ጽግያት ምስ መጻ ከም'ዚ ስለ ዝበልዋ፦
«افْعَلِي مَا يَفْعَلُ الْحَاجُّ غَيْرَ أَلَّا تَطُوفِي بِالْبَيْتِ حَتَّى تَطْهُرِي».
«ኣብ ሓጅ ዘሎ ሰብ ዝገብሮ ግበሪ፡ ብዘይካ ንካዕባ ምጥዋፍ ክሳብ እትጸሪ »45።
በዚ መሰረት፡ ጓል ኣንስተይቲ ጸርያ እንከላ ጠዋፍ እንተፈጺማ እሞ፡ ብድሕሪ እቲ ጠዋፍ ወይ ኣብ እዋን ሳዕይ ጽግያት እንተ ኣጋጢሙዋ፡ ኣብ'ዚ ዋላ ሓንቲ ጸገም የብሉን።
ራብዓይ ፍርዲ፡ ብናይ መሰናበቲ ጠዋፍ ኣይትግደድን ኢያ፡ ጓል ኣንስተይቲ ስርዓተ-ኣገባብ ሓጅን ዑምራን ምስ ዛዘመት፡ ድሕሪኡ ናብ ዓዳ ቅድሚ ምብጋሳ ጽግያት እንተ ኣጋጢሙዋ፡ እቲ ናይ ጽግያት ደም ድማ ክሳብ እትብገሰሉ ግዜ ዝቕጽል እንተኾይኑ፡ ብዘይ መሰናበቲ(ጠዋፍ) ትብገስ። ካብ ኢብኑ ዓባስ ረዲየላሁ ዓንሁማ ዝተወረየ ሓዲስ ይብሉ፡
"أُمِرَ النَّاسُ أَنْ يَكُونَ آخِرُ عَهْدِهِمْ بِالْبَيْتِ، إِلَّا أَنَّهُ خُفِّفَ عَنِ الْمَرْأَةِ الْحَائِضِ".
"ሰባት ናይ መወዳእታ ተግባሮም ኣብ ካዕባ ክኸውን ተኣዚዞም ኢዮም፡ እንተኾነ ግን ንጓል ኣንስተይቲ ኣብ እዋን ጽግያት ምሕረት ተገይሩላ ኢዩ።" [ቡኻሪን ሙስሊምን ዝተሰማምዑሉ]46።
ን ኣብ ጽግያት ዘላ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ እዋን ምስንባት(ጠዋፍ) ናብ ማዕጾ መስጊድ ሓራም መጺኣ ዱዓ ክትገብር ኣይፍቶን ኢዩ፡ ምኽንያቱ እዚ ካብ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኣይተመሓላለፈን፡ኩሉ ኣምልኾታት ድማ ካብ ዝተመሓላለፈልና ጥራሕ ኢዩ ዝህነጽ። ብኣንጻሩ፡ እቲ ካብ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝተመሓላለፈ ኣንጻር ናይ'ዚ ኢዩ ዘመልክት፡ ከም'ቲ ኣብ ዛንታ ሰፊያ ረዲየላሁ ዓንሃ፡ ድሕሪ ጠዋፍ ኣል-ኢፋዳ ጽግያት ምስ ኣጋጠማ፡ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ ዝበልዋ፦
«فَلْتَنْفِرْ إِذَنْ».
"«እምበኣር ትበገስ»።" ቡኻሪን ሙስሊምን ዝተሰማምዑሉ47።
ናብ ማዕጾ መስጊድ ብምምጻእ ኣይኣዘዙን፡ እዚ ፍቑድ እንተዝኸውን ድማ ምገለጽዎ ኔሮም። ጠዋፍ ሓጅን ዑምራን ግና ክትገብሮ ኣለዋ፡ የግዳስ ምስ ነጽሀት ጠዋፍ ትፍጽም።
ሓሙሻይ ፍርዲ፦ ኣብ መስጊድ ኮፍ ኢልካ ምጽናሕ፦ ጽግያት ንዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ መስጊድ ክትጸንሕ ሓራም ይኾና፡ ዋላ'ውን ኣብ ናይ ዒድ መስገዲ ቦታ እንተኾነ ኣብኡ ክትጸንሕ ሓራም ይኾና፡ ኣብ ሓዲስ ኡሙ ዓጢያ ዝመጸ ረዲየላሁ ዓንሃ፡ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ ክብሉ ሰሚዓቶም፡
«يَخْرُجُ الْعَوَاتِقُ وَذَوَاتُ الْخُدُورِ وَالْحُيَّضُ».
«ጉርዞ ኣዋልድን፡ ካብ ውሽጢ ገዛ ብዙሕ ዘይወጻን፡ ኣብ ጽግያት ዘለዋን ይውጻኣ።» ኣብኡ ከኣ፦
«يَعْتَزِلُ الْحُيَّضُ الْمُصَلَّى».
«ኣብ እዋን ጽግያት ዝርከባ ኣንስቲ ካብ'ቲ ዝስገደሉ ቦታ ይግለላ።» ቡኻሪን ሙስሊምን ዝተሰማምዑሉ48።
ሻድሻይ ፍርዲ፦ ስጋዊ ርክብ፦ በዓል ቤታ ምስኣ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ሓራም ይኾኖ፡ ንዓኣ ድማ ነዚ ከተፍቅደሉ ሓራም ይኾና፡ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ስለ ዝበለ፦
﴿وَيَسۡـَٔلُونَكَ عَنِ ٱلۡمَحِيضِۖ قُلۡ هُوَ أَذٗى فَٱعۡتَزِلُواْ ٱلنِّسَآءَ فِي ٱلۡمَحِيضِ وَلَا تَقۡرَبُوهُنَّ حَتَّىٰ يَطۡهُرۡنَۖ...﴾
{ብዛዕባ ጽግያት ይሓቱኻ፡ ንሱ ርኽሰት ኢዩ በሎም። ስለ'ዚ ኣብ ግዜ ጽግያት ካብ ኣንስቲ ርሓቑ፡ ክሳብ ዝጸርያ ድማ ኣይትቕረቡወን...} [ኣልበቐራ፡222]፡ መሒድ ማለት ግዜ ጽግያትን ቦትኡን ኮይኑ፡ ንሱ ድማ ብልዕቲ (ሕፍረት ጓል ኣንስተይቲ) ኢዩ፡ ከምኡ'ውን ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ይብሉ:
«اصْنَعُوا كُلَّ شَيْءٍ إِلَّا النِّكَاحَ».
«ብዘይካ ኒካሕ ኩሉ ነገር ግበሩ»። ማለት፡ ጾታዊ ርክብ። ሙስሊም49 ሰኒድዎ፡ ምኽንያቱ ድማ ኩሎም ኣስላም፡ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ እዋን ጽግያት ስጋዊ ርክብ ምፍጻም ሕራም ምዃኑ ሓባራዊ ስምምዕ ስለ ዘለዎም ኢዩ።
ብ ኣላህን ብመዓልቲ መወዳእታን ዝኣምን ዝኾነ ሰብ፡ ነዚ ብመጽሓፍ ልዑል ኣላህ፡ ብሱና ልኡኹ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከምኡ'ውን ብስምምዕ (ኢጅማዕ) ሙስሊሚን ክልኩል ምዃኑ ዝተረጋገጸ ሙንከር (ክፉእ) ተግባር ክፍጽም ኣይፍቀደሉን ኢዩ፡ ከምኡ እንተገይሩ ድማ ን ኣላህን ንረሱሉን ካብ ዝቃወሙን፡ መንገዲ ኣመንቲ ዘይኮነ ዝኽተሉን ይኸውን። ኣብ መጽሓፍ ኣል-መጅሙዕ ሸርሕ ኣል-ሙሃዘብ (ገጽ 374፡ ቅ. 2) ከም'ዚ ይብል፦ ኢማም ኣ'ሻፊዒ ረቢ ይርሓመሎም ከም'ዚ ይብሉ፦ «ነዚ ዝገበረ ሰብ፡ ዓቢይ ሓጢያት ፈጺሙ ኣሎ»። ብጾትናን ካልኦትን ድማ ከም'ዚ ይብሉ፦ «ምስ ጽግያት ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ጾታዊ ርክብ ምግባር ከም ሓላል ዝቖጸረ ሰብ፡ ብኩፍሪ (ከሓዲ) ይፍረድ»። ናይ ኢማም ነወዊ ዘረባ ኣብ'ዚ ይዛዘም።
ምስጋና ንኣላህ ይኹን ብዘይካ ስጋዊ ርክብ ምግባር ስምዒቱ ዘህድኣሉ ተግባራት፡ ከም ምስዓም፡ ምሕቛፍን ብዘይካ ብልዕቲ ካልእ ኣካላት ምትንኻፍን ተፈቒዱሉ ኢዩ፡ እንተኾነ ግን እቲ ዝበለጸ ኣብ መንጎ ሕምብርትን ብርክን ዘሎ ክፋል ሰዉነት ብመሸፈኒ ጌሩ እንተዘይኮይኑ ብቐጥታ ክትንክፍ የብሉን። ከም'ቲ ዓኢሻ ረዲየላሁ ዓንሃ ዝበለቶ፦
"كَانَ النَّبِيُّ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ يَأْمُرُنِي فَأَتَّزِرُ فَيُبَاشِرُنِي وَأَنَا حَائِضٌ".
«ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ይእዝዙኒ እሞ ጨርቂ ይዕጠቕ ኣነ ኣብ እዋን ጽግያት እንከለኹ ብኣካሎም ይትንክፉኒ ነበሩ።» ቡኻሪን ሙስሊምን ዝተሰማምዑሉ50።
ሻውዓይ ፍርዲ፦ ምፍታሕ፦ ንበዓል ቤት፡ ኣብ እዋን ጽግያት እንከላ ክፈትሓ ሓራም ይኾኖ፡ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ስለ ዝበለ፦
﴿يَاأَيُّهَا النَّبِيُّ إِذَا طَلَّقْتُمُ النِّسَاء فَطَلِّقُوهُنَّ لِعِدَّتِهِنَّ...﴾
{ኦ ነቢ ኣንስቲ ምስ ትፈትሑ ንግዜ ዒዳአን ፍትሕወን...} [ኣ'ጠላቕ፡1] ማለት፡ ኣብ እዋን ፍትሕ ፍሉጥ ዝኾነ ዒዳ ኣብ ዝጅምራሉ ኩነታት ማለት ኢዩ፡ እዚ ኸኣ ጥንስቲ ኣብ ዝኾነትሉ ወይ ከኣ ጸርያ ኸላ ምስኣ ስጋዊ ርክብ ከይፈጸመ እንተፈቲሕዋ ጥራይ ኢዩ ዝኸውን፡ ምኽንያቱ ንሳ ኣብ እዋን ጽግያት እንከላ እንተተፈቲሓ፡ እታ ዝተፈትሐትላ እዋን ጽግያት ካብ ዒዳ ስለ ዘይትሕሰብ፡ ዒዳ ኣይትጅምርን ኢያ። ከምኡ'ዉን ድሕሪ ስጋዊ ርክብ ምፍጻም ኣብ እዋን ጠሃራ (ንጽህና) እንከላ እንተተፈቲሓ፡ እቲ ክትጅምሮ ዘለዋ ዒዳ ፍሉጥ ኣይከዉንን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ካብ'ዚ ስጋዊ ርክብ እዚ ጠኒሳ ዒዳኣ ብጥንሲ ክትቆጽር፡ ወይ ከይጠነሰት ተሪፋ ዒዳኣ ብጽግያት ክትቆጽር ኣይፍለጥን ኢዩ። ስለ'ዚ ብዛዕባ ዓይነት ዒዳ ብርግጽ ስለ ዘይተረኽበ፡ እቲ ጉዳይ ክሳብ ዝነጽር ምፍታሕ ሓራም ይኾኖ።
ስለ'ዚ፡ ንጽግያት ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ እዋን ጽግያት እንከላ ምፍታሕ፡ ብመሰረት እታ ዝሓለፈት ኣያ ሓራም ኢዩ። ከም'ቲ ኣብ ክልቲኡ ሰሒሕን ካልኦትን ካብ ሓዲስ ኢብኑ ዑመር ዝተረጋገጸ፡ «ንሰበይቱ ኣብ እዋን ጽግያት እንከላ ምስ ፈተሓ፡ ዑመር ነዚ ንነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ምስ ነገሮም፡ ልኡኽ ኣላህ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከኣ በዚ ተቖጢዖም ኢሎም፦
«مُرْهُ فَلْيُرَاجِعْهَا ثُمَّ لِيُمْسِكْهَا حَتَّى تَطْهُرَ، ثُمَّ تَحِيضَ، ثُمَّ تَطْهُرَ، ثُمَّ إِنْ شَاءَ أَمْسَكَ بَعْدُ، وَإِنْ شَاءَ طَلَّقَ قَبْلَ أَنْ يَمَسَّ، فَتِلْكَ الْعِدَّةُ الَّتِي أَمَرَ اللَّهُ أَنْ تُطَلَّقَ لَهَا النِّسَاءُ».
«ክመልሳ ኣዝዞ፡ ድሕሪኡ እቲ ናይ ጽግያት ደም ደዉ ክሳብ ዝብል ምስኡ የጽንሓያ፡ ብድሕሪኡ ክሳብ ጽግያት ዝመጻ፡ እንደገና ውን እቲ ናይ ጽግያት ደም ደዉ ክሳብ ዝብል። ብድሕሪኡ እንተደልዩ ይሓዛ፡ እንተደልዩ ኸኣ ምስኣ ስጋዊ ርክብ ቅድሚ ምፍጻሙ ይፍታሓያ። እዚ ኸኣ እቲ ኣላህ ኣንስቲ ክፍተሓሉ ዝኣዘዞ ግዜ ናይ ዒዳ ኢዩ»51።
ሓደ ሰብኣይ ንበዓልቲ ቤቱ ኣብ እዋን ጽግያት እንከላ እንተ ፈቲሕዋ፡ ሓጢያተኛ ይኸውን። ናብ ልዑል ኣላህ ተውባ (ምንሳሕ) ክገብርን፡ ምስ ትእዛዝ ኣላህን ልኡኹን ዝሰማማዕ ሸሪዓዊ ፍትሕ ምእንቲ ክፈትሓ ድማ ነታ በዓልቲ ቤቱ ናብ ሓዳሩ ክመልሳ ግዴታ ይኾኖ። ምስ መለሳ ኸኣ፡ ካብ'ታ ዝፈትሓላ ግዜ ጽግያት ክሳብ እትጸርይ፡ ቀጺላ'ዉን ካልኣይ ግዜ ጽግያት ክሳብ እትርኢ ይሓድጋ። ብድሕሪኡ ምስ ጸረየት ድማ፡ ምስኣ ስጋዊ ርክብ ቅድሚ ምፍጻሙ፡ እንተደልዩ የጽንሓ፡ እንተደልዩ ኸኣ ይፈትሓ።
ካብ ኣብ ግዜ ጽግያት ምፍታሕ ሓራም ዝኾነሉ እዞም ሰለስተ ጉዳያት ይፍለዩ፦
ቀዳማይ፦ እቲ ፍትሕ ቅድሚ ምስኣ በይኖም ምዃኖም ወይ ምትንካፋ እንተኾይኑ፡ ኣብ እዋን ጽግያት እንከላ ክፈትሓ ጸገም የብሉን፡ ምኽንያቱ ኣብ'ቲ ግዜ'ቲ ዒዳ ስለዘይብላ፡ ምፍታሕ ተጻራሪ ኣይከውንን ኢዩ፡ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡-
﴿...فَطَلِّقُوهُنَّ لِعِدَّتِهِنَّ...﴾
{...ንዒዳአን ፍትሑወን...} [ኣ'ጠላቕ፡ 1]።
2ይ- ጽግያት ኣብ ግዜ ጥንሲ እንተኾይኑ፡ ምኽንያት ናይ'ዚ ድማ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ኢዩ።
ሳልሰይቲ፦ እቲ ፍትሕ ብካሕሳ እንተኾይኑ፡ ኣብ እዋን ጽግያት እንከላ ክፈትሓ ጸገም የብሉን።
ንኣብነት፦ ኣብ መንጎ መጻምድቲ ዘይምስምማዕን ሕማቕ ርክብን ምስ ዝህሉ፡ እቲ በዓል ቤት ካሕሳ ብምውሳድ ክፈትሓ፡ ዋላ እኳ ኣብ እዋን ጽግያት እንከላ ይፍቀድ ኢዩ፡ ካብ ኢብኑ ዓባስ ረዲየላሁ ዓንሁማ ኣብ ዝመጸ ሓዲስ፦ ሰበይቲ ሳቢት ብን ቐይስ ብን ሸማስ ናብ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም መጺኣ፡ (ኦ ልኡኽ ኣላህ ኣነ ኣብ ስነ-ምግባሩ ኮነ ዲኑ ዝነቅፎ የብለይን፡ ግን ኣብ እስልምና ምክሓድ እጸልእ ኢየ(ጉቡኡ ከየግድለሉ) ምስ በለቶም፡ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ድማ በሉ፡
«أَتَرُدِّينَ عَلَيْهِ حَدِيقَتَهُ؟»
«ጀርዲኑ ክትመልስሉ ዲኺ?» ንሳ ድማ፡ እወ በለት። ሽዑ ልኡኽ ኣላህ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ በሉ፦
«اقْبَلِ الْحَدِيقَةَ وَطَلِّقْهَا تَطْلِيقَةً»
«ነታ ጀርዲን ተቐበል እሞ ሓንቲ ፍትሕ ፍትሓያ» [ቡኻሪ ዝሰነድዎ]52፡፡
ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ድማ፡ ኣብ እዋን ጽግያት ድያ ነይራ ወይስ ኣብ ጠሃራ(ንጽህና)? ኢሎም ኣይሓተቱን። ምኽንያቱ እዚ ጓል ኣንስተይቲ ንነፍሳ እትብጀወሉ ስለ ዝኾነ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ኣብ ዝኾነ ኩነታት እንከላ ይፍቀድ ኢዩ።
ኣብ ኣል-ሙቕኒ፡ ኣብ እዋን ጽግያት ኹልዒ ምፍቃዱ ምኽንያቱ ክገልጽ ከሎ ከም'ዚ ይብል (ገጽ፦ 52፡ ቅ፦ 7፡ ሕ፦ ም)፦ "«ምኽንያቱ ኣብ እዋን ጽግያት ካብ ፍትሕ ዝኽልከለሉ ምኽንያት፡ ብምንዋሕ ዒዳ (ግዜ መጸበዪ) ኣብ ልዕሊኣ ጉድኣት ንኸይመጻ ኢዩ ተጌሩ፡ ኹልዒ(ባዕላ ትደልዮ ፍትሕ) ግና ነቲ ብሕማቕ መነባብሮን ምስ'ቲ እትጸልኦን ዘይትፈትዎን ሰብ ብምንባርን ኣብ ልዕሊኣ ዝመጽእ ጉድኣት ንምእላይ ኢዩ፡ እዚ ድማ ካብ'ቲ ናይ ምንዋሕ ዒዳ ጉድኣት ዝዓበየ ኢዩ፡ ስለ'ዚ ነቲ ዝዓበየ ጉድኣት በቲ ዝነኣሰ ጉድኣት ምክልኻል ይፍቀድ ኢዩ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ነታ ኹልዒ እትሓትት ሰበይቲ ብዛዕባ ኩነታታ ኣይሓተትዋን።» ዘረብኡ ኣብ'ዚ የብቅዕ።"
ንጓል ኣንስተይቲ ኣብ እዋን ጽግያት እንከላ ዓቕዲ ምእሳር ጸገም የብሉን፡ ምኽንያቱ እቲ መሰረታዊ ሕጊ ፍቑድ ምዃኑ ኢዩ፡ ካብኡ ዝኽልክል መርትዖ ድማ የለን። ግናኸ፡ ኣብ እዋን ጽግያት ከላ በዓል ቤታ ምስኣ ክኣቱ ኣብ ዝብል ጕዳይ ክረአ ይግባእ፡ ምስኣ ስጋዊ ርክብ ከም ዘይፍጽም እሙን እንተኾይኑ ጸገም የብሉን፡ እንተዘይኮይኑ ግን ኣብ'ቲ ክልኩል ዝኾነ ተግባር ከይወድቕ ብምፍራሕ፡ ክሳብ እትጸሪ ምስኣ ክኣቱ ኣይፍቀድን ኢዩ።
ሻምናይ ፍርዲ፦ ዒዳ ናይ ፍትሕ ብእኡ -ማለት ብጽግያት- ምቑጻር፦ ሓደ ሰብኣይ ንበዓልቲ ቤቱ ምስኣ ስጋዊ ርክብ ድሕሪ ምፍጻሙ ወይ ምስኣ በይኑ ድሕሪ ምጽናሑ እንተፈቲሕዋ፡ ጽግያት ካብ ዝርእያ ደቂ ኣንስትዮ እንተኾይናን ጥንስቲ እንተዘይኮይናን፡ ሰለስተ ምሉእ ጽግያት ዒዳ ክትገብር ግዴታ ይኾና፡ እዚ ኸኣ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ስለዝበለ ኢዩ፦
﴿وَٱلۡمُطَلَّقَٰتُ يَتَرَبَّصۡنَ بِأَنفُسِهِنَّ ثَلَٰثَةَ قُرُوٓءٖ...﴾
{ ዝተፋትሓ ኣንስቲ ድማ ሰለስተ ግዜ ጽግያት ክጽበያ ኣለወን ... } [ኣልበቐራ፡228]፡ ማለት፦ ሰለስተ ጽግያት። ነፍሰ ጾር እንተደኣ ኮይና፡ ዒዳኣ እቲ ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ ክሳብ እትወልድ ኢዩ፡ ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፦
﴿...وَأُوْلَاتُ الأَحْمَالِ أَجَلُهُنَّ أَن يَضَعْنَ حَمْلَهُنَّ...﴾
{...እተን ጥኑሳት ድማ፡ ግዜ መጸበዪአን ጥንሰን ክሳብ ዝወልዳ ኢዩ...} [ኣ'ጠላቕ: 4]፣ እታ ጓል ኣንስተይቲ ካብ'ተን ጽግያት ዘይርእያ እንተኾይና፡ ከም'ታ ጽግያት ዘይጀመራ ንእሽቶ ጓል፡ ወይ ብሰንኪ እርጋን ካብ ጽግያት ተስፋ ዝቖረጸት፡ ወይ ማህጸና ብመጥባሕቲ ብምእላዩ ወይ ብኻልእ ምኽንያት ዳግማይ ጽግያት ክምለሳ ተስፋ ዘይትገብር እንተኾይና፡ ዒዳኣ ሰለስተ ወርሒ ይኸውን፡ እዚ ድማ ከም'ቲ ኣላህ ዝበሎ ኢዩ፦
﴿وَاللَّائِي يَئِسْنَ مِنَ الْمَحِيضِ مِن نِّسَائِكُمْ إِنِ ارْتَبْتُمْ فَعِدَّتُهُنَّ ثَلَاثَةُ أَشْهُرٍ وَاللَّائِي لَمْ يَحِضْنَ...﴾
{እተን ካብ ኣንስትኹም ካብ ጽግያት ተስፋ ዝቘረጻ፡ እንተ ተጠራጢርኩም ዒዳአን ሰለስተ ኣዋርሕ ኢዩ፡ እተን ጽግያት ዘይረኣያ ውን...} [ኣ'ጠላቕ: 4]፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ጽግያት ካብ ዝመጸን እንተኾይና፡ ግን ብዝተፈለጠ ምኽንያት ከም ሕማም ወይ ጡብ ምጥባው ጽግያታ ደው እንተኢሉ፡ እቲ ግዜ ዋላ እኳ እንተ ነወሐ፡ ጽግያት ክሳብ ዝምለሳ ኣብ ዒዳ ትጸንሕ እሞ፡ ብእኡ ድማ ዒዳኣ ትቆጽር። እቲ ምኽንያት ምስ ዝእለ እሞ ጽግያት ድማ እንተዘይተመሊሱ፡ ማለት ካብ ሕማም ምስ ትሓዊ ወይ ጡብ ምጥባው ምስ ትውድእ እሞ እቲ ጽግያት ከም ዘለዎ እንተዘይመጸ፡ ካብ'ቲ እቲ ምኽንያት ዝተኣልየሉ ግዜ ኣትሒዛ ንሓደ ምሉእ ዓመት ዒዳኣ ትቆጽር። እዚ ድማ እቲ ምስ ናይ ሸሪዓ መምርሕታት ዝሰማማዕ ትኽክለኛ ዘረባ (ቃውል) ኢዩ፡ እቲ ምኽንያት ምስ ዝጠፍእ እሞ ጽግያት እንተዘይተመሊሱ፡ ከም'ታ ብዘይ ዝተፈልጠ ምኽንያት ጽግያታ ዝተቋረጸ ትኸውን። ጽግያታ ብዘይ ዝተፈልጠ ምኽንያት ምስ ዝቋረጽ ድማ፡ ሓደ ምሉእ ዓመት ዒዳ ትገብር፡ ትሽዓተ ወርሒ ንጥንቃቐ ናይ ጥንሲ፡ ምኽንያቱ ንሱ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ጥንሲ ስለዝኾነ፡ ሰለስተ ወርሒ ድማ ንዒዳ ይኸውን።
እቲ ፍትሕ ድሕሪ ቃል ኪዳን ምእሳር ኮይኑ ቅድሚ ጾታዊ ርክብ ምፍጻምን በይኖም ምዃንን እንተድኣ ተፈጺሙ ግና፡ ፈጺሙ ዒዳ የብላን፡ ብጽግያት ይኹን ብኻልእ፡ እዚ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ስለዝበለ ኢዩ፡
﴿يَاأَيُّهَا الَّذِينَ آمَنُوا إِذَا نَكَحْتُمُ الْمُؤْمِنَاتِ ثُمَّ طَلَّقْتُمُوهُنَّ مِن قَبْلِ أَن تَمَسُّوهُنَّ فَمَا لَكُمْ عَلَيْهِنَّ مِنْ عِدَّةٍ تَعْتَدُّونَهَا...﴾
{ኦ ኣቱም ዝኣመንኩም፡ ንዝኣመና ኣንስቲ ምስ ተመርዓኹመን፡ ብድሕሪኡ ቅድሚ ምትንካፍኩም ምስ እትፈትሕወን፡ ኣብ ልዕሊአን እትቆጽርዎ ዒዳ የብልኩምን...} [ኣልኣሕዛብ፡49]
ታሽዓይ ፍርዲ፦ ፍርዲ ናይ ማህጸን ነጻ ምዃን፡ ማለት፡ ካብ ጥንሲ ባዶ ምዃኑ፡ እዚ ድማ ፍርዲ ናይ ማህጸን ነጻ ምዃን ኣብ ዘድልየሉ እዋን ኩሉ የድሊ፡ ናቱ ጉዳያት ድማ ኣለዎ፦
ካብኡ ድማ፦ ሓደ ሰብ እንተሞይቱ እሞ፡ እቲ ኣብ ማሕጸን እታ ሰበይቲ ዘሎ ጥንሲ ዝወርሶ እንተኾይኑ፡ ንሳ ድማ በዓል ቤት ዘለዋ እንተኾይና፡ ንበዓል ቤታ ጽግያት ክሳብ እትርኢ ወይ ጥንሳ ክሳብ ዝረጋገጽ ምስኣ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ክልኩል ይኾኖ። ጥንሳ እንተደኣ ተረጋጊጹ፡ እቲ ዘውርሶ ሰብ ኣብ ዝሞተሉ እዋን እቲ ጥንሲ ከምዝነበረ ስለ እንፈርድ፡ ውርሻ ከም ዝረክብ ንፈርድ። ጽግያት እንተደኣ ሪኣ ግን፡ በቲ ጽግያት ኣቢሉ ማሕጸና ነጻ (ባዶ) ምዃኑ ስለ እንፈርድ፡ ውርሻ ከም ዘይረክብ ንፈርድ።
ዓስራይ ፍርዲ፦ ናይ ምሕጻብ ግዴታ፦ ኣብ ጽግያት ዘላ ጓል ኣንስተይቲ ምስ እትጸርይ፡ ንሙሉእ ኣካላታ ብምጽራይ ነብሳ ክትሕጸብ ግዴታ ይኾና፡ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ንፋጢማ ቢንቲ ኣቢ ሑበይሽ ኣብ ዝበልዎ፡
«فَإِذَا أَقْبَلَتِ الْحَيْضَةُ فَدَعِي الصَّلَاةَ، وَإِذَا أَدْبَرَتْ فَاغْتَسِلِي وَصَلِّي».
"«ጽግያት ምስ ዝመጸኪ ስግዳን ግደፊ፡ ደም ደዉ ምስ ዝብል ድማ ነብስኺ ተሓጸቢ እሞ ስገዲ»"። [ቡኻሪ ዘዉረዩልና]53።
ኣብ ምሕጻብ እቲ ዝወሓደ ግድን ዝኾነ ነገር፡ እቲ ማይ ናብ ኩሉ ነብሳ ከም ዝበጽሕ ምግባር ኢዩ፡ ክሳብ'ቲ ኣብ ትሕቲ ጸጉሪ ዘሎ ክፍሊ። እቲ ዝበለጸ ድማ ከም'ቲ ኣብ ሓዲስ ዝመጸ ኣገባብ ክኸውን እንከሎ ኢዩ። ካብ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም፡ ኣስማእ ቢንት ሸከል ብዛዕባ ናይ ጽግያት ምሕጻብ ምስ ሓተተቶም፡ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ በሉ፦
«تَأْخُذُ إِحْدَاكُنَّ مَاءَهَا وَسِدْرَتَهَا فَتَطَهَّرُ فَتُحْسِنُ الطُّهُورَ، ثُمَّ تَصُبُّ عَلَى رَأْسِهَا فَتَدْلُكُهُ دَلْكًا شَدِيدًا، حَتَّى تَبْلُغَ شُؤُونَ رَأْسِهَا، ثُمَّ تَصُبُّ عَلَيْهَا الْمَاءَ، ثُمَّ تَأْخُذُ فِرْصَةً مُمَسَّكَةً -أَيْ: قِطْعَةَ قُمَاشٍ فِيهَا مِسْكٌ- فَتَطَهَّرُ بِهَا».
«ሓንቲ ካባኽን ማይን ስድርን ትወስድ እሞ ትሕጸብ፡ ኣገባብ ኣተሓጻጽባኣ ድማ ተጸብቕ፡ ድሕሪኡ ናብ ርእሳ ማይ ተፍስስ እሞ ክሳብ መበቆል ጸጉሪ ርእሳ ዝበጽሕ ብሓይሊ ትፍሕፍሖ፡ ድሕሪኡ ኣብ ልዕሊኣ ማይ ተፍስስ፡ ብድሕሪኡ ብሚስኪ ዝተለኸየት ጨርቂ ትወስድ -ማለት፡ ሚስኪ ዘለዋ ቁራጽ ጨርቂ- እሞ ብእኣ ጌራ ትጸሪ»፡ ኣስማእ ድማ፦ ብእኡ ብኸመይ ትጠሃር? በለት። ንሶም ድማ በሉ፦
«سُبْحَانَ اللَّهِ!»
«ሱብሓነላህ!»፡ ዓኢሻ ድማ ንዓኣ፡ "ኣሰር ናይ'ቲ ደም ተኸታተልዮ" በለታ። [ኢማም ሙስሊም ዘውረይዎ]54።
ጸጉሪ ርእሲ ምፍታሕ ግድን ኣይኮነን፡ ኣጥቢቑ ዝተኣስረ ማይ ናብ መበቆል ጸጉሪ ከይበጽሕ ዘስግእ እንተዘይኮይኑ ጥራሕ ይፍታሕ። ከም'ቲ ኣብ ሰሒሕ ሙስሊም ካብ ኡሙ ሰለማ ረዲየላሁ ዓንሃ ኣብ ዝተወረየ ሓዲስ ዘሎ፡ ንነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ ኢላ ሓተተቶም፡ "ኣነ ጸጉሪ ርእሰይ ኣጥቢቐ ዝኣስር ጓል ኣንስተይቲ ኢየ፡ ንምሕጻብ ጀናባ ክፈትሖዶ?" ኣብ ካልእ ሪዋያ ድማ፡ "ንሓይድን ጀናባን?" ምስ በለቶም፡ ንሶም ድማ ከም'ዚ ኢሎም፦
«لَا، إِنَّمَا يَكْفِيكِ أَنْ تَحْثِيَ عَلَى رَأْسِكِ ثَلَاثَ حَثَيَاتٍ ثُمَّ تُفِيضِينَ عَلَيْكِ الْمَاءَ فَتَطْهُرِينَ».
«ኣይፋል፡ ናብ ርእስኺ ሰለስተ ዕምኮ ኢድ ማይ ምፍሳስ ጥራይ ይኣኽለኪ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ኣካላትኪ ማይ ተፍስሲ እሞ ትነጽሂ።»55።
ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ እዋን ግዜ ስግዳን ካብ ጽግያት ምስ እትጸርይ፡ ነቲ ስግዳን ኣብ ግዚኡ ንምስጋድ ተቐላጢፋ ነብሳ ክትሕጸብ ግዴታ ይኾና። ኣብ ጉዕዞ እንተኾይና እሞ መሕጸቢ ዝኾነ ማይ ምስዘይትረክብ፡ ወይ ማይ ሃልዩዋ ክነሱ ብምጥቓሙ ጉድኣት ከየስዕበላ እንተፈሪሓ፡ ወይ ድማ ብሰንኪ ሕማም ማይ ዝጎድኣ እንተኾይና፡ እቲ ዝኽልክል ምኽንያት ክሳብ ዝእለ ኣብ ክንዲ ምሕጻብ 'ተየሙም' ትገብር፡ ድሕሪኡ ግን ነብሳ ትሕጸብ።
ገለ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ሰላት ምስ ዝጸርያ፡ ኣብ'ዚ ሰዓት እዚ ምሉእ ጠሃራ(ንጽህና) ከተማልኦ ከምዘይትክእል ብምባል፡ ነብሳ ምሕጻብ ናብ ካሊእ ሰዓት ተደናጉያ፡ ግን እዚ መመኽነይታ ወይ ዑዝሪ ኣይከውንን ኢዩ። ምኽንያቱ ንሳ ኣብ ምሕጻብ ነብሳ በቲ ዝተሓተ ግዴታ ጥራሕ ጌራ፡ ስግዳን ኣብ ግዚኡ ክትፍጽም ትኽእል ኢያ፡ ድሕሪኡ ሰፊሕ ግዜ ምስ እትረክብ ድማ ምሉእ ጠሃራ(ንጽህና) ትገብር።
ሓምሻይ ምዕራፍ፡ ኢስቲሓዳን ሕግታቱን
ኢስቲሓዳ፦ ኣብ ጓል ኣንስተይቲ ደም ብቐጻሊ ዝፈስስ ኮይኑ፡ ፈጺሙ ደዉ ዘይብል፡ ወይ ድማ ኣብ ወርሒ ከም ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ንሓጺር ግዜ ጥራይ ደዉ ዝብል ማለት ኢዩ።
መርትዖ ናይ'ታ ደም ፈጺሙ ደው ዘይብለሉ ቀዳማይ ኩነታት፡ እቲ ኣብ ሰሒሕ ቡኻሪ ዘውረይዎ ካብ ዓኢሻ ዝተረኸበ ረዲየላሁ ዓንሃ ኢለን፦ ፋጢማ ቢንቲ ኣቢ ሑበይሽ ንረሱለላህ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ በለቶም፡
"يَا رَسُولَ اللَّهِ إِنِّي لَا أَطْهُرُ".
«ኦ ልኡኽ ኣላህ፡ ኣነ ኣይነጽህን ኢየ።» ከምኡ'ውን ኣብ ካልእ ዝተወረየ፡
"أَسْتَحَاضُ فَلَا أَطْهُرُ".
«ቀጻሊ ደም ስለ ዝፈስሰኒ ኣይንጸህን ኢየ»56።
መርትዖ ናይ'ቲ ካልኣይ ኩነታት እቲ ደም ብዘይካ ንውሑድ ዘይቋረጸሉ ኣብ ሓዲስ ሓምናህ ቢንት ጃሕሽ ዝመጸ ኮይኑ፡ ናብ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም መጺኣ ከም'ዚ ኢላ:
"يَا رَسُولَ اللَّهِ إِنِّي أَسْتَحَاضُ حَيْضَةً كَثِيرَةً شَدِيدَةً".
«ኦ ልኡኽ ኣላህ፡ ኣነ ብዙሕን ከቢድን ደም ኢስቲሓዳ ይፈስሰኒ ።» [እቲ ሓዲስ.. ኣሕመድን ኣቡ ዳዉድን ቲርሚዚን57 ረውየሞ፡ ሰሒሕ ድማ ኢልዎ፡ ካብ ኢማም ኣሕመድ ሰሒሕ ከምዝበሎ፡ ካብ ኣል-ቡኻሪ ድማ ሓሰን ከምዝበሎ ጠቒሱ]58።
ኩነታት ናይ ኢስቲሓዳ፦
ሙስተሓዳ (ካብ ስሩዕ ግዜ ጽግያት ወጻኢ ደም ዝፈሳ ጓል ኣንስተይቲ) ሰለስተ ኩነታት ኣለዋ፦
እታ ቀዳመይቲ ኩነታት፦ ቅድሚ ኢስቲሓዳ ፍሉጥ ጽግያት እንተነይርዋ፡ እዚኣ ናብ'ቲ ናይ ቅድም ዝተፈልጠ ግዜ ጽግያታ ትምለስ፡ ኣብኡ ድማ ትጸንሕ፡ በቲ ፍርዲ ናይ ጽግያት ከኣ ትወስድ። ካብኡ ወጻኢ ዘሎ ግና ኢስቲሓዳ ኢዩ፡ ፍርዲ ናይ ኢስቲሓዳ ድማ ትወስድ።
ናይ'ዚ ኣብነት፦ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ መጀመርታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሽዱሽተ መዓልታት ጽግያት ይመጻ እንተነይሩ፡ ብድሕሪኡ ኢስቲሓዳ ኣጋጢምዋ እቲ ደም ብቐጻሊ ይመጻ እንተደኣ ኮይኑ፡ ናይ ጽግያት ግዜኣ እተን ኣብ መጀመርታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዘለዋ ሽዱሽተ መዓልታት ይኸዉን፡ እቲ ካብኡ ወጻኢ ዘሎ ድማ ኢስቲሓዳ ኢዩ። ኣብ ሓዲስ ዓኢሻ ዝመጸ ረዲየላሁ ዓንሃ፡ ፋጢማህ ቢንት ኣቡ ሑበይሽ ከም'ዚ ኢላ፡ ያ ረሱለላህ፡ ኣነ ደም ኢስቲሓዳ ይፈስሰኒ እሞ ኣይጸርን ኢየ፡ ሰላት ክሓድጎዶ? ንሶም ድማ ከም'ዚ በሉዋ፡
«لَا، إِنَّ ذَلِكَ عِرْقٌ، وَلَكِنْ دَعِي الصَّلَاةَ قَدْرَ الْأَيَّامِ الَّتِي كُنْتِ تَحِيضِينَ فِيهَا ثُمَّ اغْتَسِلِي وَصَلِّي».
«ኣይፋልን፡ እዚ ናይ ሱር ደም ኢዩ፡ ግና ልክዕ ክንዲ እቲ ጽግያት ዝረኣየኪ ዝነበረ መዓልታት ሰላት ግደፊ፡ ብድሕር'ዚ ተሓጸቢ እሞ ስገዲ።» ቡኻሪ ዘዉረይዎ59፡፡
ኣብ ሰሒሕ ሙስሊም፡ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ንኡሙ ሓቢባ ቢንቲ ጃሕሽ ከም'ዚ ኢሎማ፡
«امْكُثِي قَدْرَ مَا كَانَتْ تَحْبِسُكِ حَيْضَتُكِ ثُمَّ اغْتَسِلِي وَصَلِّي».
«ብመጠን እቲ ጽግያትኪ ዝኽልክለኪ ዝነበረ ግዜ ጽንሒ፡ ብድሕሪኡ፡ ተሓጸቢ እሞ ስገዲ»60።
ብመሰረት እዚ፡ እታ ፍሉጥ ናይ ጽግያት ግዜ ዘለዋ እሞ ዘይቋረጽ ደም ዝመጻ ጓል ኣንስተይቲ፡ ማዕረ እቲ ናይ ጽግያት ግዜኣ ትጽበ፡ ብድሕር'ዚ ድማ ነብሳ ተሓጺባ ክትሰግድ ይግባእ። በቲ ሽዑ ዝወጽእ ደም ድማ ክትግደስ የብላን።
ካልኣይ- ኩነታት፦ ቅድሚ ኢስቲሓዳ ፍሉጥ ጽግያት ዘይነበራ ክትከውን ከላ ኢዩ፡ እዚ ማለት ድማ ካብ'ቲ መጀመርታ ደም ዝረኣየትሉ እዋን ኣትሒዙ እቲ ኢስቲሓዳ ብቐጻሊ ዘጋጥማ ምስ ዝኸውን ኢዩ። እዛ ጓል ኣንስተይቲ እዚኣ ነቲ ደም ብምፍላይ ትግምት፡ ስለ'ዚ ጽግያታ እቲ ብጸሊም ሕብርን፡ ወይ ብምሕፋሱን፡ ወይ ድማ ብጨንኡ ዝተፈልየ ይኸውን፡ ፍርዲ ናይ ጽግያት ድማ ብኡ ይግመት። ካብ'ዚ ወጻኢ ዘሎ ደም ግን ኢስቲሓዳ ይኸውን፡ ፍርዲ ናይ ኢስቲሓዳ ድማ ይወስድ።
ንኣብነት ናይ'ዚ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ፈለማ ደም ትርኢ እሞ፡ እቲ ደም ድማ ቀጺሉ ይመጻ፡ ግን ንዓሰርተ መዓልታት ጸሊም፡ ዝተረፈ ናይ'ቲ ወርሒ ድማ ቀይሕ ኮይኑ ትርእዮ፡ ወይ ድማ ንዓሰርተ መዓልታት ሓፊስ፡ ዝተረፈ ናይ'ቲ ወርሒ ድማ ቀጢን ኮይኑ ትርእዮ፡ ወይ ውን ንዓሰርተ መዓልታት ጨና ዘለዎ፡ ዝተረፈ ናይ'ቲ ወርሒ ድማ ጨና ዘይብሉ ኮይኑ ትርእዮ። ስለ'ዚ ጽግያታ፡ ኣብ'ቲ ቀዳማይ ኣብነት እቲ ጸሊም ደም፡ ኣብ'ቲ ካልኣይ ኣብነት እቲ ሓፊስ ደም፡ ኣብ'ቲ ሳልሳይ ኣብነት ድማ እቲ ጨና ዘለዎ ደም ይኸውን፡ ካብ'ዚ ወጻኢ ዝኾነ ደም ግን ኢስቲሓዳ (ዘይስሩዕ ደም) ኢዩ። ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ንፋጢማ ቢንቲ ኣቢ ሑበይሽ ከም'ዚ ስለዝበልዋ፡
«إِذَا كَانَ دَمُ الْحَيْضَةِ فَإِنَّهُ أَسْوَدُ يُعْرَفُ، فَإِذَا كَانَ ذَلِكَ فَأَمْسِكِي عَنِ الصَّلَاةِ فَإِذَا كَانَ الْآخَرُ فَتَوَضَّئِي وَصَلِّي؛ فَإِنَّمَا هُوَ عِرْقٌ».
«ደም ጽግያት እንተድኣ ኮይኑ፡ ጸሊም ፍሉጥ ኢዩ፡ እዚ ምስ ዝኸውን ካብ ምስጋድ ተኸልከሊ። እቲ ካልእ ዓይነት ደም እንተኾይኑ ግን ዉዱእ ጌርኪ ስገዲ፡ ምኽንያቱ ንሱ ካብ ሱር ዝወጽእ ደም ስለዝኾነ።» [ኣቡ ዳዉድን ነሳኢን ኣውሪየሞ፡ ኢብኑ ሒባንን ኣል-ሓኪምን ድማ ሰሒሕ ኢሎሞ]61።
እዚ ሓዲስ እዚ፡ ዋላ እኳ ኣብ ሰንሰለታዊ መተሓላለፊኡን ትሕዝትኡን ዝኾነ ርእይቶ እንተሃለዎ፡ ሰብ-ፍልጠት (ዑለማእ) ኣላህ ይርሓመሎም ግን ሰሪሖምሉ ኢዮም፡ ንሱ ድማ ናብ ልማድ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ምምላሱ ዝያዳ ዝምረጽ ኢዩ።
ሳልሳይ ኩነታት፦ ፍሉጥ ጽግያት ኮነ ቅኑዕ መፈላለዪ ዘይብላ ክትከውን እንከላ፡ እዚ ድማ ካብ'ቲ ፈለማ ደም ዝረኣየትሉ ግዜ ኣትሒዙ ኢስቲሓዳ (ዘይስሩዕ ደም) ቀጻሊ ብምዃኑ፡ ደማ ድማ ብሓደ ዓይነት ባህሪ ወይ ጽግያት ክኸውን ኣብ ዘይክእል ዝተፈላለየ ባህርያት ምስ ዝኸውን ኢዩ፡ እዚኣ ኸኣ ብናይ ልማድ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ትኽተል፡ ጽግያታ ድማ ካብ'ቲ ደም ዝረኣየትሉ መጀመርታ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሽዱሽተ ወይ ሸዉዓተ መዓልታት ይኸውን፡ ካብኡ ወጻኢ ዘሎ ድማ ኢስቲሓዳ (ካብ ግዜ ጽግያት ወጻኢ ዝወጽእ ደም) ኢዩ።
ናይ'ዚ ኣብነት፡ ነቲ ደም ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሓምሻይ መዓልቲ ናይ ወርሒ ምስ እትርእዮ፡ ብሕብሪ ይኹን ብኻልእ ንጽግያት ዝኸውን ግቡእ መፍለዪ ከይሃለዎ እናቐጸለ ምስ ዝኸይድ፡ ጽግያታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሽዱሽተ ወይ ሸዉዓተ መዓልታት ይኸውን፡ እዚ ድማ ካብ ሓምሻይ መዓልቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ትጅምር፡ ካብ ሓምና ቢንት ጃሕሽ ረዲየላሁ ዓንሃ ዝመጸ ሓዲስ፡ ከም'ዚ ክትብል ከላ፦ ኦ ልኡኽ ኣላህ፡ ኣነ ብርቱዕን ከቢድን ዝኾነ ቀጻሊ ደም (ኢስቲሓዳ) ይፈስሰኒ ኣሎ፡ ኣብ'ዚ እንታይ ትብሉ? ካብ ሰላትን ጾምን ከልኪሉኒ ኣሎ። ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ድማ ከም'ዚ በሉ፦
«أَنْعَتُ لَكِ (أَصِفُ لَكِ اسْتِعْـمَال) الْكُرْسُفَ (وهُـوَ القُطْنُ) تَضَعِينَهُ عَلَى الْفَرْجِ، فَإِنَّهُ يُذْهِبُ الدَّمَ».
«ኩርሱፍ (ጡጥ)ክትገብሪ ይገልጸልኪ (ኣጠቓቕምኡ ክሕብረኪ) ፡ ኣብ ብልዕትኺ ትገብርዮ፡ ንሱ ነቲ ደም የጥፍኦ ኢዩ»፡ ንሳ ኢላ: ንሱ ካብኡ ዝበዝሕ ኢዩ። ኣብኡ'ውን ኢሎም(ነቢ):-
«إِنَّمَا هَذَا رَكْضَةٌ مِنْ رَكَضَاتِ الشَّيْطَانِ، فَتَحَيَّضِي سِتَّةَ أَيَّامٍ أَوْ سَبْعَةً فِي عِلْمِ اللَّهِ تَعَالَى، ثُمَّ اغْتَسِلِي حَتَّى إِذَا رَأَيْتِ أَنَّكِ قَدْ طَهُرْتِ وَاسْتَنْقَيْتِ فَصَلِّي أَرْبَعًا وَعِشْرِينَ أَوْ ثَلَاثًا وَعِشْرِينَ لَيْلَةً وَأَيَّامَهَا وَصُومِي».
«እዚ ሓደ ካብ መዉቃዕቲ ናይ ሰይጣን ኢዩ፡ ስለ'ዚ ብፍልጠት ልዑል ኣላህ ሽዱሽተ ወይ ሸውዓተ መዓልቲ ከም ናይ ጽግያት ግዜኺ ጌርኪ ቁጸሪዮ። ብድሕሪኡ ነብስኺ ተሓጸቢ፡ ደም ደዉ ከም ዝበለን ከም ዝጸረኽን ምስ ረኣኺ ድማ፡ ንዕስራን ኣርባዕተን ወይ ድማ ንዕስራን ሰለስተን ለይትን መዓልትን ስገዲ፡ ከምኡ'ዉን ጹሚ።» እዚ ሓዲስ። [ኣሕመድ፡ ኣቡ ዳዉድን ቲርሚዚን ኣውሪየሞ፡ ሰሒሕ ድማ ኢልዎ62፡ ካብ ኣሕመድ ድማ ሰሒሕ ከምዝበሎ፡ ከምኡ'ዉን ካብ ቡኻሪ ሓሰን ከምዝበሎ ተመሓላሊፉ]63።
እቲ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበልዎ፦ «ሽዱሽተ ወይ ሸዉዓተ መዓልታት» ዝብል ንምርጫ ዘይኮነስ፡ ንኢጅቲሃድ (ግምት ብ ጻዕሪ) ኢዩ። ስለ'ዚ ካብ'ተን ብባህርያዊ ኣቃውማ ዝመሳሰላኣ፡ ብዕድመን ብዝምድናን ድማ ዝቐርባኣ (ኣንስቲ) ነቲ ናብ ኩነታታ ዝያዳ ዝቐረበ ትዕዘብ፡ ከምኡ'ውን ካብ ደማ ነቲ ናብ ጽግያት ዝያዳ ዝቐረበን ካልኦት ከም'ዚ ዝኣመሰሉ መገመቲታት ግምት ትገብር። እቲ ዝቐረበ ሽዱሽተ እንተደኣ ኮይኑ፡ ሽዱሽተ ትገብሮ፡ እቲ ዝቐረበ ሸውዓተ እንተደኣ ኮይኑ ድማ፡ ሸውዓተ ትገብሮ።
ኩነታት ምስ'ታ (ኢስቲሓዳ ዘለዋ) ካብ ግዜ ጽግያታ ወጻኢ ደም ዝወጻ ጓል ኣንስተይቲ እትመሳሰል፦
ንጓል ኣንስተይቲ ካብ ብልዕታ ደም ምፍሳስ ዘስዕብ ምኽንያት ከጋጥማ ይኽእል ኢዩ፡ ከም ኣብ ማህጸን ወይ ካብኡ ንታሕቲ ዝግበር መጥባሕቲ፡ እዚ ድማ ክልተ ዓይነት ኢዩ፦
ቀዳማይ ዓይነት፦ ጓል ኣንስተይቲ ድሕሪ መጥባሕቲ ጽግያት ክመጻ ከምዘይክእል ምስ ዝፍለጥ ኢዩ። ንኣብነት እቲ መጥባሕቲ ንማህጸን ምሉእ ብምሉእ ምንጻል ወይ ደም ክወጽእ ብዘይክእል ኩነት ብምዕጋት ዝተገብረ ምስ ዝኸውን፡ እዚኣ ጓል ኣንስተይቲ ፍርዲ ናይ ሙስተሓዳ (ቀጻሊ ደም ዝፈሳ) ኣይትወስድን ኢያ። የግዳስ ፍርዳ፡ ከም'ቲ ናይ ጠሃራ(ንጽህና) ድሕሪ ምርካባ ቢጫ ወይ ደብዛዛ (ቡናዊ) ወይ ጠሊ እትርኢ ጓል ኣንስተይቲ ኢዩ ዝኸውን። ስለ'ዚ ምስጋድ ኮነ ጾም ኣይትሓድግን ኢያ፡ንበዓል ቤታ ውን ምስኣ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ሓራም ኣይኮኖን ኢዩ። በዚ ደም ምኽንያት ድማ ነብሳ ክትሕጸብ ግዴታ ኣይኮናን። ግን ኣብ እዋን ምስጋድ ነቲ ደም ክትሓጽቦ፡ ከምኡ'ዉን ምውጻእ ናይ'ቲ ደም ንምክልኻል ኣብ ብልዕታ ጨርቂ ወይ ተመሳሳሊ ነገር ክትጥቀም ይግባእ። ድሕሪኡ ንኽትሰግድ ዉዱእ ትገብር፡ ከም'ተን ሓሙሽተ ሰላት ዝተወሰነ ግዜ እንተደኣ ሃልይዋ ኸኣ፡ እቲ ግዜ ምስ ኣተወ ጥራሕ ኢያ ዉዱእ ትገብር። እንተዘይኮይኑ ግና፡ ከም'ቶም ዝተወሰነ ግዜ ዘይብሎም ሱና ሰላታት (ነዋፊል ሙጥለቃ) ንኽትሰግድ ኣብ ዝደለየትሉ እዋን ትገብር።
ካልኣይ ዓይነት፦ ድሕሪ መጥባሕቲ ጽግያታ ደው ምባሉ ዘይፍለጥ፡ የግዳስ ጽግያት ክመጻ ዝኽእል እንተኾይኑ ኢዩ። ናይ'ዚኣ ፍርዲ ኸኣ ከም ፍርዲ ናይ ሙስተሓዳ ይኸውን። ነዚ ዝተጠቕሰ ድማ ዝሕብር፡ እቲ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ንፋጢማ ቢንት ኣቢ ሑበይሽ ዝበልዎ ቃል ኢዩ፦
«إِنَّمَا ذَلِكَ عِرْقٌ وَلَيْسَ بِالْحَيْضَةِ، فَإِذَا أَقْبَلَتِ الْحَيْضَةُ فَاتْرُكِي الصَّلَاةَ».
«እዚ ናይ ሱር ደም ኢዩ እምበር ጽግያት ኣይኮነን፡ ናይ ጽግያት ግዜኺ ምስ ዝመጽእ ሰላት ግደፊ።»64
ብርግጽ ከም'ዚ ምባሎም፡
«فَإِذَا أَقْبَلَتِ الْحَيْضَةُ»
«ጽግያት ምስ ዝመጽእ» እዚ ዝሕብሮ ድማ፡ ፍርዲ ናይ ኢስቲሓዳ ዘለዋ፡ ኣብ'ታ ክህልዋ ዝኽእል፡ መጀመርታን መወዳእታን ዘለዎ ጽግያት ንዘለዋ ዝምልከት ምዃኑ ኢዩ። እታ ክህልዋ ዝኽእል ጽግያት ዘይብላ ግን፡ ኣብ ኩሉ ኩነታት ደማ ናይ ሱር ደም ኢዩ።
ፍርዲ ናይ ኢስቲሓዳ፦
ካብ'ቲ ኣቐዲሙ ዝሓለፈ፡ ደም መዓስ ጽግያት ከም ዝኸውንን መዓስ ድማ ኢስቲሓዳ ከም ዝኸውንን ፈሊጥና ኣለና፡ ስለ'ዚ ጽግያት ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ፍርዲ ናይ ጽግያት ይውስድ፡ ኢስቲሓዳ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ድማ ፍርዲ ናይ ኢስቲሓዳ ይወስድ።
እቲ ኣገዳሲ ካብ ፍርዲ ናይ ጽግያት ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ኢዩ።
ብዛዕባ ፍርዲ ናይ ኢስቲሓዳ ግና፡ ከም ፍርዲ ናይ ምጽራይ ኢዩ። ስለ'ዚ ኣብ መንጎ እታ ኢስቲሓዳ ዘለዋ ጓል ኣንስተይትን ኣብ መንጎ ዝጸረያ ኣንስትን፡ ብዘይካ ኣብዞም ዝስዕቡ እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣፈላላይ የለን፦
ቀዳማይ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰላት ዉዱእ ክትገብር ግዴታ ኢዩ፡ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ንፋጢማ ቢንት ኣቢ ሑበይሽ ከም'ቲ ዝበልዋ፡
«ثُمَّ تَوَضَّئِي لِكُلِّ صَلَاةٍ».
«ድሕሪኡ ንነፍሲ ወከፍ ስግዳን ዉዱእ ግበሪ።» ቡኻሪ ኣብ ባብ ምሕጻብ ደም ዘውረይዎ፡ እዚ ማለት ድማ ንሳ ነታ ብግዜ ዝተወሰነት ሰላት፡ ግዜኣ ድሕሪ ምእታዉ እንተዘይኮይኑ ዉዱእ ኣይትገብርን ኢያ። እቲ ሰላት ግዜ ዘይተወሰነሉ እንተኾይኑ ግን፡ ክትፍጽሞ ምስ እትደሊ ዉዱእ ትገብር።
ካልኣይ፡ ዉዱእ ክትገብር ምስ እትደሊ፡ ነቲ ኣሰር ደም ትሕጸቦ፡ ነቲ ደም ምእንቲ ክሕዞ ድማ ኣብ ብልዕታ ጡጥ ጌራ ብጨርቂ ትሽፍኖ፡ ከም'ቲ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ንሓምና ብዝበልዋ መሰረት፡-
«أَنْعَتُ لَكِ الْكُرْسُفَ فَإِنَّهُ يُذْهِبُ الدَّمَ». قَالَتْ: فَإِنَّهُ أَكْثَرُ مِنْ ذَلِكَ. قَالَ: «فَاتَّخِذِي ثَوْبًا». قَالَتْ: هُوَ أَكْثَرُ مِنْ ذَلِكَ. قَالَ: «فَتَلَجَّمِي».
«ጡጥ ክትጥቀሚ እሕብረኪ፡ ነቲ ደም የልግሶ ኢዩ።» ንሳ ድማ፡ "ንሱ ካብኡ ዝበዝሕ ኢዩ።"በለት፡ «እምበኣር ክዳን ተጠቐሚ።»በልዋ፡ "ንሱ ካብኡ ዝበዝሕ ኢዩ።"በለት፡ «እምበኣር ኣጥቢቕኪ እሰሪዮ።»በልዋ ሓዲስ፡ ብድሕሪኡ ዝወጽእ ኣይጎድኣን ኢዩ፡ ከም'ቲ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ንፋጢማ ቢንት ኣቢ ሑበይሽ ዝበልዋ፡
«اجْتَنِبِي الصَّلَاةَ أَيَّامَ حَيْضِكِ، ثُمَّ اغْتَسِلِي وَتَوَضَّئِي لِكُلِّ صَلَاةٍ، ثُمَّ صَلِّي، وَإِنْ قَطَرَ الدَّمُ عَلَى الْحَصِيرِ».
«ኣብ መዓልታት ጽግያትኪ ካብ ሰላት ርሓቒ፡ ብድሕር'ዚ ተሓጸቢ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰላት ድማ ዉዱእ ግበሪ፡ ወላ እቲ ደም ኣብ ምንጻፍ እንተ ነጠበ ስገዲ።» [ኣሕመድን ኢብኑ ማጃህን ዘውረይዎ]65።
ሳልሳይ፡ ስጋዊ ርክብ፡ ነዚ ብምሕዳጉ ጸገም (ፈተና) እንተዘይሰጊኡ ብዛዕባ ፍቑድ ምዃኑ ዑለማእ ተፈላልዮም ኢዮም። እቲ ቅኑዕ ግና ብፍጹም ፍቑድ ምዃኑ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ዘመን ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዓሰርተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝበጽሓ ብዙሓት ኣንስቲ ኢስቲሓዳ ርእየን ነይረን፡ ኣላህን ልኡኹን ድማ ምስአን ስጋዊ ርክብ ካብ ምፍጻም ኣይከልከሉን ኔሮም። እኳ ደኣ ኣብ'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፡
﴿...فَاعْتَزِلُواْ النِّسَاء فِي الْمَحِيضِ...﴾
{...ኣብ እዋን ጽግያት ካብ ኣንስቲ ርሓቑ...} [ኣልበቐራ፡222] እዚ ድማ ብዘይክኡ ካልእ ነገራት ካብአን ምፍላይ ግዴታ ከምዘይኮነ መርትዖ ኢዩ፡ ሰላት ምስጋድ ስለ ዝፍቀደላ፡ ስጋዊ ርክብ ምግባር ድማ ዝቐለለ ኢዩ፡ ምስኣ ስጋዊ ርክብ ምግባር፡ ምስ ጽግያት ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ስጋዊ ርክብ ምግባር ምምስሳል ትኽክል ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ብኣረኣእያ እቶም ሓራም ኢዩ ዝብሉ እኳ ማዕረ ስለ ዘይኮነ፡ ፍልልይ እናሃለወ ድማ ምምስሳል ተቐባልነት የብሉን።
ሻድሻይ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ ኒፋስን ፍርዱን
ኒፋስ፡ ማህጸን ብምኽንያት ምሕራስ ዘፍስሶ ደም ኮይኑ፡ ምስ'ቲ ምሕራስ ወይ ድሕሪኡ፡ ወይ ድማ ቅድሚኡ ብክልተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ ምስ ጻዕሪ ሕርሲ ዝወጽእ ኢዩ።
ሸይኹል ኢስላም ኢብኑ ተይሚያ ከም'ዚ ይብል፦ "«እቲ ኣብ ሕማም ሕርሲ ክትጅምር ከላ እትርእዮ፡ ንሱ ኒፋስ(ደም ሕርሲ) ኢዩ»። ብኽልተ ወይ ብሰለስተ መዓልቲ ድማ ኣይደረቶን(ኣይገደቦን)፡ ኣበሃህልኡ ድማ፡ ሕማም ሕርሲ ዘስዕቦ ምውላድ ማለቱ ኢዩ፡ እንተዘይኮይኑ ግን ኒፋስ ኣይኮነን። ዑለማእ(ምሁራት) ድማ ተፈላለዩ፡ ኣብ'ቲ ዝውሕድን ኣብ'ቲ ዝበዝሕን ገደብ ኣለዎ ድዩ?።" ሸይኽ ተቒዩዲን ኣብ'ታ «ኣል-ኣስማእ ኣለቲ ዓለቐ ኣ'ሻሪዕ ኣል-ኣሕካመ ቢሃ» ዘርእስታ መልእኽቶም(ገጽ 37) ከም'ዚ ይብሉ፦ «ኒፋስ ንውሕዱን ይኹን ንብዝሑን ደረት የብሉን። ስለ'ዚ ሓንቲ ሰበይቲ ካብ ኣርበዓ፡ ሱሳ ወይ ሰብዓ መዓልቲ ንላዕሊ ደም እንተሪኣ እሞ ደማ ምስ ዝቋረጽ፡ እዚ ኒፋስ ኢዩ። እንተኾነ ግን እቲ ደም ከይተቋረጸ እንተቐጺሉ፡ እዚ ናይ ፈሳድ (ሕማም) ደም ኢዩ። ኣብ'ዚ ግዜ እዚ ድማ እቲ ደረት ኣርበዓ መዓልቲ ይኸውን፡ ምኽንያቱ ካብ'ቲ ዝመጸና(ኣሳር) ዝበዝሐ ደረት ንሱ ስለዝኾነ።» ተወዲኡ።
ኣነ ድማ በልኩ፦ በዚ መሰረት ድማ፡ ደማ ካብ ኣርበዓ መዓልቲ ምስ ዝሓልፍ፡ ድሕሪኡ ደዉ ናይ ምባል ልማድ እንተልይዋ፡ ወይ ድማ ደዉ ክብል ምዃኑ ምልክታት እንተተራእዩ፡ ደዉ ክሳብ ዝብል ትጽበ። እንተዘይኮይኑ ግን ኣርበዓ መዓልቲ ምስ መልአት ነብሳ ትሕጸብ፡ ምኽንያቱ መብዛሕትኡ ግዜ ከምኡ ስለዝኾነ። ግን ምስ'ቲ ናይ ጽግያት ግዜኣ እንተገጢሙ፡ እቲ ናይ ጽግያት ግዜኣ ክሳብ ዝውዳእ ትጽበ። ድሕሪኡ ደዉ ምስ ዝብል ድማ፡ ንዓኣ ከም ልማድ ክኾና ይግባእ፡ ኣብ መጻኢ'ውን በዚ መሰረት ትወስድ። እቲ ደም እንተቐጺሉ ግን ንሳ ሙስተሓዳ ኢያ፡ ስለ'ዚ ናብ'ቲ ኣቐዲሙ ዝሓለፈ ፍርዲ ናይ ሙስተሓዳ ትምለስ። ደም ደዉ ብምባሉ እንተደኣ ጸርያ፡ ቅድሚ ኣርበዓ መዓልቲ እኳ እንተኾነ፡ ጸርያ ማለት ስለዝኾነ፡ ነብሳ ተሓጺባ ክትሰግድን ክትጸውምን ይግባእ፡ በዓል ቤታ'ዉን ምስኣ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ይፍቀዶ። እቲ ምቁራጽ ደም ካብ ሓንቲ መዓልቲ ዝውሕድ እንተኾይኑ ግን፡ ዝኾነ ፍርዲ የብሉን፡ ከም'ቲ ኣብ ኣል-ሙቕኒ66 ዝተገልጸ።
ኒፋስ ዝረጋገጽ መልክዕ ድማ፡ እቲ ዝወለደቶ ቅርጺ ወዲ ሰብ ዘለዎ ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢዩ። ስለ'ዚ ቅርጺ ወዲ ሰብ ዘይተራእዮ ንእሽቶ እንተኣውዲቓ፡ እቲ ደማ ደም ኒፋስ ኣይኮነን፡ናይ ሱር ደም ኢዩ ዝኸውን፡ ስለ'ዚ ፍርዳ ከም ፍርዲ ሙስተሓዳ ይኸውን። ቅርጺ ወዲ ሰብ ዝረኣየሉ ዝወሓደ ግዜ፡ ካብ መጀመርታ ጥንሲ ጀሚሩ ሰማንያ መዓልቲ ኢዩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ቴስዓ መዓልቲ ኢዩ።
ኣል-መጅድ ኢብኑ ተይሚያ ከም'ዚ ይብሉ:- "ሓንቲ ሰበይቲ ሓደ መዓልቲ ምስ ሕማም ሕርሲ ደም እንተሪኣ፡ ቅድሚኡ ንዝረኣየቶ ደም ቆላሕታ ኣይትገብረሉን ኢያ፡ ብድሕሪኡ ግን ካብ ሰላትን ጾምን ትዕቆብ። ቀጺሉ ድሕሪ ምውላዳ እቲ ጉዳይ ካብ'ቲ ግሁድ ዝነበረ ብኣንጻሩ እንተተነጺሩ፡ ተመሊሳ ቐዳእ ትገብር (ትትክኦ)። እቲ ጉዳይ እንተዘይተነጺሩ ግን፡ እቲ ናይ ግሁድ ፍርዲ ይቕጽል እሞ ምድጋም ኣየድልያን ኢዩ።" እዚ ድማ ኣብ (ሸርሒ ኣል-ኢቕናዕ) ካብኡ ተመሓላሊፉ ይርከብ67።
ፍርዲ ናይ ኒፋስ፦
ፍርዲ ናይ ኒፋስ ከም ፍርዲ ናይ ጽግያት ልክዕ ሓደ ኢዩ፡ ብዘይካ ኣብ'ዚ ዝስዕብ ኩነታት፦
ቀዳማይ፦ ዒዳ ብፍትሕ ኢዩ ዝቑጸር እምበር ብኒፋስ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ እቲ ፍትሕ ቅድሚ ምውላዳ እንተኾይኑ፡ እቲ ዒዳ ብምውላዳ ኢዩ ዘብቅዕ እምበር ብኒፋስ ኣይኮነን፡ እቲ ፍትሕ ድሕሪ ምውላዳ እንተኾይኑ ድማ፡ ከም'ቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ጽግያት ክሳብ ዝምለሳ ትጽበ።
ካልኣይ: ግዜ ናይ ኢላእ፡ ብግዜ ናይ ጽግያት ብኡ ይሕሰብ ፡ ግዜ ናይ ኒፋስ ግን ብኡ ኣይሕሰብን ኢዩ።
ኢላእ ማለት፦ ምስ ሰበይቱ ከይራኸብ ምምሓል፦ ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ንሓዋሩ ወይ ድማ ካብ ኣርባዕተ ወርሒ ንዝዛይድ ግዜ ጾታዊ ርክብ ከይፍጽም ክምሕል እንከሎ ኢዩ። ስለ'ዚ እንተምሒሉን ንሳ ድማ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም እንተሓቲታቶን፡ ካብ'ቲ ዝመሓለሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ግዜ ይወሃቦ። እዚ ግዜ'ዚ ምስ ተወደአ ኸኣ፡ ብሕቶ ሰበይቱ መሰረት ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ወይ ድማ ክፈትሓ ግድነት ይኾኖ። ኣብ'ዚ ግዜ እዚ፡ እታ ሰበይቲ ናይ ሕርስቲ (ኒፋስ) ደም እንተጋጢምዋ፡ እቲ ግዜ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ ኣይቁጸርን ኢዩ፡ ብመጠን እቲ ናይ ኒፋስ ግዜ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣርባዕተ ወርሒ ይውሰኸሉ።ግን ብኣንጻር ናይ ጽግያት ደም፡ እቲ ግዜ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ ይቑጸር ኢዩ።
ሳልሳይ፦ ብጽሕና ብጽግያት ይረጋገጽ፡ ብኒፋስ ግና ኣይረጋገጽን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ጓል ኣንስተይቲ ፈሳሲ ክሳብ ዘየውጽአት ክትጠንስ ኣይትኽእልን ኢያ፡ ስለ'ዚ ድማ ብጽሕና ዝረጋገጽ በቲ ቅድሚ ጥንሲ ዝወጽእ ፈሳሲ ኢዩ።
ራብዓይ፦ ደም ጽግያት እንተደኣ ተቋሪጹ፡ ብድሕሪኡ ኣብ'ቲ ልሙድ ግዜ እንተተመሊሱ፡ ንሱ ብርግጽ ጽግያት ኢዩ። ንኣብነት፡ ልሙድ ግዜኣ ሸሞንተ መዓልታት እንተኾይኑ፡ ጽግያት ድማ ንኣርባዕተ መዓልታት እንተሪኣ፡ ድሕሪኡ ንኽልተ መዓልቲ እንተተቋሪጹ፡ ደሓር ድማ ኣብ መበል ሻውዓይን ሻምናይን መዓልቲ እንተተመሊሱ፡ እዚ ዝተመልሰ ደም ብርግጽ ጽግያት ኢዩ፡ ፍርዲ ናይ ጽግያት ምዃኑ ይረጋገጸሉ። ብዛዕባ ደም ኒፋስ ግን፡ ቅድሚ ኣርበዓ መዓልቲ ደማ ምስ ዝቋረጽ እሞ ድሕሪኡ ኣብ ውሽጢ እተን ኣርበዓ መዓልቲ እንተድኣ ተመሊሱ፡ ንሱ ዘጠራጥር ስለዝኾነ፡ ኣብ ግዚኡ ነቲ ብግዜ ዝተወሰነ ግዴታ ዝኾነ ስግዳንን ጾምን ክትሰግድን ክትጸውምን ግዴታኣ ኢዩ። ብዘይካ እቶም ግዴታታት እቲ ኣብ ልዕሊ'ታ ኣብ ጽግያት ዘላ ጓል ኣንስተይቲ ሓራም ዝኾነ ነገራት፡ ኣብ ልዕሊኣ ውን ሓራም ይኸውን። ድሕሪ ምጽራያ ድማ፡ ነቲ ኣብ እዋን እዚ ደም ዝፈጸመቶ፡ ካብ'ቲ ኣብ ልዕሊ'ታ ኣብ ጽግያት ዘላ ጓል ኣንስተይቲ ምትካእ ግዴታ ዝኾነ ነገራት ትትክኦ። እዚ ድማ ኣብ ፉቐሃእ (ምሁራት ሕጊ እስልምና) ሓናቢላ ፍሉጥ ዝኾነ ኢዩ68።
እቲ ቅኑዕ ድማ፡ እቲ ደም ኣብ'ቲ ኒፋስ ክኸውን ዝኽእለሉ ግዜ እንተደኣ ተመሊሱዋ፡ ንሱ ኒፋስ ኢዩ። እንተዘይኮይኑ ግን ጽግያት ኢዩ፡ እንተደኣ ቀጺሉ ድማ ኢስቲሓዳ ይኸውን።
እዚ ድማ ምስ'ቲ ኣብ ኣል-ሙቕኒ69 ካብ ኢማም ማሊክ ረቢ ይርሓመሎም ዝተረኸበ ዝቀራረብ ኢዩ፡ ከም'ዚ ክብሉ ከለዉ:- ኢማም ማሊክ ውን ከም'ዚ ይብሉ:- «ድሕሪ ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ ደም እንተርእያ -ማለት፡ ደም ደዉ ካብ ዝበለሉ- ንሱ ኒፋስ ኢዩ፡ እንተዘይኮይኑ ግን ጽግያት ኢዩ።» እዚ ድማ ናይ ሸይኽ ኣል-ኢስላም ኢብኑ ተይሚያ ኣላህ ይርሓመሎም ምርጫ ኢዩ።
ብመሰረት ክውንነት ኣብ ጉዳይ ደም ዘጠራጥር ነገር የለን። ግና እቲ ጥርጣረ፡ ሰባት ከከም ፍልጠቶምን ግንዛበኦምን ዝፈላለዩሉ ኢዩ። ኣብ ኪታብን (ቑርኣንን) ሱናን ድማ መብርሂ ናይ ኩሉ ነገር ኣሎ። ኣላህ ሱብሓነሁ ድማ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ክልተ ግዜ ክጸውም ወይ ክልተ ግዜ ጠዋፍ ክገብር ግዴታ ኣይገበረን፡ እዚ ድማ ኣብ'ቲ ቀዳማይ ብቐዳእ (ብምትካእ) እንተዘይኮይኑ ክእረም ዘይክእል ጎደሎ እንተሃልዩ ጥራይ ኢዩ። ግን እቲ ባርያ (ወዲ ሰብ) ካብ'ቲ ዝተኣዘዞ ግዴታ ከከም ዓቕሙ ክገብሮ ዝኽእል እንተፈጺሙ፡ ካብ ሓላፍነቱ ነጻ ኮይኑ ኢዩ (ዕድኡ ወዲቑሉ ኢዩ)፡ ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፡
﴿لَا يُكَلِّفُ ٱللَّهُ نَفۡسًا إِلَّا وُسۡعَهَا...﴾
{ኣላህ ንሓንቲ ነፍሲ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ኣየገድዳን ኢዩ...} [ኣልበቐራ፡286]፣ ከምኡ'ውን ኢሉ:-
﴿فَٱتَّقُواْ ٱللَّهَ مَا ٱسۡتَطَعۡتُمۡ...﴾
{ንኣላህ ብዝከኣልኩም መጠን ፍርሕዎ...} [ኣተቓቡን:16]
ሓሙሻይ ፍልልይ ኣብ መንጎ ጽግያትን ኒፋስን፦ ኣብ ግዜ ጽግያት፡ ቅድሚ እቲ ልሙድ ግዜኣ ነብሳ ምስ እትጸሪ፡ ንበዓል ቤታ ብዘይ ዝኾነ ጽልኣት ምስኣ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ይፍቀደሉ። ኣብ ግዜ ኒፋስ ግና፡ ቅድሚ ኣርበዓ መዓልቲ ነብሳ ምስ እትጸሪ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ'ቲ መዝሃብ ዝተፈልጠ ርእይቶ፡ ንበዓል ቤታ ምስኣ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ይጽላእ፡ እቲ ቅኑዕ ግን ምስኣ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ከም ዘይጽላእ ኢዩ። እዚ ድማ ርእይቶ መብዛሕትኦም ዑለማእ(ምሁራት እስልምና) ኢዩ፡ ምኽንያቱ ጽሉእ ክበሃል ከሎ ናይ ሸሪዓ ሕጊ ስለ ዝኾነ፡ ናይ ሸሪዓ መርትዖ የድልዮ ኢዩ፡ ኣብ'ዚ ጉዳይ እዚ፡ ብዘይካ እቲ ኢማም ኣሕመድ ካብ ዑስማን ቢን ኣቢ ኣል-ዓስ፡ ቅድሚ ኣርበዓ ከም ዝመጸቶ እሞ፡ "ኣይትቕረብኒ" ከም ዝበላ ዝሓበሩዎ እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ የለን70።
እዚ ድማ ዝተጸልአ (መክሩህ) ምዃኑ ኣየስዕብን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ንሳ ብጠሃራኣ(ንጽህናኣ) ርግጸኛ ስለዘይኮነት ብምፍራሕ፡ ወይ ከኣ ብሰንኪ ጾታዊ ርክብ እቲ ደም መሊሱ ከይመጽእ ብምፍራሕ፡ ወይ ድማ ብኻልእ ምኽንያታት፡ ንጥንቃቐ ኢሉ ዝገበሮ ክኸውን ስለ ዝኽእል ኢዩ። ኣላህ ድማ ዝበለጸ ይፈልጥ።
ሻውዓይ ምዕራፍ፦ ብዛዕባ'ቲ ጽግያት ዝኽልክል ወይ ዘምጽእ፡ ከምኡ'ውን ጥንሲ ዝኽልክል ወይ ዘውድቕ ነገር ምጥቃም።
ጓል ኣንስተይቲ ጽግያታ ደው ዘብል ነገር ምጥቃማ ብክልተ ቅድመ-ኩነት ፍቑድ ኢዩ፦
ቀዳማይ፡ ኣብ ልዕሊኣ ጉድኣት ዘየስግእ ክኸውን፡ ካብ'ዚ ብምብጋስ ኣብ ልዕሊኣ ጉድኣት እንተድኣ ኣሰጊኡ ግን ኣይፍቀድን ኢዩ፡ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል:-
﴿...وَلَا تُلۡقُواْ بِأَيۡدِيكُمۡ إِلَى ٱلتَّهۡلُكَةِ...﴾
{...ነፍስኹም ብገዛእ ኢድኩም ናብ ጥፍኣት ኣይተእትዉ...} [ኣልበቐራ፡195]፣
﴿...وَلَا تَقۡتُلُوٓاْ أَنفُسَكُمۡۚ إِنَّ ٱللَّهَ كَانَ بِكُمۡ رَحِيمٗا﴾
{...ነፍስኹም ኣይትቕተሉ፡ ብርግጽ ኣላህ ንዓኹም ርህሩህ ኢዩ} [ኣ'ኒሳእ፡29]።
ካልኣይ፦ ንዕኡ ዝምልከት ጉዳይ እንተልዩዎ፡ እዚ ብፍቓድ በዓል ቤታ ክኸውን ኣለዎ፡ ንኣብነት፦ ካብኡ ኣብ ናይ ዒዳ (መጸበዪ ግዜ) እንተድኣ ሃልያ እሞ ነፈቓ (ቀለብ) ክሸፍን ኣብ ልዕሊኡ ግዴታ ኣብ ዝኾነሉ ኩነታት፡ እቲ ግዜ ምእንቲ ክነውሕን ኣብ ልዕሊኡ ዝወድቕ ነፈቓ ምእንቲ ክበዝሕን ኢላ ነቲ ናይ ጽግያት ደም ደዉ ዘብል ነገር እንተ ተጠቒማ፡ ኣብ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ግዜ ነቲ ናይ ጽግያት ደም ደዉ ዘብል ነገር ብዘይካ ብፍቓዱ ክትጥቀም ኣይፍቀድላን ኢዩ። ከምኡ'ውን፡ ነቲ ናይ ጽግያት ደም ደዉ ምባል ንጥንሲ ዝከላኸል ምዃኑ እንተደኣ ተረጋጊጹ፡ ናይ በዓል ቤታ ፍቓድ ምርካብ ግድን ይኸውን። ፍቑድ ምዃኑ እኳ እንተተረጋገጸ ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ እንተዘይኮይኑ ዘይምጥቃሙ ዝበለጸ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ተፈጥሮ ከም ዘለዋ ምሕዳግ፡ ንስሩዕ ጥዕናን ድሕነትን ዝያዳ ዝቐረበ ስለ ዝኾነ።
ነቲ ጽግያት ዘምጽእ ነገራት ምጥቃም ድማ ፍቑድ ኢዩ፡ ከምኡ'ውን ነዘን ክልተ ቅድመ-ኩነት እንተማሊእካየን ኢዩ፦
ቀዳማይ፦ብእኡ ኣቢልካ ግዴታዊ ነገር ንምግዳፍ ምስምስ ዘይምግባር፡ ከም ኣብ ረመዳን ክቐርብ እንከሎ ምጥቃሙ፡ ምእንቲ ንምፍጣር ወይ ብእኡ ኣቢልካ ሰላት ንምግዳፍ፡ ወይ ድማ ነዚ ዝኣመሰለ።
ካልኣይ፦ እዚ ብፍቓድ በዓል ቤታ ክኸውን ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ምምጻእ ጽግያት ንበዓል ቤታ ምስኣ ምሉእ ብምሉእ ካብ ምትሕግጓስ ስለ ዝኽልክሎ፡ ነቲ መሰሉ ዝኽልክል ነገር ብዘይ ፍቓዱ ምጥቃም ኣይፍቀድን ኢዩ። ዝተፈትሐት እንተኾይና'ውን፡ ንኽመልሳ መሰል እንተልዩዎ፡ እዚ ነቲ በዓል ቤታ ንኽመልሳ ዘለዎ መሰል ብኣግኡ ከም ዝስረዝ ስለ ዝገብር ኢዩ።
ብዛዕባ ጥንሲ ዝኽልክል ነገር ምጥቃም ከኣ ክልተ ዓይነት ኢዩ፦
ቀዳማይ፡ ንቐጻሊ ምኽልካል፡ እዚ ኣይፍቀድን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ጥንሲ ስለዝቖርጽን ዘርኢ ስለዝንክን፡ እዚ ድማ ኣንጻር'ቲ ህዝቢ እስልምና ምብዛሕ ዝብል ዕላማ ሸሪዓ ኢዩ፡ ከምኡ'ውን እቶም ዘለዉዋ ውላዳ ኩሎም ንኸይሞቱ ዝብል ውሕስነት ስለዘየለ፡ ኣርመላ (ውላድ) ዘይብላ ኮይና ክትተርፍ ትኽእል ኢያ።
ካልኣይ፦ ብግዝያዊ መልክዕ ምኽልካል፡ ንኣብነት፦ እታ ጓል ኣንስተይቲ ብብዝሒ እትጠንስ እንተኾይና፡ እቲ ጥንሲ ድማ ዘድክማ እንተኾይኑ፡ ጥንሳ ኣብ ክልተ ዓመት ሓንሳብ ወይ ምስ'ዚ ዝመሳሰል ክትውድቦ እንተደልያ፡ እዚ ይፍቀድ ኢዩ፡ከም ቅድመ-ኩነት ግን በዓል ቤታ ከፍቅደላን ኣብ ልዕሊኣ ዝኾነ ጉድኣት ዘየስዕብን ክኸውን ኣለዎ። ናይ'ዚ መርትዖኡ ድማ፡ ሰሓባ ኣብ ግዜ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኣንስቶም ምእንቲ ከይጠንሳ71 ካብ ኣንስቶም ዓዝል ይገብሩ ከም ዝነበሩን፡ ካብ'ዚ ድማ ከም ዘይተኸልከሉን ኢዩ። ዓዝል ማለት ድማ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ጾታዊ ርክብ እናፈጸመ እንከሎ፡ ኣብ እዋን ምፍሳስ ዘርኡ ካብ ብልዕታ ኣውጺኡ ኣብ ካልእ ከፍስሶ እንከሎ ማለት ኢዩ።
እቲ ጥንሲ ምንጻል ምጥቃም ግና፡ ክልተ ዓይነት ኢዩ፦
ቀዳማይ፡ ዕላማ ናይ ምንጻሉ ንዕኡ ምጥፋእ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ሩሕ ድሕሪ ምንፋሑ እንተኾይኑ፡ ብዘይ ጥርጥር ሓራም ኢዩ፡ ምኽንያቱ ክብርቲ ነብሲ ብዘይ ሓቂ ምቕታል ስለዝኾነ፡ ክብርቲ ነብሲ ምቕታል ድማ ብቑርኣንን ሱናን ከምኡ'ውን ብስምምዕ ናይ ሙስሊማን ሓራም ኢዩ። ኣብኡ ሩሕ ቅድሚ ምእታዉ እንተኾይኑ፡ ዑለማእ(ምሁራት እስልምና) ኣብ ምፍቃዱ ተፈላሊዮም፡ ገለ ካብኣቶም ኣፍቒዶሞ፡ ገለ ካብኣቶም ድማ ከልኪሎሞ፡ ገለ ካብኣቶም ከኣ፡ ዓለቓ(ሓፊስ ዝረገአ ደም) ክሳብ ዘይኮነ ይፍቀድ ኢዩ ዝበሉ ኣለዉ፡ ማለት፡ ኣርበዓ መዓልቲ ክሳብ ዘይሓለፎ። ገለ ካብኣቶም ድማ፡ ቅርጺ ወዲ-ሰብ ክሳብ ዘይተነጸረሉ ይፍቀድ ኢዩ ዝበሉ ኣለዉ።
እቲ ዝያዳ ጥንቃቐ ዝሓትት ካብ ምንጻሉ ምኽልካል ኢዩ፡ ብዘይካ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ፡ ንኣብነት፦ እታ ኣደ ዝሓመመት ኮይና ነቲ ጥንሲ ክትጻወሮ ዘይትኽእል እንተኾይና፡ ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ እንተጋጢሙ፡ ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ ምንጻል ፍቑድ ኢዩ። እንተኾነ ግን ቅርጺ ወዲ-ሰብ ክፍለየሉ ዝኽእል ግዜ እንተሓሊፉዎ ኣይፍቀድን ኢዩ፡ ኣላህ ድማ ዝያዳ ይፈልጥ(ኣላሁ ኣዕለም)።
ካልኣይ፦ ዕላማ ናይ'ቲ ምንጻል ነቲ ቆልዓ ንምጥፋእ ዘይኮነ እቲ ፈተነ ምንጻል ግዜ ጥንሲ ምስ ተወድአን ግዜ ሕርሲ ምስ ቀረበን እንተኾይኑ፡ እዚ ፍቑድ ኢዩ፡ ግን ኣብ ልዕሊ እታ ኣደ ኾነ ኣብ ልዕሊ እቲ ቆልዓ ጉድኣት ዘየስዕብን፡ እቲ ጉዳይ መጥባሕቲ ዘየድልዮን ክኸውን ኣለዎ። መጥባሕቲ ዘድልዮ እንተኾይኑ ግን ኣርባዕተ ኩነታት ኣለዎ፦
ቀዳመይቲ: እታ ኣደ ብሂወት እንተሃልያ እቲ ጥንሲ ድማ ብሂወት እንተልዩ፡ ብዘይካ ብዘገድድ ነገር፡ ከም ሕርሲ ምስ ዝጽግማ እሞ ናብ መጥባሕቲ ምስ እተድሊ፡ መጥባሕቲ ምግባር ኣይፍቀድን ኢዩ። እዚ ድማ ምኽንያቱ ሰብነት ኣብ ኢድ እቲ ባርያ ኣማና ስለዝኾነ፡ ብዘይካ ንዝዓበየ ረብሓ፡ ስግኣት ንዘለዎ ነገር ክገብረሉ የብሉን፡ ከምኡ'ውን ኣብ'ቲ መጥባሕቲ ጉድኣት ዘይብሉ ክመስሎ ይኽእል ኢዩ፡ ግና ጉድኣት ከጋጥም ስለዝኽእል ኢዩ።
ካልኣይቲ፦ እታ ኣደ ዝሞተት፡ እቲ ጥንሲ(ዕሸል) ድማ ዝሞተ እንተኾይኑ፡ ምንም ጥቕሚ ስለዘይብሉ ንዕኡ ንምውጻእ መጥባሕቲ ምግባር ኣይፍቀድን ኢዩ።
ሳልሳይ፡እታ ኣደ ብህይወት ሃልያ እቲ ጥንሲ ዝሞተ እንተኾይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ኣደ ጉድኣት ዘስግእ እንተዘይኮይኑ፡ ንዕኡ ንምውጻእ መጥባሕቲ ምግባር ይፍቀድ ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ግሁድ -ኣላህ ዝያዳ ይፈልጥ- እቲ ጥንሲ ምስ ዝመውት ብዘይ መጥባሕቲ ክወጽእ ስለዘይክእል፡ ኣብ ከብዳ ምጽንሑ ድማ ንመጻኢ ካብ ምጥናስ ይኽልክላን የሸግራን ኢዩ፡ ካብ ናይ ቀደም ሰብኣያ ዒዳ እትገብር (ሙዕተዳ) እንተኾይና ድማ፡ ምናልባት ከይተመርዓወት ክትጸንሕ ትኽእል ኢያ።
ራብዓይቲ፡ እታ ኣደ ሞይታ እቲ ዕሸል ድማ ብህይወት እንተልዩ፡ ብህይወት ክነብር ተስፋ እንተዘይብሉ መጥባሕቲ ምግባር ኣይፍቀድን ኢዩ።
ህይወቱ ተስፋ ዝግበረሉ እንተኾይኑ፡ ገለ ክፋሉ ወጽዩ እንተነይሩ፡ ነቲ ዝተረፈ ንምውጻእ ከብዲ ኣደ ይቕደድ። ካብኡ ዝኾነ ነገር ዘይወጸ እንተኾይኑ ግን፡ ብጾትና(ኣስሓቡና) ኣላህ ይርሓመሎም፡ 'ነቲ ዕሸል ንምውጻእ ከብዲ ኣደ ኣይቅደድን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ከም'ቲ ፍቑድ ዘይኮነ ብሬሳ ከምድሌትካ ምጽዋት ስለዝሕሰብ ኢሎም። እቲ ቅኑዕ ግን ብዘይከምኡ ብኻልእ ክወጽእ ዘይክእል እንተኾይኑ እቲ ከብዲ ይቕደድ ኢዩ። እዚ ድማ ኢብኑ ሁበይራ ዝመረጽዎ ርእይቶ ኢዩ፡ ኣብ ኣል-ኢንሳፍ72 ከም'ዚ ይብል: ንሱ ዝያዳ ግቡእ ኢዩ።
ኣነ ድማ በልኩ፡ ብፍላይ ኣብ'ዚ ግዜና፡ መጥባሕቲ ምግባር ሙግዳል ኣካላት ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ከብዲ ይቕደድ ብድሕሪኡ ድማ ይስፈ፡ ክብሪ ናይ ህያው ካብ ክብሪ ናይ ምዉት ዝዓበየ ስለዝኾነ፡ ከምኡ'ውን ንነጻ ካብ ጥፍኣት ምድሓን ግቡእ ስለዝኾነ፡ እቲ ዕሸል ድማ ነጻ ወዲ-ሰብ ብምዃኑ፡ ንዕኡ ምድሓን ግቡእ ይኸውን። ኣላህ ድማ ዝበለጸ ፈላጥ ኢዩ።
መተሓሳሰቢ፦ ኣብ'ቶም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ጥንሲ ምንጻል ፍቑድ ዝኾነሎም ኩነታት፡ ኣብ'ዚ ጉዳይ'ዚ ፍቓድ ናይ'ቲ ጥንሲ ዝምልከቶ ከም በዓል ቤታ ግድን ኢዩ።
ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ክንጽሕፎ ዝደለና ኣብ'ዚ ይዛዘም። ኣብኡ ድማ ኣብ መሰረታውያን ጉዳያትን ሕግታቱን ጥራይ ኢና ተሓጺርና ዘለና፡ እንተዘይኮይኑ ግና ጨናፍሩን ዝርዝራቱን፡ ከምኡ'ውን ነዚ ብዝምልከት ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥም ኩነታት፡ ገመገም ዘይብሉ ባሕሪ ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ኣስተውዓሊ(ብኣፍልጦን መረዳእታን ዝዛረብ)፡ ንጨናፍር ናብ መሰረታቶም፡ ንደቂቕ ነገራት ድማ ናብ መጠቕለሊኦምን መምርሒታቶምን መሊሱ፡ ንነገራት ከኣ ምስ ንዐኦም ዝመስል ክግምት ይኽእል ኢዩ።
ሙፍቲ(መልሲ ወሃቢ)፡ ነቲ ልኡኻቱ ዘምጽእዎ ኣብ ምብጻሕን ንፍጥረታት ኣብ ምብራህን፡ ኣብ መንጎ ኣላህን ፍጥረታቱን መራኸቢ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ። ከምኡ'ውን ንሱ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኪታብን ሱናን ዘሎ ተሓታቲ ምዃኑ ክግንዘብ ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ንሳቶም ሓደ ባርያ ክርድኦምን ከተግብሮምን ዝተኣዘዘሎም ግዴታ ዝኾንዎ ምንጭታት ኢዮም። ን ኪታብን ሱናን ዝጻረር ኩሉ ጌጋ ኢዩ፡ ናይ'ቲ በሃላይ ዘረብኡ ናብኡ ክምለስ ኣለዎ፡ ብእኡ ምስራሕ ድማ ኣይፍቀድን ኢዩ። እቲ ዝበሎ ሰብ ይቕረታ ዝግበረሉ ሙጅተሂድ(ጻዕረኛ)ክኸውን ይኽእል ኢዩ፡ ኣብ ኢጅቲሃዱ ኣጅሪ ዝረክብ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ጌግኡ ዝፈለጠ ካልእ ሰብ ግን ክቕበሎ ኣይፍቀደሉን ኢዩ።
እቲ ሙፍቲ ድማ፡ ኒይኡ ንጹህ ንኣላህ ጥራይ ኮይኑ፡ ኣብ ኩሉ ዘጋጥሞ ጉዳይ ብእኡ ሓገዝ ምሕታት፡ ከምኡ’ውን ጽንዓትን ናብ ቅኑዕ ነገር ከዐውቶን ንኣላህ ምልማን ግዴታ ኢዩ።
ነቲ ኣብ ኪታብን ሱናን ዝመጸ ኣተኩሮ ክህቦ ግዴታ ኢዩ፡ ኣብኡ ድማ ከስተንትንን ክምርምርን፡ ወይ ከኣ ንዓታቶም ንምርዳእ ካብ ዝሕግዞ ዘረባ ዑለማእ(ፈላጣት እስልምና) መወከሲ ክገብር ይግባእ።
ብዙሕ ግዜ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ የጋጥም እሞ፡ ሰብ ኣብ'ቲ ዝኽእሎ ካብ ዘረባ ሰብ ፍልጠት (ዑለማእ) ብዛዕብኡ ይደሊ፡ ድሕሪኡ ግና ኣብ ፍርዱ ዘዕግቦ ነገር ኣይረክብን፡ ምናልባት እውን ብዛዕብኡ ፈጺሙ ዝኾነ ጥቕሲ ኣይረክብን ይኸውን፡ ስለ'ዚ ድማ ናብ ኪታብን ሱናን ምስ ዝምለስ፡ ፍርዶም ብቐረባን ብግልጽን ይንጽረሉ፡ እዚ ድማ ከም መጠን ቅንዕናን(ኢኽላስን) ፍልጠትን ኣረዳድኣን ይኸውን።
ሙፍቲ ጉዳይ ምስ ዘሸግሮ፡ ኣብ ፍርዲ ከስተውዕልን ከይህወኽን ግዴትኡ ኢዩ። ኣብ ክንደይ ፍርዲ ተሃዊኹ፡ ድሓር ድሕሪ ሓጺር ምምርማር ኣብኡ ከም ዝተጋገየ ምስ ነጸረሉ ዝጣዓሰሉ ኣሎ፡ ምናልባት ዉን ነቲ ዝሃቦ ፈትዋ ክእርሞ ኣይክእልን ይኸዉን!
ን ሙፍቲ ሰባት ካብኡ ህድኣትን ምርግጋጽን እንተድኣ ፈሊጦም፡ ብቓሉ ይተኣማመኑን ይቕበልዎን ኢዮም። ተሃዋኺ( ኮይኑ እንተሪኦሞ ግና - ተሃዋኺ ድማ ጌግኡ ብዙሕ ኢዩ ኣብ'ቲ ዝህቦ ፈትዋ(መልሲ) ምትእምማን ኣይክህልዎምን ኢዩ። ብሰንኪ እዚ ተሃዋኹን ጌግኡን ድማ፡ ነቲ ዘለዎ ፍልጠትን ሓቅን ንነፍሱን ንኻልኦትን ይሕርሞም።
ን ልዑል ኣላህ ንዓናን ነሕዋትና ሙስሊሚንን ናብ ቅኑዕ መንገዱ ክመርሓና፡ ብክንክኑ ክከናኸነና፡ ብሓልዮቱ ድማ ካብ ጌጋ ክሕልወና ንልምኖ፡ ንሱ ብሓቂ ለጋስን ወሃብን ኢዩ። ናይ ኣላህ ውዳሰን ሰላምን ድማ ኣብ ልዕሊ ነቢና ሙሓመድን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ኩሎም ስድርኦምን ብጾቶምን የውርድ። ምስጋና ነቲ ብጸግኡ ሰናይ ተግባራት ዝፍጸም ኣላህ ይኹን።
ብብርዒ እቲ ናብ ኣምላኽ ድኻ ዝኾነ ተፈጺሙ።
ሙሓመድ ኣ'ሳሊሕ ኣልዑሰይሚን
ኣብ ረፍዲ መዓልቲ ጁምዓ
14 ሻዕባን ዓመት 1392 ሂ
***
ዝርዝር ትሕዝቶ
ብዛዕባ ባህርያዊ ደም ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት መልእኽቲ 2
ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ ትርጉም ጽግያትን ምኽንያት ህላዊኡን 4
ካልኣይ ምዕራፍ፦ ብዛዕባ ግዜ ጽግያትን ንውሓቱን 4
ሳልሳይ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ጽግያት ዘጋጥሙ ነገራት 12
ራብዓይ ምዕራፍ፦ ብዛዕባ ፍርዲ ናይ ጽግያት 17
ሓምሻይ ምዕራፍ፡ ኢስቲሓዳን ሕግታቱን 33
ኩነታት ናይ ኢስቲሓዳ፦ 34
ኩነታት ምስ'ታ (ኢስቲሓዳ ዘለዋ) ካብ ግዜ ጽግያታ ወጻኢ ደም ዝወጻ ጓል ኣንስተይቲ እትመሳሰል፦ 38
ፍርዲ ናይ ኢስቲሓዳ፦ 40
ሻድሻይ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ ኒፋስን ፍርዱን 41
ፍርዲ ናይ ኒፋስ፦ 43
ሻውዓይ ምዕራፍ፦ ብዛዕባ'ቲ ጽግያት ዝኽልክል ወይ ዘምጽእ፡ ከምኡ'ውን ጥንሲ ዝኽልክል ወይ ዘውድቕ ነገር ምጥቃም። 46
***
ti130v3.1 - 12/10/2026
ኣልቡኻሪ ዝሰነድዎ፡- ኪታብ ኣል-ሐይድ፡ ባብ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ እዋን ጽግያት ብዘይካ ንካዕባ ሙኽላል ንኹሉ መናሲክ ትፍጽም፡ ቁጽሪ (305)፡ሙስሊም ድማ:- ኪታብ ኣል-ሓጅ፡ ባብ መግለጺ ዓይነታት ኢሕራም፡ ቁጽሪ (1211)።
ቡኻሪ፡ መጽሓፍ ዑምራ፡ ምዕራፍ ዓስቢ ዑምራ ብመጠን ድኻም፡ ብቑጽሪ (1662)፡ ሙስሊም ድማ፡ መጽሓፍ ኣል-ሓጅ፡ ምዕራፍ መግለጺ ኣገባባት ኢሕራም፡ ብቑጽሪ (1211) ሰኒደሞ።
መልእኽቲ ናይ'ቶም ሓጋጊ ሕግታት ዘተኣሳሰረሎም ኣስማት (ገጽ:35)
ዝሓለፈ ምንጪ (ገጽ፡ 36)።
ዝሓለፈ ምንጪ (ገጽ:38)።
ቡኻሪ ዝሰነድዎ:- መጽሓፍ እምነት፡ ባብ ሃይማኖት ቀሊል ኢዩ፡ ቁጽሪ (39)፡ ካብ ሓዲስ ኣቡ ሁረይራ ረዲየላሁ ዓንሁ።
ቡኻሪ፡ መጽሓፍ ኣል-መናቒብ፡ ምዕራፍ ባህርያት ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም፡ ብቑጽሪ (3560)፡ ሙስሊም ድማ፡ መጽሓፍ ፈዳኢል፡ ምዕራፍ ካብ ሓጢያት ምርሓቖም ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም፡ ብቑጽሪ (77/2327) ሰኒደሞ።
መጅሙዕ ኣልፈታዋ (238/19-239)።
ኣል-ኣውሰጥ (356/2)።
ኣል-ሙቕኒ ተወከስ (405/1)።
ኣል-ሙደወና (1/ 155)፡ ኣ'ነዋዲር ወ'ዚያዳት (1/ 136)።
ኢኽቲላፍ ኣል-ፉቐሃእ ናይ ኣል-መርወዚ (ገጽ፡ 193)፡ ኣል-ኣውሰጥ (2/ 239)።
ኣል-ኡም (82/1)።
መጅሙዕ ኣልፈታዋ (238/19-239)።
ኣልሙቕኒ (396/1)
ኣቡ ዳዉድ ዝሰነድዎ:- ኪታብ ጠሃራ፡ ባብ ብዛዕባ ጓል ኣንስተይቲ ድሕሪ ጠሃራ እትርእዮ ደብዛዝን ብጫውን ሕብሪ፡ ቁጽሪ (307)።
ቡኻሪ ዝሰነድዎ: ኪታብ ኣል-ሓይድ፡ ባብ ብጫን ደብዛዝን ካብ መዓልታት ሓይዲ ወጻኢ፡ቁጽሪ (326)።
ፈትሕ ኣል- ባሪ (1/ 426)።
ሰሒሕ ኣል-ቡኻሪ (1/ 71)።
ቡኻሪ ብሙዓለቕ ዝሰነድዎ: ኪታብ ኣል-ሓይዲ፡ ባብ ምምጻእ ሓይድን ምኻዱን፡ ቅድሚ ሓዲስ ቁጽሪ (320)።
ኣል-ኡም (1/ 83-84)።
ኣብ ኣል-ኢንሳፍ ካብአን ተጠቒሱ።
ኣል-ኣስል (19/2-20)
ኣል-ሙቕኒ (226/1)።
ኣል-ሙቕኒ (257/1)።
ኣል-ቡኻሪ ዝሰነድዎ: ኪታብ እዋናት ሰላት፡ ባብ: ካብ ሰላት ሓንቲ ረክዓ ንዘርከበ፡ ቁጽሪ (580)። ሙስሊም ድማ፡ ኪታብ መሳጊድን ናይ ሰላት ቦታታትን፡ ባብ፡ ካብ ሰላት ሓንቲ ረክዓ ዘርከበ ነታ ሰላት ኣርኪቡ፡ ቁጽሪ (607)፡ ካብ ሓዲስ ኣቡ ሁረይራ ረዲየላሁ ዓንሁ።
ኣልቡኻሪ ዝሰነድዎ: ኪታብ እዋናት ሰላት፡ባብ ካብ ፈጅሪ ሓንቲ ረክዓ ዘርከበ፡ ቁጽሪ (579)፡ ወሙስሊም፡ ኪታብ መሳጊድን ናይ ሰላት ቦታታትን፡ ባብ ሓንቲ ረክዓ ዘርከበ ነታ ሰላት ኣርኪብዋ፡ ቁጽሪ (608)፡ ካብ ሓዲስ ኣቢ ሁረይራ ረዲየላሁ ዓንሁ።
ኣል-መጅሙዕ ሸርሕ ኣል-ሙሃዘብ (3/ 70)።
ቡኻሪ ዝሰነድዎ: ኪታብ ኣል-ሓይድ ባብ ሰብኣይ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ጽግያት እንከላ ኣብ ሕቝፎኣ ምቕራኡ፡ ቁጽሪ (297)። ሙስሊምን: ኪታብ ኣል-ሓይድ ባብ ሰብኣይ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ጽግያት እንከላ ኣብ ሕቝፎኣ ምጽጋዑን ቑርኣን ምቕራእን፡ ቁጽሪ (301)፡ ካብ ሓዲስ ዓኢሻ ረድየላሁ ዓንሃ።
ኣልቡኻሪ ዝሰነድዎ: ኪታብ ኣል-ሓይድ፡ ባብ ሓኢድ ኣብ ክልቲአን ዒድ ክትሳተፍ ዱዓእ ሙስሊሚን ምርካብ፡ ካብ መስገዲ ቦታ ምግላለን፡ ቁጽሪ (324)። ወሙስሊም: ኪታብ ሰላት ዒደይን፡ ባብ ምዝካር ፍቓድ ምውጻእ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዒደይን ናብ ሙሰላን ኣብ ኹጥባ ምርካበንን፡ ካብ ደቂ-ተባዕትዮ ተፈልየን፡ ቁጽሪ (890)።
ኣል-መጅሙዕ (2/ 357)።
ሰሒሕ ኣልቡኻሪ: ኪታብ ኣል-ሐይድ፡ ባብ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ እዋን ጽግያት ብዘይካ ንካዕባ ሙኽላል ኩሉ መናሲክ ከም እትፍጽም፡ ከምኡ'ውን ፈትሕ ኣል-ባሪ (1/ 407-408) ተወከስ።
ፈትሕ ኣል-ባሪ (1/ 408)።
ኣል-ኣውሰጥ (2/ 223)።
ኣል-መጅሙዕ (2/356)።
ፈትሕ ኣል-ባሪ (1/ 408)።
ቡኻሪ ብሙዓለቕ ዝሰነድዎ: ኪታብ ኣል-ሐይድ ባብ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ እዋን ጽግያት ብዘይካ ንካዕባ ሙኽላል ንኹሉ መናሲክ ትፍጽም፡ ቅድሚ ሓዲስ ቁጽሪ (305)።
ኣ'ቲርሚዚ ዝሰነድዎ፡ ኣብዋብ ኣ'ጠሃራ፡ ባብ ብዛዕባ ጁኑብን ጽግያት ዘለዋ ጓል ኣንስተይትን ቑርኣን ከምዘይቐርኡ፡ ቁጽሪ (131)።
ኣል-ዒለል ናይ ኣ'ቲርሚዚ (ገጽ፡ 69/ ተርቲቡ)፡ኣስ-ሱነን ኣል-ኩብራ ናይ ኣልበይሃቂቒ(1/309)፡ኣል-ኣሕካም ኣ'ሸርዒያ ናይ ኢብኑ ዓብዱልሓቕ (1/504)፣ ከምኡ’ውን ነስቡ ኣ'ራያ ናይ ዘይለዒ (1/195) ተወከስ።
መጅሙዕ ኣል-ፈታዋ (26/ 191)።
ቡኻሪ ዝሰነድዎ: ኪታብ ኣል-ሐይድ፡ ባብ ጽግያት ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ንስግዳን ኣይትቐድን(ኣይትትክኦን)፡ ቁጽሪ (321)። ሙስሊም: ኪታብ ኣል-ሐይድ፡ ባብ ግዴታ ምትካእ ጾም ጽግያት ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ብዘይካ ስግዳን፡ ቁጽሪ (335)። እቲ ቃላት ድማ ናይ ሙስሊም ኢዩ።
ቡኻሪ ዝሰነድዎ: ኪታብ ኣል-ዒልም፡ ባብ ሓያእ ኣብ ዒልም' ቁጽሪ (130)። ሙስሊምን: ኪታብ ኣል-ሐይድ፡ ባብ ግዴታ ምሕጻብ ኣብ ልዕሊ ጓል ኣንስተይቲ...፡ ቁጽሪ (313)።
ቡኻሪ ዝሰነድዎ: ኪታብ ጾም፡ ባብ ምሕጻብ ጾመኛ፡ ቁጽሪ (1931)። ሙስሊም: ኪታብ ጾም፡ ባብ ቅኑዕነት ጾም ናይ'ቲ ጁኑብ እንከሎ ፈጅሪ ዝወጸሉ ሰብ፡ ቁጽሪ (1109)።
ቡኻሪ ኣብ ኪታብ ኣል-ሐይድ፡ ባብ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ እዋን ጽግያት ብዘይካ ንካዕባ ምጥዋፍ ኩሉ መናሲክ ከም እትፍጽም፡ ቁጽሪ (305)፡ ሙስሊም ድማ ኣብ ኪታብ ሓጅ፡ ባብ መግለጺ ዓይነታት ኢሕራም፡ ቁጽሪ (1211) ሰኒደሞ።
ቡኻሪ፡ ኪታብ ኣል-ሓጅ፡ ባብ ጠዋፍ ኣል-ወዳዕ ብቑጽሪ (1755)፡ ሙስሊም፡ ኪታብ ኣል-ሓጅ፡ ባብ ግዴታነት ጠዋፍ ኣል-ወዳዕን ን ኣብ ጽግያት ዘላ ግድነት ዘይምዃኑ ብቑጽሪ (1328) ሰኒደሞ።
ቡኻሪ ዝሰነድዎ: ኪታብ ኣል-ሓጅ፡ ባብ ጓል ኣንስተይቲ ድሕሪ ኢፋዳ ጽግያት እንተ መጺዋ፡ ቁጽሪ (1757)። ሙስሊም: ኪታብ ኣል- ሓጅ፡ ባብ ዉጁብ ጠዋፍ ኣል-ወዳዕ፡ ቁጽሪ (1211)።
ቡኻሪ ዝሰነድዎ: ኪታብ ኣል-ሓይድ፡ ባብ: ሓይድ ዘለወን ኣንስቲ ኣብ ክልተ ዒድን ዱዓእ ሙስሊምን ምስታፈን፡ ካብ ሙሰላ ግና ይግለላ፡ ቁጽሪ (324)፡ ሙስሊምን፡ ኪታብ ናይ ክልተ ዒድ ሰላት፡ ባብ: ኣንስቲ ኣብ ክልተ ዒድ ናብ ሙሰላ ምውጻእን ኣሰብኡት ተፈልየን ኣብ ኹጥባ ምስታፈንን ፍቑድ ምዃኑ ዝገልጽ፡ ቁጽሪ (890)።
ሙስሊም ዝሰነድዎ: ኪታብ ኣል-ሐይድ፡ ባብ ብዛዕባ ኣብ ጽግያት ዘላ ርእሲ በዓል ቤታ ምሕጻብ ፍቑድ ምዃኑ፡ ቁጽሪ (302)።
ቡኻሪ ዝሰነድዎ:- ኪታብ ኣል-ሐይድ፡ ባብ ብዛዕባ ምትንኻፍ ጽግያት፡ ቁጽሪ (301)። ሙስሊም ድማ:- ኪታብ ኣል-ሐይድ፡ ባብ ብዛዕባ ምትንኻፍ ጽግያት ካብ ኢዛር ንላዕሊ፡ ቁጽሪ (293)።
ቡኻሪ፡- መጽሓፍ ጠላቕ፡ ብቑጽሪ (5251) ሙስሊምን፡- መጽሓፍ ጠላቕ፡ ባብ ታሕሪም ጠላቕ ኣብ ግዜ ጽግያት ዘላ ሰበይቲ ብዘይ ፍቓዳ፡ እንተ ተጻሪሩ ድማ ጠላቕ ከም ዝወድቕን ክመልሳ ከም ዝእዘዝን፡ ብቑጽሪ (1471) ካብ ሓዲስ ኢብኑ ዑመር ረድየላሁ ዓንሁማ ሰኒደሞ።
ቡኻሪ ዝሰነድዎ:- ኪታብ ኣ'ጠላቕ፡ ባብ ኣል-ኹልዕን ጠላቕ ኣብኡ ከመይ ከም ዝኸውንን፡ ቁጽሪ (5273)፣ ካብ ሓዲስ ኢብኑ ዓባስ ረድየላሁ ዓንሁማ።
ቡኻሪ:- ኪታብ ኣል-ሓይዲ፡ ባብ ብዛዕባ ምጅማር ሓይድን ምውዳኡን፡ ቁጽሪ (320)፡ ሙስሊም:- ኪታብ ኣል-ሓይዲ፡ ባብ ብዛዕባ ሙስተሓዳን ምሕጻባን ሰላታን፡ ቁጽሪ (333)፡ ካብ ሓዲስ ዓኢሻ ረድየላሁ ዓንሃ ሰኒደሞ።
ቡኻሪ:- ኪታብ ኣል-ሓይድ፡ ባብ ምሕጻብ ሓይድ፡ ቁጽሪ (315)፡ሙስሊም:- ኪታብ ኣል-ሓይድ፡ ባብ ብዛዕባ እታ ካብ ሓይድ እትሕጸብ ኣብ'ቲ ደም ዝነበሮ ቦታ ቁራጽ ምስኪ ምጥቃም ዝምረጽ ምዃኑ፡ ቁጽሪ (332)፡ ካብ ሓዲስ ዓኢሻ ረድየላሁ ዓንሃ ሰኒደሞ።
ሙስሊም ዝሰነድዎ:- ኪታብ ኣል-ሓይድ፡ ባብ ፍርዲ ዝተቖነነት ክትሕጸብ እንከላ ቁጽሪ (330)፡ ካብ ሓዲስ ኡሙ ሰለማ ረዲየላሁ ዓንሃ።
ቡኻሪ:- ኪታብ ዉዱእ፡ ባብ ምሕጻብ ደም፡ ቁጽሪ (228)፡ ሙስሊም:- ኪታብ ኣል-ሓይድ፣ ባብ ሙስተሓዳን ምሕጻባን ሰላታን፡ ቁጽሪ (333)፣ ካብ ሓዲስ ዓኢሻ ረድየላሁ ዓንሃ ሰኒደሞ።
ኣሕመድ (6/ 349)፡ ኣቡ ዳዉድ:- ኪታብ ኣ'ጠሃራ፡ባብ ብዛዕባ እቲ ጽግያት ምስ መጸ ሰላት ትሓድግ ዝበለ፡ ቁጽሪ (287)፡ ኣ'ቲርሚዚ ድማ:- ኣብዋብ ኣ'ጠሃራ፡ ባብ ብዛዕባ ሙስተሓዳ ክልተ ሰላት ብሓደ ምሕጻብ ከም ትእክብ፡ ቁጽሪ (128)፡ ካብ ሓዲስ ሓምና ቢንቲ ጃሕሽ ረዲየላሁ ዓንሃ ሰኒደሞ።
ሱነን ኣ'ቲርሚዚ:- ኣብዋብ ኣ'ጠሃራ፡ ባብ ብዛዕባ ሙስተሓዳ ብሓደ ምሕጻብ ክልተ ሰላታት ብሓደ ምስጋዳ፡ ድሕሪ ሓዲስ ቁጽሪ (128)።
ቡኻሪ ዝሰነድዎ:- ኪታብ ኣል-ሓይዲ፡ ባብ ሓይዲ፡ ብዛዕባ ኣንስቲ ኣብ ሓይድን ጥንሲን ዝእመናሉ፡ ካብ ሓይዲ ክኸውን ኣብ ዝኽእል፡ ቁጽሪ (325)፡ ካብ ሓዲስ ዓኢሻ ረድየላሁ ዓንሃ።
ሙስሊም ዝሰነድዎ:- ኪታብ ኣል-ሓይዲ፡ ባብ ሙስተሓዳን ምሕጻባን ሰላታን፡ ቁጽሪ (334)፣ ካብ ሓዲስ ዓኢሻ ረድየላሁ ዓንሃ።
ኣቡ ዳዉድ ዝሰነድዎ:- ኪታብ ኣ'ጠሃራ፡ ባብ ብዛዕባ እቲ ጽግያት ምስ መጸት ስግዳን ትሓድግ ዝበለ፡ ቁጽሪ (286)፡ ኣ'ነሳኢ:- ኪታብ ኣ'ጠሃራ፡ ባብ ብዛዕባ እታ ደም ቅድሚ ምቕጻሉ መዓልታት ጽግያታ ዝፈለጠት ሙስተሓዳ፡ ቁጽሪ (211)፡ ኢብኑ ማጃ:- ኪታብ ኣ'ጠሃራን ሱናታቱን፡ ባብ ብዛዕባ እታ ደም ቅድሚ ምቕጻሉ መዓልታት ጽግያታ ዝፈለጠት ሙስተሓዳ፡ ቁጽሪ (620)፡ ኢብኑ ሒባን ኣብ ሰሒሖም (1348)፡ ሓኪም ኣብ ኣልሙስተድረክ (618)፡ ካብ ሓዲስ ዓኢሻ ረዲየላሁ ዓንሃ።
" ኣሕመድ (6/ 439)፡ ኣቡ ዳዉድ: ኪታብ ኣ'ጠሃራ፡ ባብ ብዛዕባ ጽግያት ምስ መጸ ሰላት ትሓድግ ዝበለ፡ ቁጽሪ (287)፡ ኣቲርሚዚ ድማ:- ኣብዋብ ኣ'ጠሃራ፡ ባብ ብዛዕባ ሙስተሓዳ ክልተ ሰላት ብሓደ ምሕጻብ ነብሲ ከም ትእክብ፡ ቁጽሪ (128)፡ ካብ ሓዲስ ሓምና ቢንቲ ጃሕሽ ረዲየላሁ ዓንሃ ሰኒደሞ።"
ሱነን ኣቲርሚዚ:- ኣብዋብ ኣ'ጠሃራ፡ ባብ ብዛዕባ ሙስተሓዳ ብሓደ ምሕጻብ ክልተ ሰላት ብሓደ ከም እትሰግድ፡ ድሕሪ ሓዲስ ቁጽሪ (128)።
ቡኻሪ ዝሰነድዎ:- ኪታብ ዉዱእ፡ባብ ምሕጻብ ደም፡ ቁጽሪ (228)፡ ሙስሊምን:- ኪታብ ኣል-ሓይድ ባብ ሙስተሓዳን ምሕጻባን ሰላታን፡ ቁጽሪ (333)፡ ካብ ሓዲስ ዓኢሻ ረድየላሁ ዓንሃ።
ኣሕመድ (6/ 204)፡ ኢብኑ ማጃህ ድማ፡ ኪታብ ኣ'ጠሃራን ሱንናታቱን፡ ባብ ብዛዕባ እታ ደም ቅድሚ ምቕጻሉ ናይ ጽግያት መዓልታታ ዝቆጸረት ሙስተሓዳ፡ ቁጽሪ (624)፡ ካብ ሓዲስ ዓኢሻ ረድየላሁ ዓንሃ ሰኒደሞ።
ኣልሙቕኒ (252/1-253)።
ከሻፍ ኣልቒናዕ (219/1)
ኣልሙቕኒ (253/1)።
ኣልሙቕኒ (253/1)።
ኣልሙቕኒ (2/ 252)፡ ኣሰር ዑስማን ቢን ኣቢ ኣልዓስ ድማ ዓብዱረዛቅ ኣብ ሙሰነፍ ብቑጽሪ (1202)፡ ኢብኑ ኣቢ ሸይባ ኣብ ሙሰነፍ ብቑጽሪ (17450)፡ ኣ'ዳሪሚ ኣብ ሱነን ብቑጽሪ (990)፡ ከምኡ'ውን ኢብኑ ኣል-ጃሩድ ኣብ ሙንተቓ ብቑጽሪ (118) ሰኒደሞ።
ቡኻሪ፡ ኪታብ ኣ'ኒካሕ፡ባብ ዓዝል፡ ብቑጽሪ (5209) ሙስሊምን፡ ክታብ ኣ'ኒካሕ፡ ባብ ሑክም ኣል-ዓዝል፡ ብቑጽሪ (1440) ካብ ሓዲስ ጃቢር ረድየላሁ ዓንሁ ሰኒደሞ።
ኣል ኢንሳፍ (556/2)።
ፍርዲ ናይ'ታ ኣብ ጽግያት ዝተደናገረት፡ ብ ኣ'ዳሪሚ (ገጽ:17)።