مَا لَا يَسَعُ المُسْلِمَ جَهْلُهُ
ሙስሊም ክስሕቶ ዘይግባእ ነገር
اللَّجْنَةُ العِلْمِيَّةُ
بِرِئَاسَةِ الشُّؤُونِ الدِّينِيَّةِ بِالمَسْجِدِ الحَرَامِ وَالمَسْجِدِ النَّبَوِيِّ
ናይ ሳይንሳዊ ኮሚቴ
ብሓላፍነት ናይ ዲኒ ጉዳያት ኣብ መስጂድ ኣል-ሐራም እና መስጂድ ኣን-ነበዊ
بِسْمِ اللهِ الرَّحمَنِ الرَّحِيمِ
ሙስሊም ክስሕቶ ዘይግባእ ነገር
መእተዊ
ምስጋና ንናይ ዓለማት ጎይታ ኣላህ ይኹን፡ናይ ኣላህ ዉዳሰን ሰላምን ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓለማት ምሕረት ኮይኑ ዝተላኣኸ፡ ኣብ ልዕሊ ስድርኡን ብጾቱን፡ ከምኡ'ዉን ኣብ ልዕሊ እቶም ክሳብ መዓልቲ ፍርዲ መንገዱ ዝተኸተሉን ብመሪሕነቱ ዝተመርሑን ይዉረድ። ብምቕጻል፡
እዚኣ ሓጻር መልእኽቲ እምብኣር፡ሓደ ሙስሊም ኣብ ዓቒድኡን(እምነቱ)፡ ዒባዱኡን(ኣምልኾኡ) ከምኡ'ዉን ኣብ ማሕበራዊ ኣተሓሕዝኡ ዘድልይዎ ኣገደስቲ ነጥብታት ዘጠቓለለት ኢያ። ንበጻሕቲ እተን ክልተ ቅዱሳን ቦታታት (ሓረመይን) ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ብዛዕባ ጉዳይ ሃይማኖቶም ንጹር ፍልጠትን መረዳእታን ምእንቲ ክህልዎም ኢልና ኣዳሊናያ። ካብ'ቲ ለጋስን ወሃብን ዝኾነ ኣላህ፡ቅንዕትን ንውልቁ ጥራይ እተሰርሐትን ጠቓሚት ክገብራ ንምነ።ንሱ ብሓቂ ዝበለጸ ዝሕተትን ዝለዓለ ተስፋ ዝግበረሉን ኢዩ።
ኮሚቴ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኣብ ትሕቲ ጽላል መስጂድ ኣል ሓራምን መስጂድ ኣነበዊን
ብስም ኣላህ እቲ ፍጹም ርህሩህ እቲ ኣዝዩ ራህራሂ ዝኾነ
ቀዳማይ ምዕራፍ፡
ምስ ዉሽጣዊ እምነት ዝተተሓሓዘ
ምዕራፍ 1፡ትርጉም እስልምናን ዓንድታቱን፡
ኢስላም ማለት፦ ንኣላህ ንብሕትኡ ኢድካ ምሃብ ኮይኑ።ኣብ ትእዛዛቱ ተቐይድካ ምኻድ፡ ካብ ሽርክን ሽርኪ ዝፍጽሙን ነጻ ምዃን ማለት ኢዩ።
ዓንድታቱ ድማ ሓሙሽተ ኢዮም፦
ቀዳማይ፦ "ብዘይካ ኣላህ ብሓቂ ዝምለኽ ኣምላኽ የሎን፡ ሙሓመድ ድማ ናይ ኣላህ ልኡኽ ኢዮ"ኢልካ ምምስካር።
ካልኣይ፦ ሰላት(ስግደት) ብስርዓት ምስጋድ፡
ሳልሳይ፦ምጽዋት (ዘካት) ምሃብ፡
ራብዓይ፡ ጾም ረመዳን፡
ሓምሻይ፡ ሓጅ በይቱላሂል ሓራም ዓቕሚ ንዘለዎ፡
ኣገዳስነት ናይ ተዉሒድ፡
ኣላህ ንፍጥረታቱ ዝፈጠሮም'ኮ፡ ንዕኡ ከምልኹዎን ምስኡ ወላ ሓደ ከየሻርኹን ምዃኑ ፍለጥ። ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፡
﴿وَمَا خَلَقۡتُ ٱلۡجِنَّ وَٱلۡإِنسَ إِلَّا لِيَعۡبُدُونِ 56﴾
{ንጋኒንን ሰብን ዝፈጠርክዎም እኮ ምእንቲ ንዓይ ንብሕተይ ከምልኹኒ ኢዩ56} [ኣዛሪያት:56] እዚ ኣምልኾት'ዚ ድማ ብዘይካ ብትምህርቲ እምበር ብኻልእ ክትፍለጥ ኣይከኣልን ኢዩ። ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ዝበሎ፡
﴿فَٱعۡلَمۡ أَنَّهُۥ لَآ إِلَٰهَ إِلَّا ٱللَّهُ وَٱسۡتَغۡفِرۡ لِذَنۢبِكَ وَلِلۡمُؤۡمِنِينَ وَٱلۡمُؤۡمِنَٰتِۗ وَٱللَّهُ يَعۡلَمُ مُتَقَلَّبَكُمۡ وَمَثۡوَىٰكُمۡ 19﴾
{በዘይካ ኣላህ ብሓቂ ዝምለኽ ወላ ሓደ ከምዘየለ ፍለጥ።ናትካን ናይ'ቶም ዝኣመኑን ዝኣመናን ካብ ሓጢያትኩም ምሕረት ለምን። ኣላህ ድማ ምንቅስቓሳትኩምን መዕረፊኹምን ይፈልጥ ኢዩ19} [ሙሓመድ :19] ቅድሚ ቃልን ተግባርን ብፍልጠት ጀሚሩ። ስለ'ዚ እቲ ዝዓበየ ሓደ ኣስላማይ ክመሃሮ ዝግባእ ነገር፡ ተዉሒድ ናይ'ቲ ልዑልን ዕዙዝን ዝኾነ ኣላህ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ንሱ ቀንዲ መሰረት ናይ ሃይማኖት ስለዝኾነ። ሃይማኖት ብዘይ ተዉሒድ ኣይቀዉምን ኢዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ቀዳማይን መወዳእታን ግዴታ ስለዝኾነ ኢዩ። ተዉሒድ ድማ ካብ'ቲ ዝኾነ ሙስሊም ክፈልጠንን ብአአን ክሰርሕ ዝግበኦ ናይ እስልምና ዓንድታት እቲ ቀዳማይ ዓንዲ ኢዩ፡ ንሳ'ተን ድማ ሓሙሽተ ዓንድታት ኢየን። ከም'ቲ ኣብ ሓዲስ ዓብዱላህ ቢን ዑመር ረዲየላሁ ዓንሁ ዝተወርየ ይብል፡ ልኡኽ "ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም" ከም'ዚ ክብል ሰሚዐዮ፡
«بُنِيَ الإسْلَامُ عَلَى خَمْسٍ: شَهَادَةِ أنْ لَا إلَهَ إلَّا اللَّهُ وأنَّ مُحَمَّدًا رَسُولُ اللَّهِ، وَإقَامِ الصَّلَاةِ، وَإيتَاءِ الزَّكَاةِ، وَحَجِّ البَيْتِ، وصَوْمِ رَمَضَانَ».
"እስልምና ኣብ ሓሙሽተ ኣዕኑድ ዝተሃነጸ ኢዩ፡ 'ብዘይካ ኣላህ ብሓቂ ዝምለኽ ኣምላኽ ከምዘየሎን ሙሓመድ ናይ ኣላህ ልኡኽ ከምዝኾነን' ኢልካ ምምስካር፡ ሰላት ምስጋድ፡ ዘካት ምሃብ፡ ሓጅ ምግባር፡ ረመዳን ምጻም"1።
ሓደ ሙስሊም ትርጉም ተዉሒድ ክመሃር ይግባእ፡ እዚ ድማ ንኣላህ ብኣምልኾት ብሕታዊ ምግባር ኢዩ። ንዝቐረበ መልኣኽ ኮነ ልኡኽ ነብይ ኣብ ኣምልኾኡ(ንኣላህ) ሓደኳ ምስኡ መሻርኽቲ ከይገበርካ ምግዛእ ኢዩ።
ትርጉም ናይ ቃል ምስክርነት "ላኢላሃ ኢለላህ"፡
ሓደ ባርያ ብጽኑዕ እምነት፡ ብዘይካ ልዑልን ዕዙዝን ኣላህ ብሓቂ ዝምለኽ ካልእ ከምዘየለ ምርግጋጹ ኢዩ። ንኣላህ ንበይኑ ክግዛእ፡ ነቲ ንጹህ ዝኾነ ኣላህ ብኹሎም ዓይነታት ኣምልኾት ብንጽል የተግብር፡ ከም ዱዓ፡ ፍርሒ፡ ተስፋ፡ ምዉካልን ካልእን።
እቲ ምስክርነት ብክልተ ዓንድታት ጥራሕ ኢዩ ዝረጋገጽ፦
ቀዳማይ፡ ካብቶ'ም ብዘይካ ኣላህ ዝኾኑ ኩሎም መወዳድርቲን፡ ኣማልኽቲን፡ ጣኦታትን፡ ኣምላኽነትን ከምዝግበኦም ምንጻግ።
ካልኣይ፡ ኣምልኾትን እቲ ሓቀኛ ተገዛእነትን ንኣላህ ንበይኑ እምበር፡ ንኻልእ ከይሃብካ ምዃኑ ምርግጋጽ። ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፡
﴿وَلَقَدۡ بَعَثۡنَا فِي كُلِّ أُمَّةٖ رَّسُولًا أَنِ ٱعۡبُدُواْ ٱللَّهَ وَٱجۡتَنِبُواْ ٱلطَّٰغُوتَ...﴾
{ናብ ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ዝለኣኽናዮ ልኡኽ፡ካብ ጣኦት ርሒቖም ንኣላህ በይኑ ንኸምልኹዎ ኢዩ} [ኣልናሕል:36]
ቅድመ-ኩነት ናይ (ላኢላሃ ኢለላህ) እዚ ዝስዕብ ኢዩ፦
ቀዳማይ፡ ንድንቁርና ዝጻረር ፍልጠት፡
ካልኣይ- ንጥርጣረ ዘወግድ ርግጸኛነት፡
ሳልሳይ: ን ኢኽላስ(ንጽህና0 ዝጻረር ሽርክነት፡
ራብዓይ: ንሓቅነት ዝጻረር ሓሶት፡
ሓምሻይ፡ ንፍትወት ዝጻረር ጽልኣት፡
ሻድሻይ: ንምእዛዝ ዝጻረር ምግዳፍ፡
ሻውዓይ: ንምቕባል ዝጻረር ምንጻግ፡
ሻሙናይ፡ በቲ ካብ ልዑል ኣላህ ወጻኢ ዝምለኽ ምኽሓድ፡
እዘን ቅድመ-ኩነት እዚኣተን ክትግበራ ናይ ግድን ኮይኑ፡ በዘን ዝስዕባ ክልተ ጥቕስታት ድማ ተጠቓሊለን ኣለዋ፦
ፍልጠት፡ ርግጽነት፡ ኢኽላስን ሓቅነትካን፡ ምስ ፍቕርን ምቅያድን ንዓኣ ምቕባልን።
ከም ሻሙናይ ድማ ተወሰኸ፡ ነቲ ብዘይካ ኣላህ ካብ ኩሉ ነገራት ከም ኣምላኽ ተገዛእነቱ ምኽሓድ ኢዩ።
ነቲ ምስክርነት ብሓቂ ምትግባር ድማ፡ ሽርክነት ዘይብሉ ንልዑል ኣላህ ንበይኑ ብንጽህና ምምላኽ ክኸዉን እንከሎኢዩ። ብዘይካ ንኣላህ ንኻልእ ኣይምህለልን፡ ብዘይካ ኣብ ኣላህ ኣብ ካልእ ኣይዉከልን፡ ብዘይካ ንኣላህ ንኻልእ ተስፋ ኣይግበርን፡ ብዘይካ ንኣላህ ንኻልእ ኣይሰገድን፡ ከምኡ’ዉን ብዘይካ ንኣላህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ንኻልእ ኣይሕረድን።
ገለ ሰባት ዝፍጽምዎ ኣብ ቀብሪታት ምኹላል፡ ካብ'ቶም ሰብ ቀብሪ (ምዉታት) ሓገዝ ምሕታት፡ ንኣላህ ገዲፍካ ንዓታቶም ምልማንን፡ ኣብ ኣምልኾትካ ሽርክነት ጌርካ ማለት'ዩ። ስለ'ዚ ኣብ'ዚ ከይንወድቕ ክንጥንቀቕን ካብኡ ከነጠንቅቕን ይግባእ። ምኽንያቱ እዚ ካብ'ቲ ሙሽሪክን ካብ ኣላህ ወጻኢ ንጣኦታትን ኣእማንን ኣእዋምን ብምምላኽ ዝፍጽምዎ ዓይነት ተግባር ስለዝኾነ። ንሱ እቲ ካብኡ ንምጥንቃቕን ንምኽልካልን ኢሉ መጻሕፍቲ ዝወረደሉን ልኡኻት ዝተለኣኹሉን ሺርክ ኢዩ።
ትርጉም ምስክርነት ሙሓመድ ልኡኽ ምዃኑ፦
ኣብ ዝኣዘዞ ምእዙዝ ምዃን፡ ዝተዛረቦ ሓቂ ምባል፡ ካብ ዝኸልከሎን ዝኾነኖን ምርሓቕ፡ ንኣላህ ብዘይካ በቲ ንሱ ዘምጸኦ መለኮታዊ ሕጊ ብኻልእ ዘይምምላኽ። ሓደ ሙስሊም ሙሓመድ ወዲ ዓብዲላህ ኣል-ቁረሺ ኣል-ሃሺሚ፡ ናብ መላእ ደቂ ሰባትን ኣጋንንትን ዝተላእኸ ናይ ልዑልን ዕዙዝን ኣላህ ልኡኽ ምዃኑን ይምስክር። ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ዝበሎ፡
﴿قُلۡ يَٰٓأَيُّهَا ٱلنَّاسُ إِنِّي رَسُولُ ٱللَّهِ إِلَيۡكُمۡ جَمِيعًا...﴾
{( 'ኦ ሙሓመድ)፡ኣንቱም ሰባት ኣነ'ኮ ናብ ኩሉኹም ዝተላኣኽኩ ልኡኽ ናይ ኣላህ ኢየ በል ...} [ኣል ኣዕራፍ: 158]
ኣላህ ድማ ንሃይማኖቱ ንኸብጽሕን ንፍጥረታት ንኽመርሕን ከም ዝለኣኾ፡ ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ዝበሎ፡
﴿وَمَآ أَرۡسَلۡنَٰكَ إِلَّا كَآفَّةٗ لِّلنَّاسِ بَشِيرٗا وَنَذِيرٗا وَلَٰكِنَّ أَكۡثَرَ ٱلنَّاسِ لَا يَعۡلَمُونَ28﴾
{ናብ ሓፋሽ ሰባት ኣበሳርን ኣጠንቃቕን ጌርና እምበር ንኻልእ ኣይለኣኽናካን፡ ይኹን'ምበር ብዙሓት ሰባት ኣይፈልጡን ኢዮም28} [ሰባእ: 28] ከምኡ'ዉን ከም'ቲ ኣላህ ኣብ ቑርኣን ዝበሎ፡
﴿وَمَآ أَرۡسَلۡنَٰكَ إِلَّا رَحۡمَةٗ لِّلۡعَٰلَمِينَ 107﴾
{(ኦ ሙሓመድ !)ንዓለማት ርህራሄ ክትከዉን እምበር ንኻልእ ኣይለኣኽናካን} [ኣልኣንቢያእ: 107]
ናይ'ዚ ምስክርነት እዚ ዝጠልቦ ነገር፡ ንልኡኽ ኣላህ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኣብ ጐይታ መሰል ከምዘይብሉን፡ከምኡ'ዉን ናብ ፍጥረታት ቁጽጽር፡ ወይ ድማ ኣብ ኣምላኽነት መሰል ከም ዘለዎም ዘይምእማን ኢዩ። እኳ ደኣ ንሱ ዘይምለኽ ባርያን ዘይከሓድ ልኡኽን ኢዩ። ንነብሱ ይኹን ንኻልእ ሰብ ክጠቅምን ክጎድእን ዝኽእል ዝኾነ ነገር ኣይዉንንን፡ ብዘይካ ብፍቓድ ኣላህ እንተኾይኑ እምበር፡ ከም'ቲ ኣላህ ኣብ ቑርኣን ዝበሎ፡
﴿قُل لَّآ أَقُولُ لَكُمۡ عِندِي خَزَآئِنُ ٱللَّهِ وَلَآ أَعۡلَمُ ٱلۡغَيۡبَ وَلَآ أَقُولُ لَكُمۡ إِنِّي مَلَكٌۖ إِنۡ أَتَّبِعُ إِلَّا مَا يُوحَىٰٓ إِلَيَّ...﴾
{(ኦ ሙሓመድ! )ኣነ መዝገባት ኣላህ ምሳይ ኣሎ ኣይብለኩምን፡ ስውር ነገር'ዉን ኣይፈልጥን፡ ከምኡ'ዉን ኣነ መልኣኽ ኢየ ኣይብለኩምን ኢየ፡ እቲ ናባይ ዝወረደ መለኮታዊ ሓይሊ እንበር ካልእ ኣይስዕብን ኢየ በሎም... } [ኣል- ኣንዓም: 50]
ካልኣይ ምዕራፍ፡ ትርጉም ኢማንን ዓንድታቱን፡
ኢማን፦ብልቢ ምዉሳን፡ ብልሳን ምዝራብ፡ ብልቢን ብኣካላትን ድማ ምትግባር ኢዩ። ብምእዛዝ ይዉስኽ፡ ብሓጥያት ድማ ይጎድል።
ስለ'ዚ እምነት፡ እቲ ኣምልኾታት ቅኑዕን ቅቡልን ንክኸዉን መሰረታዊ ቅድመ-ኩነት ክህልዉ ዘለዎ ኢዩ። ከምኡ'ዉን ሽርክን ኩፍርን (ክሕደት) ንኹሉ ሰናይ ግብርታት ዘጥፍእ ኢዩ። ከም'ቲ ኣላህ ብዘይ ውዱእ ዝግበር ስግዳን ዘይቕበል፡ ከምኡ ድማ ብዘይ ምእማን ዝግበር ኣምልኾት ኣይቕበልን ኢዩ። ልዕል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከምዚ ይብል፡
﴿وَمَن يَعۡمَلۡ مِنَ ٱلصَّٰلِحَٰتِ مِن ذَكَرٍ أَوۡ أُنثَىٰ وَهُوَ مُؤۡمِنٞ فَأُوْلَٰٓئِكَ يَدۡخُلُونَ ٱلۡجَنَّةَ وَلَا يُظۡلَمُونَ نَقِيرٗا 124﴾
{ካብ ወዲ ተባዕታይ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ዝኣመነ ኮይኑ ሰናይ ስራሓት ዝሰርሐ፡ ንሳቶም ገነት ክኣትው ኢዮም፡ ንእሽተይ እኳ ኣይብደሉን።124} [ኣልኒሳእ፡124]
ሺርኪ መበላሸዊ ስራሕ ምዃኑ ግሉጽ ኢዩ፡ ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ዝበሎ፡
﴿وَلَقَدۡ أُوحِيَ إِلَيۡكَ وَإِلَى ٱلَّذِينَ مِن قَبۡلِكَ لَئِنۡ أَشۡرَكۡتَ لَيَحۡبَطَنَّ عَمَلُكَ وَلَتَكُونَنَّ مِنَ ٱلۡخَٰسِرِينَ 65﴾
{ናባኻን ናብቶ'ም ቅድሜኻ ዝነበሩን፡ (ብኣላህ) እንተ ኣሻሪኽካ፡ ስራሕካ ከምዝበላሸዉን ካብቶ'ም ዝኸሰ ሩ'ዉን ከምእትኸዉንን ናባኻ ብርግጽ ወሪዱ ኢዩ65}። [ኣዙመር:65]
ዓንድታት ኢማን ሽዱሽተ ኢዮም።ብኣላህ ምእማን፡ ብመልኣኽቱ ምእማን፡ ብመጻሕፍቱ ምእማን፡ ብልኡኻቱ ምእማን፡ ብመወዳእታ መዓልቲ ምእማን፡ከምኡ'ዉን ብጽሕፍቶ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ምእማን።
1) ብልዑል ኣላህ ምእማን ድማ ሰለስተ ነገራት የጠቓልል፡
1) ብኣፋጣጥራኡ ምእማን፡
እዚ ማለት፡ንልዑል ኣላህ ብተግባራቱ ሓደ ምግባር ኢዩ፡ከም ፍጥረት፡ሽሻይ ሙማትን ምትንሳእን። ብዘይካ ኣላህ ፈጣሪ የሎን፡ ብዘይካ ኣላህ ወሃቢ ሺሻይ የሎን፡ ብዘይካ ኣላህ ህይወት ዝህብ የልን፡ ብዘይካ ኣላህ ዘምዉት የሎን፡ኩሉ ኣብ ኣድማስ ዘሎ ዉን ብዘይክኡ ዘካይዶ የሎን፡ንሱ እቲ ንጹህ ዝኾነ ጎይታ ኢዩ።
ካብ ፍጡራት ሓደኳ ንኣፋጣጥራ ዝምልከት ንጹህ ኣላህ ምዃኑ ዝኽሕድ ኣይተፈልጠን፡ብዘይካ እቲ ንሓቂ ዝጻረርን በቲ ዝብሎ ዉን ብልቡ ዘይኣምነሉን ምስዝኸዉን ጥራሕ ኢዩ። ከም'ቲ ንፊርዖን ዘጋጠሞ ንህዝቡ ከም'ዚ ክብሎም እንከከሎ፡
﴿...أَنَا رَبُّكُمُ الْأَعْلَى﴾
{...ኣነ እቲ ልዑል ጐይታኹም ኢየ} [ኣልናዚዓት: 24] እዚ ግን ካብ ልባዊ እምነትዝነቐለ ኣይኮነን።ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ብዛዕባ ነቢ ሙሳ ዓለይሂ ሰላም ዝበለ፡
﴿قَالَ لَقَدۡ عَلِمۡتَ مَآ أَنزَلَ هَٰٓؤُلَآءِ إِلَّا رَبُّ ٱلسَّمَٰوَٰتِ وَٱلۡأَرۡضِ بَصَآئِرَ وَإِنِّي لَأَظُنُّكَ يَٰفِرۡعَوۡنُ مَثۡبُورٗا 102﴾
{(ሙሳ )ኢሉ፡ ነዞም ተኣምራት ንጹራት መረዳእታታት ዘዉረዶም፡ ብዘይካ ፈጣሪ ሰማያትን ምድሪን ካልእ ከምዘየሎ ብርግጽ ፈሊጥካ ኢኻ። ኣነ ድማ ኦ ፊርዖን! ብርግጽ ጥፉእ ከም ዝኾንካ ኢየ ዝቖጽረካ። [ኣል ኢስራእ: 102] ከምኡ'ውን ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፡
﴿وَجَحَدُوا بِهَا وَاسْتَيْقَنَتْهَا أَنْفُسُهُمْ ظُلْمًا وَعُلُوًّا... ﴾
{ነብሶም ርግጸኛ ከምዝኾነት እናፈለጡ፡ ብበደልን ትዕቢትን ከሓድዋ... } [ኣልነምል:14]
እዘን ፍጡራት ፈጣሪ ክህልወን ናይ ግድን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ዝኾነ ኣካል ንነብሳ ብነብሳ ክትፈጥር ስለ ዘይትኽእል። ምኽንያቱ ሓደ ነገር ንባዕሉ ኣይፈጥርን: ብኣጋጣሚ' ዉን ክርከብ ዘይከኣል ኢዩ። ንዝኾነ ይኹን ዝርከብ ነገር ዝፈጥሮ ክህልዎ ግድን ኢዩ፡ ነዚ ኣደናቒ ዝኾነ ስርዓትን ዝሰመረ ምትእስሳርን ምህላው፡ ብሃንደበት ዝተረኸበ ንኸትብል ስለዘይትኽእል። ነዚ ድማ ፈጣሪ ክህልዎ ግዴታ ይኸዉን፡ ንሱ ድማ ጎይታ ዓለማት ዝኾነ ኣላህ ኢዩ። ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከምዚ ይብል፡
﴿أَمۡ خُلِقُواْ مِنۡ غَيۡرِ شَيۡءٍ أَمۡ هُمُ ٱلۡخَٰلِقُونَ 35 أَمۡ خَلَقُواْ ٱلسَّمَٰوَٰتِ وَٱلۡأَرۡضَۚ بَل لَّا يُوقِنُونَ 36﴾
{ወይስ ብዘይ ሓደ ነገር ድዮም ተፈጢሮም ወይ ንሳቶም ፈጠርቲ ኢዮም(35)}
{ወይሲ ንሰማያትን ምድሪን ዶ ፈጢሮም? እኳ ደኣ ንሳቶም ዘይኣምኑ ኢዮም (36)} [ኣጡር:35-36]
ሙሽሪኪን፡ ብዋንነት ናይ ልዑል ኣላህ እናረጋገጹ፡ ኣብ ኣምልኾት ግን ሽርኪ ይገብሩ ነበሩ። እዚ ድማ ኣብ እስልምና ኣየእተዎምን'ዩ። ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ድማ ተዋጊእዎም፡ ደሞምን ገንዘቦምን ከኣ ሓላል ገይሩዎም፡ ምኽንያቱ ኣብ ኣምልኾት ሽርኪ ስለ ዝገበሩ ኢዩ። ምስኡ(ፈጣሪ) ጸምቢሮም ንኻልኦት፡ ከም ጣኦታት፡ ኣእማን፡ ኣማልኽቲን ካልኦት ንኣምሊኾም።
2- ብኣምልኾት ምእማን፡
ብኣምልኾት ምእማን ማለት፦ ንሱ(ኣላህ) በይኑ ሓቀኛ ዝምለኽ ምዃኑን፡ መሻርኽቲ ከምዘይብሉን ምእማን። (ኢላህ) ማለት (ኣልማእሉህ)ኢዩ፡ እዚ ማለት ከኣ፡ ብፍቕርን ብልዕልናን ብትሕትናን ዝምለኽ ማለት ኢዩ።
ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከምዚ ይብል፡
﴿وَإِلَٰهُكُمۡ إِلَٰهٞ وَٰحِدٞۖ لَّآ إِلَٰهَ إِلَّا هُوَ ٱلرَّحۡمَٰنُ ٱلرَّحِيمُ 163﴾
{ኣምላኽኩም ሓደ ኣምላኽ ኢዩ፡ በዘይክኡ ብሓቂ ኣምልኾት ዝግበኦ ጎይታ የሎን።ንሱ እቲ ፍጹም ርህሩህ እቲ ኣዝዩ ራህራሂ ኢዩ። 163} [ኣልበቐራ: 163]።
ኩሉ ምስ ኣላህ ካልእ ኣሻሪኹ ዘምለኸን ካብኡ ወጻኢ ዘምልኽ ዘበለ ኩሉ፡ ኣምላኽነቱ ሓሶት(ጌጋ) ኢዩ። ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከምዚ ይብል፡
﴿ذَٰلِكَ بِأَنَّ ٱللَّهَ هُوَ ٱلۡحَقُّ وَأَنَّ مَا يَدۡعُونَ مِن دُونِهِۦ هُوَ ٱلۡبَٰطِلُ وَأَنَّ ٱللَّهَ هُوَ ٱلۡعَلِيُّ ٱلۡكَبِيرُ 62﴾
{እዚ ክኣ፡ ኣላህ ባዕሉ ሓቂ ብምኻኑ፡ ካብኡ ወጻኢ ዝግዝእዎ ነገር ብፍጹም ሓሶት ብምዃኑን፡ ኣላህ ባዕሉ ካብ ኩሉ ዝለዓለን ዝዓበየን ብምዃኑ ኢዩ 62} [ኣልሓጅ፡62]
በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ካብ ኑሕ ክሳብ መሓመድ ዝነበሩ ልኡኻት ዓለይሂሙ ሰላም ንህዝብታቶም ናብ ተዉሒድ ኣላህን ንኣላህ ንብሕቱ ብዘይ ዝኾነ መሻርኽቲ ናብ ምምላኽን ይጽዉዕዎም ነበሩ። ልዑል ኣላህ፡ ነቲ ኣሻረኽቲ ምስኡ ጌሮም ዝግዝእዎም፡ሓገዝ ዝሓትዎምን ዓወት ዝልምንዎምን ዝነበሩ ኣማልኽቲ፡ ብኽልተ ኣእምሮኣዊ መርትዖታት ገይሩ ኣፍሪስዎ ኢዩ።
ቀዳማይ፡ ኣብ'ዞም ዘምልኽዎም ኣማልኽቲ ገለ'ኳ ካብ ባህርያት ኣምላኽነት የብሎምን፡ ንሳቶም ፍጡራት እምበር ፈጠርቲ ኣይኮኑን፡ ነቶም ዘምልኽዎም ዘምጽእዎ ጥቕሚ የብሎምን።ንዝመጽእ ጉድኣት'ውን ኣይከላኸሉሎምን፡ ህይወትን ሞትን ትንሳኤን'ዉን ኣይዉንኑን ኢዮም። ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ዝበሎ፡
﴿وَٱتَّخَذُواْ مِن دُونِهِۦٓ ءَالِهَةٗ لَّا يَخۡلُقُونَ شَيۡـٔٗا وَهُمۡ يُخۡلَقُونَ وَلَا يَمۡلِكُونَ لِأَنفُسِهِمۡ ضَرّٗا وَلَا نَفۡعٗا وَلَا يَمۡلِكُونَ مَوۡتٗا وَلَا حَيَوٰةٗ وَلَا نُشُورٗا 3﴾
{ብዘይካኡ ኣማልኽቲ ገይሮም፡ ንሳቶም ሓንቲ ነገርኳ ኣይፈጥሩን ንባዕሎም ድማ ፍጡራትን፡ ንርእሶም ድማ ጉድኣት ኮነ ጥቕሚ ኣይዉንኑን፡ ሞት ኮነ ህይወት ትንሳኤ'ዉን ኣይዉንኑን ኢዮም(3)} [ኣል ፉርቓን:3]
ካልኣይ፡እዞም ኣሻርኽቲ፡ ልዑል ኣላህ ንብሕቱ ብዘይ መሻርኽቲ ፈጣሪን ኣመሓዳሪን ምዃኑ ይኣምኑ ኔሮም። እዚ ድማ ከም'ቲ ብ ሩቡብያ ብሕታዊ ዝገበርዎ፡ ብ ኡሉሁያ’ዉን ብሕታዊ ክገብርዎ የገድዶም። ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ዝበሎ፡
﴿قُل لِّمَنِ ٱلۡأَرۡضُ وَمَن فِيهَآ إِن كُنتُمۡ تَعۡلَمُونَ 84 سَيَقُولُونَ لِلَّهِۚ قُلۡ أَفَلَا تَذَكَّرُونَ85 قُلۡ مَن رَّبُّ ٱلسَّمَٰوَٰتِ ٱلسَّبۡعِ وَرَبُّ ٱلۡعَرۡشِ ٱلۡعَظِيمِ 86 سَيَقُولُونَ لِلَّهِۚ قُلۡ أَفَلَا تَتَّقُونَ 87 قُلْ مَنْ بِيَدِهِ مَلَكُوتُ كُلِّ شَيْءٍ وَهُوَ يُجِيرُ وَلَا يُجَارُ عَلَيْهِ إِنْ كُنْتُمْ تَعْلَمُونَ 88 سَيَقُولُونَ لِلَّهِ قُلْ فَأَنَّى تُسْحَرُونَ 89﴾
{ እዛ መሬትን ኣብኣ ዘሎን ናይ መን ኢዩ? ትፈልጡ እንተኾንኩም በሎም 84
ናይ ኣላህ ኢዩ ክብሉ ኢዮም፡ እምበኣርከስ ኣይትዝክሩን ዲኹም? በሎም 85
ጎይታ ናይተ'ን ሸዉዓተ ሰማያትን ናይ'ቲ ዓቢይ ዝፋንን መን'ዩ በሎም?
ናይ ኣላህ ክብሉ ኢዮም። እሞ ኣይትፈርሁን'ዶ በሎም 87
መን ኢዩ ግዝኣት ኩሉ ነገር ኣብ ኢዱ ዝኾነ፡ ዘዕቁብ እምበር፡ ኣብ ልዕሊኡ ግን ዘዕቁቦ ዘየሎ ትፈልጡ እንተኾንኩም በሎም። (88)
ናይ ኣላህ ክብሉ ኢዮም፡ እሞ ከመይ ጌርኩም ትታለሉ? በሎም(89) [ኣልሙእሚኑን፡84–89] ብተዉሒድ ኣሩቡቢያ ምስ ተኣመኑ፡ ንዕኡ ንንጹህ ዝኾነ(ኣላህ) ኣምልኾት ንበይኑ ክገብርዎን፡ኣብ ኣምልኾቱ ኸኣ ምስኡ ንሓደ እኳ ከየሻርኹ ከምልኽዎን ግዴተኦም ኢዩ።
3- ብኣስማትን ባህሪያትን ምእማን(ናይ ኣላህ)፡
ማለት፡ ነቲ ኣላህ ባዕሉ ንባዕሉ ኣብ መጽሓፉ ዘረጋገጾ ምርግጋጽ. ወይ ልኡኽ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኣብ መንገዱ ዘጽደቖ፡ ገለ ካብ ኣስማትን መግለጺታትን፡ በቲ ንልዑል ኣላህ ዝምጥን መገዲ፡ ከይተቐየረን ከይተጠወየን፡ (ኣብ ኣእምሮ)ከይተመሳሰለን ከይተቐረጸን፡ ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከምዚ ይብል፡
﴿وَلِلَّهِ ٱلۡأَسۡمَآءُ ٱلۡحُسۡنَىٰ فَٱدۡعُوهُ بِهَاۖ وَذَرُواْ ٱلَّذِينَ يُلۡحِدُونَ فِيٓ أَسۡمَٰٓئِهِۦۚ سَيُجۡزَوۡنَ مَا كَانُواْ يَعۡمَلُونَ 180﴾
{ንኣላህ ጽቡቓት ኣስማት ኣለዎ ብኡ ድማ ጸዉዕዎ፡ ነቶም ኣስማቱ ብጌጋ ዝገልጹ ድማ ግደፍዎም። በቲ ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ዓስቦም ክረኽቡ ኢዮም።} [ኣል ኣዕራፍ፡180] ከምኡ'ዉን ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፡
﴿...لَيۡسَ كَمِثۡلِهِۦ شَيۡءٞۖ وَهُوَ ٱلسَّمِيعُ ٱلۡبَصِيرُ﴾
{...ወላ ሓደ ንዕኡ ዝመስል የሎን ንሱ ሰማዒን ረኣዪን ኢዩ።} [ኣሹራ፡11]
ናይ ሺርኪ ክፋላት ሰለስተ ኢየን፡
1- ዓቢ ሺርክ፡
2- ንእሽተይ ሺርክ፡
3-ስዉር ሽርኪ፡
1- ዓቢይ ሺርክ፡
ባህርያቱ ከኣ ፡ ኣብ'ቲ ፍሉይ ባህርያት ናይ ኣላህ ብዘይክኡ ምስ ኣላህ ማዕረ ምግባር ኢዩ። ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ዝበሎ፡
﴿إِذۡ نُسَوِّيكُم بِرَبِّ ٱلۡعَٰلَمِينَ 98﴾
{ምስ ናይ ዓለማት ጎይታ ማዕረ ንገብረኩም ስለ ዝነበርና 98} [ኣልሹዐራእ:98]
ንሱ(ዓቢ ሽርክ) ድማ ኣምልኾት፡ ካብ ልዑል ኣላህ ወጻኢ ንዝኾነ ኣካል ምሃብ፡ ወይ'ዉን ገለ ካብኡ ንኣላህ ዘይኮነ ንኻልእ ኣካል፡ ከም ዱዓእ፡ ሓገዝ ፡ መብጽዓ፡ ምሕራድን ካልኦት ዓይነታት ኣምልኾት ምሃብ ኢዩ።
ወይ ድማ፡ ነቲ ልዑል ኣላህ ሓራም ዝገበሮ ፍቑድ ምግባር፡ ወይ ነቲ ሓላል ዝገበሮ ሓራም ምግባር፡ ወይ ነቲ ኣላህ ግዴታ ዝገበሮ ምግዳፍ፡ ከም'ቲ ነቲ ኣብ ሃይማኖት ሓራም ምዃኑ ፍሉጥ ነገራት ፡ ማለት ከም ምዝማዉ፡ ዘስክር መስተ ምስታይ፡ንወለዲ ዘይምእዛዝ፡ ሓረጣ ወይ ነዚ ዝኣመሰለ ነገራት ሓላል ምግባር።
ወይ ነቲ ሎዑልን ዕዙዝን ኣላህ ሓላል ዝገበሮ ጽፉፍ ነገራት ሓራም ምግባር። ወይ ድማ ነቲ ኣላህ ግዴታ ዝገበሮ ምትራፍ፡ ከም ን ስግዳን ግዴታ ከምዘይኮነ፡ ወይ ጾም ግዴታ ከምዘይኮነ፡ ወይ ዘካት ግዴታ ከምዘይኮነት ምእማን።
ዓቢይ ሺርኪ ድማ፦ንኹሉ ሰናይ ስራሓት ከንቱ ይገብሮ(የበላሽዎ)፡ ነቲ ኣብኡ(ሺርክ) ዝሞተ ድማ ኣብ ገሃነም ንዘልኣለም የስፍሮ። ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ዝበሎ፡
﴿...وَلَوۡ أَشۡرَكُواْ لَحَبِطَ عَنۡهُم مَّا كَانُواْ يَعۡمَلُونَ﴾
{...ንኣላህ መሻርኽቲ እንተዝገብሩ ነይሮም፡ እቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ስራሕ ምተበላሸዎም ነይሩ}። [ኣል ኣንዓም: 88]
ኣብኡ(ኣብ ሺርክ) ዝሞተ ድማ፡ ኣላህ ኣይምሕሮን ኢዩ፡ ገነት ዉን ንዕኡ ሓራም ትኾኖ። ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ዝበሎ፡
﴿إِنَّ ٱللَّهَ لَا يَغۡفِرُ أَن يُشۡرَكَ بِهِۦ وَيَغۡفِرُ مَا دُونَ ذَٰلِكَ لِمَن يَشَآءُ...﴾
{ብርግጽ ኣላህ ምስኡ ሽክነት ምግባር ኣይምሕርን'ዩ። ኮይኑ ግን ካብ'ዚ ዝነኣሰ ሓጥያት ንዝገበረ፡ ንዝደለዮ ይምሕር'ዩ...} [ኣልኒሳእ፡48] ከምኡ'ዉን ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፡
﴿...إِنَّهُۥ مَن يُشۡرِكۡ بِٱللَّهِ فَقَدۡ حَرَّمَ ٱللَّهُ عَلَيۡهِ ٱلۡجَنَّةَ وَمَأۡوَىٰهُ ٱلنَّارُ...﴾
{እቲ ምስ ኣላህ ሺርካ ዝገብር፡ ብርግጽ ኣላህ ገነት ንዕኡ ሓራም ጌርዋ፡ መዕቆቢኡ ድማ ገሃነም ኢዩ...} [ኤል ማኢዳ:72]
2- ንእሽተይ ሺርክ፡
እዚ በቲ መርትዖታት ሽርኪ ተባሂሉ ዝተሰመየ ኢዩ፡ እንተኾነ ግን ናብ ደረጃ ዓቢ ሺርክ ኣይበጽሐን፡ ስለ'ዚ እዚ ንእሽተይ ሺርክ ይበሃል። ከም ካብ ብልዑል ኣላህ ወጻኢ ምምሓል፡ ከም ብካዕባን፡ብነብያትን፡ ብሕድርን፡ብህይወት እከለን ኢልካ ከምኡ ዝኣመሰለን ተጠቂምካ ምምሓል፡ ከም'ቲ ነቢ ሙሓመድ ዝበሎ፡
«مَنْ حَلَفَ بِغَيرِ اللهِ فَقَدْ كَفَرَ أَو أَشرَكَ».
"ብኣላህ ገዲፉ ብኻልእ ዝመሓለ ክሒዱ ወይ ምስ ኣላህ መሻርኽቲ ጌሩ ኣሎ"2.
(በቲ ዝምሕሎ ዘሎ) ኣብ ልቡ ብዘሎ መሰረት ድማ ዝዓበየ ክኸዉን ይኽእል፡ ኣብ ልቢ እቲ ብነቢ ወይ ብሸኽ እከለ ኢሉ ዝምሕል ሰብ፡ ንሱ(እቲ ዝጽዉዖ ኣካል) ምስ ኣላህ ማዕረ ከም ዝኾነ፡ ወይ ብዘይካ ኣላህ ከም ዝለመነ፡ ወይ'ዉን ነዚ ኣድማስ ከም ዝቆጻጸሮ እንተሓሲቡ፡ ዝዓበየ ሽርኪ ይኸዉን፡ ኮይኑ ግን እቲ ካብ ኣላህ ወጻኢ ዝምሕል ሰብ፡ ነዚ ዕላማ እዚ ዝጠቐስናዮ ዘይብሉ እንተኾይኑ፡ የግዳስ ልምዲ ስለዝኾኖ ጥራይ ብዘይ ሓሳብ ኣብ ልሳኑ ዝመጾ እንተኾይኑ፡ ንእሽተን ሽርኪ ይኸዉን። እዚ ኣብ ገለ ከባቢታት ብብዝሒ ይፍጸም ኢዩ። ስለ'ዚ ንተዉሒድ ንምዕቃብን ንምክልኻልን፡ ነዚ ምስትብሃልን ካብኡ ምጥንቃቕን ግዴታ ኢዩ።
3- ሕቡእ ሺርክ፡
እዚ ማለት ብልቢ ሰብ ክርእየለይ ኢልካ ዝግበር ኣምልኾት ኢዩ። ከም (ንኣብነት) ሰብ ክርእይዎ ኢሉ ዝሰግድ ወይ ዝቐርእ፡ ወይ'ዉን ንኽዉድስዎ ኢሉ ተስቢሕ ዝገብር፡ ወይ'ዉን ንኽንእድዎ ኢሉ ዝምጽዉት፡ እዚ ድማ ነቲ ዝተራኣየሉ ስራሕ(ክረኣየሉ ዝሰርሖ) የበላሽዎ፡ ነቲ ንልዑል ኣላህ ብንጽሕና ዝሰርሖ ስራሕ ግን ኣየባላሽዎን ኢዩ።
ልኡኽ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኢሉ፡
«الشِّرْكُ فِي هَذِهِ الْأُمَّةِ أَخْفَى مِنْ دَبِيبِ النَّمْلَةِ السَّودَاءِ عَلَى الصَّفَاةِ السَّودَاءِ فِي ظُلْمَةِ اللَّيْلِ، وَكَفَّارَتُهُ أَنْ يَقُولَ: "اللَّهُمَّ إِنِّي أَعُوذُ بِكَ أَنْ أُشْرِكَ بِكَ شَيْئًا وَأَنَا أَعْلَمُ، وَأَسْتَغْفِرُكَ مِنَ الذَّنْبِ الَّذِي لَا أَعْلَمُ».
«ሽርኪ ኣብ'ዚ ኡማ(ሕብረተሰብ) እዚ፡ ኣብ ጸልማት ለይቲ ኣብ ልዕሊ ጸሊም እምኒ ካብ ዝኸይድ ዘሎ ጸሊም ጻጸ ንላዕሊ ዝተሰወረ ኢዩ። መካሓሓሲኡ ድማ፦ "ኣላሁማ ኢኒ ኣዑዙ ቢካ ኣን ኡንሹሪከ ቢከ ሸይአን ወኣና ኣዕለም ወኣስተቕፊሩከ ሚነዘንቢለዚ ላኣዕለም" ምባል ኢዩ።»3
ዓይነታት ኩፍር(ክሕደት) ከኣ፡
ቀዳማይ ዓይነት: ዝዓባይ ክሕደት፡
ንሱ ድማ እቲ ንዘልኣለም ኣብ ሓዊ ዘንብር ኮይኑ፡ ሓሙሽተ ዓይነታት ኣለውዎ፡-
1- ናይ ዘይምእማን ክሕደት፡
እዚ ማለት ንልኡኻት ኣላህ ብሓሶት ምጥቃን፡ እዚ ድማ ኣብ'ቶም ካሓድቲ ውሑድ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ኣላህ ንልኡኻቱ ብንጹራት ጭብትታት ኣሰንዩዎም ስለዝኾነ። ኣላህ ንኩነታት እዞም ዝሓሰው ከም'ዚ ክብል ይገልጾ፡
﴿وَجَحَدُوا بِهَا وَاسْتَيْقَنَتْهَا أَنْفُسُهُمْ ظُلْمًا وَعُلُوًّا...﴾
{ነብሶም ርግጸኛ ከምዝኾነት እናፈለጡ፡ ብበደልን ትዕቢትን ከሓድዋ...} [ኣልነምል:14]
2- ክሕደት እምቢታን ትዕቢትን፡
እዚ ድማ ከም'ቲ ናይ ኢብሊስ(ሰይጣን) ክሕደት ዝኣምሰለ ኢዩ።ንሱ(ሰይጣን) ንትእዛዝ ኣላህ ኣይካሓዶን ወይ ኣይነጸጎን፡ እንታይ ደኣ ብኩርዓትን ብነብሰ-ምዕባይን(ትዕቢትን) ኢዩ ገጢምዎ። ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፡
﴿وَإِذۡ قُلۡنَا لِلۡمَلَٰٓئِكَةِ ٱسۡجُدُواْ لِأٓدَمَ فَسَجَدُوٓاْ إِلَّآ إِبۡلِيسَ أَبَىٰ وَٱسۡتَكۡبَرَ وَكَانَ مِنَ ٱلۡكَٰفِرِينَ 34﴾
{ንመላእኽቲ፡ ንኣዳም ስገዱ ኣብ ዝበልናዮም እዋን፡ ብዘይካ ኢብሊስ(ሰይጣን) ኩሎም ሰገዱ። ንሱ ግን ኣበዩ፡ ተዓበየ፡ ካብ'ቶም ከሓድቲ ድማ ኮነ 34} [ኣልበቐራ: 34]።
3- ክሕደት ኣድህቦ ምኽላእገጽ፡
እዚ ኸኣ ሓደ ሰብ ሓቂ ካብ ምስዓማዕን ብልቡን ክርሕቖ እንከሎ ኢዩ።ናብኡ ግልጽ ከይበልካ ሸለል ምባልን ኢዩ። ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከምዚ ይብል፡
﴿وَمَنۡ أَظۡلَمُ مِمَّن ذُكِّرَ بِـَٔايَٰتِ رَبِّهِۦ ثُمَّ أَعۡرَضَ عَنۡهَآۚ إِنَّا مِنَ ٱلۡمُجۡرِمِينَ مُنتَقِمُونَ22﴾
{ካብ'ቲ ብዓንቀጻት ጐይታኡ እንተተዘኪሩሉ፡ ድሕር'ዚ ኣድህቦ እንተኾይኑ፡ መን ኣሎ ካብ'ዚ ንላዕሊ ዝበደለ? ንሕና ካብ'ቶም ከሓድቲ ብሓቂ ፈደይቲ ሕነ ኢና። 22} [ኣልሰጅዳ፡22]።
ከፊላዊ ኣድህቦ ዘይምሃብ ካብ ስነ ምግባር ዘዉጽእ እምበር ኩፍሪ(ክሕደት) ኣይኮነን፡ እዚ ድማ ከም'ቲ ገለ ካብ ግዴታት ሃይማኖት ንምምሃር ዝህክይ፡ ንኣብነት ሕግታት ጾምን ሓጅን ከምኡ ዝኣመሰሉን ማለት'ዩ።
4- ኩፍር(ክሕደት) ናይ ጥርጣረ፡
እዚ ማለት ይጠራጠር ፡ነቲ ሓቂ ብትኽክል ኣየረጋግጋጽን፡ ካብ'ዚ ሓሊፉ ጥርጣረ የሕድር። ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፡
﴿وَدَخَلَ جَنَّتَهُ وَهُوَ ظَالِمٌ لِنَفْسِهِ قَالَ مَا أَظُنُّ أَنْ تَبِيدَ هَذِهِ أَبَدًا 35 وَمَا أَظُنُّ السَّاعَةَ قَائِمَةً وَلَئِنْ رُدِدْتُ إِلَى رَبِّي لَأَجِدَنَّ خَيْرًا مِنْهَا مُنْقَلَبًا 36﴾
{ንነብሱ በዳሊ ኮይኑ ናብ ግራቱ ኣተወ። እዚኣ ፈጺማ ትጠፍእ ኣይመስለንን ድማ በለ 35}
{እታ ሰዓት ትመጽእ ኢለ ኣይግምትን። ናብ ጎይታይ እንተድኣ ተመሊሰ ድማ፡ብርግጽ ካብኣ ዝበለጸ መምለሲ ክረክብ ኢየ 36} [ኣልካህፍ:35-36]
5- ናይ ኒፋቕ(ምስሉይነት) ክሕደት፡
እዚ ድማ፡ ብመልሓሱ ኣማኒ መሲሉ፡ ብልቡ ከኣ ክሕደት ይሓብእ። ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከምዚ ይብል፡
﴿وَمِنَ ٱلنَّاسِ مَن يَقُولُ ءَامَنَّا بِٱللَّهِ وَبِٱلۡيَوۡمِ ٱلۡأٓخِرِ وَمَا هُم بِمُؤۡمِنِينَ 8﴾
{ካብ ሰባት'ዉን ብኣላህን ብመዓልቲ ኣኼራን ኣሚንና ዝብሉ ኣለው፡ንሳቶም ግን ኣመንቲ ኣይኮኑን።}
[ኣልበቐራ: 8].
እዚኣቶም ድማ ካብ እስልምና ዘዉጽኡ ናይ ዓባይ ኩፍር(ክሕደት) ዓይነታት ኢዮም።
2ይ- ንእሽተይ ኩፍር(ክሕደት)፡
እዚ ዓይነት'ዚ ኣብ ሓዊ ንዘልኣለም ምጽናሕ ኣየስዕብን ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ ቑርኣንን ሱናን ኩፍር ተባሂሉ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ብ'ኣሊፍን ላምን' ዘይኮነስ ብዘይዉሱን መልክዕ ዝተጠቀሰ ኢዩ። ኣብነታቱ ቡዙሕ ኣሎ ገለ ካብኡ፦ ሓዲስ ኣቡሁረይራ ረዲየላሁ ዓንሁ ኢሉ፦ልኡኽ ሰላላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኢሉ፡
«اثْنَتَانِ فِي النَّاسِ هُمَا بِهِمْ كُفْرٌ: الطَّعْنُ فِي النَّسَبِ، وَالنِّيَاحَةُ عَلَى المَيِّتِ».
«ኣብ ባህሪ ሰባትዝርከባ ክልተ ነገራት ኣለዋ፡ ንሳተን ድማ ካብ ተግባራት ኩፍሪ(ክሕደት) ኢየን፡ ኣብ ወለዶ ምጽላምን ኣብ ልዕሊ ምውት ዋይዋይታ ምባልን»4።
2) ብመላእኽቲ ምእማን፡
ንሶም ድማ ናይ ስውር ዝኾነ ዓለም ኢዮም፡ ልዑል ኣላህ ካብ ብርሃን ፈጢርዎም፡ ንሳቶም ድማ ነቲ ልዑል ኣላህ ዘምልኹ ኮይኖም ፍሉይ ዝኾነ ካብ ናይ ጐይታነትን ኣምልኾትን ፍሉይ ባህርያት ወላ ሓደ የብሎምን። ካብ ትእዛዛት ኣላህ ወጺኦም ዘይብድሉ፡ ብዝተኣዘዝዎ ድማ ዘተግብሩ፡ ንሳቶም ቁጽሮም ብዙሕ ኮይኑ፡ ብዘይካ ልዑል ኣላህ ካልእ ዝፈልጦ የሎን።
እምነት ብመላእኽት ድማ ኣርባዕተ ነገራት የጠቓልል፡
1- ብህላዉነቶም ምእማን፡
2- ብዝተገለፀልና ኣስማት፡ከም በዓል፡ ጂብሪል፡ ሚካኤል፡ ኢስራፊልን ካልኦትን ምእማን። እቶም ኣስማቶም ዘይፈለጥናዮ ብሓፈሻ ንኣምነሉ።
3- ካብቶ'ም ኣብ ቑርኣንን ሓዲስን ዝተጠቐሱ ባህሪያቶም፡ ብዝፈለጥናዮም ምእማን፡ ከም መግለጺ ጂብሪል፡ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም በቲ ልዑል ኣላህ ዝፈጠሮ ናይ ኣፈጣጥርኡ መልክዕ ከም ዝረኣዮን፡ ኣድማስ ዝሸፈን ሽዱሽተ ሚእቲ ክንፊ ከም ዘለዎን ሓቢርና።
4- ካብ ተግባራቶም ብዝፈለጥናዮ ምእማን፡ ከም ንልዑል ኣላህ ተስቢሕ ምግባሮምን ለይትን መዓልትን ብዘይ ምስልቻዉን ምድካምን ንዕኡ ምምላኾምን ከምዝኾኑ ምእማን።
ንኣብነት፡ ጂብሪል፡ ናይ መለኮታዊ ሕጊ እሙን።
ኢስራፊል ድማ፡ብምንፋሕ ጡሩምባ ዝተወከለ።
ናይ ሞት መልኣኽ፦ ኣብ እዋን ሞት ህይወት(ሩሕ)ብምዉሳድ ዝተወከለ።
ማሊክ፡ ሓላዊ ሓዊ፡ ሪድዋን ድማ፡ ሓላዊ ገነት፡ ካልኦትን ኣለው።
3) ብመጻሕፍቲ ምእማን
"መጻሕፍቲ" ዝበሃላ፡ እተን ልዑል ኣላህ ኣብ ልዕሊ ልኡኻት ዘዉረደን ሰማያዉያን መጻሕፍቲ ኢየን። ንደቂ ሰባት መምርሒን ርህራሄን ኮይነን፡ ናብ ሓጎስ ናይ'ዛ ህይወትን ድሕሪ ሞትን ንኽበጽሑ ዝገበረን።
እምነት ብመጻሕፍቲ ኣርባዕተ ጉዳያት ይሓቁፍ፡ ንሱ ድማ፦
1- ብሓቂ ካብ ኣላህ ዝወረደ ምዃኑ ምእማን፡
2- በቲ ስሙ ዘፍለጠና፡ ከም እቲ ኣብ ልዕሊ ነቢ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝወረደ ቑርኣን ምእማን። እቲ ናብ ነቢ ሙሳ ዓለይሂ ሰላም ዝወረደ ተዉራትን፡ ከምኡ’ዉን እቲ ናብ ነቢዒሳ ዓለይሂ ኣልሰላም ዝወረደ ኢንጂል፡ ዘቡር ድማ፡ እቲ ንነቢ ዳውድ ዓለይሂ ሰላም ዝተዋህቦ፡
ስሙ ንዘይፈለጥናዮ ድማ፡ ብሓፈሻ ንኣምነሉ።
3- በቲ ትሕዝትኡ ሓቂ ምዃኑ፡ ከም ትሕዝቶ ሒዝዎ ዘሎ ቑርኣንን ናይቲ ካብቶ'ም ቀዳሞት መጻሕፍቲ ኢድ ሰብ ዘይኣተዎን ምርግጋጽ።
4- ዘይተሰረዘ ትእዛዛቱ ምትግባርን፡ጥበቡ ተረዲእናዮ ይኹን ኣይተረደኣናን ብዕግበት ምቕባልን ኢዩ። ኩሎም እቶም ዝሓለፉ መጻሕፍቲ በቲ ዓቢይ ቑርኣን ተተኪኦም ኢዮም። ካብ ሕግታት እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ መጻፍሕቲ ብዝኾነ ይኹን ሕጊ ወሲድካ ምጥቃም ኣይፍቀድን'ዩ፡ብዘይካ እቲ ካብኡ ሓቀኛ ኮይኑ፡ ኩቡር ቑርኣን ወይ ሱና ነበዊያ ዘረጋገጾን እንተዘይኮይኑ።
4) ብልኡኻት ኣላህ ምእማን ዓለሂሙሰልሰላም፡
ልኡኻት፡ ክንብል እንከሎና ልኡኽ ናይ ዝብል ቃል ናይ ብዙሓት መጸዉዒ ኢዩ።እቲ ልኡኽ ካብ ደቂ ሰባት ኮይኑ፡ ሸሪዓ ብመለኮታዊ ሕጊ ዝወረዶን፡ ናብ ህዝቢ ከብጽሖ ዝተኣዘዘን ኢዩ። ቀዳማዮም ነቢ ኑሕ ዓለይሂ አልሰላም፡ መወዳእቶም ድማ ነቢ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኢዮም። ንሳ'ቶም ዝተፈጥሩ ሰባት ኢዮም፡ ካብ ባህርያታት ሩቡብያን ኡሉሂያን ወላ ሓደ የብሎምን።
ብልኡኻት ምእማን ዘጠቓልሎም ድማ፡
1) መልእኽቶም ካብ ኣላህ ዝመጸ ሓቂ ምዃኑ ምእማን፡ ብናይ ሓዲኡ መልእኽቲ ዝኸሓደ ሰብ ብኹሎም ከም ዝከሓደ ኢዩ ዝቑጸር።
2- ነቶም ካብኦም ስሞም ዝፈለጥናዮም ብስሞም ምእማን፡ ከም በዓል፡ ሙሓመድ፡ ኢብራሂም፡ ሙሳ፡ ዒሳን ኑሕን ዓለይሂም ኣሰላት ወሰላም። ንሳቶም ድማ ኡሉል-ዓዝም (ሰብ ጽኑዓት መትከል) ካብ ልኡኻት ኢዮም።
ነቶም ካብኣቶም ስሞም ዘይንፈለጥናዮም ድማ፡ ብሓፈሻ ንኣምነሎም። ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፡
﴿وَلَقَدۡ أَرۡسَلۡنَا رُسُلٗا مِّن قَبۡلِكَ مِنۡهُم مَّن قَصَصۡنَا عَلَيۡكَ وَمِنۡهُم مَّن لَّمۡ نَقۡصُصۡ عَلَيۡكَ...﴾
{ብርግጽ ቅድሜኻ ልኡኻት ልኢኽና፡ ካብኣቶም ዛንትኦም ዝተረኽናልካ ኣለው፡ካብኣቶም ድማ ዛንትኦም ዘይተረኽናልካ ኣለው...} [ቓፊር፡78]
3- ብዛዕብኦም ዓለሂሙሰላም እቲ ዝተረጋገጸ ካብኦም ዝመጸና ዛንታ ሓቂ ምዃኑ ምእማን።
4- ካብኣቶም ናባና ዝተላእኸ መወዳእትኦም ዝኾነ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዘምጽኦ መሎኮታዊ ሕጊ ምስራሕ።
5) ብናይ መወዳእታ መዓልቲ ምእማን፡
ንሱ ድማ መዓልቲ ትንሳኤ ኢዩ፡ ሰባት ንፍርዲን ንሽልማትን ዝትንስእሉ መዓልቲ ኢዩ። ከም'ዚ ዝተሰመየሉ ምኽንያት ድሕሪኡ መዓልቲ ስለዘየለ ኢዩ፡ናይ ገነት ሰባት ኣብ ገዛውቶም ዘዕርፉሉን፡ ሰብ ገሃነም ከኣ ኣብ መዕረፊኦም ዝሰፍርሉን ኢዩ።
እቲ ብናይ መወዳእታ መዓልቲ ምእማን፡ድማ ሰለስተ ነገራት የጠቓልል፡
ሀ- ብትንሳኤ ምእማን፡
ንሱ ድማ፡ እታ ካልኣይቲ ጥሩምባ ምስተነፍሐት፡ምትንሳእ ናይ ምዉታን ኢዩ ደቂ ሰባት ድማ ኣብ ቅድሚ ጉይታ ዓለማት፡ብዘይ ጫማ ጥራሕ እግሮም፡ ክዳን ከይተኸድኑ ዕሩቓት ኮይኖም፡ ከይተኸንሸቡ ደዉ ኢሎም ይቐሙ። ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርአን ከም'ዚ ይብል፡
﴿كَمَا بَدَأْنَا أَوَّلَ خَلْقٍ نُعِيدُهُ وَعْدًا عَلَيْنَا إِنَّا كُنَّا فَاعِلِينَ 104﴾
{ልክዕ ከም'ቲ ቀዳማይ ፍጥረት ዝጀመርናዮ ከምኡ ክንደግሞ ኢና፡እዚ ብኣና ዝተኣተወ መብጽዓ ኢዩ፡ ንሕና ድማ ብርግጽ ንፍጽሞ ኢና} [ኣልኣንቢያእ: 104]
ለ- ብፍርድን ብሽልማትን ምእማን፡
በቲ ናይ ኣላህ ባርያ ብተግባሩ ዝፍረደሉን ሽልማቱ ዝረኽበሉን፡ ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርአን ከም'ዚ ይብል፡
﴿إِنَّ إِلَيۡنَآ إِيَابَهُمۡ 25 ثُمَّ إِنَّ عَلَيۡنَا حِسَابَهُم 26﴾
{ብርግጽ ምምላሶም ናባና ኢዩ 25
ብድሕሪኡ'ዉን፡ብርግጽ ኣባና ኢዩ ፍርዶም} [ኣልቓሺያ፡ 25-26]
መ፡ብ ገነትን ሓዊን ምእማን፡
ክልቲኦም ናይ ፍጡራት ዘልኣለማዊ መዕረፊ ኢዮም፡ ገነት እታ ልዑል ኣላህ ነቶም ፍርሃት ዘለዎም ኣመንቲ ንናይ ኣላህ ልኡኽ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝተኣዘዙ ዘዳለወሎም ጸጋዊ ቤት ኢያ። ኣብኣ ዓይኒ ፈጺማ ዘይረኣየቶን እዝኒ ፈጺማ ዘይሰምዐቶን ኣብ ልቢ ሰብ ወይ ግምት መጺኡ ዘይፈልጥን ጸጋታት ኣለዋ።
እሳት ድማ፡ ንሳ መቕጻዕቲ ቤት ኢያ፡ እታ ልዑል ኣላህ ነቶም ብኣላህ ዝኻሓዱን ልኡኻቱ ዘይተኣዘዙን ከሓድቲ ዘዳለዋ ኢያ። ኣብኣ ኣብ ሓሳብ መጺኦም ዘይፈልጡ ዓይነታት መቕጻዕትን ስቓይን ኣለዋ።
6) ብጽሕፍቶ ኣላህ ሰናይ ይኹን ሕሱም ምእማን፡
ጽሕፍቶ ክንብል እንከሎና ትርጉሙ፦ ዉሳኔ ናይ ኣላህ፡ በቲ ዝቐደመ ፍልጠቱን ሜላኡን መሰረት፡ ንዝኸዉን ነገር ዝወሰኖ ኢዩ።
እምነት ብቐደር ከኣ ኣርባዕተ ነገራት የጠቓልል ንሳቶም ድማ፦
1- ፍልጠት፦ እዚ ማለት ልዑል ኣላህ ነቲ ዝነበረን ብሕጂ ዝኸዉንን ከመይ ከምዝኸዉንን ብሓፈሽኡን ብዝርዝሩን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ንዘልኣለም ዝፈልጥ ምዃኑ ምእማን ኢዩ። ንሱ ድማ ንኹሉ ነገራት ዝፈልጥ (ካብ ኩሉ ጎደሎ ንጹህ ዝኾነ) ፡ ነቲ ዘይነበረ ነገር እንተዝህሉ ኔሩ ከመይ ከምዝኸዉን ዝፈልጥ ኢዩ። ከም'ቲ ኣላህ ካብ ኩሉ ጎደሎ ንጹህ ዝኾነ ዝበሎ፡
﴿وَلَوۡ رُدُّواْ لَعَادُواْ لِمَا نُهُواْ عَنۡهُ...﴾
{እንተዝምለሱ'ዉን ብርግጽ ናብ'ቲ ዝተኸልከልዎ ነገር ምተመለሱ ኔሮም ...} [ኣል ኣንዓም: 28]
2- ጽሕፈት፡ልዑል ኣላህ ናይ ኩሉ ነገር ዉሳኔታት፡ክሳብ ምጽኣተዓለም ከምዝጸሓፎ ምእማን ኢዩ። ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፡
﴿أَلَمۡ تَعۡلَمۡ أَنَّ ٱللَّهَ يَعۡلَمُ مَا فِي ٱلسَّمَآءِ وَٱلۡأَرۡضِۚ إِنَّ ذَٰلِكَ فِي كِتَٰبٍۚ إِنَّ ذَٰلِكَ عَلَى ٱللَّهِ يَسِيرٞ 70﴾
{ኣላህ ኣብ ሰማይን ምድርን ዘሎ ኩሉ ከምዝፈልጥ ኣይፈለጥካን ዶ? ብርግጽ እዚ ኣብ መጽሓፍ ተመዝጊቡ ኣሎ፡ ብርግጽ እዚ ንኣላህ ቐሊል ኢዩ።} [ኣልሓጅ፡70]
3- ድሌት፡ ኣብ'ዚ ዓለም፡ ብዘይካ እቲ ልዑል ኣላህ ዝደለዮ ካልእ ነገር ከምዘይፍጸም ምእማን። ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፡
﴿وَرَبُّكَ يَخۡلُقُ مَا يَشَآءُ وَيَخۡتَارُ...﴾
{ጎይታኻ ዝደለዮ ዝፈጥርን ዝመርጽን ኢዩ} [ኣልቐሰስ፡68] ንወዲ ሰብ ድማ ድልየት ኣለዎ፡ ካብ ድልየት ኣላህ ግን ወጻኢ ኣይኮነን። ከምኡ'ዉን ልዑል ኣላህ ከምዝበሎ፡
﴿وَمَا تَشَآءُونَ إِلَّآ أَن يَشَآءَ ٱللَّهُ رَبُّ ٱلۡعَٰلَمِينَ 29﴾
{ንስኻትኩም ዝደለኹሞ ብዘይካ ኣላህ ጎይታ ናይ ዓለማት እንተደልይዎ ጥራሕ ኢዩ ዝኸዉን} [ኣል ተክዊር:29]
4- ፍጥረት፡ንሱ ድማ ኣላህ ንፍጡራትን ሰናዩን እኩዩን ስራሓቶምን ተግባራቶምን ከምዝፈጠረ ምእማን ኢዩ። ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፡
﴿ٱللَّهُ خَٰلِقُ كُلِّ شَيۡءٖۖ وَهُوَ عَلَىٰ كُلِّ شَيۡءٖ وَكِيلٞ 62﴾
{ኣላህ ፈጣሪ ኩሉ ነገር ኢዩ፡ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ነገር ሓላዉን ኣማሓዳርን ኢዩ} [ኣዙመር፡62]
እዘን ደረጃታት ድማ ኣብ'ዛ ጥቕሲ ተጠቓሊለን ይርከባ፦
ፍልጠት፡ ጽሕፈት ጐይታና፡ ድልየቱን ፍጥረቱን፡ንሱ ድማ ምህላዉን ምፍጣርን ኢዩ።
ካልኣይ ምዕራፍ፦ ኣልኢሕሳን፡
ኣልኢሕሳን፦ሓደ ዓንዲ (ናይ እስልምና)ኮይኑ፡ ንሱ ድማ ንኣላህ ልክዕ ከም እትርእዮ ዘሎኻ ኮንካ ምምላኽ ማለት ኢዩ።ወላ ንስኻ እንተዘይረኣኻዮ ንሱ ይርእየካ ከምዘሎ ምእማን ማለት'ዩ።
ሓደ ሰብ ነቲ ኣላህ ዝኣዘዞ ኣምልኾት፡ ልክዕ ኣብ ቅድሚ እቲ ልዑልን ዕዙዝን ዝኾነ ኣላህ ደዉ ኢሉ ከምዘሎ ጌሩ ክፍጽሞ እንከሎ ኢዩ። እዚ ድማ ፍጹም ፍርሒን ናብኡ ናብ ንጹህ ዝኾነ ምምላስን የገድድ። ኣምልኾት ክፍጽም ንዝደሊ ድማ፡ ንሱና ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ተኸቲሉ ክፍጸም ግድነት ኢዩ።
ኣልኢሕሳን ክልተ ደረጃታት ኣለዎ፡እቶም ኣተግበርቱ ድማ ክልተ ደረጃ ኢዮም።
ቀዳማይ ደረጃ፦ ደረጃ ምዕዛብ ኮይኑ፡ ንሱ ድማ እቲ ዝለዓለ ኢዩ፡ ንሱ ድማ እቲ ባርያ ንልዑል ኣላህ ብልቡ ከም ልክዕ ዝርእዮ ዘሎ ኮይኑ ይስርሕ፡ እቲ ልቢ ብኢማን(እምነት) ፡ክሳብ እቲ ስውር ነገር ከም'ቲ ብዓይኒ ዝርአ ዝኸዉን ይበርህ።
ካልኣይ ደረጃ፡ደረጃ ኢኽላስን(ንጹህ ቅኑዕ) ምሕላዉን(ምክትታል) እዚ ማለት ሓደ ባርያ(ናይ ኣላህ)፡ ኣላህ ይርእዮን ይከታተሎን ከምዘሎ ኣብ ኣእምሮኡ ከስርጾ እንከሎ። እዚ ምስ ዘተግብር ንልዑል ኣላህ ብንጽህና ዘምልኽ ንጹህ ባርያ ይኸዉን።
ምዕራፍ ኣርባዕተ: ሓጺር ጽማቕ ካብ መሰረታት ኣህለሱና ወልጀማዓ፡
ቀዳማይ፦ ነቲ ኣብ ኪታብን(ቑርኣን) ሱናን ዝመጸ ብአሽጥን ብግዳምን ምኽታል፡ ከምኡ'ዉን ንቓል ሓደ ሰብ ካብ ቃል ኣላህን ቃል ረሱልን ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዘይ ምቕዳም።
ካልኣይ፡ ድሕንነት ልቦምን መልሓሶምን ንብጾት ልኡኽ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም፡ ብድሕሪ ልኡኽ ኣላህ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም፡ እቲ ኺላፋ(ተተካኢ መራሒ) ዝኾነ፡ ኣቡበከር፡ ብድሕሪኡ ዑመር፡ ብድሕሪኡ ዑስማን፡ ድሕሪኡ ድማ ዓሊ ረዲየላሁ ዓንሁም ምዃኖም ይኣምኑ።
ሳልሳይ፡ ንስድራ ቤት ልኡኽ ኣላህ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ምፍታዎምን ምሕጋዞምን፡ብፍላይ እቶም ጻድቃን ሰድራ ቤቱ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ብፍሉይ ክንፈትዎምን ክንሕግዞምን ኣለና።
ራብዓይ፡ ዘይፍትሓዉያን መራሕቲን ሓለፍቲን ወላ እንተኾኑ ክትቃወሞምን ካብ ትእዛዞም ክትወጽእን ኣይፍቀድን ኢዩ። (ኣላህ) ከጥዕዮምን ካብ ኩሉ ሕማቕ ክሕልዎምን ድማ ዱዓ ይግበረሎም። ንዕንወት ዝጽዉዕ ዱዓ ኣይግበረሎምን። ንዓኣቶም ምእዛዝ ካብ ንኣላህ ዕዙዝን ልዑልን ምእዛዝ ጌርካ ምቕባልግዴታ ኢዩ፡ክሳብ ንታእዛዝ ኣላህ ክንጻባእ ዘይኣዘዙ። ኣንጻር ኣላህ ክንክተል እንተ ኣዚዞም ግን፡ ክንእዘዞም ኣይግባእን፡ እቲ ምእዛዝ ንዐኦም ኣብ'ቲ ሓጢያት ዘይኮነ ካልእ ጸጽቡቕ ጉዳያት ጥራይ ተሓጺሩ ይቕጽል።
ሓሙሻይ፡ ብተኣምራት ቅዱሳን ምእማን፡ እዚ ድማ ኣላህ ብመንገዶም ዘካይዶ ካብ ልሙድ ነገር ዝወጸ ኢዩ።
ሻድሻይ፦ ንሰብ ቒብላ(ንሕብረተሰብ ሙስላም) ብዝፍጽምዎ በደላትን ዓበይቲ ሓጢያታት ከም ክሕደት ኣይሓስቡዎን ኢዩ። ከም'ቲ ኸዋርጅ ዝተባሃሉ ጉጅለ ዝገብርዎ፡ እኮ ድኣ ሕዉነት ናይ እምነት ኣይቋረጽን ኢዩ ወላ ሓጢያት ተገበሩ። ብዛዕባ እቲ ሓጢያት ዝገብር ሰብ ድማ ከም'ዚ ይብሉ፡ ብእምነቱ ሙእሚን ኢዩ፡ በቲ ዓቢይ(ዝገብሮ) ሓጢያቱ ድማ ፋሲቅ(ካብ ሓቂ ዝረሓቐ) ኢዩ ይብሉ።
ካልኣይ ምዕራፍ፦ ንተግባራት ኣምልኾት ዝምልከት።
ቀዳማይ ኣርእስቲ፡ ንጽህና
ንጽህና ብስነ ቋንቋዊ ትርጉሙ፦ጽሬት ካብ ኣካላዉን መንፈሳዉን ርስሓት ምጽራይ ማለት ኢዩ።
ብ ሸሪዓዊ ትርጉማ ከኣ፦ ሓደስ ምልዓል፡ ከምኡ'ውን ነጃሳ(ርኹስ) ምልቓቕ። ንጽህና መፍትሕ ናይ ስግዳን ኢዩ። ስለ'ዚ ድማ፡ ምምሃሩ፡ ንነፍስ ወከፍ ኣስላማይ/ቲ ግዴታ ዝኾነ፡ሓደ ካብቶ'ም ዝዓበዩ ናይ ሃይማኖት ጉዳያት ኢዩ።
ቀዳማይ፦ ናይ ማይ ዓይነታት፡
1- ጽሩይ(ንጹህ) ብእኡ ተጠቂምካ ከተጽርይ ዝከኣል፡ ኣብ'ቲ ዝተፈጥረሉ ባህሪ ጸኒዑ ዘሎ ይኹን፡ ከም ናይ ዝናብ ማይ፡ ወይ ማይ ኣፍላጋት፡ ወይ ባሕርታት፡ ወይ ንጹህ ነገር ተሓዊስዎ፡ ዘይዓብለሎን ሽሙ'ዉን ዘይቀየሮን ምስዝኸዉን።
2- ነጅስ(ርኹስ)፡ ምጥቃሙ ኣይፍቀድን፡ ካብ ነጃሳ'ዉን ኣየወግድን (ኣየጽርይን) ኢዩ፡ ነጃሳ’ዉን ኣየልዕልን(ኣየጽርይን) እዚ ማለት ነጃሳ(ርኹስ) ዝኾነ፡ እቲ ሕብሩ፡ ወይ ሽታኡ፡ ወይ ካኣ ጣዕሙ ብነጃሳ ዝተለወጠ ኢዩ።
2ይ: ነጃሳ(ርኹስ)፡
ናጃሳ፦ ፍሉይ ርስሓት ኢዩ፡ ንሰላት(ስግዳን) ከልካሊ ኮይኑ፡ ከም ሽንቲ፡ ቀልቀል፡ ደምን ካልኦትን፡ ኣብ ሰብነት፡ ቦታን ክዳንን ከጋጥም ዝኽእል ኢዩ።
መሰረታዊ መምርሒ ኣብ ነገራት ፡ፍቑድን ንጹህን(ጽሩይ) ኢዩ። ሓደ ነገር ነጃሳ ኢዩ ዝበለ ሰብ፡ ጭብጢ ከቕርብ ይግባእ። ከም ንፋጥ፡ ዓኽታ፡ ረሃጽ ሰብ፡ከምኡ'ዉን ረሃጽ ኣድጊ ካብ ነጃሳ ኣይኮኑን። ርስሓት እኳ እንተኾነ፡ግን ንጹህ ኢዮ። ኩሉ ነጃሳ ረሳሕ ኢዩ፡ ኩሉ ረሳሕ ግን ነጃሳ ኣይኮነን።
ናጃሳ ሰለስተ ደረጃታት ኣለዎ፡
እታ ቀዳመይቲ: ዝኸበደት(ዝዓበየት) ነጃሳ፡
ከም ነጃሳ ከልቢ ዝለኸፎ(ዝለሓሶ)፡ ኣገባብ ኣተሓጻጽባ(መስርሕ ምጽራይ) ድማ፡ ሸዉዓተ ግዜ ምሕጻብ ኮይኑ፡ኣብ ፈለማ ብሓመድ ሓዊስካ ይሕጸብ።
2ይ- ቀሊል ነጃሳ፡
ናይ ዝጠቡ ህጻን ወዲ ተባዕታይ ሽንቲ፡ ኣብ ክዳንን ከምኡ ዝኣመሰለ እንተተጸዪቑ። ኣገባብ ኣተሓጻጽብኡ ድማ፡ ሽንቲ ዝተንከፎ ቦታ ክሳብ ዝዕብልሎ ማይ ምፍሳስ ኢዩ፡ ምፍሕፋሕ ወይ ምጽማቕ ድማ ኣየድልዮን ኢዩ።
ሳልሰይቲ: ነጃሳ ማእከላይ፡
ከም ናይ ወዲ ሰብ ሽንትን ቀልቀልን፡ ከምኡ’ውን መብዛሕትኦም ነጃሳት፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ወይ ክዳን ከምኡ ዝኣመሰለን እንተዳኣ ወዲቖም። ኣጸራርይኡ፦ነቲ ነጃሳ ርኡይ ኣካል እንተልይዎ ንዑኡ ብምልቃቕን፡ ነቲ ዝነበሮ ቦታ ድማ ብማይ ወይ ብኻልእ መጽረዪ ብምሕጻብ ይኸውን።
ካብቲ ነጃሳ ምዃኑ ጭብጢ ዝተረጋገጸሉ ድማ፦
1- ናይ ወዲ ሰብ ሽንትን ቀልቀልን፡
2- መዚን ወድይን5
3- ስግኡ ናይ ዘይብላዕ እንስሳ ፋንድያ፡
4- ደም ጽግያትን ኒፋስን(ኣብ ግዜ ሕርሲ ዝወጽእ ደም)
5- ልዛይ ከልቢ፡
6- ዝሞተት እንስሳ ፡ ካብኣ(ዝሞተ) ዝውጽእ ድማ፦
ኣ- ሓደ ሰብ ምስ ዝመዉት፡
ለ- ዝሞተ ዓሳን ኣንበጣን፡
ሐ: ናይቲ ፈሳሲ ደም ዘይብሉ ምውት፡ ከም ሃመማ ጻጸን ንህብን ዝኣመሰሉን።
ደ- ናይ ዝሞተ እንስሳ ዓጽሚ፡ ቀርኒ፡ ጽፍሪ፡ ጸጕሪን፡ ክንቲትን።
ኣገባብ ምጽራይ ነጃሳ ከኣ፦
1- ብማይ፡ ን ነጃሳታት ምጽራይ እቲ ቀንዲ መሰረት ስለዝኾነ፡ ብኻልእ ኣይትካእን ኢዩ።
2- እቲ ብሸሪዓ ዝተኣዘዘ ኣገባብ ምጽራይ ናይ'ቶም ነጃሳ ዝኾኑ ወይ ድማ ብነጃሳ ዝተበከሉ ነገራት፡
ሀ- ቆርበት ናይ ዝሞተ እንስሳ ብሕብሪ ቆርበት ብምልካይ ጠሃራ(ንጹህ)ኣለዎ ይኸውን።
ለ- ከልቢ ዝለኸፎ ኣቕሓ ፡ ሸዉዓተ ግዜ ክሕጸብ ይግባእ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ብሓመድ ብምሕዋስ ይኸዉን።
ሐ- ደም ጽግያት ዝተንከፎ ክዳን፡ ብምፍሕፋሕን፡ ድሕሪኡ ብማይ ጌርካ ብምጽማቕ፡ ቀጺሉ ድማ ብማይ ብምሕጻብ ይጸሪ። ድሕሪ እዚ ምግባርካ ዝኾነ ኣሰር እንተተሪፉ ጸገም የብሉን።
መ- ጫፍ ክዳን ሰበይቲ(ገፈፍ እናበለ ተኸይዱ) ምጽራዩ ድማ በቲ ንጹህ መሬት(ጽሩይ ሓመድ) ይጸርይ ማለት'ዩ።
ሰ- ክዳን ካብ ሽንቲ ናይ ዝጠቡ ህጻን ወዲ ተባዕትዮ ብምርብራብ ክኸዉን እንከሎ፡ሽንቲ ናይ ቖልዓ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ብምሕጻብ ይጸርይ።
ወ- ካብ መዚ ንምጽራይ፡ ኣብ'ቲ ዝተንከፎ ቦታ ማይ ብምንጻግ ይኸዉን።
ዘ- ትሕቲ ጫማ ምጽራይ፡ ብንጹህ(ጽሩይ) መሬት ብምድራዝ ይኸዉን።
ሓ- ምድሪ ካብ ነጃሳ ምጽራይ፡ ኣብ'ቲ ቦታ ሓደ ሳንኬሎ ማይ ብምፍሳስ፡ ወይ ድማ ብጸሓይ ወይ ብንፋስ ክሳብ እትነቅጽ ብምግዳፋ ይኸዉን። ኣሰር እቲ ነጃሳ ተዝኸይድ ድማ እታ ምድሪ ንጽህቲ ትኸዉን።
ሳልሳይ፡ንሙሕዲስ(ውዱእ ዘይብሉ ሰብ) ዝኽልከሎ ነገራት፦
ውዱእ ዘይብሉን ወይ ንኽሕጽብ ግዴታ ዘለዎ ዝኾነ ሰብ ዝኽልከሉ ነገራት።
1- ስግዳን፡ ግዴታዊ ይኹን ወይ ነፍሊ(ብወለንታዊ ዝዉሰኽ)። ከም'ቲ ካብ ኢብኑ ዑመር ረዲየላሁ ዓንሁማ ዝተወረየ፡ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኢሉ፦
«لَا يَقْبَلُ اللَّهُ صَلَاةً بِغَيْرِ طُهُورٍ».
« ብዘይ ንጽህና ዝተሰግደ ስግዳን ኣላህ ኣይቅበልን።»6
2- ቑርኣን ምሓዝ፡ ከም'ቲ ኣብ'ቲ ብልኡኽ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ንዓምሩ ቢን ሓዝም ዝተጻሕፈ ደብዳቤ ዝበሎ፡
«لَا يَمَسُّ الْقُرْآنَ إِلَّا طَاهِرٌ».
«ንጹህ ጥራሕ ኢዩ ንቑርኣን ዝሕዞ» 77
3-ንካዕባ ሙኽላል፡ ከም'ቲ ልኡኽ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ፡
«الطَّوَافُ بِالْبَيْتِ صَلَاةٌ، إِلَّا أَنَّ اللَّهَ أَبَاحَ فِيهِ الْكَلَامَ».
«ንካዕባ ሙኽላል ሰላት ኢዩ፡ ግን ኣላህ ኣብኡ ምዝራብ ፍቑድ ጌርዎ»8። ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ንጠዋፍ(ሙኽላል) ውዱእ ጌሩ ኢዮ። ብትኽክል ከም ዝተረጋገጸ፡ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ንጓል ኣንስተይቲ ኣብ እዋን ጽግያት፡ ክሳብ እትጸሪ ንካዕባ ካብ ሙኽላል ከልኪልሊዋ ኢዩ።
ኣልሓደስ ኣልኣክበር (ምሕጻብ ግዴታ ዝኾኖ) ንዘለዎ ሰብ ብፍሉይ ዝኽልከሎ ነገራት ድማ፦
1- ቑርኣን ምቕራእ፡ ከም'ቲ ኣብ ሓዲስ ዓሊ ረዲየላሁ ዓንሁ ዝመጸ፡ "ንነብይ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ካብ ቑርኣን ዝዓግቶም ነገር፡ ጀናባ(ስጋዊ ርክብ ምስ ዝፍጽም) እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣይነበረን።"9.
2- ኣብ መስጊድ ብዘይ ውዱእ ምጽናሕ፡ ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፡
﴿يَٰٓأَيُّهَا ٱلَّذِينَ ءَامَنُواْ لَا تَقۡرَبُواْ ٱلصَّلَوٰةَ وَأَنتُمۡ سُكَٰرَىٰ حَتَّىٰ تَعۡلَمُواْ مَا تَقُولُونَ وَلَا جُنُبًا إِلَّا عَابِرِي سَبِيلٍ حَتَّىٰ تَغۡتَسِلُواْ...﴾
{ኣንቱም ዝኣመንኩም ሰባት፡እንተ ሰኺርኩም እትብልዎ ክሳብ እትፈልጡ ንሰላት ኣይትቕረቡ፡ ጁኑብ ኮንኩም ዉን ብዘይካ ሓለፍቲ መገዲ ፡ክሳብ ትሕጸቡ ኣይትቕረቡዎ።} [ኣልኒሳእ፡43]
ንሓደ ሰብ ነብሱ ምሕጻብ ግዴታኡ ዝኾነ ውዱእ እንተጌሩ፡ ኣብ መስጊድ ኮፍ ክብል ይፍቀደሉ። ከምኡ'ዉን ነቲ ነብሱ ክሕጸብ ዘለዎ ሰብ፡ ኮፍ ከይበለ ብመስጊድ ንምሕላፍ ጥራይ ክሓልፍ ይፍቀደሉ።
ራብዓይ፡ ሽቓቕ ክትኣቱ እንከሎኻ ዝግበር ስነ-ስርዓት፡
ሽቓቕ ክትኣቱ እንከሎኻ ዝግበር ፍቱዉ ነገር፡
1- ኣብ በረኻ ቃልዕ ምስ ዝኸዉን ካብ ሰባት ምርሓቕን ምስዋርን፡
2-ክትኣቱ እንከሎኻ ዝበሃል ዝተዘከረ ዱዓእ፡
«اللَّهُمَّ إِنِّي أَعُوذُ بِكَ مِنَ الْخُبْثِ وَالْخَبَائِثِ».
«ኣላሁማ ኢኒ ኣዑዙ ቢከ ሚነል ኹብሲ ወልኸባኢስ»10።
ሽቓቕ ክትኣቱ እክከሎኻ ዝግበኣካ ነገራት፦
1- ካብ ሽንቲ ምጽራይ;
2- ሕፍረት ኣካላት ምሽፋን፡
ሽቓቕ ክትኣቱ እንከሎኻ ዝኽልከሉ ነገራት፦
1- ኣንፈትካ ናብ ቒብላ ምግባር ወይ ሕቖኻ ምሃብ፡
2- ኣብ መንገዲ ሰባትን ህዝባዊ ቦታታትን ምሻን ምዉጋድ፡
3- ኣብ ዝዓቖረ ማይ ምሻን፡
ኣብ ሽቓቕ እንከሎኻ ክትገብሮም ዝጽልኡ ነገራት፦
1- ሽቓቕ ኣብ እትጥቀመሉ እዋን ንብልዕትኻ ብየማነይቲ ኢድካ ምሓዝ፡
2- ኢስቲንጃእን(ማይ ምትቃም) ኢስቲጅማርን (ብማይ ዘይኮነ ምጽራይ)ምግባርን ብየማን ኢድ፡
3- ኣብ እትሸነሉ እዋን ምዝራብ ይጽላእ፡ ብፍላይ ድማ ሽም ልዑል ኣላህ ምዝካር፡
ሓምሻይ፡ ፍርዲ ኢስቲንጃእን ኢስቲጅማርን ምግባር፡
ኣል-ኢስቲንጃእ፦ ካብ ክልቲኡ ኣካላት መዉጽኢታት ርስሓት ዝወጸ ነገር፡ ኣሰሩ ብማይ ምልግስ ኢዩ።
ኣልኢስቲጅማር ፦ ካብ ክልተ መዉጽኢታት ኣካላት ዝወጸ ርስሓት፡ ብዘይ ማይ፡ ከም ብእምንን መንዲልን ከተጽርዮ እንከሎኻ ኢዩ።
ቅድመ-ኩነትን ኢስቲጅማር ክትገብር እትጥቀመሎም ነገራት፡
1- ፍቑድ ክኸዉን ይግባእ፡
2- ንጹህ ክኸዉን ይግባእ፡
3_ ጽሩይ ክኸዉን ይግባእ፡
4- ዓጽሚ ወይ ፋንድያ ክኸዉን ከምዘይብሉ፡
5- ከም እቶም ሽም ልዑል ኣላህ ዝተጻሕፎም ወረቓቕቲ ዝኣመሰለ ብዝኾነ ክቡር ነገር ከይከዉን ከምዘይብሉ፡
ብኢስቲጅማር ጥራይ ጌርካ ካብ ሽቓቕ ክትወጽእ ትኽእል ኢኻ ነዘን ክልተ ቅድመ-ኩነት እንተማሊእካየን።
1- እቲ ዝወጽእ ርስሓት ካብ'ቲ ልሙድ ቦትኡ ክሓልፍ የብሉን፡
2- እቲ ኢስቲጅማር ብሰለስተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዘጽርዩ ኣእማን ክኸዉን ይግባእ፡
ሻድሻይ፡ ሕግታት ዉዱእ።
ዉዱእ ንሰለስተ ዒባዳታት(ዓይነት ኣምልኾ) ግዴታ ኢዩ፦
1- ስግዳን፡እቲ ግዴታዊ ይኹን ወይ ሱና፡
2- ቑርኣን ምሓዝ፡
3- ጠዋፍ (ዑደት ኣብ ዙርያ ካዕባ)፡
ቅድመ-ኩነት ናይ ዱዓ፡
1- እስልምና፡
2- ኣእምሮ ሙሉእ ምዃን፡
3-ኣተምዪዝ(ሕማቕን ጽቡቕን ክፈልይ ዝኽእል ቖልዓ)
4- ኣልኒያ፡ ቦታኣ ኣብ ልቢ ኮይኑ፡ ብኣፍ ምዝራባ ድማ ቢድዓ(ሓድሽ) ኢዩ፡ ኩሉ ንውዱእ ክገብር ኢሉ ዝተበገሰ፡ ኒያ ጌሩ ማለት'ዩ፡ ንናይ ውዱእ ኣካላት ክዝሕለካ ወይ ንጽርየት ኢልካ ምስ ትሕጸብ፡ ውዱእ ኣይሕሰብን ኢዩ።
5- ውዱእ ክሳብ ዝፍጸም ንኽተቋርጾ ኒያ ዘይምግባር።
6- ን ውዱእ ዘፍርስ ነገር ደዉ ክብል ክቕጽል(ክጸርይ ከምዘለዎ) ከምዘይብሉ፣ ካብ'ዚ ግን እዞም ዝስዕቡ ይፍለዩ፦ ቀጻሊ ምፍሳስ ሽንቲ ዘለዎ ሰብ፡ ከምኡ'ዉን ካብ ግዜ ጽግያታ ወጻኢ ደም ዝወጻ ጓል ኣንስተይቲ።
7- ሽንቲ ወይ ቀልቀል ንዝወጾ ቅድሚኡ(ውዱእ) ኢስቲንጃእ ወይ ኢስቲጅማር ምግባር፡
8- ማይ ንጹህን ሓላልን ክኸዉን፡
9- ማይ ናብ ቆርበት ከይበጽሕ ዝኽልክል ነገራት ምልጋስ፡
10- ወቕቲ ሰላት ምእታዉ እዚ ድማ ነቶም ቀጻሊ ውዱእ ዘፍርስ ምኽንያት ዘለዎም ይግባእ።
ናይ ውዱእ ፈርዲ(ግዴታታት)፦
1- ገጽ ምሕጻብ መድመዳን ኢስቲንሻቕን ምግባር ዉን ኣብኡ ይኣቱ፡
2_ ክልተ ኣእዳዉ ምስ ብርኪ ኢድ ምሕጻብ፡
3_ ብምልኡ ርእሲ ምድራዝ፡ ኣእዛን'ዉን ምስኡ ይኣቱ፡
4_ ክልተ ኣእጋር ምስ ዓንካር ዓንካሪት ምሕጻብ፡
5- ኣብ መንጎ ኣካላት ናይ ውዱእ ቅደም ሰዓብ ምሕላዉ፡
6- ምክትታል: ኣብ መንጎ ኣካላት ነዊሕ ምፍልላይ ክግበር ኣይግባእን፡
ኣገባብ ውዱእ፦
1- ኣል-ተስሚያህ(ቢስሚላህ ምባል)፡
2_ ክልተ ከብዲ ኢድ ሰለስተ ግዜ ምሕጻብ፡
3_ ገጽ ሰለስተ ግዜ ምሕጻብ፡ መድመዳን ኢስቲንሻቕን ምግባር ዉን ኣብኡ ይኣቱ፡
4_ ክልተ ኣእዳዉካ ክሳብ ብርኪ ኢድካ ሰለስተ ግዜ ምሕጻብ፡ መጀመርታ ብየማነይቲ ቀጺልካ ድማ ብጸጋመይቲ፡
5- ርእሲ ምስ እዝኒ ምድራዝ፡
6_ ክልተ ኣእጋር ክሳብ ዓንካር ዓንካሪትካ ሰለስተ ግዜ ምሕጻብ፡ ብየማነይቲ እግሪ ብምጅማር ብድሕሪኡ ድማ ጸጋመይቲ፡
ናይ ውዱእ መፍረሲታት፦
1- ካብ ክልተ ቦታታት መዉጽኢ ርስሓት ዝወጽእ፡ ከም ሽንትን፡ ፈስን፡ ቀልቀልን፡
2- ካብ ኣካላት ነብሲ ዝወጽእ ቡዙሕ ርኹስ (ርስሓት)፡
3- ዓቕሊ ምስኣን ብድቃስ(ሃለዋትካ ምስ ተጥፍእ) ወይ'ዉን ብኻልእ ነገራት፡
4- ንሕፍረትካ ወይ ንመቐመጫኻ (ጨርቂ ወይ ዝኮነ ከይገበርካ) ብኢድ ምሓዝ፡
5- ስጋ ግመል ምብላዕ፡
6- ካብ እስልምና ምዉጻእ ኣላህ ንዓናን ንሙስሊሚንን ካብ'ዚ የድሕነና፡
ሻዉዓይ: ንኹፍን ጀዉረብን ምድራዝ ዝምልከት ሕግታት፦
1- ኹፍ፡ ካብ ቆርበት ወይ ከምኡ መሳሊ ዝተሰርሐ ኮይኑ ኣብ እግሪ ዝልበስ ኢዩ።
2- ጀዉረብ፡ ካብ ሱፍ ወይ ጡጥ ከምኡ መሳልን ዝተሰርሐ ኮይኑ ኣብ እግሪ ዝልበስ ኢዩ።
ኣብ ልዕሊ ክልተአን ናይ ምድራዝ ቅድመ-ኩነት ዝምልከት፦
1- ውዱእ ጌሩ ምስ ወደአ ክለብሰን ከምዘለዎ፡
2- ክልተ ኣእጋር ምስ ዓንካር ዓንካሪት ዝሽፍን ክኸዉን፡
3- ጠሃራ(ንጽህና) ዘለወን ክኾና፡
4- እቲ ምድራዝ ኣብ'ቲ ተወሲኑ ዘሎ ግዜ ክኸውን ኣለዎ፡
5_ እቲ ምድራዝ ኣብ ውዱእ እምበር ኣብ ምሕጻብ ነብሲ ክኸውን ከምዘይብሉ፡
6_ እቲ ኹፍን ከምኡ ዝመሰለን ሙባሕ(ሓላል) ክኸዉን ኣለዎ፡ ብስርቂ ዝተወሰደ ወይ ንሰብኡት ሓሪር(ሃሪ) እንተኾይኑ ኣብ ልዕሊኡ ምድራዝ ኣይፍቀድን፡ ምኽንያቱ ሓራም ብዝኾነ ነገር ሩኽሳ(ፍቑድ) ስለዘይኮነ።
ግዜ ናይ ምድራዝ:
ንኣብ ዓዱ ዘሎ፡ ሓደ መዓልትን ሓደ ለይትን፡ ንገያሻይ ድማ፡ ሰለስተ መዓልቲ ምስ ለይተን።
ኣገባብ ኣደራርዛ:
ኢድካ ብማይ ኣተርኪስካ፡ ብላዕለዋይ ናይ'ቲ ካልሲ ወይ ኹፍ፡ ካብ ጫፍ ኣጻብዕቲ እግርኻ ክሳብ ዓንካር ዓንካሪትካ ሓደ ግዜ ትደርዝ።
ምድራዝ ዘባላሽው ነገራት:
1- እቲ ናይ ምድራዝ ግዜ ምስ ዝዉዳእ፡
2- ንክልቲአን ካልሲታት ወይ ሓንቲ ምስ ተዉጽእ፡
3- እቲ ነብሲ ምሕጻብ ዘገድድ ነገር ምስ ዘጋጥም፡
ኣብ ልዕሊ ኹፍ ምድራዝ እንታይ ፍርዱ:
ካብ ዝተዋህበ ፍቓድ ኮይኑ፡ እቲ ዝበለጸ ኹፍ ናቱ ኣዉጺኡ ዝሓጸበ ዝገበሮ ኮይኑ(ነቢ) ፡እዚ ድማ በቲ ፍቓድ ልዑልን ዕዙዝን ኣላህን በቲ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ተመሪሕካ ምኽታልን ከምኡ'ዉን ነቶም ሙብተዲዓ (ኣብ ሃይማኖትሓዲሽ መሃዝቲ) ኣንጻር ምኻድን ኢዩ።
3_ ኣብ ልዕሊ ጀባኢር፡ ዓሳኢብ፡ ሉሱቕ ምድራዝ፡
ጀባኢር: ካብ ጆሶ: ዕንጨይትን ንዕኡ ዝመስለን ኣብ ዝተሰበረ ኣካል ዝእሰር ኢዩ።
ኣልዓሳኢብ፦ ካብ ጨርቅን ከምኡ ዝኣመሰለን ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ቁስሊ፡ ዝድረብ፡ ወይ ኣብ ዝነደደ ኣካልሓ ዝእሰር ኢዩ።
ልሱቕ:_ ንምፍዋስ ኣብ ቁስሊ ወይ ንዕኡ ዝመሰለ ዝልጠፍ ፕላስቲክ ነገር ኢዩ።
ብዛዕባ ፍርዲ ምድራዝ ኣብአን:
ፍቑድ ኢዩ፦ ግን እቲ ፕላስተር ምልጣፍ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ግዜን ካብ'ቲ ዘድሊ ቦታ ንላዕሊ ክሓልፍ የብሉን።
እቲ ጥቕሙ(ኣገልግሎቱ ምስ ኣብቀዐ) ምስ ተወድአ፡ ወይ ድማ ምዉጻኡ ጸገምን ጉድኣትን ዘየስዕብ እንተኾይኑ ኣብ ልዕሊኡ ምድራዝ ኣይፍቀድን ኢዩ።
ኣገባብ ኣደራርዘአን:
ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ምሕጻብ፡ ኣብ ልዕሊኣ ድማ ብኹሉ ሸነኻት ምድራዝ። እቲ ካብ ናይ ውዱእ ቦታ ዝዛየደ ኣይድረዝን ኢዩ።
ሻምናይ: ፍርዲ ናይ ተየሙም :
ተየሙም፦ ንጠሃራ(ንጽህና) ኢልካ ብምሕሳብ ብፍሉይ ኣገባብን ገጽን ክልተ ኣእዳዉን ብሓመድ ምድራዝ'ዩ።
ፍርዱ:
ማይ ዝሰኣነሉን ወይ ምጥቓሙ ኣብ ዝጽገመሉ እዋን፡ ኣብ ክንዲ ውዱእን ምሕጻብን ተየሙም ይግበር።
ንምንታይ ኢሉ ጥበብ ዝተፈቐደሉ ምኽንያት:
ተየሙም ካብ ፍሉያት ባህርያት ኡማ(ህዝቢ) ናይ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኢዩ። ኣብቶ'ም ዝሓለፉ ህዝብታት ፍሉጥ ኣይነበረን።ካብ ኣላህ ኣብ ልዕሊ እዚ ኡማ(ህዝቢ) ዝተገብሮ ምቅላልን ፍሉይ ዕድልን ኢዩ።
ማዓስ'ዩ'ኸ ተየሙም ክትገብር ዝፍቀደካ፦
1- ኣብ ዓዱ ይኹን ኣብ መገሻ ሃሊዩ ማይ ደልዩ ምስዘይረክብ፡
2- ምስኡ ዘሎ ማይ ንምስታይ ወይመግቢ ንምኽሻን ዘድልዮ እንተኾይኑ፡ በቲ ማይ ንንጽህና(ውዱእ) እንተተጠቒሙሉ ንርእሱ ጽምኢ ከይረኽቦ፡ ወይ ንኻልኦት ህይወቶም ክቡር ዝኾኑ ደቂ ሰባት ወይ እንስሳታት ከየጽምኦም እንተፈሪሑ።
3- ማይ ምጥቓሙ ብሰንኪ ሕማሙ ንሰብነቱ ከይጎድኦ ወይ ከኣ ምሕዋዩ ከይድንጉዮ እንተፈሪሑ።
4- ብሕማም ምኽንያት ምንቅስቓስ ስኢኑ ማይ ክጥቀም እንተዘይክኢሉ፡ ውዱእ ዘግብሮ ሰብ ድማ እንተዘይብሉ፡ ግዜ ስግዳን ከይሓልፎ ዉን እንተፈሪሑ።
5- ማይ ብምጥቃም ቁሪ እንተፈሪሑ፡ ዘሙቐሉ ነገር ድማ እንተስኢኑ፡ ተየሙም ጌሩ ይሰግድ።
ኣገባብ ኣጠቓቕማ ተየሙም፦
ኣጻብዕትኻ ብምፍንታት ብኽልተ ኣእዳዉካ ናብ ሓመድ ብምህራም፡ ድሕሪኡ ብኣጻብዕትኻ ገጽካ ትደርዝ፡ ብኸብዲ ኢድካ ድማ ንኽልተ ኣእዳዉካ ትደርዞ፡እቲ ምድራዝ ድማ ንምሉእ ገጽን ክልተ ኣእዳዉን ዘጠቓለለ ክኸዉን ኣለዎ።
ን ተየሙም ዘበላሽው ነገራት፦
1- ማይ ስኢኑ ተየሙም ዝገበረ እንተኾይኑ ፡ማይ ምርካብ የበለሽወሉ። እቲ ተየሙም ብምኽንያት ክእለት ምስኣን ተየሙም ዝገብር ዝነበረ፡ ማይ ክጥቀም እንተኽኢሉ ተየሙም የበላሽዎ።
2- ብሓደ ካብ'ቶም ንውዱእ ዘበላሹዎ ነገራት ምስ ዝርከብ፡ ወይ ድማ ብሓደ ካብ'ቶም ንምሕጻብ ዘገድዱ ነገራት ከም ምስ መጻምድትኻ ስጋዊ ርክብ ምፍጻም፡ወይ ኣብ ግዜ ጽግያትን ሕርሲን ዝወጽእ ደም ንተየሙም የበላሽዎ።
ፍርዲ ናይ'ቲ ማይን ተየሙምን ምጥቓም ክእለት ዘይብሉ ሰብ:
ሓደ ሰብ ማይን ሓመድን እንተሰኢኑ፡ ወይ ድማ ቆርበቱ ብማይ ይኹን ብሓመድ ክትንክፍ ናብ ዘይክእለሉ ኩነታት እንተበጺሑ፡ ብዘይ ውዱእን ተየሙምን ከም'ቲ ዘለዎ ኩነታት ክሰግድ ይግባእ። ምኽንያቱ ኣላህ ንነብሲ ልዕሊ ዓቕማ ኣየገድዳን ኢዩ። ድሕሪኡ ማይን ሓመድን እንተረኺቡ ወይ ድማ ክጥቀመሎም እንተኽኢሉ፡ ነቲ ዝሰግዶ ዝነረ ኣይደግሞን ኢዩ።ምኽንያቱ ነቲ ዝተኣዘዞ ብግቡእ ፈጺምዎ ዝለዝኾነ። ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፡
﴿...فَٱتَّقُواْ ٱللَّهَ مَا ٱسۡتَطَعۡتُمۡ...﴾
{...ንኣላህ ብዝከኣልኩም መጠን ፍርሕዎ...} [ኣተቓቡን:16] ከም'ቲ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ፡
«إِذَا أَمَرْتُكُمْ بِأَمْرٍ فَأْتُوا مِنْهُ مَا اسْتَطَعْتُمْ».
«ሓደ ነገር ምስ ዝእዝዘኩም፡ ካብኡ ዝከኣልኩም ግበሩ»11።
ጠቓሚ ሓበሬታ፡ንጀናባ ተየሙም ጌሩ ዝጸንሐ፡ ማይ ምስ ረኸበ፡ ይሕጸብ።
ታሽዓይ፦ፍርዲ ናይ ጽግያትን ኒፋስን፡
ቀዳማይ፦ ጽግያት፡
ካብ ዕምቆት ማህጸን ኣብ ፍሉጣት እዋናት ዝወጽእ ባህርያዉን ንቡርን ደም ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሽዱሽተ ወይ ሸዉዓተ መዓልታት ይመጽእ፡ክዉስኽ ወይ ክንኪ’ዉን ይኽእል ኢዩ። ወርሓዊ ዑደት ደም ኣብ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ይነዉሕን ይሓጽርን ኢዩ፡ እዚ ድማ በቲ ልዕል ኣላህ ዝፈጠሮ ባህርያዊ ኣቃውማ መሰረት ኢዩ።
ፍርዲ ናይ ጽግያት፦
1- ጽግያት ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ኣይትሰግድን ኣይትጸዉምን ኢያ፡ከምኡ እንተጌራ ዉን ተቐባልነት የብሉን።
2- ጓል ኣንስተይቲ ካብ ጽግያታ ምስ እትጸርይ፡ ንጾም ትቐዲ(ትትክኦ)፡ ንስግዳን ግን ኣይትትክኦን ኢያ።
3- ንካዕባ ጠዋፍ(ምኹላል) ኣይፍቀደላን ኢዩ፡ ከምኡ'ዉን ቑርኣን ኣይቕራእን፡ ኣብ መስጊድ'ዉን ኮፍ ኣይትብልን፡ 4- ንበዓል ቤታ ኸኣ፡ እቲ ናይ ጽግያት ደም ደዉ ክሳብ ዝብልን ነብሳ ክሳብ እትሕጸብን ምስኣ ስጋዊ ርክብ ክፍጽም ክልኩል ይኾኖ።
5- ንሰብኣያ ነታ ጽግያት ዘለዋ ሰበይቱ፡ ብዘይካ ስጋዊ ርክብ ምግባር፡ካልእ ከም ምስዓምን ምትንኻፍን ዝኣመሰለ ተግባራት ምስኣ ክተሓጓጎስ ይፍቀደሉ።
6- በዓል ቤታ ኣብ እዋን ሓይድ ከላ ክፈትሓ ክልክል ኢዩ።
ምጽራይ ማለት ደም ደዉ ምባል ኢዩ። ደም ደዉ ምስ በለ ድማ፡ ጸርያ ማለት ኮይኑ፡ ናይ ጽግያት ግዜኣ'ዉን ተወዲኡ ኢዩ። በዚ ድማ ነብሳ ክትሕጸብ ግዴታ ይኾና። ብድሕር'ዚ፡ ነቲ ብምኽንያት ጽግያት ተኸልኪላቶ ዝነበረት ትቕጽሎ።
ብድሕሪ ጽርየታ፡ ደመናዊ ወይ ቢጫ ሕብሪ ዘለዎ ፈሳሲ እንተ ርእያ፡ ግምት ክትህቦ የብላን።
2ይ- ኒፋስ(ድሕሪ ምዉላድ ዝመጽእ ደም)፡
እዚ እቲ ማህጸን ኣብ ግዜ ወሊድን ድሕሪኡን ዘፍስሶ ደም ኮይኑ፡ እቲ ኣብ እዋን ጥንሲ ተዓጊቱ ዝጸንሐ ዝተረፈ ደም ኢዩ።
ኣብ ኒፋስ፡ ኣብ ዝፍቀድ ነገር ልክዕ ከም ጽግያት ኢዩ፡ ካብ ጾታዊ ርክብ ወጻኢ ምስኣ ደስታኣ ከተስተማቕር ትኽእል።
ሓራም ብዝኾነ ነገር ድማ፡ከም ስጋዊ ርክብ ምፍጻም፡ ጾም ምጻም፡ ሰላት ምስጋድ፡ ፍትሕ ምፍጻም፡ ጠዋፍ ምግባር፡ ቑርኣን ምቕራእን ኣብ መስጊድ ምጽናሕን ዝኣመሰሉ ኢዮም። ደማ ደዉ ኣብ ዝበለሉ እዋን፡ልክዕ ከም'ታ ኣብ ጽግያት ዘላ ጓል ኣንስተይቲ ምሕጻብ ግዴታኣ ኢዩ።
ጾም ክትቀዲ(ክትትክእ) ግዴታ ይኸውን፡ ንሰላት ግን ልክዕ ከም ናይ ጽግያት ዘለዋ ኣይትትክኦን ኢያ።
እቲ ዝበዝሐ ግዜ ዝጸንሓሉ ኣርባዓ መዓልቲ ኢዩ፡ ሓንቲ ሓራስ ቅድሚ ኣርባዓ መዓልቲ ደማ ምስ ዝቋረጽ፡ እቲ ናይ ድሕሪ ሕርሲ ደም ዝመጻላ ግዜ ተወዲኡ ማለት ስለዝኾነ፡ ነብሳ ተሓጺባ ክትሰግድን፡ ነቶም ብሰንኪ እቲ ደም ተኸልኪላ ዝነበረቶም ነገራት ክትጅምርን ይግባእ።
2ይ ምዕራፍ: ሰላት(ስግዳን):
ቀዳማይ: ፍርዲ ናይ አዛንን(ናይ ስግዳን ጻዊዒት) ኢቓማን:
ኣዛን ኣብ ቀዳመይቲ ዓመተ-ሂጅራ ጸዲቑ፡ ኣዛን ዝጸደቐሉ ምኽንያት ከኣ፡ እዋናት ሰላት ምፍላጥ ምስ ከበዶም፡ ንዕኡ ዝኸዉን ምልክት ንምስራዕ ተማኸሩ፡ ንዓብዲላህ ኢብን ዘይድ ረዲየላሁ ዓንሁ እዚ ኣዛን እዚ ኣብ ሕልሚ ተራእይዎ፡ መልእኽቲ ናይ ኣላህ ድማ ኣጽዲቕዎ።
ኣዛን ማለት፡ ናይ ሰላትግዜ ከም ዝኣተወ ምፍላጥ ኢዩ። ኢቃማ ድማ፦ ስግደት ከምዝተጀመረ ንምፍላጥ ዝግበር መዘክር ኢዩ።
ኣዛንን ኢቃማን ን ናይ ግዴታዉያን ሰላት ኣብ ልዕሊ ጀማዓ(እኩባት) ደቂ ተባዕትዮ ፈርዲ ኪፋያ(ሓደ እንተፈጺምዎ ንኹሉ እኹል) ኢዩ፡ ንሳተን ድማ ካብ'ቲ ግሉጻት መለለይታት እስልምና ኢየን እሞ ምትራፈን ድማ ኣይፍቀድን ኢዩ።
ቅድመ-ኩነት ናይ ኣዛን:
1- እቲ ሙኣዚን ወዲ ተባዕታይ ክኸዉን፡
2- እቲ ኣዛን ስርዓቱ ዝሓለወ ክኸዉን፡
3- ኣዛን ተኸታታሊ ክኸዉን፡
4- ኣዛን ድሕሪ ግዜ ሰላት ምእታው፡ ናይ ፈጅርን ጁምዓን ቀዳማይ ኣዛን ግን ካብ'ዚ ወጻኢ ኢዩ።
ናይ ኣዛን ሱናታት:
1- ክልተ ኣጻብዕትኻ ኣብ ክልተ ኣእዛንካ ምሓዝ፡
2- ኣዛን ኣብ መጀመርታ ሰዓቱ ምእዛን፡
3- ምስ ሓይዓለተይን ናብ የማንን ጸጋምን ሙዛር፡
4- ኣዛን ዝገብር በዓል ጥዑም ድምጺ ክኸዉን፡
5- ንቓላት ኣዛን ርግእ ኢልካ ፡ ብዘይ ምዉጣጥን ካብ መጠን ንላዕሊ ምንዋሕን፡
6- ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምሉእ ሓሳባት ምዕራፍ፡
7- ኣብ እዋን ኣዛን ኣንፈትካ ናብ ቒብላ ምግባር፡
ኣዛን፡ ከም'ቲ ቢላል ረዲየላሁ ዓንሁ ኣብ ቅድሚ ረሱል ኣላህ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኩሉ ግዜ ዝብሎ ዝነበረ፡ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሓሳባት ኢይን።
ቃላት ኣዛን:
"ኣላሁ ኣክበር "ኣርባዕተ ግዜ
"ኣሽሃዱ ኣን ላኢላሃ ኢለላህ": ክልተ ግዜ።
"ኣሽሃዱ ኣና ሙሓመደን ረሱሉላህ"፡ ክልተ ግዜ።
"ሐየ ዓላ ሰላት"፦ ክልተ ግዜ
(ሐይ ዓላ ኣልፈላሕ): ክልተግዜ ይብል
ብድሕሪኡ ክልተ ግዜ "ኣላሁ ኣክበር" ይብል
ድሕሪኡ ብ "ላኢላሃ ኢለሏህ"ይዛዝም፡ሓደ ግዜ።
ኣብ ፈጅሪ(ወጋሕታ) ድማ ድሕሪ ሓየ ዓለል ፈላሕ፡ "ኣሰላት ኸይሩን ሚነ ኖም" ክልተ ግዜ ይዉስኽ። ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ሰባት ዝድቅሱሉ ግዜ ስለ ዝኾነ።
ኢቓማ ድማ ዓሰርተ ሓደ ሓሳባት ኮይኑ፡ ብቕልጣፈ ኢዩ ዝበሃል፡ምኽንያቱ ነቶም ንስግዳን ዝተኣከቡ ንምፍላጥ ስለ ዝኾነ፡ ምምጣጥ ኣየድልን ኢዩ።
ኣበሃህላኣ ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፦
"ኣላሁ ኣክበር" ክልተ ግዜ
"ኣሽሃዱ ኣን ላኢላሃ ኢለላህ"ሓደ ግዜ።
"ኣሽሃዱ ኣና ሙሓመደን ረሱሉላህ" ሓደ ግዜ።
"ሓየ ዓላ ሰላት"ሓደ ግዜ።
"ሓየ ዓላ ኣልፈላሕ": ሓደ ግዜ
"ቐድ ቓመቲ-ሰላት"ክልተ ግዜ።
"ኣላሁ ኣክበር" ክልተ ግዜ
"ላኢላሃ ኢለላህ" ሓንቲ ግዜ።
ኣዛን ንዝሰምዐ ሰብ፡ ልክዕ ከም'ቲ ሙኣዚን ዝብሎ ክብል ፍቱዉ ኢዩ፡ ብዘይካ ኣብ (ሓየዓለሰላትን)ን (ሓየዓለልፈላሕ)ን፡ (ላሓወላ ወላቑወተ ኢላ ቢላህ) ይበል። ድሕሪኡ ንነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ሰለዋት ይገብር። ብድሕሪኡ ኸኣ ከም'ዚ ይበል:
«اللهمَّ رَبَّ هَذِهِ الدَّعْوَةِ التَّامَّةِ، وَالصَّلَاةِ القَائِمَةِ، آتِ مُحَمَّدًا الوَسِيلَةَ وَالفَضِيلَةَ، وَابْعَثْهُ مَقَامًا مَحْمُودًا الَّذِي وَعَدْتَهُ، إِنَّكَ لَا تُخْلِفُ الْمِيعَادَ».
« ኣላሁመ ረበ ሃዚሂዳዕወቲ ኣታመቲ ወሰላቲል ቓኢማህ ኣቲ ሙሓመደን ኣልወሲለታ ወልፈዲላህ ወብዓስሁ መቓመን ማሕሙደን ኣለዚ ወዓድተህ፡ ኢነከ ላ ቱኽሊፉል ሚዓድ»12.
ከምኡ'ውን ከም'ዚ ይብል:-
«رَضِيتُ بِاللَّهِ رَبًّا، وَبِالْإِسْلَامِ دِينًا، وَبِمُحَمَّدٍ ﷺ نَبِيًّا».
«ረዲቱ ቢላሂ ረበን ወቢልኢስላሚ ዲነን ወቢ ሙሓመዲን ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ነቢያ»13.
ድሕሪ ኣዛን ብዘይ ሸሪዓዊ ምኽንያት ወይ ናይ ምምላስ ኒያ ዘይብልካ ካብ መስጊድ ምዉጻእ ሓራም ኢዩ።
ክልተ ሰላታት ብሓደ ኣብ ዝስገደሉ እዋን፡ ሓደ ኣዛንን ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰላት ድማ ኢቓማ ይግበር።
ካልኣይ፦ ናይ ሰላት(ስግዳን) ክብረታን ብልጸታን፦
ሰላት (ስግዳን) ድሕሪ'ተን ክልተ ሸሃዳ፡ ካብ ዓንድታት እስልምና እቲ ዝጸንዐ ዓንዲ ኢዩ። ንዓኣ'ዉን ፍሉይ ክብረት ኣለዋ፡ ኣብ'ታ ናይ ሚዕራጅ (ነቢ ናብ ሰማይ ዝዓለገሉ ተኣምራዊ ለይቲ) ለይቲ ኣብ ሰማይ ድማ፡ ኣላህ ንልኡኹ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ግዴታ ዝገበረላ ግዜ ኮይና። እዚ ድማ ነቲ ዕብየታን ክብረታን ጽኑዕ ግዴታ ምዃናን የረጋግጸልና።ኣብ ልዑል ኣላህ ዘለዋ ቦታ ድማ የመልክት።
ከምኡ'ዉን ብርግጽ ብዛዕባ ብልጸታን ኣብ ንነፍሲ ወከፍ ግዴታ ምዃናን ብዙሓት ኣሓዲስ(መምርሒ መንገዲ) ዝመጽ ኣለዋ፡ ግድን ምዃና ኣብ ሃይማኖት እስልምና ዝፍለጥን ዝኾነ ዘይስሕቶን ኢዩ።
ግዴታዊትን ኣገዳሲትን ምዃና ዘረጋግጹልና ካብ ኪታብ (ቕዱስ ቑርኣን)ን ሱናን ብዙሓት መርትዖታት ኣለው፡ ካብኣቶም ድማ፡-
1-ልዑል ኣላህ ዝበሎ:፡
﴿...إِنَّ ٱلصَّلَوٰةَ كَانَتۡ عَلَى ٱلۡمُؤۡمِنِينَ كِتَٰبٗا مَّوۡقُوتٗا﴾
{...ብርግጽ ሰላት ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ግዜኣ ዝሓለወት ግዴታ ዝኾነት ኢያ} [ኣልኒሳእ፡103] እዚ ማለት ኣብ'ቲ ልኡኽ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝወሰኖ ግዜታት ግዴታ ኢያ።
2- ከምኡ'ዉን ልዕል ኣላህ ከም ዝበሎ፡
﴿وَمَا أُمِرُوا إِلَّا لِيَعْبُدُوا اللَّهَ مُخْلِصِينَ لَهُ الدِّينَ حُنَفَاءَ وَيُقِيمُوا الصَّلَاةَ...﴾
{እቶም ዝኸሓዱ ድማ ንኣላህ ብንጽሕና ክግዝእዎን ካብ ኩሉ ሃይማኖታት ናብ እስልምና ክዝንብሉን ሰላቶም ከቑሙን ተኣዚዞም...} [ኣል በይናህ:5]
3- ከምኡ'ዉን ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡
﴿فَإِنْ تَابُوا وَأَقَامُوا الصَّلَاةَ وَآتَوُا الزَّكَاةَ فَإِخْوَانُكُمْ فِي الدِّينِ...﴾
{እንተ ድኣ ተናሲሖም፡ ሰላት'ዉን እንተኣቒሞም፡ ዘካት'ዉን እንተኣዉጺኦም፡ ብሃይማኖት ኣሕዋትኩም ኢዮም...} [ኣተዉባ: 11]።
4- ካብ ጃቢር ኣብ ዝተወረየ ረዲየላሁ ዓንሁማ ልኡኽ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኢሉ:
«إِنَّ بَيْنَ الرَّجُلِ وَبَيْنَ الشِّرْكِ وَالْكُفْرِ تَرْكُ الصَّلَاةِ».
«ኣብ መንጎ ሓደ ሰብን፡ ሽርክን ኩፍርን ዘሎ ፍልልዮም፡ ሰላት ምግዳፍ ኢዩ»14።
5- ቡረይዳ ኣላህ ይፍተወሉ ይብል ልኡኽ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኢሉ:
«العَهْدُ الَّذِي بَيْنَنَا وَبَيْنَهُمُ الصَّلَاةُ، فَمَن تَرَكَهَا فَقَدْ كَفَرَ».
«እቲ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኦምን ዘሎ ቃልኪዳን (ፍልልይ) ሰላት ኢዩ፡ንዓኣ ዝገደፋ ኸኣ ከፊሩ(ክሒዱ)ኣሎ።»15
እቶም ዑለማእ(ምሁራት እስልምና) ድማ፡ግድነት ምኻናን ንዓኣ ዝኸሓደ ሰብ ድማ እስልምና ከም ዝኸሓደ ከምዝኸዉን ተሰማሚዖም። እቲ ብትህኪትን ብሸለልትነትን ዝገድፋ ሰብ ግን፡ እቲ ዝሓሸ መርትዕኣዊ ርእይቶ ከምዘኽሓደ ኢዩ ዝሕሰብ። መርትዖኡ ድማ እቲ ቀዲሙ ዝተቐሰ ሰሒሕ ሓዲስን ናይ ሰሓባ ስምምዕን (ኢጅማዕ) ኢዩ።
ሳልሳይ: ናይ ሰላት ቅድመ-ኩነት:
1- ግዜ ምእታዉ፡
ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፡
﴿...إِنَّ ٱلصَّلَوٰةَ كَانَتۡ عَلَى ٱلۡمُؤۡمِنِينَ كِتَٰبٗا مَّوۡقُوتٗا﴾
(... ብርግጽ ሰላት ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ግዜኣ ዝሓለወት ግዴታ ዝኾነት ኢያ) [ኣልኒሳእ]። ኣብ ዝተወሰኑ ግዜታት ግዴታ ኢያ ማለት'ዩ።
ናይ'ተን ግዴታ ዝኾና ሰላት ግዜአን ከም'ዚ ዝስዕብ ይመስል፦
ሀ- ኣልፈጅር:- ካብ ብርሃን ፈጅሪ(ወጋሕታ) ምዉጻእ ክሳብ ምዉጻእ ጸሓይ ዘሎ ግዜ።
ለ- ኣዙህር(ቀትሪ)፡ ካብ ምዝንባል ጸሓይ ክሳብ ጽላሎት ነፍሲ ወከፍ ነገር ማዕረ እቲ ነብሱ ዝኸዉን።
መ: ኣልዓስር(ድሕሪ ቀትሪ): ናይ ዙህሪ ግዜ ካብ ዝውዳእ ጀሚሩ ክሳብ ጸሓይ ብጫ እትኾነሉ እዋን። ኣብ ግዜ ኣጋጣሚታት(ሓደ ሰብ ብዑዝር ምስ ዝዱንጉይ) ድማ ክሳብ ጸሃይ ትዓርብ ኢዩ።
ሐ: ኣልመቕሪብ(ዕራርቦ): ካብ ጸሓይ ምዕራብ ክሳብ ናይ ዓራርቦ ዘሎ ቀይሕ ሕብሪ ዝጠፍእ።
ሰ- ኣልዒሻእ(ድሕሪ ዕራርቦ ዘሎ ክፍለ-ግዜ ናይ ለይቲ): ካብ ግዜ መቕሪብ ምዉጻእ ጀሚሩ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ዘሎ ግዜ።
2- ሕፍረትካ ምሽፋን:
ንሱ ድማ እቲ ክሽፈን ዝግባእ፡ክርአ እንከሎ ዘጸይፍን፡ ዘሐፍርን ብሕታዊ ኣካል ኢዩ። ዓዉራ(ሕፍረት) ናይ ወዲ ተባዕታይ ካብ ሕምብርቲ ክሳብ ብርኪ ኢዩ። ንጓል ኣንስተይቲ ድማ፡ ኣብ ሰላት ብዘይካ ገጻ ኩሉ ነብሳ ዓዉራ(ሕፍረት) ኢዩ። ገጻ ኣብ ቅድሚ ክርእይዋ ዘይፍቀዶም ደቂ ተባዕትዮ እንተሃልያ ክትሽፈን ይግባእ።
3- ካብ ነጃሳ ምርሓቕ:
ነጃሳ ማለት፡ፍሉይ ርኹስ ርስሓት ኮይኑ፡ እቲ ርስሓቱ ንሰላት ይኽልክል፡ ከም ሽንቲ፡ ቀልቀል፡ ደምን ካልእን ኣብ ነብስን ዝስግደሉ ቦታን ክዳንን ዝርከብ ኢዩ።
4- ናብ ቒብላ(ካዕባ) ኣንፈትካ ምግባር:
ኣልቒብላ ማለት እታ ክብርቲ ካዕባ ኢያ። ቒብላ ተባሂላ እትጽዋዓሉ ምኽንያት ድማ ሰባት ኣብ ግዜ ሰላት ናብኣ ኣንፈቶም ስለዝገብሩ ኢዩ።
ናብ ቒብላ ኣንፈትካ እንተዘይጌርካ ሰላት ተቐባልነት የብሉን። ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ:
﴿...وَحَيۡثُ مَا كُنتُمۡ فَوَلُّواْ وُجُوهَكُمۡ شَطۡرَهُ...﴾
{...ኣብ ዝሃለኹም ሃለኹም ኣንፈትኩም ናብኡ ገጽኩም ግበሩ...} [ኣልበቐራ: 144]
5- ኣልኒያ:
ብቛንቋ ሓሳብ ማለት ክኸውን ከሎ፡ ብሸሪዓ ድማ ናብ ልዑል ኣላህ ንምቕራብ ኢልካ ንኣምልኾት ዝግበር ቁርጺ ሓሳብ ኢዩ። ቦታኣ ኣብ ልቢ ኢዩ፡ ብቓል ምዉጽኣ(ምዝራብ) ድማ ኣየድልን፡ እኳ ደኣ ቢድዓ (ሓዲሽ ነገር ዘየለ ኣብ እስልምና ምፍጣር) ኢዩ።
ራብዓይ፦ ዓንድታት ናይ ሰላት:
ንሰን ድማ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓንዲ ኢየን፦
ቀዳማይ ዓንዲ፦ ደዉ ኢልካ ምስጋድ(ንዝኽእል) ።
ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፡
﴿...وَقُومُواْ لِلَّهِ قَٰنِتِينَ﴾
{...ንኣላህ ተኣዘዝቲ ኴንኩም ደዉ በሉ}። [ኣልበቐራ፡238] ሓዲስ ዒምራን ረዲየላሁ ዓንሁ ካብ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝወሰዶ፡
«صَلِّ قَائِمًا، فَإِن لَمْ تَسْتَطِعْ فَقَاعِدًا، فَإِن لَمْ تَسْتَطِعْ فَعَلَى جَنْبٍ».
«ደዉ ኢልካ ስገድ፡እንተ ዘይከኣልካ ኮፍ ኢልካ፡ እንተ ዘይከኣልካ ኸኣ ንጎኒ ኴንካ ደቂስካ ስገድ»16።
ብሰንኪ ሕማም ደዉ ምባል እንተ ዘይክኢሉ፡ ኮፍ ኢሉ ወይ ድማ ብጎኒ ደቂሱ ይስግድ። ከም ንዝሓመመ: ዝፈርሐ: ዕሩቕ: ከምኡ'ዉን ኮፍ ክብል ወይ ደዉ ክብል ኣብ ዝግደደሉ ኩነታት ከም ኣብ ሕክምና ምስዝህሉ ከምኡ ክገብር ምስ ዝሕብርዎ። ከምኡ'ዉን፡ ብድሕሪ እቲ ቀዋሚ ወትሩ ዘስግድ ኢማም ደዉ ክብል እንተዘይኪኢሉ ብድሕሪኡ ዝሰግዱ ኮፍ ኢሎም ንኢማም ተኸቲሎም ክሰግድ ዑዝር(ምኽንያት) ይኾኖም ። ናይ ነዋፍል(ብወለንታዊ ትሰግዶ) ሰላት፡ ደዉ ንምባል ክእለት እናሃለወካ'ዉን ኮፍ ኢልካ ምስጋድ ይፍቀድ ኢዩ። እንተኾነ ግን ዓስቡ፡ ከም ናይ'ቲ ደዉ ኢሉ ዝሰገደ ኣይከውንን ኢዩ።
ካልኣይ ዓንዲ፦ ኣብ መጀመርታ ተክቢረተል ኢሕራም።
ከም'ቲ ነቢ ሰሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ:
«ثُمَّ اسْتَقْبِلِ الْقِبْلَةَ، وَكَبِّرْ».
«ብድሕሪኡ ናብ ቒብላ ኣንፈትካ ጌርካ ፡"ኣላሁ ኣክበር በል"17።
ኣባሃህላኣ ድማ "ኣላሁ ኣክበር" ምባል ኮይኑ፡ ካብኣ ወጻኢ ካልእ ኣይፍቅድን ኢዩ።
ሳልሳይ ዓንዲ: ኣልፋቲሓ ምቕራእ:
ከም'ቲ ሰለለኣሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ:
«لَا صَلَاةَ لِمَنْ لَمْ يَقْرَأْ بِفَاتِحَةِ الْكِتَابِ».
"ኣልፋቲሓ ዘይቐረአ ሰላት የብሉን።"18
ራብዓይ ዓንዲ: ኣብ ኩሉ ረክዓ(ክፍሊ ሰላት) ሩኩዕ(ምጉምባሕ) ምፍጻም።
ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ:
﴿يَاأَيُّهَا الَّذِينَ آمَنُوا ارْكَعُوا وَاسْجُدُوا...﴾
{ኦ ኣንቱም ዝኣመንኩም፡ ርኩዕን ስጁድን (ኣብ መሬት ብገጽኩም ዉረዱ)ግበሩ...} [ኣል ሓጅ:77]
ሓምሻይን ሻድሻይን ዓንድታት:
ካብ ሩኩዕ ሓፍ ምባልን ከምኡ'ዉን ከም'ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ትኽ ኢልካ ደዉ ምባልን፡ ምኽንያቱ ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም የዘዉትሮ ስለ ዝነበሩ ኢዩ።
ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ነቲ ኣብ ሰላቱ ዝጋገ ዝነበረ ከም'ዚ ኢልዎ:
«ثُمَّ ارْفَعْ حَتَّى تَعْتَدِلَ قَائِمًا».
«ድሕሪኡ፡ ሓፍ በል ክሳብ ኣቓዉማኻ ትኽ ትብል»19።
ሻዉዓይ ዓንዲ : ብሸዉዓተ ኣካላት ሱጁድ ምግባር:
ንሳተን ድማ ግንባር ምስኡ'ዉን ኣፍንጫ፡ ክልተ ኣእዳዉ፡ክልተ ኣብራኽን ኣጻብዕቲ ናይ ክልተ ኣእጋርን፡ ከም'ቲ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ፡
«أُمِرْنَا أَنْ نَسْجُدَ عَلَى سَبْعَةِ أَعْظُمٍ: الجَبْهَةِ، وَأَشَارَ بِيدِهِ عَلَى أَنْفِهِ، وَالكَفَّيْنِ، وَالرُّكْبَتَيْنِ، وَأَطْرَافِ القَدَمَيْنِ».
«ብሸዉዓተ ኣካላት ሱጁድ ክንገብር ተኣዚዝና: ግንባር ብኢዱ ናብ ኣፍንጭኡ’ውን ኣመልኪቱ ክልተ ኣእዳዉን: ክልተ ኣብራኽን ጫፍ ናይ ክልተ ኣእጋርን»20.
ሻሙናይ ዓንዲ: ካብ ሱጁድ ሓፍ ምባልን ኣብ ሞንጎ ክልተ ሱጁድ ኮፍ ምባልን:
ኣብ ሓዲስ ዓኢሻ ዝመጸ ረዲየላሁ ዓንሃ:
«كَانَ النَّبِيُّ ﷺ إِذَا رَفَعَ رَأْسَهُ مِنَ السَّجْدَةِ، لَمْ يَسْجُدْ حَتَّى يَسْتَوِيَ جَالِسًا».
«ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ርእሱ ካብ ሱጁድ ሓፍ ምስ በለ፡ ጽቡቕ ጌሩ ኮፍ ክሳብ ዝብል ሱጁድ ኣይወርድን ነበረ።»21
ታሽዓይ ዓንዲ፦ ኣብ ኩሎም ዓንድታት ምርግጋእ ክህሉ።
ንሱ ድማ፡ ዋላ ንእሽተይ እኳ ትኹን፡ ርግኣት ኢዩ፡ ከምቲ ነብይ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ነቲ ኣብ ሰላቱ ዘጕደለ ሰብኣይ ዝበሎ፦
«حَتَّى تَطْمَئِنَّ».
«ክሳዕ እትረጋጋእ»22።
እተን ክልተ ዓንድንታት: መበሊ ዓሰርተን መበሊ ዓሰርተ ሓደን:
ናይ መወዳእታ ተሻሁድን ኮፍ ኣባህልኡን፡ ከም'ቲ ኣብቲ ብኢብን መስዑድ ረዲየላሁ ዓንሁ ካብ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ተገሊጹ ዝመጸ ሓዲስ፡
«إِذَا صَلَّى أَحَدُكُمْ فَلْيَقُلْ: التَّحِيَّاتُ لِلَّهِ وَالصَّلَوَاتُ وَالطَّيِّبَاتُ، السَّلَامُ عَلَيْكَ أَيُّهَا النَّبِيُّ وَرَحْمَةُ اللَّهِ وَبَرَكَاتُهُ، السَّلَامُ عَلَيْنَا وَعَلَى عِبَادِ اللَّهِ الصَّالِحِينَ، أَشْهَدُ أَنْ لَا إِلٰهَ إِلَّا اللَّهُ وَأَشْهَدُ أَنَّ مُحَمَّدًا عَبْدُهُ وَرَسُولُهُ».
«ሓደ ካባኻትኩም ክሰግድ እንከሎ፡ ከም'ዚ ይበል፡ ኣተሒያቱ ሊላሂ ወሰለዋቱ ወጠዪባቱ፡ ኣሰላሙ ዓለይካ ኣዩሃነቢዩ ወራሕመቱላሂ ወበረካቱሁ፡ ኣሰላሙ ዓለይና ወዓላ ዒባዲላሂ ሳሊሒን፡ ኣሽሃዱ ኣላኢላሃ ኢለላህ ወኣሽሃዱ ኣነ ሙሓመደን ዓብዱሁ ወረሱሉሁ»23.
ዓስራይ ክልተ ዓንዲ: ኣብ ናይ መወዳእታ ተሻሁድ ንነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ሰለዋት ምግባር:
ከም'ዚ ብምባል:
«اللَّهُمَّ صَلِّ عَلَى مُحَمَّدٍ».
«ኣላሁመ ሰሊ ዓላ ሙሓመዲን»24፣ ካብኡ ዝዛያዳ ምዉሳኽ ሱና ኢዩ።
መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓንዲ ፡ ኣብ መንጎ ዓንድታት ቅደም-ተኸተል ምሕላዉ፡
ምኽንያቱ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለምዓወ ብተርታ ኢዮ ዝፍጽሞ ነበሩ፡ ከምኡ'ዉን ኢሉ:-
«صَلُّوا كَمَا رَأَيْتُمُونِي أُصَلِّي».
«ከም'ቲ ኣነ ክሰግድ ዝርኣኹምኒ ጌርኩም ስገዱ»25። ከምኡ'ዉን ነቲ ሰላቱ ዘበላሸወ ሰብኣይ፡ ብስርዓት ምሂርዎ ኢዩ።
መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓንዲ፡ ኣተስሊም፡
ከም'ቲ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለምዝበሎ:
««وَخِتَامُهَا التَّسْلِيمُ».
««መዛዘሚኣ ድማ ተስሊም ኢዩ»», ከም'ዚ ምባሉ ድማ:
«وَتَحْلِيلُهَا التَّسْلِيمُ».
«ታሕሊሉሃ ድማ ተስሊም ኢዩ።»26.
ሓሙሻይ: ግዴታታት ናይ ሳላት:
ሸሞንተ ኢየን:
1- ኩለን እተን ብዘይ ናይ መእተዊ ዘለዋ ተክቢራታት፡
2- ኣብ ሩኩዕ ሓደ ግዜ «ሱብሓነ ረቢየልዓዚም» ምባል፡ ክሳብ ሰለስተ ምዉሳኽ ሱና ኢዩ፡ ንሱ ድማ ካብ'ቲ ጽቡቕ እቲ ዝወሓደ ምልኣት ኢዩ። ክሳብ ዓሰርተ፡ ንሱ ድማ ዝለዓለ ኢዩ።
3- ንኢማምን በይኑ ንዝሰግድን ካብ ሩኩዕ ክትንስእ እንከሎ "ሰሚዓላሁ ሊመን ሓሚዳህ" ምባል፡
4- ካብ ሩኩዕ ትኽ ኣብ እትብለሉ "ረበና ወለከል ሓምድ" ምባል፡
5- ኣብ ሱጁድ ሓደ ግዜ «ሱብሓነ ረበየል ኣዕላ» ምባል፡ ክሳብ ሰለስተ ምዉሳኽ ሱና ኢዩ፡
6- ኣብ መንጎ ክልተ ሱጁዳት ሓደ ግዜ "ረቢ ቕፊርሊ" ምባል፡ ክሳብ ሰለስተ ምዉሳኽ ሱና ኢዩ።
7- ናይ መጀመርታ ኣተያቱ፡ ንሱ ድማ ከም'ዚ ይብል፦
«التَّحِيَّاتُ لِلَّهِ، وَالصَّلَوَاتُ وَالطَّيِّبَاتُ، السَّلَامُ عَلَيْكَ أَيُّهَا النَّبِيُّ وَرَحْمَةُ اللَّهِ وَبَرَكَاتُهُ، السَّلَامُ عَلَيْنَا وَعَلَى عِبَادِ اللَّهِ الصَّالِحِينَ، أَشْهَدُ أَنْ لَا إِلٰهَ إِلَّا اللَّهُ وَأَشْهَدُ أَنَّ مُحَمَّدًا عَبْدُهُ وَرَسُولُهُ».
«ኣተሒያቱ ሊላሂ ወሰለዋቱ ወጠዪባቱ، ኣሰላሙ ዓለይካ ኣዩሃነቢዩ ወራሕመቱላሂ ወበረካቱሁ، ኣሰላሙ ዓለይና ወዓላ ዒባዲላሂ ሳሊሒን، ኣሽሃዱ ኣላኢላሃ ኢለላህ ወኣሽሃዱ ኣነ ሙሓመደን ዓብዱሁ ወረሱሉሁ»27
8- ንመጀመርታ ኣተሓያቱ ኮፍ ምባል፡
ሻድሻይ: ናይ ሰላት ሱናታት:
ናይ ሰላት ሱናታት ምግዳፍ ንሰላት ኣየበላሽዎን ኢዩ። ንሱ ድማ ኣብ ክልተ ምድባት ኢዩ: ቃላዊ ሱናን ተግባራዊ ሱናን።
1ይ– ናይ ቃል ሱናታት:
1_ ዱዓእ ኣልኢስቲፍታሕ(ናይ መእተዊ ጸሎት)፡ ዝተፈላለየ ኣበሃህላታት ኣለዎ፡ ካብኣቶም ድማ፡
«سُبْحَانَكَ اللَّهُمَّ وَبِحَمْدِكَ، وَتَبَارَكَ اسْمُكَ، وَتَعَالى جَدُّكَ، وَلَا إِلٰهَ غَيْرُكَ».
«ሱብሓነከ ላሁመ ወቢሓምዲካ፡ ወተባረከ ኢስሙካ፡ ወተዓላ ጀዱከ፣ ወላ ኢላሃ ቐይሩከ»28 .
2- ቅድሚ ኣልፋቲሓ ኣልኢስቲዓዛ ምባል፡ ንሱ ድማ፦ «ኣዑዙ ቢላሂ ሚነሽሸይጧኒረጂም» ምባል ኢዩ።
3- ቅድሚ ንባብ(ምቕራእ)ኣልበስመላ ምባል፡ ንሱ ድማ: «ቢስሚላሂ ራሕማኒረሒም ምባል ኢዩ።
4- ኣብ ናይ ሩኩዕን ሱጁድን ተስቢሕ ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ምዉስኽ፡
5- ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ምባል:
«رَبِّ اغْفِرْ لِي».
«ረቢ ቕፊርሊ» ኣብ ሞንጎ ክልተ ሱጁድ፡
6- ምባል:
«مَلْءَ السَّمَاوَاتِ، وَمَلْءَ الْأَرْضِ، وَمَلْءَ مَا بَيْنَهُمَا، وَمَلْءَ مَا شِئْتَ مِنْ شَيْءٍ بَعْدُ»،
«ሚልኣሰማዋቲ, ወሚልኣል ኣርዲ, ወሚልኣ ማበይነሁማ, ወሚልኣ ማሺእተ ሚን ሸይኢን ባዕዱ», ድሕሪ ምባል:
«رَبَّنَا ولَكَ الحَمْدُ».
«ረበና ወለከል ሓምድ»29።
7- ድሕሪኡ ኣልፋቲሓ ምቕራእ፡
8-ምባል:
«اللَّهُمَّ إِنِّي أَعُوذُ بِكَ مِنْ عَذَابِ جَهَنَّمَ، وَمِنْ عَذَابِ الْقَبْرِ، وَمِنْ فِتْنَةِ الْمَحْيَا وَالْمَمَاتِ، وَمِنْ فِتْنَةِ الْمَسِيحِ الدَّجَّالِ».
«ኣላሁመ ኢኒ ኣዑዙ ቢካ ሚን ዓዛቢ ጃሃነም, ወሚን ዓዛቢል ቐብር, ወሚን ፊትነቲል ማሕያ ወልመማት, ወሚን ፊትነቲል መሲሒደጃል»30. ከምኡ'ዉን ኣብ ናይ መወዳእታ ተሸሁድ ካብኡ ንላዕሊ ዱዓ ምዉሳኽ።
ካልኣይ:- ተግባራዊ ሱና:
1- ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ክልተ ኣእዳዉ ማዕረ መናኩብ ወይ ኣእዛን ሓፍ ምባል:
ሀ- ኣብ ናይ መእተዊ ተክቢራ
ለ- ሩኩዕ ኣብ እወርደሉ እዋን
ج- ካብ ሩኩዕ ሓፍ እትብለሉ እዋን
ደ- ናብ ሳልሰይቲ ረከዓ ኣብ እትትስኣሉ እዋን
2- ቅድሚ ሩኩዕን ድሕሪኡን ኣብ ዝግበር ደዉ ምባል : ኢድ የማነይቲ ኢድካ ኣብ ልዕሊ ጸጋም ኢድ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ኣፍ ልቢ ምሓዝ።
3- ናብ ናይ ሱጁድ ቦታ ምጥማት
4-ኣብ ግዜ ሱጁድ ምግበር ፡ ነቶም ክልተ ቀላጽም ካብ ጎኒ ኣፍልብኻ ምፍንታት።
5- ኣብ እዋን ሱጁድ ከብዲ ካብ ክልተ ኣስላፋት(ክልተ ሰለፍ) ምፍላይ።
6- ኣብ ኩለን ኮፍ ዝበሃለለን ሰላት ኣልኢፍቲራሽ (የማነይቲ እግርኻ ኣንጺፍካ ጸጋመይቲ እግርኻ ምትካል) ምግባር፣ ብዘይካ ኣብ'ቲ ናይ መወዳእታ ኣተሻሁድ ናይ'ተን ሰለስተን ኣርባዕተን ረክዓ ዘለወን ሰላት።
7- ኣብ ናይ መወዳእታ ኣተሻሁድ ናይ'ተን ሰላት በዓልቲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ረክዓ (ኣተወሩክ)ብመቐመጫኻ ኮፍ ምባል
ሻዉዓይ፦ ኣገባብ ናይ ሰላት
1- ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ናብ ሰላት ኣብ ደዉ ዝብለሉ እዋን፡ ናብ ቒብላ ኣንፈቱ ጌሩ፡ ክልተ ኣእዳው ሓፍ የብል፡ ብከብዲ ኣእዳው ናብ ቒብላ ጌሩ፡ ከም'ዚ ይብል ነበረ፡
«اللهُ أَكْبَرُ».
«ኣላሁ ኣክበር»
2- ብድሕሪኡ ንጸጋማይ ኢዱ ብየማናይ ብምሓዝ፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍ ልቡ የቐምጦ።
3- ብድሕሪኡ ዱዓ ኢስቲፍታሕ ይብል, ወትሩ ድማ ኣብ ሓደ ኢስቲፍታሕ ኣይገብርን ነይሩ። ኩለን እተን ካብኡ ዝተረጋገጻ ዱዓ ኢስቲፍታሓት ይፍቀዳ ኢየን፣ ካብኣተን ድማ፦
«سُبْحَانَكَ اللَّهُمَّ وَبِحَمْدِكَ، وَتَبَارَكَ اسْمُكَ، وَتَعَالى جَدُّكَ، وَلَا إِلٰهَ غَيْرُكَ».
«ሱብሓነከ ላሁመ ወቢሓምዲካ ወተባረከ ኢስሙካ ወተዓላ ጀዱከ ወላኢላሃ ቐይሩከ»
4-ብድሕሪኡ ይበል:
«أَعُوذُ بِاللَّهِ مِنَ الشَّيْطَانِ الرَّجِيمِ، بِسْمِ اللَّهِ الرَّحْمَٰنِ الرَّحِيمِ».
«ኣዑዙ ቢላሂ ሚነሽሸይጧኒረጂም፣ ቢስሚላሂ ረሕማኒ ረሒም»
5- ብድሕሪኡ ኣልፋቲሓ ይቐርእ፣ ምስ ዛዘማ ድማ ኣሚን ይበል
6- ብድሕሪኡ ካብ ቑርኣን እቲ ዝከኣሎ ይቐርእ ኣብ ፈጅርን ኣብተ'ን ቀዳሞት ክልተ ናይ መቕሪብን ኣልዒሻን ዓዉ ኢሉ ይቐርእ፣ ኣብ'ቲ ካልእ(ሰላት) ድማ ብሕሹኽታ ይቐርእ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰላት ቀዳመይቲ ረክዓ፡ ካብ'ታ ካልአይቲ ኣንዉሕ የብላ።
7- ብድሕሪኡ ክልተ ኣእዳው ከም'ቲ ኣብ'ቲ ናይ ኢስቲፍታሕ (መእተዊ) ዘልዓሎም ሓፍ የብል፡ ብድሕሪኡ « ኣላሁ ኣክበር» ይብል, ብድሕሪኡ ሩኩዕ ይገብር ክልተ ኣእዳው ኣጻብዕቱ ኣፈናቲቱ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣብራኹ ሒዙ፡ሑቐኡን ርእሱን ድማ ማዕረ ምግባር(ሰጥ ኣቢሉ) ንላዕሊ ሓፍ ከየበሎ ንታሕቲ ዉን ከየድነኖ ይጉምባሕ። ከምኡ'ዉን ይብል:-
«سُبْحَانَ رَبِّيَ الْعَظِيمِ» مرةً.
«ሱብሓነ ረቢየልዓዚም» ሓደ ግዜ፡ ዝተሓተ ኣፈጻጽማ፡ ከም'ቲ ኣቐዲሙ ዝሓለፈ ሰለስተ ግዜ ኢዩ።
8- ብድሕሪኡ ከም'ዚ ብምባል ርእሱ የልዕል:
«سَمِعَ اللَّهُ لِمَنْ حَمِدَهُ».
«ሰሚዓላሁ ሊመን ሓሚደህ»፣ ከምኡ'ዉን ከም'ቲ ሩኩዕ ኣብ ዝገብረሉ እዋን ኣእዳዉ ሓፍ ይብል
9-ቀጥ ኢሉ ደዉ ምስ በለ ይበል:
«اللَّهُمَّ رَبَّنَا وَلَكَ الْحَمْدُ، حَمْدًا كَثِيرًا طَيِّبًا مُبَارَكًا فِيهِ، مَلْءَ السَّمَاءِ، وَمَلْءَ الْأَرْضِ، وَمَلْءَ مَا بَيْنَهُمَا، وَمَلْءَ مَا شِئْتَ مِنْ شَيْءٍ بَعْدُ، أَهْلَ الثَّنَاءِ وَالْمَجْدِ، أَحَقُّ مَا قَالَ الْعَبْدُ، وَكُلُّنَا لَكَ عَبْدٌ، لَا مَانِعَ لِمَا أَعْطَيْتَ، وَلَا مُعْطِيَ لِمَا مَنَعْتَ، وَلَا يَنْفَعُ ذَا الْجَدِّ مِنْكَ الْجَدُّ».
«ኣላሁመ ረበና ወለከል ሓምዱ, ሓምደን ከሲረን ጠዪበን ሙባረከን ፊሂ, ሚልኣ ሰማኢ, ወሚልኣል ኣርዲ, ወሚልኣ ማ በይነሁማ, ወሚልኣ ማ ሺእተ ሚን ሸይኢን በዕዱ, ኣህለ ሰናኢ ወልመጅዲ, ኣሓቁ ማ ቓለል ዓብዱ, ወኩሉና ለከ ዓብዱን, ላ ማኒዐ ሊማ ኣዕጠይተ, ወላ ሙዕጢየ ሊማ መነዕተ, ወላ የንፈዑ ዛልጀዲ ሚንከል ጀዱ»31. ኣብ'ቲ ቀጥ ኢልካ ደዉ ምባል ድማ የንዉሕ ነበረ።
10- ብድሕሪኡ ኣላሁ ኣክበር ኢሉ ሱጁድ ይወርድ ኣእዳው ኣየልዕልን፣ ብግንባሩን ኣፍንጭኡን ክልተ ኣእዳውን ክልተ ኣብራኹን ጫፍ ክልተ ኣእጋሩን ሱጁድ ይወርድ ኣጻብዕቲ ኣእዳውን ኣእጋሩን ኣንፈቱ ናብ ቒብላ የቕንዖ። ኣብ ሱጁድ ሰጥ ይብል ግንባርን ኣፍንጫን ኣብ ምድሪ የልግቦ ምቕማጥ፡ ብኽልቲኤን ከብዲ ኢድካ ብምድጋፍ፡ ከምኡ'ዉን ንኽልቲኤን ኩርናዓት ኢድካ ሓፍ ብምባል ካብ መሬት ምልዓል፡ ንቕልጽምካ ካብ ጎኒ ኣፍ ልብኻ ምፍንታት፣ ከብድኻ ካብ ሰለፋትካ ምፍንታት ኣስላፋት ካብ ኣእጋርካ ምፍንታት፡ ኣብ ሱጁድ ድማ ከም'ዚ ይብል:
«سُبْحَانَ رَبِّيَ الأَعْلَى».
«ሱብሓነ ረበየል ኣዕላ» ሓደ ግዜ፡ ዝተሓተ ኣፈጻጽማ ከም'ቲ ኣቐዲሙ ዝሓለፈ ሰለስተ ግዜ ኢዩ። ከምኡ'ዉን በቲ ዝተገለጸ ዱዓ ይገብር
11- ብድሕሪኡ «ኣላሁ ኣክበር» እናበለ ርእሱ ሓፍ የብል ብድሕሪኡ ጸጋማይ እግሩ ኣንጺፉ ኣብ ልዕሊኣ ኮፍ ይብል።የማነይቲ እግሩ ቀጥ ብምባል ኣጻብዕቱ ይተክል። ብድሕሪኡ ኣእዳው ኣብ ሰለፉ ብምንባር ከም'ዚ ይብል
«اللَّهُمَّ اغْفِرْ لِي، وَارْحَمْنِي، وَاجْبُرْنِي، وَاهْدِنِي، وَارْزُقْنِي».
«ኣላሁመ ቕፊር ሊ, ወርሓምኒ, ወጅቡርኒ, ወህዲኒ, ወርዙቅኒ»32.
12- ብድሕሪኡ ኣላሁ ኣክበር ኢሉ ሱጁድ ይወርድ፡ኣብ'ታ ካልአይቲ ዉን ልክዕ ከምታ ቀዳመይቲ ይገብር።
13- ብድሕሪኡ «ኣላሁ ኣክበር» እናበለ ርእሱ የልዕል፣ ኣብ ክልተ ብርኩን ክልተ ሰለፉን ተደጊፉ ድማ ብክልተ እግሩ ይትንስእ።
14- ቀጥ ኢሉ ደዉ ምስ በለ፡ ምቕራእ ይጅምር፣ ካልአይቲ ረከዓ ልክዕ ከም'ታ ቀዳመይቲ ጌሩ ይሰግድ።
15- ብድሕሪኡ ንናይ መጀመርያ ኣተሻሁድ፣ ከም'ቲ ኣብ ሞንጎ ክልተ ሱጁድ ኮፍ ኣባህላ ኢግቲራሽ ጌሩ ኮፍ ይብል፡ የማናይ ኢድ ኣብ ልዕሊ የማናይ ሰለፍ ፣ ጸጋማይ ኢድ ድማ ኣብ ልዕሊ ጸጋማይ ሰለፍ የቐምጥ። ብዓባይ ዓባይቶ የማናይ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ማእከለይቲ ኣጻብዕቱ ብምግባር፡ ከም ቀለቤት ዝመሰለ ቅርጺ ይትሕዞ። ብኣመልካቲት ጻብዕቱ የመልክት፡ ናብኣ ድማ ይጥምት። ከምኡ'ዉን ይብል:-
«التَّحِيَّاتُ لِلَّهِ وَالصَّلَوَاتُ وَالطَّيِّبَاتُ، السَّلَامُ عَلَيْكَ أَيُّهَا النَّبِيُّ وَرَحْمَةُ اللَّهِ وَبَرَكَاتُهُ، السَّلَامُ عَلَيْنَا وَعَلَى عِبَادِ اللَّهِ الصَّالِحِينَ، أَشْهَدُ أَنْ لَا إِلٰهَ إِلَّا اللَّهُ وَحْدَهُ لَا شَرِيكَ لَهُ، وَأَشْهَدُ أَنَّ مُحَمَّدًا عَبْدُهُ وَرَسُولُهُ».
«ኣተሒያቱ ሊላሂ ወሰለዋቱ ወጠዪባቱ፣ ኣሰላሙ ዓለይካ ኣዩሃነቢዩ ወራሕመቱላሂ ወበረካቱሁ፣ ኣሰላሙ ዓለይና ወዓላ ዒባዲላሂ ሳሊሒን፣ ኣሽሃዱ ኣን ላኢላሃ ኢለላህ ዋሕደሁ ላሸሪካ ለሁ፣ ወኣሽሃዱ ኣነ ሙሓመደን ዓብዱሁ ወረሱሉሁ» ኣብዚኣ ኮፍ ምባልሓጻር ይገብራ ነበረ።
16-ብድሕሪኡ ኣላሁ ኣክበር ኢሉ ይትንስእ፡ ሳልሰይትን ራብዐይትን ድማ ይስገድ፡ ካብተ'ን ቀዳሞት ክልተ ድማ የሕጽረን። ኣብ ክልቲአም ድማ ኣልፋቲሓ ይቐርእ
17- ኣብ ናይ መወዳእታ ኣተሒያቱ ድማ ብመቐመጭኡ ኮፍ ይበል፡ ጸጋመይቲ እግሩ ኣብ መሬት ኣንጺፉ፡የማናይ እግሩ ይተኽላ ፣ ብመቐመጭኡ ድማ ኣብ መሬት ኮፍ ይብል።
18- ብድሕሪኡ ነቲ ናይ መወዳእታ ኣተሻሁድ ይብል፣ እዚ ድማ ልክዕ ከም'ቲ ናይ መጀመርታ(ኣተሻሁድ)ኮይኑ፡ ነዚ ይዉስኸሉ:-
«اللَّهُمَّ صَلِّ عَلَى مُحَمَّدٍ وَعَلَى آلِ مُحَمَّدٍ، كَمَا صَلَّيْتَ عَلَى آلِ إِبْرَاهِيمَ، إِنَّكَ حَمِيدٌ مَجِيدٌ، وَبَارِكْ عَلَى مُحَمَّدٍ وَعَلَى آلِ مُحَمَّدٍ، كَمَا بَارَكْتَ عَلَى آلِ إِبْرَاهِيمَ، إِنَّكَ حَمِيدٌ مَجِيدٌ».
«ኣላሁመ ሰሊ ዓላ ሙሓመዲን ወዓላ ኣሊ ሙሓመዲን፣ ከማ ሰለይተ ዓላ ኣሊ ኢብራሂም፣ ኢነከ ሓሚዱን መጂድ፣ ወባሪክ ዓላ ሙሓመዲን ወዓላ ኣሊ ሙሓመዲን፣ ከማ ባረክተ ዓላ ኣሊ ኢብራሂም፣ ኢነከ ሓሚዱን መጂድ»
19- ካብ መቕጻዕቲ ገሃነም፡ ካብ መቕጻዕቲ ቀብሪ፡ ካብ ፈተና ህይወትን ሞትን፡ ከምኡ'ዉን ካብ ፈተና 'መሲሕ ኣ'ደጃል' ብኣላህ ክሕሎ ይምሕጸን። ከምኡ'ዉን በቶም ካብ ኪታብን ሱናን ዝመጹ ዱዓታት ዱዓ ይገብር።
20- ብድሕሪኡ ናብ የማኑ ብምጥዋይር ከም'ዚ ይብል:
«السَّلاَمُ عَلَيْكُمْ وَرَحْمَةُ اللَّهِ».
«ኣሰላሙ ዓለይኩም ወራሕመቱላህ» ናብ ጸጋሙ’ዉን ከምኡ፡ ናብ ቒብላ ኣንፈቱ ጌሩ ሰላምታ ይጅምር፡ ብምልእታ ሰላምታ ምስ ቕናዕ ናይ ክሳዱ ይወዳኣ።
ሻሙናይ: ኣብ ሰላት ክትገብሮ ጽሉእ ዝኾና ነገራት:
1-ብዘይ ኣድላይነት ቁሊሕሊሕ ምባል
2- ብዓይንኻ ናብ ሰማይ ምርኣይ
3- ብዘይ ኣድላይነት ኣዒንትኻ ምዕማት
4- ኣብ ሱጁድ ክልተ ኣእዳዉካ ኣብ መሬት በጥ ምባል
5- ብዘይ ኣድላይነት ኣፍን ኣፍንጫን ምሽፋን
6- ክትሸይን ወይ ደገ ክትወጽእ እናደላኻ እናረበሸካ፡ ወይ'ዉን ትብህጎ ምግቢ ተቀሪቡ እናሃለወ ምስጋድ።
7- ኣብ ግንባሩን ኣፍንጫኡን ዝለገበ ኣሰር ናይ ሱጁድ ምድራዝ፣ ነዚ ድማ ሰላት ምስ ተወደአ ምድራዝ ጸገም የብሉን።
8- ብዘይ ኣድላይነት ኣብ ደዉ ዝበሃለሉ እዋን ኣብ መንደቕን ከምኡ ዝኣመስለን ምድጋፍ።
ታሽዓይ: ንሰላት ዘበላሽዉ ነገራት:
1- ምብላዕን ምስታይን
2-ካብኣ(ካብ ኣገባብ ሰላት) ወጻኢ ምዝራብ
3- ምስሓቕን ካዕካዕ ምባልን
4- ብፍላጥ(ዕላማ) ሓደ ካብ ዓንድታት ወይ ግዴታታ ናይ ሰላት ምግዳፍ
5- ብፍላጥ(ዕላማ) ሓደ ካብ ዓንድታት ወይ ረክዓ ምዉሳኽ
6- ቅድሚ ኢማም ብፍላጥ(ዕላማ)ሰላምታ ምባል
7- ብዘይ ኣድላይነት ምስ ሰላት ምትእስሳር ዘይብሉን ቡዙሕን ዝተኸታተን ምንቅስቓሰ ምፍጻም።
8- ሓደ ካብ ንሰላት ዝጻረር ነገር ምፍጻም፤ ከም ውዱእ ምፍራስ፣ ብፍላጥ(ብዕላማ) ሕፍረትካ ምቅላዕ፣ ብዘይ ምኽንያት ካብ ቒብላ ኣጸቢቕካ ምዝንባል፣ ከምኡ'ዉን ኒያ ምቁራጽ።
ዓስራይ: ናይ ሱጁድ ኣሳህዉ
አሳህዉ ማለት፦ ምርሳዕ ኢዩ፣ ነቢ ሰለላሁዓለይሂ ወሰለም ዉን ኣብ ሰላቱ ረሲዑ ኢዩ፤ ምኽንያቱ ኣሳህዉ(ምርሳዕ) ካብ'ቲ ባህርያዊ ፍጥረት ወዲ ሰብ ስለ ዝኾነ ኢዩ። እቲ ምዝንግዑ ድማ ኣላህ ኣብ ልዕሊ ኡማ(ህዝቡ) ምሉእ ጸጋ ናይ ሃይማኖት መመላእታ ኮይኑ፡ ኣብ ግዜ ምዝንጋዕ ድማ በቲ ዝገበሮ መምርሒ ምእንቲ ክኽተሉ ኢዩ።
ንሱጁድ ኣሳህዉ ክህሉ ዝገብሮ ምኽንያታት:
1- ናይ መጀመርታ ኩነታት፦
ኣብ ሰላት ምዉሳኽ:ንሱ ድማ ወይ ናይ ተግባራት ወሰኽ ወይ ድማ ናይ ቃላት ወሰኽ ኢዩ:
ሀ- ኣብ ተግባራት ምዉሳኽ: ሓደ ሰብ ካብ ናይ ሰላት ዓይነት ዝኾነ ተግባር ረሲዑ እንተ ወሲኹ: ከም ኣብ ቦታ ደዉ ዝበሃለሉ ኮፍ ምባል: ኣብ ቦታ ኮፍ ምባል ድማ ደዉ ምባል: ወይ ሩኩዕ ወይ ሱጁድ ምዉሳኽ: እዚ ምስዘጋጥም ናብ ሱጁድ አሳህዉ ይሰግድ።
ለ- ቃላት ምዉሳኽ፡ ከም ኣብ ሩኩዕን ሱጁድን ምቕራእ፡
ነዚ ምስ ዝገበረ፡ ሱጁድ አሳህዊ ክገብር ይምረጽ።
2–ካልኣይ ኩነታት
ብምርሳዕ ኣብ ሰላት ዝፍጠር ጉድለት: ብሓደ ካብ'ዞም ክልተ ነገራት ይኸዉን:
ሀ- ሓደ ካብ ዓንድታት ምጉዳል: እቲ ዝተጎደለ ዓንዲ ናይ መእተዊ ተክቢራ እንተኾይኑ፡ ሰላቱ ኣይትጸድቕን፡ ሱጁድ ኣሳህዊ’ዉን ኣይትክኦን ኢዩ። እቲ ዝተረስዐ ሓደ ካብ ዓንድታት ሰላት ኮይኑ ብዘይካ ተክቢረተል ኢሕራም፡ ንኣብነት ሩኩዕ ወይ ሱጁድ፡ ናይ ካልእ ረክዓ ቑርኣን ቅድሚ ምጅማሩ እንተዘኪሩዎ: ግዴታ ክምለስ ኣለዎ: ነቲ ዝረስዖን ነቲ ድሕሪኡ ዝስዕብን ድማ ይፍጽሞ።
ካልእ ረከዓ ክቐርእ ምስጀመረ እንተተዘኪርዎ ድማ, እታ ዝገደፋ ረከዓ ትበላሾ፡ እታ ትስዕባ ድማ ኣብ ቦታኣ ትትካእ።
ለ- ግዴታዊ ነገር ምግዳፍ: ከም: ቀዳማይ ኣተሻሁድ ምርሳዕ፡ ወይ ኣብ ሩኩዕ ተስቢሕ ምግባር ምርሳዕ። ኣብ'ዚ ኩነታት እዚ: ሱጁድ አሳህዊ ይሰግድ።
3- ሳልሳይ ኩነታት፡ጥርጣረ፡
ምሳሌ: ሓደ ሰብ ኣብ ሰላት ዙህሪ፡ ሰለስተ ድየን ወይ ኣርባዕተ ረክዓ ከምዝሰገደ እንተ ተጠራጢሩ፡
أ- ኣብ ሓዲአን(ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ) እንድሕር ኣረጋጊጹ፡ብኡ ይገብር ሱጁድ አሳህዊ ድማ ይሰግድ።
ለ- ዝኾነ ካብአን(ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ) እንተዘይተረጋጊጽሉ፤ ኣብ ርግጸኛ ዝኾነ(ብጎደሎ ይሓስባ ማለት'ዩ) ይሙርኰስ ሱጁድ ኣሰህዉ ድማ ይሰግድ።
እቲ ጥርጣረ ድሕሪ ሰላት እንተመጺኡ፣ ወይ እቲ ሰብ ጥርጣረ ዝበዝሖ እንተኾይኑ፣ ነቲ ጥርጣረ ሸለል ክብሎ ይግባእ።
ጠቓሚ ነጥቢ: እዚ ድማ ብሰንኪ ምጉዳል እንተኾይኑ: ወይ'ዉን ብጥርጣረ ኮይኑ ኣብ ሓደ እንተዘይተረጋጊጽሉ ሱጁድ አሳህዊ ምስጋድ ቅድሚ ሰላም ምባል ይኸዉን። ብሰንኪ ምዉኻ፡ ወይ'ዉን በቲ ኣብ ግዜ ጥርጣረ ሓዲኡ ዝተረጋገጸሉ እንተኾይኑ፡ (ሱጁድ ኣሳህዉ)ድሕሪ ሰላም ዝኸውን። እዚ ነገር ድማ(ስጁድ ኣሳህዉ ቅድሚ ሰላም ድሕሪ ሰላም ክትገብር ዘጨንቕ ኣይኮነን)ኢንሻኣላሁ ተዓላ።
መበሊ ዓሰርተ ሓደ: ሰላት ዝኽልከለሉ እዋናት:
መሰረታዊ ሕጊ፡ ሰላት ኣብ ኩሎም እዋናት ዝተፈቐደ ምዃኑ ኢዩ፡ ግን ሸሪዓ ኣብ ገለ እዋናት ንሰላት ሓራም ገይሩዎ፡ንሳቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
1- ካብ ድሕሪ ሰላት ፈጅሪ፡ ክሳብ ጸሓይ ወጺኣ ብዓይኒ ከምዝርአ ልክዕ ክንዲ ሓደ ኲናት(ቀስተ) ካብ ምድሪ ልዕል ክትብል እንከላ።
2- (ጸሓይ)ኣብ ሰማይ ማእኸል ኣብ እትኾነሉ እዋን ክሳብ እትዘንብል፣ ንሱ ድማ ካብ'ቶም ናይ ክልኩል ግዜታት እቲ ዝሓጸረ ኢዩ።
3- ካብ(ድሕሪ) ሰላት ዓስሪ ክሳብ ጸሓይ ትዓርብ፣ ንሱ ድማ እቲ ዝነወሐ ናይ ክልኩል ግዜ ኢዩ።
ኣብ ናይ ክልኩል ግዜ ዝፍቀዳ ሰላታት:
1- ዝሓለፉ ግዴታታት(ሰላት) ምትካእ.
2- ምኽንያት ዘለዎም ሰላታት፣ ከም፦ ተሕየቱል መስጂድ፣ ክልተ ረከዓ ናይ ጠዋፍ፣ ሰላት ኩሱፍ፣ ከምኡ'ዉን ሰላት ኣልጀናዛ።
3- ድሕሪ ፈጅሪ ሰላት ንሱና ፈጅሪ ምትካእ
መበል ዓሰርተ ክልተ: ሰላቱል ጀማዓ(ተኣኪብካ ኣብ መስጊድ ምስጋድ):
እዚኣ ሓንቲ ዓባይ ስርዓት ናይ ጽባቐ ምልክት ካብ ምልክታት እስልምና ኢያ፣ ንሳ ድማ እታ ኣብ መሳጊድ እትግበር ሰላታል ጀማዓ ኢያ። ኣመንቲ ምስልምና ከም ዝተሰማምዕሉ፡ እቲ ናይ ሓሙሽተ ግዜ ሰላት ኣብ መሳጊድ ምስጋድ፡ ካብቶ'ም ዝተረጋገጸሎም ናይ ኣላህ ትእዛዛትን ዝዓበዩ ናብ ኣላህ ዘቕርበካን ኢዩ፡እኳ ድኣ እቲ ዝዓበየ ስርዓት ምልክት ጽባቐ ናይ እስልምና ኢዩ።
1- ናይ ሰላቱል ጀማዓ ፍርዱ :
ሰላቱል ጀማዓ ኣብ ልዕሊ ዓቕሚ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ሓሙሽተ ሰላት ኣብ መስጊድ ክሰግዱ ግድነት ኢዩ። ኣብ ዓዲ ሃሊኻ ኣብ መገሻ፡ ኣብ እዋን ጸታ ግዜ ይኹን ኣብ ግዜ ፍርሒ ናይ ነፍሲ ወከፍ ግዴታ ኢያ
ግዴታ ናይ ሰላቱል ጀማዓ፡ ብቑርኣንን ሱንናን፡ ከምኡ'ዉን ኩሉ ኣስላማይ ካብ ቀደሞት ዘመን ድሕሪ ዘመን እናተወራረሱ ዝመጽኡሉ ተግባር ኢዩ።
ካብ ቑርኣን ድማ:ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፡
﴿وَإِذَا كُنتَ فِيهِمۡ فَأَقَمۡتَ لَهُمُ ٱلصَّلَوٰةَ فَلۡتَقُمۡ طَآئِفَةٞ مِّنۡهُم مَّعَكَ...﴾
{ምስኦም ምስ እትህሉ(ኣብ ኲናት) ሰላት ከተስግዶም ምስ ትደሊ፡ ሓደ ጕጅለ ካብኣቶ'ም ምሳኻ ደዉ ይበሉ(ይስገዱ)...} [ኣልኒሳእ፡102] እዛ ኣያ(ዓንቀጽ) ሰላተል ጀማዓ ጽኑዕ ግዴታ ምዃኑ ስለ እተመልክት፣ ንኣመንቲ እስልምና ኣብ ግዜ ፍርሒ እውን ክገድፍዋ ስለዘይተፈቕደሎም፡ ግዴታ እንተዘይትኸዉን ነይራ: እቲ ዝቐደመ ምኽንያት ፍርሒ ንምትራፋ(ሰላት)ቀንዲ መመኽኔታ ምኾነ። ሰላት ጀመዓ ምግዳፍን ኣኽቢድካ ምርኣን ካብ'ቲ ፍሉጥ ባህርያት መናፍቃን ኢዩ።
ካብ'ቲ ካብ ሱና ዝመጸ ብዙሓት ኣሓዲስ'ዉን፡
ኣብ ሰሒሕ ሙስሊም ዝተሰነደ
أَنَّ رَجُلًا أَعْمَى قَالَ: يَا رَسُولَ اللَّهِ، لَيْسَ لِي قَائِدٌ يَقُودُنِي إِلَى الْمَسْجِدِ، فَسَأَلَهُ أَنْ يُرَخِّصَ لَهُ أَنْ يُصَلِّيَ فِي بَيْتِهِ، فَرَخَّصَ لَهُ، فَلَمَّا وَلَّى دَعَاهُ فَقَالَ: «هَلْ تَسْمَعُ النِّدَاءَ؟» قَالَ: نَعَمْ، قَالَ: «فَأَجِبْ».
ሓደ ዓይነ ስዉር ሰብኣይ፡ “ኦ መልእኽተኛ ኣላህ፡ ናብ መስጊድ ዝመርሓኒ መራሒ የብለይን” በለ። ኣብ ገዝኡ ክሰግድ ፍቓድ ክህቦ ድማ ሓተቶ። ንሱ'ዉን ፈቐደሉ። ክኸይድ ገጹ ምስ ጠወየ ግን ጸዊዑ፡ «ነቲ ጻዊዒት (ኣዛን) ትሰምዖ ዲኻ፧» በሎ። ንሱ ድማ፡ “እወ” በለ። “እምበኣር መልሲ ሃበሉ” በሎ።33።
ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ድማ፡ ንሱ ዓይነ ስዉር እንከሎን ምስ'ቲ ዘጓንፎ ዝነበረ ጸገምን፡ ናብ መስገዲ ቦታ ብምምጻእ ኣብ ናይ ጀማዓ ሰላት ክሳተፍን ነቲ ጻዊዒት መልሲ ክህብን ኣዘዞ። እዚ ድማ ናይ ሰላተል ጀማዓ ግዴታ ምዃኑ የመልክት።
2- ጀማዓ ብኸመይ ተርክበሉ:
ጀማዓ፡ ሓንቲ ረክዓ ካብ'ቲ ሰላት ምስ'ቲ ኢማም ብምርካብ ጀማዓ ተርክበላ፡ ከም'ቲ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ:
«مَنْ أَدْرَكَ رَكْعَةً مِنَ الصَّلَاةِ فَقَدْ أَدْرَكَ الصَّلَاةَ».
«ሓንቲ ረክዓ ካብ ሰላት ዘርከበ፡ ነቲ ሰላት ኣርኪብዎ ማለት ኢዩ»34።
3- ብኸመይ ረክዓ ተርክበሉ:
ሩኩዕ ብምርካብ ረክዓ ተርክበሉ፡ እቲ ንሰላት ደንጎዩ ዝመጸ ሰብ ንኢማሙ ኣብ ሩኩዕ ከሎ እንተረኺብዎ: ደዉ ኢሉ ከሎ ተክቢረተል ኢሕራም (መእተዊ ተክቢራ) ይግበር, ብድሕሪኡ ንሩኩዕ ዝኸዉን ካልእ ተክቢራ እናገበረ ሩኩዕ ይግበር፡ ደዉ ኢሉ እንከሎ ተክቢረተል ኢሕራም ጥራይ እንተጌሩ፡ ነታ ናይ ሩኩዕ ተክቢራ ትትክኣሉ ኢያ።
4- ካብ ጀማዓ ሰላት ንምትራፍ ዘፍቅዱ ቅቡላት ምኽንያታት:
1- ናብ ጁሙዓን ጀማዓን ምኻድ ዘሸግር ሕማም።
2- ሽንትን ቀልቀልን ምስ እትቕርቀር፤ ምኽንያቱ፡ ነቲ ኣብ ሰላት ዝድለ ምስትዉዓልን ኣንፈትን ስለ ዘጥፍኦ፡ ከምኡ`ዉን ኣብ ኣካል ጉድኣት ስለ ዘስዕብ።
3- ጥሙይ ከብዱ እንከሎ እሞ ኸኣ መግቢ እንተተቐሪቡ ክበልዕ እናደለየ፣ እዚ ድማ ካብ ሰላት ጀማዓ ንምትራፍ ከም ልምዲ ወይ ብልሓት ከይዉሰድ።
4- ርጉጽ ዝኾነ ፍርሒ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ:ገንዘብ፡ካልእን ምስዝህሉ።
መበል ዓሰርተ ሰለስተ: ናይ ፍርሒ ሰላት:
ናይ ፍርሒ ሰላት ኣብ ኩሉ ፍቑድ ዝኾነ ዉግእ ይፍቀድ፣ ከም ምስ ከሓድቲ፡ ዓመጽትን ወረርትን ዝግበር ዉግእ፣ ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ:
﴿...إِنۡ خِفۡتُمۡ أَن يَفۡتِنَكُمُ ٱلَّذِينَ كَفَرُوٓاْ...﴾
{...እቶም ዝከሓዱ መከራ ከየዉርዱልኩም እንተፈሪሕኩም...} [ኣልኒሳእ፡101]፣ ከምኡ ድማ ካብቶ'ም ምዉጋኦም ዝፍቀድ በዚ ኣመሳስል።
ናይ ፍርሕ ሰላት ብኽልተ ቅድመ-ኩነት ትፍቀድ፦
1) እቲ ጸላኢ ምዉጋኡ ዝፍቀድ ክኸዉን ይግባእ።
2) ኣብ እዋን ሰላት ንኣስላም ከየጥቅዕም ምፍራሕ።
ኣገባብ ናይ ፍርሒ ሰላት:
ብዙሕ ኣገባብ ኣለዋ፡ እቲ ዝዉቱር(ፍሉጥ) ከም'ቲ ኣብ ሓዲስ ሱሄል ረዲየላሁ ዓንሁ ዝመጸ፦
أَنَّ طَائِفَةً صَفَّتْ مَعَ النَّبِي ﷺ، وَطَائِفَةً وِجَاهَ العَدُوِّ، فَصَلَّى بِالَّتِي مَعَهُ رَكْعَةً، ثُمَّ ثَبَتَ قَائِمًا، وَأَتَمُّوا لِأَنْفُسِهِمْ، ثُمَّ انْصَرَفُوا، وَصَفُّوا وِجَاهَ العَدُوِّ، وَجَاءَتِ الطَّائِفَةُ الأُخْرَى، فَصَلَّى بِهِمُ الرَّكْعَةَ الَّتِي بَقِيَتْ مِنْ صَلَاتِهِ، ثُمَّ ثَبَتَ جَالِسًا، وَأَتَمُّوا لِأَنْفُسِهِمْ، ثُمَّ سَلَّمَ بِهِمْ.
ሓደ ጉጅለ ምስ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ተሰሪዖም: ሓደ ጉጅለ ድማ ናብ ጸላኢ ኣንፈቶም ኮይኖም: ምስቶ'ም ምስኡ ዝነበሩ ሓደ ረክዓ ኣሰጊዶዎም: ብድሕሪኡ ደዉ ኢሉ ጸኒዑ: ንሶም ድማ ንነብሶም መልኢም ሰጊዶም: ብድሕሪኡ ተመሊሶም ኣንፈቶም ናብ ጸላኢ ገጾም ተሰሪዖም: እታ ካልኣይቲ ጉጅለ ድማ መጺኣ: ነታ ካብ ሰላቱ ዝተረፈት ረክዓ ድማ ምስኦም ኣሰጊድዎም: ብድሕሪኡ ኮፍ ኢሉ ጸኒዑ: ንሳቶም ድማ ንነብሶም መልኢኦም: ብድሕሪኡ ምስኦም ሰላምታ ጌሩ35።
ካብ ናይ ፍርሒ ሰላት እንረኽቦ ጥቕሚ:
1- ኣገዳስነት ስግዳን ኣብ እስልምናን፡ ኣገዳስነት ሰላታል ጀማዓን፡ ኣብ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ኩነታት እዉን ዘይትተርፍ ምዃነን ኢዩ።
2- ነዛ ኡማ(ህዝቢ) ጸበባ ከምዝተወገደን፡ ናይ ሸሪዓ ዉን ቀሊልን ንኹሉ ግዜን ቦታን ብቑዕ ምዃኑን ንርዳእ።
3- እስላማዊ ሕጊ፡ ንኹሉ ኩነታት ዝሰማምዖ ብምስራዕ ዝተማልአ ምዃኑ።
መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ: ናይ ጁምዓ ሰላት:
ቀዳማይ: ፍርዳ:
ናይ ጁምዓ ሰላት ኣብ ልዕሊ ኣስላማይ፡ ወዲ ተባዕታይ፡ ንዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሐ፡ ዓቕሉ ሙሉእ፡ ነበራይ(ገያሻይ ዘኮነ)፡ ጸገም ዘይብሉን ዝኾነ፡ዉልቃዊ ግዴታ ኢዩ።
ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ኢሉ:
﴿يَٰٓأَيُّهَا ٱلَّذِينَ ءَامَنُوٓاْ إِذَا نُودِيَ لِلصَّلَوٰةِ مِن يَوۡمِ ٱلۡجُمُعَةِ فَٱسۡعَوۡاْ إِلَىٰ ذِكۡرِ ٱللَّهِ وَذَرُواْ ٱلۡبَيۡعَۚ ذَٰلِكُمۡ خَيۡرٞ لَّكُمۡ إِن كُنتُمۡ تَعۡلَمُونَ 9﴾
{ኣንቱም ዝኣመንኩም ሰባት ኣብ መዓልቲ ጁምዓ ንሰላት ጻዉዒት እንተ ተጌሩ ናብ ሰላት ተጓየዩ ኢኹም፡ መሸጣ'ዉን ግደፉ፡ትፈልጡ እንተኾይንኹም ንሱ ነዓኹም ዝበጸ ኢዩ 9} [ኣልጁሙዓ :9]።
ከም'ቲ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ :
«لَيَنْتَهِيَنَّ أَقْوَامٌ عَنْ وَدْعِهِمُ الْجُمُعَاتِ، أَوْ لَيَخْتِمَنَّ اللَّهُ عَلَى قُلُوبِهِمْ، ثُمَّ لَيَكُونُنَّ مِنَ الْغَافِلِينَ».
«ገለ ህዝብታት ካብ ጁምዓታት ምግዳፍ የቋርጹ፡ ወይ ድማ ኣላህ ኣብ ልቦም ክሓትመሎም ኢዩ፡ ሽዑ ካብ'ቶም ዝዝንጉዕት ሸለል ብሃልቲ ድማ ክኾኑ ኢዮም»36።
ካልኣይ፦ቅድመ-ኩነት ትኽክለኛ ናይ ጁምዓ ሰላት:
ሀ) እዋኑ፦ ከም ናይ ዙህሪ ሰላት እዋን ኢዩ፡ ቅድሚ ግዜኣን ድሕሪ ምሕላፍ ግዜኣን ተቐባልነት የብላን።
2) ብጀማዓ ክትስገድ፣ እቲ ዝተሓተ ጀማዓ ድማ በቲ ቅኑዕ ዓቐን ሰለስተ ኢዮም። ካብ ሓደ ሰብ(ንዉልቁ) ተቐባልነት የብላን፡ ከምኡ’ዉን ካብ ክልተ።
3) እቶም ሰገድቲ፡ በቲ ልሙድ ንምህናጽ ዝውዕል ነገራት ኣብ ዝተሃንጸ ኣባይቲ ነበርቲ ክኾኑ። ካብ ስሚንቶ ኣርማታ፡ ካብ እምኒ፣ ካብ ጭቃን ካልኦትን ይኹን፣ በዚ መሰረት፡ ካብቶ'ም ኣብ ሓደ ቀዋሚ ቦታ ዘይሰፍሩ፡ ንጥሪቶም ሳዕሪ ከብልዑ ፍቐዱኡ ዝንቀሳቐሱ ሰብ በረኻ ፡(ሰላተል ጁምዓ) ብቑዕ ኣይከውንን።
4) ክልተ ኹጥባታት(ናይ ሰበኻ መደረ)ቅድሚ ሰላት ምግባር፡ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ወትሩ ስለ ዝገብሮ ዝነበረ።
3ይ– ዓንድታት ክልተ ኹጥባታት ጁምዓ :
1- ንኣላህ ምምስጋንን ክልተ ምስክራትን
2- ሰላት ዓለነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም
3-ብፍርሓት ኣላህ ምልባዉ(ለበዋ ምቕራብ)
4- ገለ ካብ ቑርኣን ምቕራእ
5- ኣልመዉዒዛ(ምስባኽ)
ራብዓይ: ኣብ ክልቲአን ኩጥባታት ናይ ጁምዓ ፍቱዉ ዝኾነ ነገራት:
1- ኣብ መንበር ኹጥባ ምግባር
٢- ኣብ መንጎ ክልተ ኹጥባታት ኮፍ ኢልካ ሓጺር ፍልልይ ምግባር 3- ኣብኣተን ንእስልምናን ንመራሕቶምን ዱዓ ምግባር
4- ነተን ኹጥባታት ምሕጻር
5- ኸጢብ(እቲ መደረ ዝህብ) ኣብ መንበር ምስ ደየበ ንሰባት ሰላምታ ምብጻሕ
ሓሙሻይ: ኣብ መዓልቲ ጁምዓ ዝተፈትወ ነገራት:
1- መወጽ ምጥቓም
2- እንተተረኺቡ ጨና ምጥቓም
3- ናብ ጁምዓ ሰላት ኣቐዲምካ ምኻድ
4- ናብ መስገዲ ብእግርኻ ምኻድ መጓዓዝያ ዘይምጥቃም።
5-ናብ ኢማም(መራሒ ሰላት) ምቕራብ
6- ዱዓ ምግባር
7- ሱረተል ኣልካህፍ ምቕራእ
8- ኣብ ልዕሊ ነቢ ሰላት ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ምግባር
ሻድሻይ: ኣብ ሰላተልጁምዓ ዝተረኸበ ዝኽልከሎም ነገራት:
1- ኢማም ኣብ መዓልቲ ጁምዓ ኩጥባ እናገበረ እንከሎ ዘረባ ይኽልከል። ከም'ቲ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ:-
«إِذَا قُلْتَ لِصَاحِبِكَ يَوْمَ الْجُمُعَةِ: أَنصِتْ، وَالْإِمَامُ يَخْطُبُ، فَقَدْ لَغُوتَ».
«ኣብ መዓልቲ ጁምዓ ኢማም እናኾጠበ እንከሎ: ንብጻይካ 'ስቕ በል' እንተ ኢልካዮ: ከንቱ ዘረባ ተዛሪብካ»37. ማለት: ከንቱ ዘረባ ተዛሪብካ፣ ከንቱ ዘረባ ድማ ሓጥያት ኢዩ።
2- ብዝይካ ኢማም ኮፍ ንዝበሉ ሰባት ብክሳውዶም ምሕላፍ ይጽላእ።ወይ ድማ ብሓደ ጎኒ ዝትትረኸብካዮ ባዶ ቦታ ክትበጽሕ እንተዘይኾይኑ ጥራሕ ይፍቀድ።
ናይ ጁምዓ(ሰላት) ምርካብ:
ኣብ'ታ ካልኣይቲ ረክዓ ናይ ጁምዓ ሰላት ምስ ኢማም ኣብ ሩኩዕ ምስ ዝበጽሐ፣ ን(ሰላት)ጁምዓ ኣርኪብዋ ኢዩ፣(ሓንቲ ረክዓ ወሲኹ) ክልተ ረክዓ ጌሩ ድማ ይፍጽማ። ናይ ካልኣይቲ ረከዓ ሩኩዕ እንተዘይኣርኪቡ፡ ጁሙዓ ሓሊፍዎ ኢዩ።ዙህሪ ገይሩ ኣርባዕተ ረከዓ ሰጊዱይፍጽማ። ከምኡ'ዉን ሰላተልጁምዓ ብድቃስ ይኹን ብኻሊእ ምኽንያት ዝሓለፎዘም ሰብ፡ ዙህሪ ጌሩ ይሰግዳ።
መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ: ቅቡል ምኽንያት ናይ ዘለዎም ሰላት:
ቀዳማይ: ናይ ዝሓመመ ሰብ:
ቀዳማይ: እቲ ዝሓመመ ዓቕሙ ብዝፈቕደሉ ክሰግድ ኣለዎ፣ ኣእምርኡ ምሉእ ክሳብ ዝኾነ፡ ካብ ግዚኣ ምድንጓይ ኣይፍቀደሉን ኢዩ።
ካልኣይ: ሓደ ዝሓመመ ሰላቱ ብኸመይ ይሰግድ?
1- ሕሙም ሰብ፡ ብዘይ ጸገም ወይ ጉድኣት ጠጠው ምባል ዝኽእል እንተኾይኑ፡ ጠጠው ኢሉ ክሰግድ፡ ሩኩዕ ክገብርን ሱጁድ ክወርድን ግዴታኡ ኢዩ።
2- ደዉ ምባል እናኸኣለ፡ ሩኩዕ ወይ ሱጁድ ምግባር እንተጸጊምዎ፡ ን ሩኩዕ ደዉ ኢሉ፡ ንሱጁድ ድማ ኮፍ ኢሉ ብምልክት ይገበር።
3- ደዉ ኢሉ ምስጋድ እንተዘይክኢሉ፡ ኮፍ ኢሉ ይሰግድ። እቲ ሱና ድማ ኣብ'ቲ ደዉ ዝብለሉ ቦታ ኣእጋሩ ኣመሳቒሉ ኮፍ ይብል፡ ን ሩኩዕ ብምልክት ይገብር። እንተተኻኢሉ ኣብ ምድሪ ሱጁድ ይገብር፣ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ንሱጁድ ብምልክት ይገብር። እቲ ናይ ሱጁድ ምልክት ከኣ ካብ ናይ ሩኩዕ ዝተሓተ ይኸዉን።
4- ኮፍ ኢሉ ሰላት ምስጋድ እንተዘይከኣለ፡ ንጎኑ ደቂሱ ገጹ ናብ ቒበላ ጌሩ ይሰግድ። እንተተኻኢሉ ብየማናይ ጎኑ ምዃን ይበልጽ፡ ንሩኩዕን ሱጁድን ድማ ብምልክት ይፍጽሞ።
5- ንጐኒ ኮይኑ ምስጋድ እንተዘይክኢሉ: ብሑቑኡ ደቂሱ ይስገድ: ክልተ ኣእጋሩ ናብ ቒበላ ገጹ ጌሩ: ንሩኩዕን ሱጁድን ድማ ብምልክት ይገብር።
6- ኣብ ሩኩዕን ሱጁድን ብሰብነቱ ምልክት ምግባር እንተዘይክሊልዎ ብርእሱ ምልክት ይገብር፡ እዚ ዉን እንተኸቢድዎ እቲ ምልክት ምግባር ዉን ግዴታ ኣይኮኖን ኢዩ።ነቲ ተግባራት ሰላት ድማ ብልቡ የካይዶ። ከም'ቲ ዘለዎ ኩነታት ኮይኑ ኸኣ ንተግባራት ሰላት ከም ሩኩዕን ሱጁድን ኮፍ ምባልን ብሓሳብ ከምዝገብሮ ዘሎ ይሓስብ፡ ዚክሪታታ ዉን ይብል።
7- ዝሓመመ ካብ ናይ ሰላት ቅድመ-ኩነት ዝተኻኣሎ ክፍጽም ይግባእ፡ ከም፡ ናብ ቒብላ ኣንፈትካ ምግባር፣ ብማይ ውዱእ ምግባር፣ ወይ ድማ ምስዘይክእል ተየሙም ምግባር፡ከምኡ'ዉን ካብ ነጃሳ ምጽራይ። ካብ'ዚ ዝተባህለ ክገብር እንተዘይክኢሉ ግድነት ኣይኮኖን ኢዩ። ነዚታት ገዲፉ፡ከም ኩነታቱ ዘለዎ ድማ ይሰግድ፡ ንሰላት ድማ ካብ ግዚኣ ከደንጉያ የብሉን።
8- እቲ ሱና ሓደ ዝሓመመ ሰብ ኣብ ቦታ ደዉን ሩኩዕን ዝግበረሉ ኣእጋሩ ኣመሳቒሉ ኮፍ ይብል፡ኣብ ካልእ ተግባራት ከኣ እግሩ ኣንጺፉ ኮፍ ይብል።
ካልኣይ፦ ናይ ገያሻይ ሰላት።
1- ካብ ቅቡል ምኽንያት ዘለዎም ሰባት፡ገየሻይ ኢዩ። ነቲ ናይ ኣርባዕተ ረክዓ ሳላት ድማ ካብ ኣርባዕተ ናብ ክልተ ረክዓ ከሕጽሮ ይፍቀደሉ። ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ:
﴿وَإِذَا ضَرَبۡتُمۡ فِي ٱلۡأَرۡضِ فَلَيۡسَ عَلَيۡكُمۡ جُنَاحٌ أَن تَقۡصُرُواْ مِنَ ٱلصَّلَوٰةِ...﴾
{ኣብ ምድሪ ኣብ እትጓዓዙሉ፡ ካብ ሰላትኩም ከተሕጺሩ ሓጥያት ኣይኮነኩምን ኦዩ...} [ኣልኒሳእ፡101]
ከምኡውን ኣነስ ቢን ማሊክ፡ረዲየላሁ ዓንሁ ኢሉ፥
«خَرَجْنَا مَعَ النَّبِيِّ ﷺ مِنَ الْمَدِينَةِ إِلَى مَكَّةَ، فَكَانَ يُصَلِّي رَكْعَتَيْنِ رَكْعَتَيْنِ، حَتَّى رَجَعْنَا إِلَى الْمَدِينَةِ».
«ምስ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ካብ መዲና ናብ መካ ወጺእና፡ ንሱ ድማ ክሳዕ ናብ መዲና ዝተመለስና ክልተ ክልተ ረከዓ ይሰግዱ ነበሩ»38.
ቀስር(ምሕጻር) ዝጅምረሉ፡ ገያሻይ ካብ'ቲ ዝሰፈረሉ ዝነበረ ዓዱ ምስ ወጸ ኢዩ። ምኽንያቱ ኣላህ ነቶም ኣብ ዝገሹ ቀስሪ ፈቒዱሎም ኢዩ። ገያሻይ ካብ ዓዱ ቅድሚ ምዉጽኡ ገያሻይ ኣይቁጸርን ኢዩ፡ምኽንያቱ ድማ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ምስ ተጓዓዙ ጥራይ ኢዩ ቀስሪ ዝገብር ዝነበረይ::
2- ሓደ ገያሻይ ንሰላቱ ከሕጽረሉ ዝፍቀደሉ ርሕቐት፡ ኣስታት ሰማንያ ኪሎ ሜተር ኢዩ።
3- ንገያሻይ ክሳብ ካብ መገሽኡ ተመሊሱ ዓዱ ዝኣቱ (ሰላት)ከሕጽር ይኽእል።
4- ተጓዓዚ ናብ ሓደ ዓዲ በጺሑ ኣብኡ ንምቕማጥ እንተሓሲቡ: ሰለስተ ኩነታት ኣለዎ:
ሀ) ካብ ኣርባዕተ መዓልቲ ንላዕሊ ንምቕማጥ እንተሓሲቡ፡ ካብታ ዘዕረፈላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ሰላቱ ብምሉእ ክሰግድ ግዴታኡ ኢዩ፣ በቲ ንገያሻይ ዝተዋህበ ፍቓድ ከኣ ኣይጥቀምን ኢዩ።
ለ) ንኣርባዕተ መዓልትን ወይ ካብኡ ንታሕትን ንምጽናሕ እንሓሲቡ፡ ሰላቱ ከሕጽርን በቲ ንገያሻይ ዝተፈቕደሉ ክጥቀምን ይፍቀዶ ኢዩ።
ሐ) ንዝተወሰነ እዋን ንኽቕመጥ ሓሳብ ዘይብሉ፡ግን ከም'ቲ እቲ ቦታ ዝሰማምዖ ሓደ መዓልቲ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ክጸንሕ ይኽእል፡ ወይ ድማ ከም ሕክምና ወይ ካልእ ዝኸዶ ጉዳይ እንተለዎ፡ እቲ ጉዳዩ ምስ ወድአ ድማ ናብ ዓዱ ንዝምለስ። እዚ ሰብ እዚ፡ እቲ ዝጸንሓሉ ግዜ ልዕሊ ኣርባዕተ መዓልቲ እንተኾነ'ኳ፡ ክሳብ ዝምለስ ሰላቱ ከሕጽር በቲ ናይ ጉዕዞ ፍቑድ ዕድላት ክጥቀምን ይፍቀደሉ ኢዩ።
5- ገያሻይ ድሕሪ ኣብ ዓዲ ዘሎ ኢማም እንተሰጊዱ፡ ነታ ሰላት ምምላእ ግዴታኡ ኢዩ፡ወላ'ኳ ምስኡ እታ ናይ መወዳእታ ኣተሓያቱ ጥራሕ እንተኣርከበ።
6- ኣብ ዓዲ ዘሎ ሰብ፡ ድሕሪ ሓደ ሰላቱ ዘሕጽር ገያሻይ ምስ ዝሰግድ፡ እቲ ኢማም ሰላም ምስ በለ ንሰላቱ ምምላእ ግዴታ ይኾኖ።
መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ፦ ናይ ክልት ዒድ ሰላት፦
በዓላት ናይ ሙስሊሚን፡ኣላህ ባዕሉ ዝሰርዓሎም መሎኮታዊ በዓላት እምበር፡ ካብ ርእሶም ዝፈጠርወን ኣይኮነን። ብጀካ ክልተ በዓላት ካልእ የብሎምን: ንሳተን ድማ ናይ ፈጥሪ በዓልን ናይ ዓራፋ ወይ ኣልኣድሓ በዓልን ኢየን። ብኣንጻሩ ናይ ከሓድቲ ወይ ድማ ናይ ቢድዓ በዓላት፡ ልዑል ኣላህ ዝሰረዖን ዝኣዘዞን ዘይኮነስ፡ ንሳቶም ካብ ርእሶም ዝፈጠርወን ኢየን።
ናይ ክልት ዒድ ሰላት ፍርዲ:
ፈርድ ኪፋያ(ገለ ምስ ዝገብርዎ እቶም ካልኦት ኣይሕተቱን ኢዮም) ኮይኑ፡ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዘዘዉተሮን፡ ከምኡ'ዉን ኹለፋእ አል ራሺዲን (ድሕሪ ነቢ ዝነበሩ 4 ሓለፍቲ) ዘዘውተሩዎን ኢዩ፡ረዲየላሁ ዓንሁምኣላህ ። እዚኣ ኸአ ሓደ ካብ'ቶም ፍሉጣት ናይ ሃይማኖትን ግሉጽ ምልክት ጽባቐን ኢያ።
ናይ ክልት ዒድ ሰላት ግዜ፡ጸሓይ ከም ዓቐን ኩናት(ቀስተ) ልዕል ምስ በለት ይጅምር፡ እዚ ማለት፡ ጸሓይ ካብ ዝወጸትሉ ኣስታት ርብዒ ሰዓት ጸኒሑ ማለት ኢዩ። ምስ ናይ ዙህሪ ግዜ ምእታዉ ድማ ይዉዳእ።
ኣገባብ ናይ ክልት ዒድ ሰላት:
1- ኣብ ቀዳመይቲ ረክዓ ናይ መእተዊ ተክቢራ ይገብር፡ ብድሕሪኡ ዱዓ ኣል ኢስቲፍታሕ ይገብርየ' ብድሕሪኡ ሽዱሽተ ተክቢራታት ይገብር' ምስ ነፍሲ ወከፍ ተክቢራ ኣእዳው ሓፍ የብል፣ ኣብ መንጎ እቲ ተክቢራታት ድማ ንኣላህ የመስግኖን ይዉድሶን፡ንነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም'ውን ሰላዋትይገብር ፡ብድሕሪኡ ተዓውዝን በስመላን ይብል፡ምቕራእድድማ ይጅምር።
2- ኣብ ካልአይቲ ረከዓ ድሕሪ ተክቢረተል-ኢንቲቓል(ካብ ቀዳመይቲ ረክዓ ናብ ካልኣይቲ ረክዓ መሰጋገሪት ተክቢራ) ሓሙሽተ ተክቢራት ይገብር፡ ብድሕሪኡ ኢስቲዓዛን በስመላን ጌሩ ናብ ምቕራእ ይኣቱ። ኣብ ቀዳመይቲ ረከዓ ድሕሪ ኣልፋቲሓ ሱረቱል ኣዕላ፡ ኣብ'ታ ካልአይቲ ድማ ሱረቱል ቓሺያ ምቕራእ ዝተፈተወ ኢዩ።
3- ኢማም ሰለም ምስበለ ናብ ሚንበር ይድይብ እሞ ክልተ ኹጥባ ይገብር፡ ኣብ መንጎአን ድማ ልክዕ ከም'ቲ ኣብ ናይ ጁምዓ ኹጥባ ዝግበር ሓጺር ኮፍ ይበል።
ሱናታትናይ ዓድ :
ሀ- ኣልቑስል (ነብስኻ ምሕጻብ)
ለ- ነብስኻ ምጽራይን ጨና ምጥቃምን
መ: ኣብ ናይ ፈጥሪ በዓል ቅድሚ ምዉጻእ ምብላዕ፡ ኣብ ናይ በዓል ኣጫድሓ ድማ ድሕሪኡ ካብ'ቲ ኡድሕያኡ(ዝሓረዶ ኡድሕያ እንተለዎ)ምብላዕ ።
ደ- ብኣጋር ምዉጻእ
ሰ- ብሓደ መንገዲ ምኻድን፡ ብኻሊእ መንገዲ ምምላስ።
ወ- ንኢማም ዘይኮነ ንማእሙም(ተኸቲሉ ዝሰግድ ህዝቢ) ናብ መስገዲ ቦታ ኣቐዲምካ ምኻድ
ተክቢራ:
ተክቢራ ምግባር ኣብ ለይቲ ክልቲኤን ዒድን፡ ኣብተ'ን ዓሰርተ ናይ ዙል-ሒጃ፡ ከምኡ'ዉን ኣብ መዓልታት ኣል-ተሽሪቕ ሱና ኢዩ። ንሱ ኸኣ፡_
ቀዳማይ ዓይነት፡ ሓፈሻዊ ተክቢር፡ ንሱ ድማ ብውሱን ግዜ ዘይተቐየደ ኢዩ።
1- ኣብ ፊጥር፡ ካብ ምዕራብ ጸሓይ ናይ ዒድ ለይቲ ክሳብ ምጅማር ሰላት ዒድ።
2- ኣብ ናይ ዕድ ኣልኣድሓ : ካብ ምዕራብ ጸሓይ ናይ ቀዳመይቲ ለይቲ ወርሒ ዙል-ሒጃ ጀሚሩ ክሳብ ምዕራብ ጸሓይ ናይ መወዳእታ መዓልታት ተሽሪቕ ።
ካልኣይ ዓይነት፦ ውሱን ተክቢር፡ ንሱ ድማ እቲ ድሕሪ ግዴታዊ ሰላታት ዝበሃል ኢዩ።
1- ሙሕሪም ዘይኮነ(ኣብ ሓጅ ዘየለ): ካብ ወጋሕታ ዓረፋ መዓልቲ ክሳብ ዓስሪ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ተሽሪቕ።
2- እቲ ሙሕሪም(ኣብ ሓጅ ዘሎ): ካብ ናይ መዓልቲ ዒድ ሰላት ዙህሪ ክሳብ ናይ መጨረሽታ መዓልቲ ተሽሪቕ ሰላት ዓስሪ።
መበል ዓሰርተ ሸዉዓተ: ናይ ኩሱፍ ሰላት:
ትርጉም ኹሱፍን ኩሱፍን:
ኽሱፍ፡ ብርሃን ወርሒ ወይ'ዉን ገሊኡ ብለይቲ ምጥፋእ ኢዩ።
ኩሱፍ ማለት፡ ብርሃን ጸሓይ ወይ ክፋሉ ኣብ ቀትሪ ምስኣኑ ኢዩ።
ፍርዲ ናይ ሳላት ኩሱፍ:
ዝጸንዐ ሱና ኮይኑ፡ እዚ ድማ በቲ መልእክተኛ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለምካብ ኣብ ዘመኑ ጸሓይ ምስ ተጋረደት ዝሰገዳ ተግባሩ ዝተረጋገጸ ኢዩ። ከም'ቲ ብእኣ ምእዛዙ ዘመልክቶ፡ምሁራት እስልምና 'ዉን ሸሪዓዊ ምዃኑ ተሰማሚዖምሉ ኢዮም።
ግዜኣ:
ካብ ምጅማር ናይ ኩሱፍ ወይ ኹሱፍ ክሳብ ብግልጺ ትርአ ኢዩ፡ እዚ ድማ ምዉጋድ ናይ ኽሱፍ ወይ ኩሱፍ ኢዩ።
ኣገባባ:
ቁጽሪ ረክዓኣ ክልተ ኮይኑ ኣብ ክልቲአን ዓዉ ኢሉ ይቐርእ፡ ኣሰጋግዳኣ ድማ ከም'ዚ ዝስዕብ እ\ኢዩ፡
ሀ- ተክቢተልኢሕራም ይገብር፡ ዱዓ ኢስቲፍታሕ ይገብር፡ ኣዑዙ ቢላሂ ሚነሸይጣኒ ረጂም ከምኡ'ዉን ቢስሚላሂራሕማኒ ረሒም ብምባል ኣልፋቲሓ ይቐርእ፡ ብድሕሪኡ ንዉሕ ዝበለ ቑርኣን ይቐርእ።
ለ- ብድሕሪኡ ነዊሕ ሩኩዕ ይገብር።
ሐ- ብድሕሪኡ ካብ ሩኩዕ «ሰሚዓላሁ ሊመን ሓሚደህ» ኢሉ ሓፍ ይብል፡ ብድሕሪኡ ኣልፋቲሓ ይቐርእ፡ ቀጺሉ ኸኣ ካብ'ታ ቀዳመይቲ ዝሓጸረ ነዊሕ ቑርኣን ይቐርእ።
ደ- ብድሕሪኡ ካብ'ታ ቀዳማይ ሩኩዕ ዝሓጸረ ነዊሕ ሩኩዕ ይገበር።
ሰ- ብድሕሪኡ «ሰሚዓላሁ ሊመን ሓሚደሁ» ብምባል ካብ ሩኩዕ ሓፍ ይብል።
ወ- ብድሕሪኡ ክልተ ነዋሕቲ ሱጁድ ይሰግድ።
ዘ- ብድሕሪኡ ናብ ካልኣይቲ ረከዓ ሓፍ ይብል፡ንሳ ድማ ከም'ታ ቀዳመይቲ ኢያ፡እንተኾነ ግን ካብኣ ትሓጽር።
ሱናታታ:
ሀ)ናብኣ ምጽዋዕ: (ኣሳላቱ ጃሚዓ) ብምባል።
በ) ብጀማዓ ምስጋድ።
ሐ) ነታ ሰላት ምስ ሩኩዕን ሱጁድን ምንዋሕ።
መ) እታ ካልኣይቲ ረከዓ ካብ እታ ቀዳመይቲ ዝሓጸረት ክትከዉን።
ሀ) ድሕሪኡ ዝግበር ምዕዶኣዊ ስብከት፡ኣብ ተግባራት ኣምልኾ ምግባርን ካብ ሕማቕ ነገራት ክርሕቁን(ብ ኢማም)ሙንከራት ይምከር።
و) ብብዝሒ ዱዓ ምግባርን፡ ምምሕጻንን፡ይቕሬታ ምሕታትን፡ምጽወታ ምብዛሕን
መበል ዓሰርተ ሸሞንተ: ናይ ኢስትስቕእ ሰላት:
1) ኣልኢስቲስቕእ፦ ማለት ኣብ እዋን ደርቂ፡ ካብ ልዑል ኣላህ ዝናብ ክዘንብ ምሕታት ዝግበር ጸሎት ኢዩ።
ናይ ኢስትስቕእ ሰላት ዝተሓገገሉ ግዜ:
ናይ ኢስትስቓእ ሰላት ዝካየደሉ ኩነታት፡ ምድሪ ምስ ደረቀት፡ ዝናብ ምስ ደዉ ምስ ተቛረጸተ፡ ብምኽንያት ምቑራጹ ድማ ጉድኣት ምስ ኣጋጠመ፡እዚ ምስዘጋጥም ድማ ሰባት ካብ'ዛ ዘለውዋ ክወጹ ብዝተፈላለየ ዓይነት ዱዓ ናብ ጎይታኦም ክምሕጸኑን፡ ዝናብ ክሓትዎን፡ ሓገዝ ክልምንዎን እንተዘይኮይኑ ካልእ መዋጽኦ ኣብ ዘይብሎም እዋን ኢዩ።
ህ- ብ ጀማዓ ወይ ድማ ብዉልቂ ምስጋድ።
ለ- ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ናይ ጁምዓ ኹጥባ፡ ኸጢብ ዱዓ ይገብር፡ ሙስሊሚን ድማ ምስኡ ኣሚን ይብሉ።
መ:ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ዝኾነ እዋን ብዘይ ሰላትን ኹጥባን ዱዓ ብምግባር።
ፍርዲ ናይ ሰላት ኣልኢስቲስቓእ:
ንኽትስገድ ኣብ ዝተረኽበሉ ምኽንያት፡ ብተግባር ናይ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝተረጋገጸ ጽኑዕ ሱና ኢዩ። ከም'ቲ ኣብ ሓዲስ ዓብዲላህ ቢን ዘይድ ረዲየላሁ ዓንሁ ዝበሎ፡
«خَرَجَ النَّبِيُّ ﷺ إِلَى الْمُصَلَّى، فَاسْتَسْقَى، وَاسْتَقْبَلَ الْقِبْلَةَ، وَقَلَبَ رِدَاءَهُ، وَصَلَّى رَكْعَتَيْنِ».
« ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ናብ መስገዲ ቦታ ወጽዩ፡ናብ ቒብላ ኣንፈቱ ጌሩ ጸሎተ-ዝናብ ጌሩ፡ላዕለዋይ ክዳኑ ገልቢጡ፡ ክልተ ረከዓ ድማ ሰጊዱ።»39.
ናይ ሰላት ኣልኢስቲስቓእ ኣገባብ:
ኣገባብ ናይ ሰላት ኣልኢስትስቓእ ኣብ ኣሰጋገድኣ ከም ናይ ዒድ ሰላት ኢያ። ኣብ መስገዲ ቦታ ከም ናይ ዒድ ሰላት ምስጋዳ ይፍቶ፡ ስርዓታቱ ድማ ልክዕ ከም ናይ ዒድ ሰላት ኢዩ። ኣብ ቑጽሪ ረክዓታት፡ብዓዉታ ምቕራእ፡ ቅድሚ እቲ ኹጥባ ኣብ ምስጋዳ፡ ከምኡ’ዉን ኣብ'ቲ ኣብ ቀዳመይትን ካልኣይትን ረክዓ ቅድሚ ምቕራእ ዝግበር ተወሳኺ ተክቢራታት፡ ከም'ቲ ኣብ ናይ ክልት ዒድ ሰላት ኣቐዲሙ ዝተገለጸ ኢዩ። ከምኡ'ዉን ሓንቲ ኹጥባ ይኾጥብ።
መበል ዓሰርተ ትሽዓተ: ፍርዲ ናይ ጀናዛታት(ሬሳታት):
ቀዳማይ፦ ነቲ ክመዉት ዝቐረበ ንዘሎ ሰብ ዝምልከት:
1- ነቲ ምስ ክመዉት ዝቐርብ ዘሎ ሰብ ንምስኡ ዘሎ ካልእ ሰብ፡ «ላኢላሃ ኢለላህ» ክብል ከዘኻኽሮ ሱና'ዩ።
2- ኣንፈቱ ናብ ቒብላ(ካዕባህ) ምግባር ሱና ኢዩ።
3- ኣዒንቱ ምዕማት ዉን ዝተፈትወ ኢዩ።
4- ድሕሪ ሞት ነቲ ሬሳ ብክዳን ምሽፋን ሱና ይኸዉን።
5- ንምድላዉ ምቕልጣፍ አግባእ።
6-ዕድኡ ብቕልጡፍ ምኽፋል።
7- ዝሞተ ይሕጸብን ይኽፈንን(ብጨርቂ ይሽፈን)፡ ክልቲኦም ድማ ናይ ሓባር ግዴታ ኮይኑ ገለ ምስዝፍጽምዎ እቶም ካልኦት ኣይሕተቱሉን ኢዮም።
ካልኣይ: ፍርዲ ናይ ሳላት ኣልጀናዛ:
ፍርዱ:- ናይ ሓባር ግዴታ ኮይኑ ገለ ምስዝፍጽምዎ እቶም ካልኦት ኣይሕተቱሉን ኢዮም።
ቅድመ-ኩነት ናታ:-
1) ናብ ቒብላ(ካዕባህ) ኣንፈት ምግባር
2) ሕፍረት ነብሲ ምሽፋን
3) ካብ ነጃሳ ምርሓቕ
4) ናይ'ቲ ሰጋዳይን ናይ'ቲ ዝስገደሉ ቦታን ጠሃራ(ንጽህና) ምሕላዉ
5) ናይ'ቲ ሰጋድን እቲ ዝስገደሉ ዘሎ ሰብን ኣስላም ክኾኑ
6) ኣብ ግዜ ስግደት፡እቲ ሬሳ ኣብ'ቲ ዓዲ እንተሃልዩ ብኣካል ክህሉ(ክቕረብ)
7) ሙከለፍ(ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሐ) ክኸዉን
ዓንድታታ ድማ፦
1) ደዉ ምባል
2- ኣርባዕተ ተክቢራታት ምግባር
3- ኣልፋቲሓ ምቕራእ
4) ሰለዋት ንነቢ ሰላላሁ ዓለይሂ ወሰለም ምግባር
5- ነቲ ምውት ዱዓ ምግባር
6_ቅደም-ተኸተል ምሕላዉ
7- ሰላምታ ምግባር
ሱናታታ ድማ:-
1) ምስ ነፍሲ ወከፍ ተክቢራ ክልተ ኣእዳዉ ሓፍ ምባል
2) ኣልኢስቲዓዛ (ኣዑዙ ቢላሂ ሚነልሸይጧኒረጂም) ምባል
3- ንርእሱን ንኩሎም ኣስላምን ዱዓ ምግባር
4) ድምጺ ኣትሕት ኣቢልካ ምቕራእ
5- ድሕሪ ራብዓይቲ ተክቢራ: ቅድሚ ሰላምታ ቑሩብ ደዉ ምባል።
6) የማናይ ኢድ ኣብ ልዕሊ ጸጋማይ ኢድ ብምግባር ኣብ ኣፍ ልቢ ምሓዝ
7- ኣብ እዋን ሰላምታ ናብ የማን ግልጽ ምባል
ኣገባባ:
ኢማም ወይ በይኑ ንዝሰግድ ሰብ፡ ኣብ ኣፍ ልቢ ናይ ወዲ ተባዕታይ፡ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ኣብ ኣፍ ልባ ደዉ ምባል፡ ናይ መእተዊ ተክቢራ ምግባር፡ ኣዑዙ ቢላሂ ሚነሸይጣኒ ረጂም ምባል፡ ናይ መኽፈቲ ዱዓ ዘይምግባር፡ "ቢስሚላሂ" ምባልን ኣልፋቲሓ ምቕራእን።
ብድሕሪኡ ተክቢራ ይገብር፡ ንነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ሰለዋት ይገብር፡ ደጊሙ ድማ ተክቢራ ይገብር፡ ነቲ ምውት ድማ በቲ ዝተረጋገጸ ኣገባብ ዱዓ ይገብረሉ። ንኣብነት ከም'ቲ ነቢ ሰላላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ:
«اللَّهُمَّ اغْفِرْ لِحَيِّنَا وَمَيِّتِنَا، وَصَغِيرِنَا وَكَبِيرِنَا، وَذَكَرِنَا وَأُنثَانَا، وَشَاهِدِنَا وَغَائِبِنَا، اللَّهُمَّ مَنْ أَحْيَيْتَهُ مِنَّا فَأَحْيِهِ عَلَى الإِيمَانِ، وَمَنْ تَوَفَّيْتَهُ مِنَّا فَتَوَفَّهُ عَلَى الإِسْلَامِ، اللَّهُمَّ لَا تَحْرِمْنَا أَجْرَهُ، وَلَا تُضِلَّنَا بَعْدَهُ».
«ኣላሁመ ቕፊር ሊሓዪና ወመዪቲና, ወሰቒሪና ወከቢሪና, ወዘከሪና ወኡንሳና, ወሻሂዲና ወቓኢቢና, ኣላሁመ መን ኣሕየይተሁ ሚና ፈኣሕዪሂ ዓለል ኢማን, ወመን ተወፈይተሁ ሚና ፈተወፈሁ ዓለል ኢስላም, ኣላሁመ ላ ተሕሪምና ኣጅረሁ, ወላ ቱዲለና ባዕደሁ»40.
ከምኡ'ዉን ከም ዝበሎ:-
«اللَّهُمَّ اغْفِرْ لَهُ وَارْحَمْهُ، وَعَافِهِ وَاعْفُ عَنْهُ، وَأَكْرِمْ نُزُلَهُ، وَوَسِّعْ مَدْخَلَهُ، وَاغْسِلْهُ بِالْمَاءِ وَالثلْجِ وَالْبَرَدِ، وَنَقِّهِ مِنَ الْخَطَايَا كَمَا نَقَّيْتَ الثَّوْبَ الْأَبْيَضَ مِنَ الدَّنَسِ، وَأَبْدِلْهُ دَارًا خَيْرًا مِنْ دَارِهِ، وَأَهْلًا خَيْرًا مِنْ أَهْلِهِ، وَزَوْجًا خَيْرًا مِنْ زَوْجِهِ، وَأَدْخِلْهُ الْجَنَّةَ، وَأَعِذْهُ مِنْ عَذَابِ الْقَبْرِ، وَمِنْ عَذَابِ النَّارِ».
«ኣላሁመ ቕፊር ለሁ ወርሓምሁ, ወዓፊሂ ወዕፉ ዓንሁ, ወኣክሪም ኑዙለሁ, ወወሲዕ መድኸለሁ, ወቕሲልሁ ቢልማኢ ወሰልጂ ወልበረድ, ወነቂሂ ሚነል ኸጣያ ከማ ነቀይተ ሰዉበል ኣብየደ ሚነደነስ, ወኣብዲልሁ ዳረን ኸይረን ሚን ዳሪሂ, ወኣህለን ኸይረን ሚን ኣህሊሂ, ወዘዉጀን ኸይረን ሚን ዘዉጂሂ, ወኣድኺልሁ አልጀነተ, ወኣዒዝሁ ሚን ዓዛቢል ቐብር, ወሚን ዓዛቢናር»41. ብድሕሪኡ ተክቢራ ገይሩ ንቑሩብ ደዉ ይብል፡ ድሕሪኡ ድማ ሓደ ግዜ ናብ የማኑ ሰላምታ ይገብር።
ሳልሳይ ምዕራፍ፦ ኣዘካት
1- ትርጉም ኣ'ዘካትን ደረጅኡን:
ዘካት ብቛንቋ፦ ዕቤትን ወሰኽን ኢዩ።
ዘካት ብሸሪዓ: ግዴታዊ ተግባር ኮይኑ ካብ ዝተወሰነ ገንዘብ ንፍሉይ ጉጅለ ዝወሃብ ሸሪዓዊ ኣገባብ ኢዩ።
ካብ ናይ እስልምና ዓንድታት እቲ ሳልሳይ ዓንዲ ኢዩ። ንሳ ድማ ኣብ ቑርኣን ኣብ ሰማንያን ክልተን ቦታታት ምስ ሰላት ተመራሪሓ ትርከብ፡እዚ ድማ ዕብየት ደረጃኣ ዘመልክት ኢዩ።
ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፦
﴿وَأَقِيمُواْ ٱلصَّلَوٰةَ وَءَاتُواْ ٱلزَّكَوٰةَ...﴾
{ሰላት ስገዱ ምጽዋት ዉ'ን ን ሃቡ...} ኣልበቐራ:43
ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ ኢሉ
«بُنِيَ الإِسْلَامُ عَلَى خَمْسٍ: شَهَادَةِ أَنْ لَا إِلٰهَ إِلَّا اللَّـهُ، وَأَنَّ مُحَمَّدًا رَسُولُ اللَّـهِ، وَإِقَامِ الصَّلَاةِ، وَإِيتَاءِ الزَّكَاةِ، وَحَجِّ الْبَيْتِ، وَصَوْمِ رَمَضَانَ».
"እስልምና ኣብ ሓሙሽተ ኣዕኑድ ዝተሃነጸ ኢዩ፤ ብዘይካ ኣላህ ብሓቂ ዝምለኽ ኣምላኽ ከምዘየሎን ሙሓመድ ናይ ኣላህ ልኡኽን ከምዝኾነን ኢልካ ምምስካር፡ሰላት ምስጋድ፡ ዘካት ምሃብ፡ሓጅ ምግባር፡ ረመዳን ምጻም"።42
ኩሎም ኣስላም ድማ ግድን ምዃኑ ሓባራዊ ስምምዕ ኣለዎም፡ ኣብ ልዕሊ ናይ'ቲ ግዴታ ምዃና ዝኸሓደ'ዉን ኩፍር(ክሕደት) ከምዝፈጸ። ነቶም ምዉጽኣ ዝኣበዩ ድማ ምቅላስ።
2- ቅድመ-ኩነት ናይ'ቲ ዘካት ምዉጻእ ግድነት ዝኾኖ:
ሀ) ናጽነት: ኣብ ልዕሊ ባርያ ግዴታ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ንሱ ንብረት የብሉን፡ ኣብ ኢዱ ዘሎ ኩሉ ድማ ናይ ጎይትኡ ምልኪ ኢዩ፡ ስለ'ዚ ዘካቱ ጎይትኡ ኢዩ ዘዉጻሉ።
ለ) ኣስላማይ ምዃን: ኣብ ልዕሊ ካፍር(ዝኸሓደ)ግዴታ ኣይኮነትን፡ ምኽንያቱ ንሳ(ዘካት) ናብ ኣላህ መቕረብን ትእዛዝን ኢያ፡ዝኸሓደ ድማ ንኸም'ዚ ዓይነት ንኣላህ መቕረብን ተኣዛዝነትን ብቑዕ ኣይኮነን።
መ) ኒሳብ ምዉናን፦ኣብ ኒሳብ ዘይበጽሐ ግዴታ ኣይከዉንን ኢዩ፡ንሱ ድማ(ኒሳብ) ብሸሪዓ ዝተገመተ መጠን ገንዘብ።
ደ) ሙሉእ ዋንነት፦ እቲ ንብረት ናይ ሓደ ሰብ ኮይኑ ዋንነቱ ድማ ምሉእን ፍጹምን ክኸዉን ኡግባእ። ዋንነቱ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ንብረት ድማ ዘካት የብሉን፡ ከም ኣብ ዕዳ ዘሎ ገንዘብ።
ሠ) እቲ ገንዘብ ዓመቱ ኣሕሊፉ ክኸዉን: ካብ ዓኢሻ ረዲየላሁ ዓንሃ ኣብ ዝመጽ ሓዲስ:
«لَا زَكَاةَ فِي مَالٍ حَتَّى يَحُولَ عَلَيْهِ الْحَوْلُ».
«ዝኾነ ገንዘብ ዓመት ክሳብ ዝገብር፡ዘካት የብሉን»43።
3- እቲ ዘካት ዝወጸሉ ገንዘብ፦
ቀዳማይ፦ እንስሳ፡
ንሳተን ድማ ገመል፡ ብዕራይን ጠለበጊዕን ኢየን። ኣብአን ድማ ብክልተ ቅድመ-ኩነት ዘካት ይግበአን፦
1- ንስራሕ ዘይኮነ ንጸባን ንኽፋረያን ኢልካ ከተፍርየን እንከሎኻ፡
2- ካብ ጓሶት ክትከዉን (ማለት ኣብ መጓሰዪ እትጓሰ)። እዚ ማለት ነተን ጥሪት ዋናአን ባዕሉ ዝገዝኣለን ወይ ካብ ሳዕርን ካልእን ዝኣከቦ ኣምጺኡ ዝምግበን እንተኾይኑ ዘካት ኣይግባእን። ዓመት ወይ መብዛሕትኡ ወይ ንገለ ክፋል ዓመት ዝጓሰያ፡ዘካት ኣይግበአንን ኢዩ።
4- ኒሳብ ናይ እንስሳ:
1- ናይ ገመል ዘካት:
ቅድመ-ኩነት ምስ ዝማላእ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ኣግማል ሓንቲ በጊዕ፡ ኣብ ዓሰርተ ድማ ክልተ ኣባጊዕ፡ ኣብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሰለስተ ኣባጊዕ፡ ኣብ ዕስራ ድማ ኣርባዕተ ኣባጊዕ ከዉጽእ ይግባእ። ከም'ቲ ብሱናን ኢጅማዕን( ሙሁራት እስልምና ዝተሰማማዕሉ) ዝተረጋገጸ። ዕስራን ሓሙሽተን ምስ በጽሓ፡ ኣብኣ ሓንቲ ቢንት መኻድ የዉጽእ፡ንሳ ድማ ሓደ ዓመት ዝመልአትን ናብ ካልኣይ ዓመት ዝኣተወትን ኢያ።ንሳ እንተዘይተረኺባ፡ ኣብ ክንድኣ ኢብን ለቡን ከዉጽእ ይኽእል።
ቁጽሪ ኣግማል ሰላሳን ሸዱሽተን ምስ ዝበጽሕ፡ቢንት ለቡን ከዉጽእ ኣለዎ፡ ንሳ ድማ ክልተ ዓመት ዝገበረት ኢያ።
ቁጽረን ኣርብዓን ሽዱሽተን ምስ በጽሐ ድማ፡ ሓንቲ ሒቓ ምሃብ ግድን ይኸዉን፣ ንሳ ድማ ሰለስተ ዓመት ዝመልአት ኢያ።
ብዝሒ ገመል ሱሳን ሓደን ምስ ዝበጽሕ፡ ሓንቲ ጀዝዓ ከዉጽኣላ ይግባእ፡ንሳ ድማ እታ ኣርባዕተ ዓመት ዝመልአት ኢያ።
ብዝሒ ገመል ሰብዓን ሽዱሽተን ምስ ዝበጽሕ፡ ክልተ ቢንት ለቡን ግቡእ ይኾና።
እተን ኣግማል ተስዓን ሓደን ምስ ዝበጽሓ ድማ፡ ክልተ ሒቃታት ይግበኦ።
ጠቕላላ ቁጽሪ ገመል ካብ ሚእትን ዕስራን ወላ ብሓንቲ እንተዛይዱ፡ ሰለስተ በናት ለቡን ከዉጽእ ይግባእ። ድሕሪኡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርብዓ ሓንቲ ቢንት ለቡን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓምሳ ድማ ሓንቲ ሒቃ የዉጽእ።
2- ናይ ብዕራይ ዘካት:
ቅድመ-ኩነት ምስ እተማልእ ቑጽሮም ሰላሳ ምስ በጽሐ: ተቢዕ ወይ ተቢዓ ከዉጽእ ግዴታ ይኸዉን፡ንሱ ድማ ሓደ ዓመት ዘመልአ ናብ ካልኣይ ዓመት ዝኣተወ ኢዩ።
ቁጽረን ካብ ሰላሳ ንታሕቲ ዘሎ ድማ ዝወጽእ የብሉን።
ቁጽረን ኣርባዓ ምስ በጽሐ፡ ሓንቲ እኽልቲ ዕድመ ዝገበረት ብዕራይ ከዉጽእ ይግባእ። ንሳ ድማ ክልተ ዓመት ዝመልአት ኢያ።
ጠቕላላ ቁጽሪ ኣቡዑር ልዕሊ ኣርባዓ ምስ ዝኸዉን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰላሳ ካብኣተን ተቢዕ(ወዲ ዓመት ዝኾነ) ወይ ተቢዓ (ጓል ዓመት ዝኾነት)፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዓ ኸኣ ጓል ክልተ ዓመት ዝኾነት ብዕራይ ምዉጻእ ግዴታ ይኸዉን።
3- ናይ ጤለ-በጊዕ ዘካት፦
ብዝሒ ጠለ-በጊዕ፡ በጊዕ ይኹና ጤል፡ ኣርባዓ ምስ በጽሐ፡ ሓንቲ ካብአን ከም ዘካት ትወጽእ፡ ንሳ ድማ ሓንቲ ንእሽተይ በጊዕ ወይ ሓንቲ ኣንስተይቲ ጤል ትኸዉን።
እተን ጤለ-በጊዕ ቁጽረን ካብ ኣርባዓ እንተጎዲሉ ዘካት የብለንን። ብዝሒ ጤለ-በጊዕ ሚእትን ዕስራን ሓደን ምስ በጽሐ ድማ፡ ክልተ ኣባጊዕ ከዉጽኣለን ይግባእ። ክልተ ሚእቲን ሓደን ምስ በጽሐ ድማ፡ ሰለስተ ኣባጊዕ ከዉጽእ ግድን ይኸዉን።
ድሕሪ'ዚ ካኣ እቲ ግዴታ ጽኑዕ ይኸዉን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሚእቲ ሓንቲ በጊዕ ይኸዉን፡ ኣብ ኣርባዕተ ሚእቲ ኣርባዕተ ኣባጊዕ፡ ከምኡ እናበለ ድማ ይቕጽል።
ካልኣይ፦ ናይ ካብ መሬት ዝወጽእ ዘካት
ካብ መሬት ዝወጽእ ከኣ ክልተ ዓይነት ኢዩ:-
1- ጥረታት ኣእካልን
2- ማዕድናት
ቀዳማይ ዓይነት–፦ጥረታት ኣእካልን ፡
ዘካት ካብ ኣእካል ከም ስርናይ፡ ስገምን ሩዝን ይግባእ። ካብ ጥረታት፦ ከም: ተምሪን ዘቢብን፡ ኣብ ካልኦት ኣታኽልቲ፡ ከም ቡቑልን ኣሕምልታትን፡ ዘካት ኣይግባእን።
ኣብ ኣእካል ጥረታትን ዘካት ግዴታ ዝኸነሉ ቅድመ-ኩነት፡
1) ዝኽዘን ክኸዉን፦ ካብ'ቲ ዘይኽዘን ከም ፍሩታትን ኣሕምልትን ዝኣመሰሉ ነገራት ዘካት የብሉን።
2. ብመዐቀኒ መስፈሪ ዝዕቀን ክኸዉን ኣለዎ፡ኣብ'ቲ ብቁጽሪ ወይ ብሚዛን ዝሽየጥ ዘካት የብሉን፡ ከም ብርጭቕ፡ ሽጉርቲ፡ሩማንን ካልኦትን ዝኣመሰለ።
3) ኒሳብ ምብጻሕ፦ ንሱ ድማ ሓሙሽተ ኣዉሱቕ(ብግምት 653 ኪሎ) ኢዩ፡ካብኡ ንዝወሓደ ዘካት የብሉን።
4) እቲ ኒሳብ ዘካት ግዴታ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ዋንነቱ ኣብ ትሕቲ እቲ ሰብ ክህሉ ኣለዎ።
ስለዚ፡ድሕሪ እቲ ዘካት ዝግበኣሉ እዋን ዝወነኖ ሰብ፡ ከም'ቲ ድሕሪ ምዕጻዱ እንተዝገዝኦ ወይ ውህብት(ሃዲያ) እንተዝወሃቦ፡ ዘካት ከዉጽእ ኣይግበኦን ኢዩ።
ዘካት ግዴታ ዝኾነሉ ግዜ:
ኣብ ኣእካልን ጥረታትን ምብሳሉ ምስ ጀመረ ዘካት ይግባእ። ምልክት ናይ መጀመሪያ ኣበሳስልኡ ድማ ከም'ዚ ይመስል:-
ሀ- ኣብ እኽሊ: ምስ በረተዐን ምስ ነቐጸን።
ለ- ኣብ ተምሪ፦ ብምቕያሑ ወይ ብምብጫው።
መ- ኣብ ወይኒ: ልስሉስን ጥዑምን ምስ ኮነ
ኒሳብ ናይ ዘካት ከኣ:-
ኒሳብ ኣእካልን ጥረታትን: ሓሙሽተ ኣዉሰቕ፣ ወሰቕ ከኣ ሱሳ ሳዕ፡ እቲ ኒሳብ ሰለስተ ሚእቲ በቲ ሳዕ(ኣብ ግዜ ነቢ ዝነበረ ስርዓተ-መስፈሪ)) ኮይኑ፡ ብኪሎግራም ድማ ኣስታት 900 ኪግ ይመጣጠን።
ካብኡ ክወጽእ ዝግብኦ ናይ ዘካት ዓቐን:
እቲ ብዘይ ጻዕርን ወጻእን ዝስተየ ፍርያት፡ ከም እቲ ብማይ ዝናብን ወይ ዝፍልፍል ወሓዚ ማይ ዝበቆለ፡ ዕሹር ይወጽኦ።
ነቲ ብወጻእን ጻዕርን ዝሰትይ ፍርያት፡ ማለት እቲ ካብ ዒላታትን ኣፍላጋትን ብእንስሳታት ወይ ብዘመናዊ መሳርሒታት ማይ ስሒብካ ተስትዮ፡ ፍርቂ ናይ ዕሽር እጃም ምዉጻእ ይግባእ።
2ይ– ማዕድናት:
ካብ ዓይነታት ናይ ካብ መሬት ዝወጽእ:- ማዕድናት፡ ንሱ ካብ መሬት ዝወጽእን ካብ ዓይነታ(መሬት) ወጻኢ ኮይኑ ከም ወርቅን ብሩርን ሓጺንን ክቡራት ማዕድናትን።
ዘካት ግዴታ ዝኾነሉ ግዜ፡
ኣጥርዩ ምስ ወነና፤ ብቐጥታ ዘካት የዉጽእ፣ ምሕላፍ ሓዉል(ዓመት ክትገብር)ግድነት ስለዘይኮነ። ዓቐኑ ድማ ናይ ወርቅን ብሩርን ኮይኑ፡ ካብ ዋግኡ 2.5% ይወጽእ።
3ይ– ናይ ኣስማን ዘካት፦
ኣልኣስማን ዝበሃሉ፦ከም ወርቅን ብሩርን ናይ ወረቐት ገንዘብን ኢዮም፣ ዘካት ከተዉጸሎም ድማ ግዴታ ኢዩ፣ ናይ'ዚ መረጋገጺ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል
﴿...وَالَّذِينَ يَكْنِزُونَ الذَّهَبَ وَالْفِضَّةَ وَلَا يُنْفِقُونَهَا فِي سَبِيلِ اللَّهِ فَبَشِّرْهُمْ بِعَذَابٍ أَلِيمٍ 34﴾
{እቶም ወርቅን ብሩርን ዝኽዝኑ፡ ኣብ መንገዲ ኣላህ ድማ ዘይልግስዎ፡ ብኣቀንዛዊ መቕጻዕቲ ኣበስሮም} [ኣተዉባ: 34]።
ኣብ ሓዲስ ከኣ፦
«مَا مِنْ صَاحِبِ ذَهَبٍ وَلَا فِضَّةٍ لَا يُؤَدِّي فِيهَا حَقَّهَا؛ إِلَّا إِذَا كَانَ يَوْمَ الْقِيَامَةِ صُفِّحَتْ لَهُ صَفَائِحُ مِنْ نَارٍ».
«ዝኾነ ወናኒ ወርቅን ብሩርን ኮይኑ ግቡኡ ዘየዉጻሉ፡ ኣብ መዓልቲ ትንሳኤ ካብ እሳት ዝተሰርሑ መንጸፍ ይግበረሉ»44
ዑለማእ(ሰብ ፍልጠት ናይ እስልምና) ኣብ ወርቅን ብሩርን ዘካት ግዴታ ምዃኑ ተሰማሚዖም ኢዮም፡ ገንዘብ ዉን ከም ናይ ወርቅን ብሩርን ፍርዲ ኣለዎ።ምኽንያቱ ኣብ ገንዘብ ምልዉዋጥ ኣብ ቦታ(ወርቅን ብሩርን) ስለዝተከኦ።
ኒሳብ ናይ ዘካት ኣብ ብገንዘብ ዝትመንን፡ ካብኡ ክንደይ ክወጽእ ከዝግበኦን፦
ንሱ ልክዕ ከም'ቲ ናይ ወርቂ ወይ ብሩርን ኒሳብ ኢዩ።ንዑኡ ኣብ መግዝኢ ዋጋስለዝተከኦ። ናይ ሓዲኦም እቲ ዝተወሰነ ኒሳብ ምስ ዝበጽሕ ድማ ዘካት ግዴታ ይኸዉን። ሎሚ መብዛሕትኡ ግዜ፡ኒሳብ ገንዘብ ብብሩር ኢዩ ዝግመት፡ ካብ ወርቂ ዝሓሰረ ስለዝኾነ፡ነቲ ንዘካት ዝበቕዕ ኒሳብ ድማ ቅድሚኡ ስለዝኣክል። ሓደ ሙስሊም ዝዉንኖ ዋግኡ (595) ግራም ብሩር ምስ ዝኸዉን ምስኡ ድማ ሓደ ዓመት ምሉእ ምስ ዝጸንሕ፡ ዘካት ይግበኦ። ዋጋ ሓደ ግራም ብሩር ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይፈላለኢዩ። ስለዚ፡ዉሑድ ገንዘብ ዘለዎ ሰብ፡ እቲ ገንዘቡ ኒሳብ በጺሑ ድዩ ኣይበጸሐን ምዃኑ እንተዘይፈሊጡ፡ ንነጋዶ ብሩር ብዛዕባ ዋጋ ሓደ ግራም ይሓትት፡ ድሕሪኡ ብ (595) የራብሖ፡ እቲ ዝወጸ ዉጽኢት ድማ ኒሳብ ይኸዉን።
ጠቓሚ ነጥቢ፦ ሓደ ሰብ ዘካት ገንዘቡ ከዉጽእ ምስዝደሊ፡ ነቲ ንዘካት ዝበጽሐ ኒሳብ ንኣርብዓ ይመቅሎ፡ እቲ ዝወጸ ድማ እቲ ግዴታ ዝኾነ መጠን ገንዘብ ኢዩ።
ራብዓይ፦ ናይ ንግዲ ዘካት
ንረብሓ ተባሂሉ ንምሻጥን ምግዛእን ዝተዳለወ ኢዩ። ናይ ንግዲ ኣቕሑት ድማ ብዘይካ ጥረ ገንዘብ ኩሉ ዓይነታት ገብዘብ የጠቓልል ኢዩ፡ከም መካይን፡ ክዳውንቲ፡ ኣጭርቕቲ፡ ሓጺን፡ ዕንጨይትን ካልኦት ንንግዲ እተዳለዎ ነገራት።
ናይ ንግዲ ዘካት ግዴታ ዝኮነሉ ቅድመ-ኩነት:
1- ብተግባሩ ዝዉንኖ: ከም ምሻጥን ምክራይን፡ካልኦት ናይ መኽሰብ መንገድታትን።
2- ሓሳቡ ንንግዲ ኢሉ ክዉንኖ እንከሎ፡እዚ ማለት ብእኡ ገይሩ ክረብሕ ምሕሳብ።ምኽንያቱ ኩሉ ነገር ብኒያ ስለዝኾነ፡ ንግዲ ኸኣ ስለዚ ከምቲ ናይ ካልኦት ስራሓት ኒያ ክህልዎ ስለዝግባእ።
3- ዋግኡ ንናይ ኒሳብ ወርቂ ወይ ብሩር ክበጽሕ
4- ተማም ኣል'ሖል፡ንሱ ድማ ሓደ ዓመት ምሕላፍ።
ናይ ንግዲ ዘካት ኣወጻጽኣ፡
ናይ ንግዲ ንብረት፡ ዓመት ምስ ዘማልእ፡ ብዋጋ ወርቂ ወይ ብሩር፡ ዋግኡ ተገሚቱ፡ኒሳብ ወርቂ ወይ ብሩር ንዘካት ዘብቅዕ ዓቐን ምስ በጽሐ፡ ካብ ዋግኡ ርብዒ ናይ ዑሽር የዉጽእ።
ሓምሻይ፦ ዘካት አል ፊጥር
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ረመዳን እትወሃብ ግዴታዊት ምጽዋት ኢያ፡ ኣብ ካልኣይ ዓመት ሂጅራ ድማ ተሓጊጊጋ።
ፍርዳ:
ዘካት አል ፊጥር፡ ንነፍሲ ወከፍ ሙስሊም፡ ኣብ መዓልትን ለይትን ዒድ፡ ንዕኡን ንስድርኡን ካብ ዝኣኽሎም ዝዛይድ መግቢ እንተለዎ ከዉጽእግዴታ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ ኩሉ ሙስሊም፡ ወዲ ተባዕታይ ይኹን ጓል ኣንስተይቲ፡ ንእሽቶ ይኹን ዓቢ፡ ናጻ ይኹን ባርያ፡ ግዴታ ኢዩ። ኣብ ሓዲስ ከኣ:
«فَرَضَ رَسُولُ اللَّهِ ﷺ زَكَاةَ الْفِطْرِ عَلَى الْعَبْدِ وَالْحُرِّ، وَالذَّكَرِ وَالْأُنثَى، وَالصَّغِيرِ وَالْكَبِيرِ، مِنَ الْمُسْلِمِينَ».
«ልኡኽ ኣላህ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዘካት አል ፊጥር፡ኣብ ልዕሊ ባርያን ነጻን፡ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን፡ ንእሽቶን ዓብይን ካብ ሙስሊሚን ግዴታ ጌርዎ።»45 ፈሪዱ ማለት: ግዴታ ጌሩ ኣገዲዱ።
ጥበብ ወይ ምኽንያት ዝተሕሓገትሉ፡
ኢብኑ ዓባስ ረዲየላሁ ዓንሁማ ኢሉ፦
«فَرَضَ رَسُولُ اللَّهِ ﷺ زَكَاةَ الْفِطْرِ؛ طُهْرَةً لِلصَّائِمِ مِنَ اللَّغْوِ وَالرَّفَثِ، وَطُعْمَةً لِلْمَسَاكِينِ».
«ልኡኽ ኣላህ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ንዘካት አል ፊጥር፡ ንጸዋማይ ካብ ላግጽን ጽዩፍ ዘረባን (መጣሃሪ) መጽረዪ፡ ንድኻታት ድማ መግቢ ክትከዉን ግዴታ ገይርዋ።»46
ግዴታ እትኾነሉን እትወጻሉን ግዜ:
ዘካት አል ፊጥር፡ ብምዕራብ ጸሓይ ናይ ለይቲ ዒድ ግዴታ ትኸዉን። ኣብ ዒድ መዓልቲ ናብ ናይ ዒድ ሰላት ቅድሚ ምኻድ ምዉጻኣ ድማ ይምረጽ። ከምኡ'ዉን ካብ ዒድ ሰላት ምድንጓያ ኣይፍቀድን ኢዩ ካብ ሰላት ዒድ ዘደንጕያ፡ ቐዳእ ገይሩ ከዉጸኣ ግዴታኡ ኢዩ፡ ካብ'ቲ ዝተወሰነሉ እዋን ብምድንጓዩ ድማ ሓጢኣተኛ ይኸዉ ዕይን።
ቅድሚ በዓል ዒድ ብሓደ ወይ ብክልተ መዓልቲ ምዉጻኣ ድማ ይፍቀድ ኢዩ።
መጠናን ካብ መን ከምትወጽእን:
ሳዕ ካብ መግብታት: ከም ሩዝ: ተምሪ: ስርናይ ወይ ካልእን ካብ ናይ'ቲ ዓዲ ልሙድ እኽሊ። መጠን ሳዕ ድማ፡ ኣስታት ሰለስተ ኪሎግራም ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ዋጋ ብገንዘብ ምኽፋል ፍቑድ ኣይኮነን፡ ምክያቱ ንትእዛዝ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝጻረር ስለዝኾነ።
ዘካት ምዉጻእን ዝግበኦም ሰባትን:
ዝወጸሉ ግዜ:
ዘካት ምዉጻእ ግዴታ ዝኾነሉ ግዜ ምስ ኣኸለ ሽዕኡምጻእ ይግባእ። ብዘይካ ነቲ ምኽንያት ዘለዎ፡ ከም እቲ ገንዘብ ኣብ ርሑቕ ሃገር ኮይኑ ዝውክሎ ሰብ ዘይምህላዉ ዝኣመሰለ ዘገድድ ምኽንያት እንተዘይኮይኑ፡ ምድንጓያ ኣይፍቀድን ኢዩ።
እትወጸሉ ቦታ:
እቲ ዝበለጸ፡ኣብ'ቲ እቲ ገንዘብ ዘለዎ ሃገር ዘካት ምዉጻእ እቲ ገንዘብ ካብ'ቲ ዘለዎ ዓዲ ናብ ካልእ ዓዲ ንምንቅስቓሱ ዝፍቀደሎም ኩነታት:
ሀ- ኣብ'ቲ ዓዲ ዘለዎ ንዘካት ዝግብኦ ጽጉም ሰብ እንተዘይተረኺቡ።
ለ- ኣብ ካልእ ሃገር ዝተጸገመ ኣዝማድ እንተሃልዩ።
መ: ናብ ካልእ ዓዲ ንምቕያር ዘገድድ ሸሪዓዊ ረብሓ እንተተረኺቡ: ከም፡ ናብ'ቶም ብጥሜትን ዉሕጅን ዝኣመሰለ ዝተጠቕዑ ሙስሊሚን ዝርከቡዎም ከባቢታት ምብጻሕ።
ዘካት ኣብ ናይ ገንዘብ ህጻንን ጽሉልን፡እዚ ድማ ብሓፈሻ ናይ'ቲ መርትዖታት ዝመጸና መሰረት፡ ኣብ ክንድኦም ኮይኑ ዘዉጽኦ ድማ እቲ ናይ ገንዘቦም ኣላዪ ኢዩ። ዘካት ምዉጻእ ብዘይ ኒያ ኣይፍቀድን ኢዩ። ከም'ቲ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ:
«إِنَّمَا الْأَعْمَالُ بِالنِّيَّاتِ».
«እቲ ኩሉ ተግባራት እኮ ብኒያ ኢዩ ዝሕሰብ»47
ዘካት ዝግበኦም ሰባት:
እቶም ዘካት ዝግበኦም ዓይነታት ሰባት ሸሞንተ ኢዮም፦
ናይ መጀመርታ ክፍሊ ጽጉማት፦
ንሳቶም ድማ እቶም እቲ መሰረታዊ ነገራት ከም መንበርን፡ መግቢን ክዳንን እኹል ዝኾነ ዘይረኽቡ፡ ካብ ዘካት ዝወሃቦም፡ ንዓኣቶምን ነቶም ዝኣልይዎምን ንሓደ ዓመት ዘንብሮም መጠን ገንዘብ ይወሃቦም።
ካልኣይ ክፍሊ፡ስኡናት
ንሳቶም እቶም መብዛሕትኡ ዝኣኽሎም ዝረኽቡ ኮይኖም፡ ግን ምሉእነቱ ዘይረኽቡ ኢዮም። ንኣብነት፦ ወርሓዊ ደሞዝ ዘለዎ፡ ግን ንዓመት ዘይኣኽሎ ሰብ።
ካብ ዘካት ዝወሃቦም መጠን፦ ንዓኣቶምን ነቶም ዝምእከሉዎምን ንሓደ ዓመት ዝኸውን ምምላእ እዩ።
ሳልሳይ ክፋል፦ እቶም ኣብኡ ዝሰርሑ፡
ንሳቶም እቶም በቲ መራሒ ዘካት ንምእካብ ዝምደቦም፡ ወይ ዉን ንምሕደራ ወይ ናብ ዝግብኦም ንምብጻሕን ሓላፍነት ዝወስዱ ኢዮም።
ካብ ዘካት ዝወሃቦም መጠን፦ ናይ ስርሖም ዓስቢ ዝኸዉን(ደሞዝ) መጠን ኢዩ፡ ካብ መንግስቲ ዝኾነ ዓስቢ ወይ ደሞዝ እንተዘይሃልይዎም።
ራብዓይ ክፍሊ:- እቶም ልቦም ምኽሳብ ዘድልዮም:
ንሳቶም ድማ ኩሎም እቶም ብምሃቦም ተስፋ ዝግበረሎም ኢዮም።ክሰልሙ፡ ወይ እምነቶም ከትርሩ ዝድለዩ፡ወይ ንሙስሊሚን ምጉዳእ ክኽልከሉ ዝወሃቦም ኢዮም።
እቲ ካብ ዘካት ዝወሃቦም መጠን፦ክሳብ ልቦም ዝኽሰቡ ኢዩ።
ሓምሻይ ክፍሊ፦ኣሪቓብ:
ትርጉሙ ከኣ፡ ንባሮትን ንሙካተቢን(ብዉዕል ሓራ ንኽወጹ ዝተጸሓሓፉ)ን ሓራ ምዉጻእ።
ሙካተብ ዝበሃል ድማ፡ እቲ ካብ ወናኒኡ ንነፍሱ ዝገዝአ ባርያ ኢዩ። ኣብ ዉግእ ንዝተማርኹ ሙስሊሚን ከፊልካ ሓራ ምዉጻእ’ዉን ኣብኡ ይኣቱዉ ኢዩ።
ሻድሻይ ክፍሊ፦እቶም ኣልቓሪሙን ኮይኖም፡ክልተ ዓይነት ኣለዉዎም:
ቀዳማይ: ንዉልቃዊ ጉዳዩ ዝኸዉን ዕዳ ዘለዎን ነቲ ዕዳኡ ክኸፍለሉ ዝእል ምስዘይረክብን። ዕድኡ ዝኸፍለሉ ይወሃቦ።
ካልኣይ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ንምትዕራቕ ኢሉ ዕዳ ዝኣተወ። ሃብታም እኳ እንተኾነ፡ ንዕድኡ ዝኽፈል ይወሃቦ።
ሻዉዓይ ክፍሊ፦ ኣብ መንገዲ ኣላህ
ንሳቶም ድማ እቶም ኣብ መንገዲ ኣላህ ዝቃለሱ ኢዮም።
ካብ ዘካት ዝወሃቦም መጠን፦ ኣብ መገዲ ኣላህ ንዝግበር ጂሃድ ዝኣኽሎም ምሃብ ኮይኑ፡ ከም መጓዓዝያ፡ ኣጽዋር፡ መግብን ከምኡ ዝኣመሰለን።
ሻምናይ ክፍሊ፦ገያሻይ፡
እዚ እቲ ስንቁ ዝተወድኦ ወይ ዝተሰርቆ ኮይኑ፡ ወላ ናብ ዓዱ ዘብጽሖ ገንዘብ ዘይብሉ ገያሻይ ኢዩ።
ካብ ዘካት ዝወሃቦም ዓቐን፡ ናብ ዓዱ ዘብጽሖ ዝኣክል፡ወላ ሃብታም እንተኾነ።
ራብዓይ ምዕራፍ፡ ጾም፡
ጾም ክንብል እንከሎና፡
ንኣምልኾት ንልዑል ኣላህ ኢልካ፡ ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ክሳብ ጸሓይ ትዓርብ ካብ ዘፍጥሩ ነገራት ምቑጣብ ኢዩ።
ንሱ ድማ ካብ ዓንድታት እስልምና ሓደ ኢዩ። ሓደ ካብ ግዴታታት ናይ ልዑል ዝኾነ ኣላህ ኢዩ። ኣብ እስልምና ብግድነት ዝፍለጥ። ነዚ ግዴታ ምዃኑ ዘረጋገጸ ድማ ኪታብ(ቑርኣን)ን ሱናን ከምኡ'ዉን ሙስሊሚን ብሓባር ዝተሰማመዑሉን ኢዩ።
ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፦
﴿شَهۡرُ رَمَضَانَ ٱلَّذِيٓ أُنزِلَ فِيهِ ٱلۡقُرۡءَانُ هُدٗى لِّلنَّاسِ وَبَيِّنَٰتٖ مِّنَ ٱلۡهُدَىٰ وَٱلۡفُرۡقَانِۚ فَمَن شَهِدَ مِنكُمُ ٱلشَّهۡرَ فَلۡيَصُمۡهُ...﴾
{ወርሒ ረመዳን እቲ ቑርኣን ንሰባት መምርሒ፡ከምኡ'ዉን ናብ ቅኑዕ መንገዲ ድማ ንጹር መርትዖታትን፡ ንሓቅን ሓሶትን ዝፈሊ ኮይኑ ዝወረደሉ ወርሒ ኢዩ። ካባኻትኩም ነዛ ወርሒ ዘርከብ ይጹም...} [ኣልበቐራ:185]
ቅድመ-ኩነት ናይ ግዴታ ጾም ረመዳን፡
1- ኣስላማይ ምዃን።ካብ ካፍር(ከሓዲ) ሰብ ተቐባልነት የብሉን፡
2- ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሐ/ት ምዃን።ንህጻን ግዴታ ኣይኮነን፡ ጾም ናይ ንእሽቶን መስተዉዓሊን ዝኾነ ትኽክል ይኸዉን፡ከም ነፍሊ ድማ ይሕሰበሉ።
3- ጥዑይ ኣእምሮ ምዃን፡ ጾም ንኣእምሮኡ ዝሰሓተ ሰብ ግዴታ ኣይኮኖን ኢዩ።ኒያ ስለዘይብሉ ካብኡ ተቐባልነት የብሉን።
4- ጾም ንምፍጻሙ ዓቕሚ ምህላዉ፡ ስለ'ዚ እቲ ክገብሮ ዘይክእል ዝሓመመ ግዴታ ኣይኮኖን'የ። ኣብ ልዕሊ ገያሻይ’ዉን ግዴታ ኣይኮነን፡ እቲ ምኽንያቶም ምስ ተኣለየ ድማ ይትክእዎ፡ ሕማምን መገሻን ማለት'ዩ። ንጓል ኣንስተይቲ ድማ እቲ እትገብሮ ኣምልኾት ቅቡል ንክኸዉን፡ ደም ሐይድን ኒፋስን ደዉ ክብል ኣለዎ።
ምእታዉ ወርሒ ረመዳን ብሓደ ካብ ክልተ ጉዳያት ይረጋገጽ፡ ንሳቶም ድማ፦
ሀ- ሂላል(ወርሒ) ወርሒ ረመዳን ምርኣይ፡ ከም'ቲ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ፡
«صُومُوا لِرُؤْيَتِهِ، وَأفْطِرُوا لِرُؤْيَتِهِ».
"ርኢኹም ጹሙ፡ርኢኹም ድማ ኣፍጥሩ"48
ለ- ንወርሒ ሻዕባን ሰላሳ መዓልቲ ምምላእ። እዚ ድማ ወርሒ ናይ ረመዳን ኣብ ዘይተራእየሉ፡ወይ ደበና ወይ ደሮና(ጣቓ) ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ ንኸይርአ ኣብ ዝዓግተሉ እዋን ኢዩ።ከም'ቲ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ፡
«فَإِنْ غُمَّ عَلَيْكُمْ؛ فَأَكْمِلُوا عِدَّةَ شَعْبَانَ ثَلَاثِينَ يَوْمًا».
«እንተድኣ ተኸዊላትኩም(እታ ወርሒ)፡ቁጽሪ መዓልታት ሻዕባን ሰላሳ መዓልቲ ምልእዎ»49.
ኒያ ኣብ ጾም፡
ጾም ከም'ቶም ካልኦት ዓይነት ዒባዳታት ብዘይ ኒያ ትኽክል ኣይከዉንን ኢዩ። ኣብ ግዜ ግዴታዊ ጾም ክግበር ዘለዎ ናይ ኒያ ግዜ ካብ ካልኦት ዓይነታት ጾም ዝፍለ ኮይኑ፡ብከም'ዚ ዝስዕብ ከኣ በሪሁ ኣሎ።
ቀዳማይ፡ እቲ ግዴታዊ ዝኾነ ጾም ከም ጾም ናይ ረመዳን ወይ ናይ ቐዳእ(መተካእታ ናይ ጾም ረመዳን)) ወይ ናይ መብጻዓ(ቅል ምእታዉ)፡ኒይ ናይዚኦም ድማ ብለይቲ ቅድሚ ወጋሕታ ክኸዉን ግዴታ ኢዩ። ከም'ቲ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ፡
«مَن لَمْ يُبَيِّتْ الصِّيَامَ مِنَ اللَّيْلِ فَلَا صِيَامَ لَهُ».
«ጾም ካብ ለይቲ ዘይነየተ(ወሽጣዊ ሓሳብዘይገበረ) ጾም የብሉን»50።
ካልኣይ፡ናይ ሱና ጾም፡ሓደ ሰብ ካብ ቀትሪ ኒያ ክገብረሉ ይከኣል ኢዩ። እዚ ማለት፦ድሕሪ ምውጻእ ፈጅሪ(ወጋሕታ)፡ ዘፍጥር ነገር ዘይወሰደ እንተደኣ ኾይኑ።
ጾም ዘፍርሱ፡
ቀዳማይ፡ስጋዊ ርክብ፡ ሓደ ሰብ ስጋዊ ርክብ እንተፈጺሙ ጾሙ ይበላሾ፡ ነታ ርክብ ዝፈጸመላ መዓልቲ ቐዳእ ክገብር (ክትከኦ)ግድነት ይኾኖ። ምስ ቐዳእ ዉን ከፋራ(መከሓሓሲ) ይኾኖ፡ ንሱ ድማ ንባርያ ሓራ ምውጻእ ኢዩ። ባርያ እንተ ዘይረኺቡ ድማ፡ ክልተ ተኸታተልቲ ኣዋርሕ ክጸዉም ይግደድ፡ ብሸሪዓዊ ምኽንያት ክገብሮ እንተዘይክኢሉ፡ ሱሳ ጽጉማት ከብልዕ ኣለዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ጽጉም ድማ ካብ'ቲ ኣብ ዓዲ ዝብላዕ መግቢ ፍርቂ ሳዕ ይህብ።
ካልኣይ: ብምኽንያት ስምዒታዊ ምስማዕ፡ ምትንኻፍ፡ ብኢድካ ተጠቂምካ ዘርኢ ምዉጻእ፡ ወይ ደጋጊምካ ምጥማት ዝኣመሰለ ጌርካ ዘርኢ ምስ ዝወጽእ፡ ቐዳእ ጥራሕ ኢዩ ዘለ ብዘይ ከፋራ። ምኽንያቱ እቲ ከፋራ ንጾታዊ ርክብ ጥራይ ኢዩ ዝምልከት። ኣብ ዝደቀሰሉ እዋን ብሕልሚ ዘርኢ ምስ ዝወጾ፡ እዚ ብዘይ ፍቓዱ ስለ ዝኸዉን ሓጢያት የብሉን፡ ይኹን እምበር ካብ ጀናባ ንምጽራይ ነብሱ ክሕጸብ ኣለዎ።
ሳልሳይ: ኮነ ኢልካ ምብላዕን ምስታይን፡ ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፡
﴿...وَكُلُواْ وَٱشۡرَبُواْ حَتَّىٰ يَتَبَيَّنَ لَكُمُ ٱلۡخَيۡطُ ٱلۡأَبۡيَضُ مِنَ ٱلۡخَيۡطِ ٱلۡأَسۡوَدِ مِنَ ٱلۡفَجۡرِۖ ثُمَّ أَتِمُّواْ ٱلصِّيَامَ إِلَى ٱلَّيۡلِ...﴾
{ብልዑ ስተዩ ክሳዕ እቲ ጻዕዳ ፈትሊ ናይ ወጋሕታ ካብ'ቲ ጸሊም ፈትሊ ናይ ለይቲ ዝፍለየልኩም። ድሕሪኡ ነቲ ጾም ክሳዕ ለይቲ መልእዎ...} [ኣልበቐራ፡187]
ረሲዑ ዝበልዐ ወይ ዝሰተየ ግን፡ወልሓንቲ ነገር የብሉን። ከም'ቲ ኣብ ሓዲስ ዝመጸ፡
«مَن نَسِيَ وَهُوَ صَائِمٌ، فَأَكَلَ أَوْ شَرِبَ، فَلْيُتِمَّ صَوْمَهُ، فَإِنَّمَا أَطْعَمَهُ اللَّهُ وَسَقَاهُ».
«ጼሙ እንከሎ ረሲዑ ዝበልዐ ወይ ዝሰተየ ሰብ፡ ጾሙ ይመልኣዮ፡ እቲ ዘብልዖን ዘስተዮን ኣላህ ስለ ዝኾነ።»51
ራብዓይ፡ ኮነ ኢልካ ተምላስ ምምላስ፡ብዘይ ድሌቱ ዘምለሰ ንዝሰዓሮ ግን ጾሙ ኣየፍርስን ኢዩ። ከም'ቲ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ፡
«مَنْ ذَرَعَهُ الْقَيءُ فَلَيْسَ عَلَيْهِ قَضَاءٌ، وَمَن اسْتَقَاءَ عَمْدًا فَلْيَقْضِ».
«ተምላስ ስዒርዎ እንተወጽዩ ቐዳእ የብሉን፡ ኮነ ኢሉ ዘዉጸኦ ግን ይቐድዮ»52።
ሓምሻይ፡ ካብ ኣካላትካ ደም ምዉጻእ፡ ብማሕጎማ፡ ወይ እናፈለጥካ ፡ወይ ንሓደ ሕሙም ንምድሓን ኢልካ ደም ምልጋስ፡ በዚ ዓይነት ኩሉ የፍጥር ኢዩ። ግን እቲ ንመርመራ ተባሂሉ ዝዉሰድ ንእሽተይ ደም ዝዉሰድ ንጾም ኣየበላሽዎን ኢዩ። ከምኡ’ዉን ብዘይ ድሌትካ ዝወጽእ ደም፡ ከም ነስሪ በፍንጫ ዝወጽእ፡ ወይ ቁስልታት፡ ወይ ኣብ ስኒ ምስዳድ፡ ንጾም ኣየፍርስን ኢዩ።
እቶም ኣብ ረመዳን ምፍጣር ዝፍቀደሎም ሰባት፡
ቀዳማይ ክፋል፡ ከፍጥሩ ዝፍቀደሎምን ቐዳእ ዝግበኦምን፡ ንሳቶም ድማ፦
ቀዳማይ፡ካብ ሕማሙ ክሓዊ ተስፋ ዘልዎ ሰብ፡ግን ጾም ዝጎድኦ ወይ ዝኸብዶ እንተኾይኑ።
ካልኣይ፡ ገያሻይ፡ ኣብ መገሽኡ ጸገም ይርከብ ወይ ኣይርከብ።
ናይ'ዞም ክልቲኦም ማስረጂ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡
﴿...وَمَن كَانَ مَرِيضًا أَوۡ عَلَىٰ سَفَرٖ فَعِدَّةٞ مِّنۡ أَيَّامٍ أُخَرَ...﴾
{...ዝሓመመ ወይ ኣብ መገሻ ዘሎ፡ ኣብ ካልኦት መዓልታት ኣለዎ...} [ኣልበቐራ: 185]
ሳልሳይ፡ ጥንስትን እተጥቡ ሰበይትን፡ ጾም የሸግረን እንተኾይኑ ወይ ንዓኣተን ወይ ንዐአንን ንዉላደንን፡ ፍርዱ ከም ናይ ዝሓመመ ኮይኑ። ስለዚ ምፍጣር ይፍቀደለን ኢዩ። ግን ነቲ ጾም ኣብ ካልእ እዋን ምቕዳይ(ምትካእ) ግዴተአን ኢዩ።
ራብዓይ፡ ኣብ ሐይድን ንፋስን ዘለዋ ደቂኣንስትዮ፡ከፍጣር ድማ ግድነት ይኾነን። (ወላ ዉን እንተጾማ) ጾመን ኣይሕሰብን ኢዩ፡ኣብ ካልኦት መዓልታት ቐዳእ ክገብረኦ ድማ ግዴተአን ኢዩ።
ካልኣይ ክፋል፡ እቶም ከፍጥሩ ዝተፈቕደሎም፡ቐዳእ ግን ዘይኮነስ ከፋራ(መከሓሓሲ)ጥራይ ዝግበኦም፡ንሶም ድማ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም።
ቀዳማይ፡ ናይ ምሕዋይ ተስፋ ዘይብሉ ዝሓመመ።
ካልኣይ፡ ምጻም ዘይክእል ዝሸምገለ ሰብ።
እዚኦም ሰባት የፍጥሩ እሞ ኣብ ወርሒ ረመዳን ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ድማ ንሓደ ጽጉም የብልዑ። እዚ ማለት እቲ ዕድመ ዝደፍአ ሰብ ናብ ነብሱ ዘይፈልጠሉ ደረጃ ምስ ዝበጽሕ፡ ሃይማኖታዊ ግዴታ ካብኡ ስለዝልዓል፡ ጾሙ የፍጥር፡ወላሓንቲ ነገር'ዉን ኣይሕተተሉን ኢዩ።
ዝትከኣሉ ግዜን ንምድንጓዩ ዘለዎ ፍርድን፡
ጾም ረመዳን ቐዳእ ምግባር፡ ኣብ መንጎ እቲ ሓደ ረመዳንን እቲ ዝስዕቦ ካልእ ረመዳንን ዘሎ ግዜ ክኸዉን ይግባእ። እቲ ዝበለጸ ድማ ቀልጢፍካ ቐዳእ ምግባር ኢዩ። ቐዳእ ክሳብ እቲ ካልኣይ ዝቕጽል ረመዳን ምድንጓይ’ዉን አይፍቀድን ኢዩ። ካብ ዓኢሻ ዝተረኸበ ረዲየላሁ ዓንሃ ኢላ፡
«كَانَ يَكُونُ عَلَيَّ الصَّوْمُ مِنْ رَمَضَانَ، فَمَا أَسْتَطِيعُ أَنْ أَقْضِيَ إِلَّا فِي شَعْبَانَ لِمَكَانِ رَسُولِ اللهِ ﷺ».
«ካብ ረመዳን ዝተረፈኒ ጾም ይህልወኒ እሞ፡ ንረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከገልግል ብምጽናሕ፡ ኣብ ወርሒ ሻዕባን እንተዘይኮይኑ ክቐድዮ ኣይክእልን ነበርኩ።»53
ነቲ ቐዳእ ድሕሪ እቲ ዝስዕብ ረመዳን ዘደንጐዮ ሰብ ድማ፡ ክልተ ኩነታት ኣለዎ፡
1- መምርሒ ኢስላም ብዝፈቐዶ ጸገም ምድንጓይ፡ ንኣብነት፦ ሕማሙ ክሳብ ዝቕጽል ረመዳን እንተቐጺሉ፡ እዚ ቐዳእ ጥራሕ'ዩ ዘለዎ።
2- ብዘይ ሸርዒ ምኽንያት እንተደኣ ኣደንግይዎ፡በቲ ምድጓዩ ሓጥያት ይኾኖ፡ተውባ(ምንሳሕ) ዉን ግዴታ ኮይኑ፡ቐዳእን ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንሓደ ሚስኪን ምምጋብን ይግደድ።
ናይ ሱና ጾም ነቲ ቐዳእ ዘለዎ፡
ካብ ጾም ረመዳን ቐዳእ ዘለዎ ሰብ፡ እቲ ዝበለጸ ቅድሚ ሱና ጾም (ነቲ ቐዳእ)ምፍጻሙ ኢዩ። እንተኾነ ግን እቲ ናይ ነፍሊ ጾም ከም ጾም ዓረፋን ዓሹራእን እዋኑ ዝሓልፍ እንተድኣ ኮይኑ፡ ቅድሚ እቲ ቐዳእ ይጾሞ። ምኽንያቱ ናይ ቐዳእ ግዚኡ ሰፊሕ ክኸዉን ከሎ፡ ናይ ዓሹራእን ዓረፋን ግን እዋኑ ይሓልፍ ኢዩ። ግን ቐዳእ ከይወደአ፡ ሽዱሽተ ናይ ሸዋል ኣይጸዉምን ኢዩ።
ንኽትጾሞ ሓራም ዝኾነ፡
1- መዓልቲ ናይ ዒድ ፈጥሪን መዓልቲ ናይ ዒድ ኣልኣድሓ(ሕርዶ) ምጻም፡ ዝተኸልከለ ስለ ዝኾነ።
2- ናይ ወርሒ ዙልሒጃ መዓልታት ተሽሪቕ ምጻም፡ ብዘይካ ንሙተመቲዕን ቓሪንን ኣብ ሐጅ ዘለዉ፡ ሃድይ(ሕርዶ) እንተዘይረኺቡ፡ መዓልታት ተሽሪቕ ድማ፦ መበል ዓሰርተ ሓደን ዓሰርተ ክልተን ዓሰርተ ሰለስተን ካብ ወርሒ ዙል ሒጃ ኢየን።
3- መዓልቲ ጥርጣረ ብሰንኪ ጥርጣረ፡ንሳ ድማ ናይ ሻዕባን መበል ሰላሳ መዓልቲ ኢያ፡ ንወርሒ ካብ ምርኣይ ዝዓግት ደበና ወይ ደሮና(ጣቓ) እንተሃልዩ።
ጾም ዝጽልኣሉ፡
ሀ- ወርሒ ረጀብ ነጺልካ ምጻም፡ ለ- ጁምዓ መዓልቲ ፈሊኻ ምጻም፡ካብኡ ስለ ዝተኸልከለ፡ ቅድሚኡ ወይ ድሕሪኡ ሓንቲ መዓልቲ እንተ ጾይሙ እቲ ምጽላእ ይእለ።
ምጻም ዝፍተወሉ፡
ሀ- ካብ ወርሒ ሸዋል ሽዱሽተ መዓልታት፡ ለ- ናይ ትሽዓተ ዙልሒጃ ምጻም፡ ካብ'ዚ እቲ ዝበለጸ ዝተረጋገጸን ድማ ዓረፋ መዓልቲ ኢዩ፡ እንተኾነ ንኣብ ሓጅ ዘሎ ክጸሞ ሱና ኣይኮኖን ኢዩ፡ ንዝጾመ ድማ ናይ ክልተ ዓመት ሓጢያት ይድምሰሰሉ። መ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሰለስተ መዓልቲ ምጻም፡ዝበለጸ ድማ ኣብ'ተን ኣያመል ቢድ ዝበሃላ: መበል ዓሰርተ ሰለስተን ዓሰርተ ኣርባዕተን ዓሰርተ ሓሙሽተን ምጻም ኢዩ። ሰ:፡ጾም ናይ ሶኑይን ሓሙስን ፡ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ይጾመን ኔሩ፡ ምኽንያቱ ኣብ'ዘን መዓልታት እዚአን ተግባራት ናይ ባሮት(ናብ ኣላህ) ስለ ዝቐርባ።
ናይ ሱና ጾም፡
ሀ- ናይ ዳውድ ዓለይሂ ሰላም ጾም፡ ሓደ መዓልቲ ይጸውም፡ ሓደ መዓልቲ ድማ የፍጥር ኔሩ።
ለ- ጾም ናይ ወርሒ (ኣላህ) ሙሓረም፡ ኣብ'ዚ ወርሒ ምጻም ድማ ዝበለጸ ኮይኑ ፡እቲ ዝያዳ ዝተረጋገጸሉ ድማ ጾም መዓልቲ ዓሹራእ ኢዩ። ንሳ ድማ ካብ ወርሒ ሙሓረም ዓስረይቲ መዓልቲ ኮይና፡ ምስኣ እታ ታሽዐይቲ መዓልቲ'ዉን ትጽወም ኢያ ከም'ቲ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ፡
«لَئِنْ بَقِيتُ إِلَى قَابِلٍ لَأَصُومَنَّ التَّاسِعَ».
«ክሳብ ዝመጽእ ዓመት እንተ ጸኒሐ፡ ነቲ ታሽዓይ ብርግጽ ክጸሞ ኢየ»54 ነታ ቅድሚኡ ዝነበረት ዓመት ድማ (ሓጥያት)ይድምስስ።
ሓምሻይ ምዕራፍ፡ ሓጅን ዑምራን
ሓጅ ብስነ ቛንቋ:ምሕሳብ ኢዩ። ሸሪዓዊ ትርጉሙ፡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ፍሉይ ዝኾነ ስነስርዓታት ክትፍጽም ኢልካ ናብ በይቱላሂል ሓራምን ቅዱሳን ቦታታትን ምብጻሕ ኢዩ።
ዑምራ ድማ ብስነ ቛንቋ ምብጻሕ ኢዩ።
ሸሪዓዊ ትርጉሙ ድማ፡ ንዝተወሰኑ ስነስርዓታት ንምፍጻም ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ናብ ሓረም ዝግበር ምብጻሕ ኢዩ።
ሓጅ ድማ ሓደ ካብ ኣዕኑድ እስልምናን ዓበይቲ መሰረታቱን ኢዩ። ኣብ ታሽዓይ ዓመት ሂጅራ ድማ ግዴታ ኮይኑ ተኣዚዙ፡ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለምሓንቲ ሓጅ ጌሩ፡ ንሳ ድማ ሓጀቱል ወዳዕ (ናይ መሰናበቲ ሓጆም) ትበሃል።
ሓጅ ምግባር ክእለት ንዘለዎ ኣብ ዕድሚኡ ሓደ ግዜ ክገብር ግዴታ ይኾኖ። እቲ ዝወሰኸ ከኣ ሱና ኢዩ። ዑምራ ድማ ብመሰረት ርእይቶ ብዙሓት ዑለማእ ግዴታ ኢያ። ምስክር ናይ'ዚ ድማ፡ ነቢ ሰለላሁ ዓለይወሰለም፡ "ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጂሃድ ኣሎዶ?" ተባሂሉ ምስተሓተተ፡ ከም'ዚ ኢሉ፡
«نَعَمْ، عَلَيْهِنَّ جِهَادٌ لَا قِتَالَ فِيهِ: الْحَجُّ وَالْعُمْرَةُ».
«እወ፣ ንዓኣተን ዉግእ ዘይብሉ ጽዕሪ ኣለወን፡ ሓጅን ዑምራን»55
ሓደ ሰብ እዚ ቅድመ-ኩነት ምስዘማልእ ሓጅን ዑምራን ግዴታ ይኾኖ።
1- እስልምና፡
2- ኣእምሮ ምሉእ ምዃን፡
3- ዓቕሚ ኣዳም ምብጻሕ፡
4- ነጻ(ሓራ) ምዃን፡
5- ዓቕሚ ምህላዉ፡
ንጓል ኣንስተይቲ ድማ ሻድሻይ ቅድመ-ኩነት ይዉሰኻ፡ ንሱ ድማ ነቲ ዕማም ንምፍጻም ምስኣ ዝገይሽ ማሕረም ምህላው ኢዩ። ምኽንያቱ ንሓጅ ኮነ ንዝኾነ ካልእ ጉዳይ ብዘይ ማሕረም ክትገይሽ ስለዘይፍቀደላ ኢዩ። ከም'ቲ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ፡
«لَا تُسَافِرُ الْمَرْأَةُ إِلَّا مَعَ ذِي مَحْرَمٍ، وَلَا يَدْخُلُ عَلَيْهَا رَجُلٌ إِلَّا وَمَعَهَا مَحْرَمٌ».
«ጓል ኣንስተይቲ፡ ምስ ማሕረም እንተዘይኮይና ክትገይሽ ኣይፍቀዳን ኢዩ፡ምስኣ ማሕረም እንተዘይሃልዩ፡ካልእ ወዲ ተባዕታይ (ኣብ ገዝኣ) ኣይኣቱን ኢዩ»56።
ማሕረም ናይ ጓል ኣንስተይቲ ዝበሃሉ፡ በዓል ቤታ፡ ወይ ድማ እቶም ንሓዋሩ ክምርዓዉዋ ዘይፍቀዶም ሰባት ኢዮም፡ ብናት ሰጋ ዝምድና፡ ከም ሓዋ፡ ኣቦኣ፡ ሓወቡኣ፡ ወዲ ሓዋ፡ ኣኮኣን። ወይ ብፍቁድ ምኽንያት፡ ከም ብምጥባዉ ሓዊ፡ ወይ'ዉን ብናይ መርዓ ምኽንያት፡ከም ሰብኣይ ኣዲኣን ወዲ ሰብኣያን።
ዓቕሚ ዝበሃል ከኣ፡ብገንዘብን ብኣካላዊ ክእለት ኮይኑ፡ ሓደ ሰብ ነቲ መገሻ ጉዕዞ ክጻወሮን፡ ከምኡ'ዉን ንምኻድን ምምላስን ዝኣኽሎ ገንዘብ ክረክብን ምኽኣሉ'ዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ንደቁን ነቶም ቀለቦም ኣብ ትሕቲኡ ዝኾኑን፡ ክሳብ ናብኣቶም ዝምለስ ዘኣኽሎም ክገድፈሎም።
እቲ ናይ ሓጅ መንገዲ፡ ኣብ ነብሱን ንብረቱን ውሑስ ክኸዉን።
ብገንዘቡ ሓጅ ንምግባር ዓቕሚ ዘለዎ፡ ብኣካላቱ ግን ብምኽንያት ዕብየት (እርጋን) ወይ ንኽሓዉይ ተስፋ ዘይግበረሉ ሕማም ምስዝህልዎ፡ ኣብ ክንድኡ ሓጅን ዑምራን ዝገብረሉ ሰብ ከዉክል ግዴታኡ ኢዩ።
ነቲ ኣብ ሐጅን ዑምራን ውክልናኡ ቅቡል ዝኸዉን ሰብ ድማ፡ ክልተ ቅድመ-ኩነት ከማልእ ይግባእ፦
1. ኣስላማይን ንዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሐን ጥዑይ ኣእምሩኡን ክኸዉን ኣለዎ፡
2- ንነብሱ ሓጀተል ኢስላም ሓጅ ጌሩ ክኸዉን ኣለዎ፡
ኢሕራም ትገብረሉ ቦታታት፡
ኣል-መዋቂት፡ ናይ ሚቃት ሓባር ቃል ኮይኑ፡ ብቛንቋ ዶብ ማለት ክኸዉን ከሎ፡ ብሸሪዓ ድማ ናይ ኣምልኾት ቦታ ወይ ግዜ ማለት ኢዩ።
ሓጅ ናይ ግዜን ናይ ቦታን መዋቒታት ኣለዎ፡
ሀ- ናይ ግዜ መዋቒታት፡ ኣላህ ብዛዕብኦም ከም'ዚ ይብል፡
﴿ٱلۡحَجُّ أَشۡهُرٞ مَّعۡلُومَٰتٞۚ فَمَن فَرَضَ فِيهِنَّ ٱلۡحَجَّ...﴾
{ሓጅ ኣብ ፍሉጣት ኣዋርሕ ዝፍጸም ኮይኑ፡ እቲ ኣብዚአን ሓጅ ክገብር ዝወሰነ...} [ኣልበቐራ: 197]
እዞም ኣዋርሕ እዚኣቶም ድማ ፦ሸዋል፡ዙል ቐዒዳ፡ ዓሰርተ ካብ ወርሒ ዚል ሒጃን ኢዮም።
ለ- ናይ ኢሕራም ቦታታት፡ንሳተን ሓደ ሓጅ ክገብር ዝደለየ ናብ መካ ክኣቱ ከሎ፡ ኢሕራም ከይገበረ ክሓልፈን ዘይፍቀዶ ዶባት ኢየን። ንሳተን ድማ ከም'ዚ ዝስዕብ ኢየን፦
1- ዙልሑለይፋ፡ ሚቓት ናይ ሰብ መዲና።
2- ኣልጁሕፋ፡ ሚቓት ህዝቢ ሻምን ግብጽን መቕሪብን።
3- ቐርን ኣል-መናዚል፡ ሕጂ ድማ ኣል-ሰይል ይበሃል፡ ሚቓት ሰብ ነጅድ።
4- ዛት ዒርቅ: ሚቓት ሰብ ዒራቕ።
5- የለምለም፡ሚቓት ህዝቢ የመን።
ገዝኡ ኣብ ውሽጢ እዚ ሚቓታት ዝርከብ ሰብ፡ ንሓጅን ዑምራን ካብ ገዝኡ የሕርም። እቶም ሰብ ማካ ዝኾኑ ድማ፡ ካብ ማካ ኢዮም ኢሕራም ዝገብሩ፡ ምእንቲ ኢሕራም ክብሉ ናብ ሚቃት ምዉጻእ ድማ ኣየድልዮምን ኢዩ። ንዑምራ እንተኾይኑ ግን፡ ናብ'ቲ ዝቐረበ ዝተፈቕደ ቦታ ወጺኦም የሕርሙ። ሓጅ ወይ ዑምራ ክገብር ንዝደለየ፡ ካብ'ቶም ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝወሰኖም ቦታታት ኢሕራም ክኣቱ ኣለዎ፡ንሳቶም ድማ እቶም ኣቐዲሞም ዝተገለጹ መዋቒት ኢዮም። ን ሓጅ ወይ ዑምራ ክገብር ንዝደለየ ሰብ፡ ብዘይ ኢሕራም ምሕላፍ ኣይፍቀድን ኢዩ።
- ካብ ነበርቱ (ናይቲ ቦታ) ዘይኮነ በቲ ዝተጠቐሰ መዋቒታት ዝሓለፈ፡ ካብኡ የሕርም።
- ሓደ ሰብ መንገዱ ናብ መካ ኮይኑ፡ ብመሬት፡ ብባሕሪ፡ ወይ ብኣየር ኣብ ሓደ ካብ'ቶም ዝተጠቕሱ ሚቓታት ዘይሓልፍ እንተኾይኑ፡ ናብ'ቲ ዝቐርቦ ሚቓት ምስ ተመዓራረየ የሕርም። ከም'ቲ ዑመር ኢብን ኣልኸጣብ ረዲየላሁ ዓንሁ ዝበሎ፡ "ክትሓልፉ እንከለኹም ናብኡ ተመዓራሪኹም ረኣይዎ "5757
- እቲ ንስነስርዓት ሓጅ ወይ ዑምራ ብነፋሪት ዝገይሽ ሰብ፡ እታ ነፋሪት ኣብ'ቲ ኣብ መንገዳ ዝርከብ ሚቓት ክትማዓራረይ እንከላ ኢሕራም ክገብር ይግበኦ። ነቲ ኢሕራም ነፋሪት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ክሳብ እትወርድ ምድንጓይ አይፍቀድን ኢዩ።
ኣልኢሕራም፡
ናብ ናይ ሓጅ ኣገባብራ ብልብኻ ሓሲብካ ምእታዉ ኢዩ። ኣብ ናይ ሓጅ ድማ፡ ንሓጅ እትኣትወሉ ኒያ(ልባዊ ሓሳብ) ኢዩ። ኣብ ዑምራ ከኣ፡ ናብ ዑምራ ንምእታዉ ብልብኻ ኒያ ትገብረ ማለት ኢዩ። ብዘይካ ናብ ኑሱክ(ስርዓተ ኣምልኾ) ክኣቱዉ እንከሎ ኒያ ዝገበረ ሙሕሪም ዝበሃልእምበር ፡ካልእ ሙሕሪም ክበሃል ኣይክእል ኢዩ ። ብሽም ክዳውንቲ ኢሕራም ብዘይ ኒያ ምኽዳን ጥራይ፡ ኢሕራም ኣይከዉንን ኢዩ።
ናይ ኢሕራም ዝተፈትወፍ ነገራት፡
1- ቅድሚ ኢሕራም ምግባር ንብሙሉእ ኣካላትካ ምሕጻብ፡
2- ንወዲ ተባዕታይ ኣብ ክዳን ኢሕራሙ ዘይኮነ ኣብ ሰብነቱ ጨና ምጥቃም።
3- ኢሕራሙ ብ ጻዕዳ ኢዛርን ሪዳእን ከምኡ'ዉን ጫማን ምግባር።
4- ኣንፈቱ ናብ ቒብላ ጌሩ ኣብ ተወጢሕዎ ዘሎ ኮይኑ ከሕርም።
ዓይነታት ስርዓተ-ኣምልኾ ናይ ሓጅ፦
ሙሕሪም ካብ'ቶም ሰለስተ ኑሱክ ዝደለዮ ይመርጽ: ንሳ'ቶም ድማ፡
1- ኣ'ተመቱዕ፦ ኣብ ኣዋርሕ ናይ ሓጅ ንዑምራ ኢሕራም የሕርም ንዓኣ ድማ ይዛዝማ፡ ድሕሪኡ ኣብ'ታ ዓመት እቲኣ ንሓጅ ኢሕራም ክገብር ኣለዎ።
2- ኣል-ኢፍራድ፦ካብ ሚቓት ንሓጅ ጥራሕ ኢልካ ምሕራም (ብ ኒያ ምእታዉ) ኮይኑ፡ ክሳብ ስርዓት ናይ ሓጅ ዝዉድእ ድማ ኣብ'ቲ ኢሕራሙ ይጸንሕ።
3- ኣል-ቒራን፦ እዚ ድማ ንሓጅን ዑምራን ብሓባር ኢሕራም ይኣቱዉ፡ ወይ ድማ ንዑምራ ኢሉ ኢሕራም ድሕሪ ምእታው፡ ጠዋፍ ናይ ዑምራ ቅድሚ ምጅማሩ ሓጅ የእትወላ፡ ኒይኡ ድማ ንዑምራን ሓጅን ይገብር ካብ ሚቓት ወይ ቅድሚ ጠዋፍ ናይ ዑምራ ይገብር፡ ናይ ክልቲኦም'ዉን ጠዋፍን ሳዕዪን ይፍጽም።
ኣብ ልዕሊ ኣልሙተማቲዕን ኣልቃሪንን ድማ ፊድያ(ምሕራድ) ኣለዎም፡ ካብ ተቐማጦ መስጂድ አል ሐራም እንተ ዘይኮይኖም።
እቲ ዝበለጸ ካብ'ዘን ሰለስተ ኑሱክ (ዓይነት ኣፈጻጽማ ሓጅ)፡ ኣ'ተመቱዕ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ንሰሓባ ክገብርዎ ስለዝኣዘዞም58። ብድሕሪኡ ኣል-ቂራን፡ ንሱ ድማ ሓጅን ዑምራን(ብሓንሳብ ምፍጻም) ስለዝኾነ፡ቀጺሉ ድማ ኣል-ኢፍራድ ኢዩ።
መ፡ብሓደ ካብዚኦም ዓይነት ኑሱክ ኒያ ምስ ገበረ፡ ብድሕሪኡ ብቐጥታ ተልብያ ይበል፡
«لَبَّيْكَ اللَّهُمَّ لَبَّيْكَ، لَبَّيْكَ لَا شَرِيكَ لَكَ لَبَّيْكَ، إِنَّ الْحَمْدَ وَالنِّعْمَةَ لَكَ وَالْمُلْكَ لَا شَرِيكَ لَكَ».
«ለበይከ ላሁመ ለበይክ፡ ለበይከ ላ ሸሪከ ለከ ለበይክ፡ ኢነል ሓምደ ወኒዕመተ ለከ ወልሙልክ፡ ላ ሸሪከ ለክ»59.
ንሳ ድማ ሱና ኮይና፡ከምኡ ምብዛሕ ድማ ፍቱዉ ኢዩ፡ወዲ ተባዕታይ ዓዉ ኢሉ ይብል፡ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ቀስ ኢለን ይብለኣ።
ግዚኣ፡ ካብ ድሕሪ ኢሕራም ይጅምር፡ መወዳእታ ግዚኣ ድማ ከም'ዚ ዝስዕብ ኢዩ።
ቀዳማይ፡ እቲ ዑምራ ዝገብር ቅድሚ ጠዋፍ ምጅማሩ የቋርጻ።
ካልኣይ፡ እቲ ሓጅ ዝገብር ኣብ መዓልቲ በዓል ዒድ እምኒ ምድርባይ ኣብ ጀምረቱል-ዓቀባ ምስዝጅምር የቋርጻ።
ኣብ ግዜ ኢሕራም ዝኽልከሉ ነገራት፡
ቀዳማይ ክልኩል ነገር፦ ጸጉሪ ምልጻይ፡ ወይ ሙቕራጽ፡ ወይ ምብታኽ ካብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ኣካላቱ።
ካልኣይ ክልኩል፦ ኣጻፍር ኢድ ወይ እግሪ ብዘይ ምኽንያት ሙቕራጽ፡ጽፍሩ ተሰይርዎ እንተኣልይዎ ግን ፊድያ(ካሕሳ) የብሉን።
ሳልሳይ ክልኩል ነገር: ንወዲ ተባዕታይ ኣብ ርእሱ ብዝጠብቕ ነገር፡ ከም ጣቕያን(ቆቢዕ)ቑጥራን ዝኣመሰለ ነገር ምሽፋን።
ራብዓይ ክልኩል፦ንወዲ ተባዕታይ ኣብ ሰብነቱ ወይ ኣብ ገለ ክፋሉ ዝተሰፈየ ክዳን ምኽዳን፡ ከም ቀሚሽ፡ ዕማመት፡ ወይ ስረ ዝኣመሰሉ። መኺጥ(ስፉይ) ዝበሃል፡ ብዓቐን ኣካል ዝተሰርሐ፡ ከም ኹፍ፡ ጓንቲን ጀዉረብን ዝኣመሰለ ኢዩ። ንጓል ኣንስተይቲ ብዝምልከት ድማ፡መስተሪ ስለ ዘድልያ ኣብ እዋን ኢሕራም ዝደለየቶ ክዳን ትለብስ፡እንተኾነ ግን ቡርቃዕ ኣይትለብስን፡ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝሓልፍዋ እዋን ድማ ብ ኺማር ወይ ብ ጅልባብ(መቕናዓት) ገጻ ትሽፍን። ኣብ ኣእዳዋ ጓንቲ ኣይትክደንን።
ሓሙሻይ ክልኩል፦ ጨና፡ ምኽንያቱ ሙሕሪም ዝኾነ ሰብ ካብ ምቾትን ምንጽብራቕ ናይ ኣዱንያን ክርሕቕን፡ኣንፈቱ ናብ ኣኼራ ክገብሮን ስለዝድለ።
ሻድሻይ ክልኩል፦ ናይ በረኻ ሃድን ምቕታልን ምህዳንን ኮይኑ፡ ሙሕሪም ዝኾነ ሰብ ናይ በረኻ ሃድን ኣይሃድን፡ ኣብ ምህዳኑ ኣይሕግዝን፡ ወላ'ዉን ኣይሓርዶን ኢዩ።
ን ሙሕሪም ዘሎ ካብ'ቲ ዝሃደኖ፡ ወይ ምእንትኡ ተባሂሉ ዝተሃድነ፡ ወይ ኣብ ምህዳኑ ዝሓገዘሉ ምብላዕ ሓራም ኢዩ።ምኽንያቱ ንዕኡ ከም ዝሞተት ኢዩ ዝቑጸር።
ናይ ባሕሪ ሃድን ንሙሕሪም ምህዳኑ ሓራም ኣይኮነን። ከምኡ’ዉን ናይ ገዛ እንስሳታት ከም ደርሆን ከብትን ምሕራድ ሓራም ኣይኮኖን፡ምኽንያቱ ሃድን ስለዘይኮኑ።
ሻውዓይ ክልኩል፦ ንነብሱ ወይ ንኻልእ ቃል ኪዳን ምእሳር፡ ወይ’ዉን መስካሪ ምዃን።
ሻምናይ ክልኩል፦ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም፡ እቲ ቅድሚ ቀዳማይ ተሓሉል ጾታዊ ርክብ ዝፈጸመ ሰብ፡ ኑሱኩ(ተግባረ-ኣምልኾኡ) ይበላሾ። ነቲ ኑሱክ ምቅጻልን ምዝዛምን ድማ ግድነት ይኾኖ፡ ኣብ ዝቅጽል ዓመት'ዉን ክትክኦ ይግበኦ፡ ገመል ምሕራድ'ዉን ግዴታ ይኾኖ። ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ተሓሉል እንተኾይኑ ግን፡ ኑሱኩ ኣይበላሾን፡ ደም(ምሕራድ) ግን ግድን ይኾኖ።
ኣብ'ዚ ጉዳይ ሰበይቲ'ዉን ከም ሰብኣይ ኢያ፡ ደላዪት(ብሓይሊ ተዘይኮይኑ) እንተኾይና።
ታሽዓይ ክልኩል፦ ካብ ጾታዊ ርክብ ወጻኢ ዝግበር ምትንኻፍ፡ ሙሕሪም ንዝኾነ ሰብ ንሰበይቱ ምትንኻፍ ኣይፍቀደሉን ኢዩ። ምኽንያቱ ናብ ጾታዊ ርክብ ስለዝወስደካ ኢዩ። ሙባሸራ ትርጉሙ ድማ ንሰበይቲ ብስምዒት ምትንኻፍ ማለት ኢዩ።
ዑምራ፡
ሀ- ዓንድታት ናይ ዑምራ፡
1- ኣልኢሕራም (ብ ኒያ ዑምራ ምእታዉ)፡
2- ኣ'ጠዋፍ (ዑደት ኣብ ዙርያ ካዕባ)፡
3- ኣ'ሳዕይ (ኣብ ሞንጎ ሰፋን መርዋን ምጉያይ)፡
በ- ግዴታታት ናይ ዑምራ፡
1- ካብ'ቲ ዝተወሰነ ሚቓት ኢሕራም ምግባር፡
2- ጸጉሪ ርእሲ ምልጻይ ወይ ምሕጻር፡
መ: ኣገባብ ናይ ዑምራ፡
ዑምራ ዝገብር ሰብ መጀመርታ ክገብሮ ዘለዎ፡ ጠዋፍ (ምኹላል)ካብ ሓጀር ኣል'ኣስወድ ጀሚሩ ሸውዓተ ዙርያታት ጌሩ ኣብኡ ይዉድእ። ኣብ ጠዋፍ ድማ ንጹህ(ውዱእ ዝገበረ) ኮይኑን፡ ካብ ሕምብርቱ ክሳብ ብርኩ ሕፍረቱ ሸፊኑን ክገብር ይግባእ። ኣብ ኩሉ እቲ ጠዋፍ ኣልኢድጢባዕ ምግባር ይፍተዉ፡ እዚ ድማ የማናይ መንኩቡ ቀሊዑ፡ ነቲ ሪዳእ(ተወንዚፍዎ ዘሎ ክዳን)) ኣብ ትሕቲኡ ጌሩ፡ ክልተ ጫፋት ናይ'ቲ ሪዳእ ኣብ ጸጋማይ መንኩቡ ምግባር ኢዩ። ሻውዓይ ዙር በጺሑ ምስ ዝዛዝምግን፡ነቲ ኢጥጢባዕ ገዲፉ፡ ክልቲኡ መናኹቡ ብ ሪዳኡ ይሽፍኖ።
ናብ ሓጀር ኣልኣስወድ ኣንፈቱ ጌሩ፡ንምስዓሙ እንተኽኢሉ ይስዕሞ፡ እንተዘይክኢሉ ድማ ብየማን ኢዱ ሒዙ ኢዱ ይስዕም እዚ ዉን እንተኺኢሉ ማለት'ዩ። ነቲ ሓጀር ምሓዝ እንተዘይክኢሉ፡ ሓንቲ ግዜ «ኣላሁ ኣክበር» ብምባል የማናይ ኢዱ ሓፍ ኣቢሉ ናብኡ ምልክት ይግበር፡ ኢዱ ግን ክስዕም የብሉን፡ደዉ’ዉን ክብል የብሉን። ብድሕርዚ ካዕባ ናብ ጸጋሙ ጌሩ ኣብ ጠዋፉ ይቕጽል፡ ኣብ'ተን ቀዳሞት ሰለስተ ዙርያ(ኣሽዋጥ) ድማ ረምል ምግባር ሱና ኢዩ። ረምል ድማ፡ ስጉምቲ እናቕረብካ ብቕልጥፍ ቅልጥፍ(ዘብ ዘብ) ምኻድ ኢዩ።
ኣብ ሩክን ኣልየማኒ- ድማ ራብዓይ ኩርናዕ ናይ ካዕባ ኢዩ-፡ኣብኡ ምስ በጽሐ ክሕዞ እንተኽኢሉ ይሕዞ ብየማናይ ኢዱ ብዘይ ተክቢራ ወላ ምስዓም ይሕዞ፡ ክሕዞ እንተዘይክኢሉ ግን ናብኡ ከየመልከተን ተክቢራ ከይገበረን ይሓልፍ። ኣብ ሞንጎ ሩክን ኣልየማኒን ሓጀር ኣል-ኣስወድን ከም'ዚ ይብል፡
﴿...رَبَّنَآ ءَاتِنَا فِي ٱلدُّنۡيَا حَسَنَةٗ وَفِي ٱلۡأٓخِرَةِ حَسَنَةٗ وَقِنَا عَذَابَ ٱلنَّارِ﴾
(...ረበና ኣቲና ፊዱንያ ሓሰነተን ወፊልኣኺረቲ ሓሰነተን ወቒና ዓዛበናር።} [ኣልበቐራ: 201]።
ካብ ጠዋፍ ምስ ወድአ፡እንተተኻኢሉ ድሕሪ መቓም ኢብራሂም ዓለይሂ ሰላም ክልተ ረክዓ ይሰግድ፡ እንተዘይተኻኢሉ ግን፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ ናይ መስጂድ ኣል-ሓራም ይሰግድ። ኣብ ቀዳመይቲ ረክዓ ድሕሪ ኣልፋቲሓ ዓንቀጽ ኣልካፊሩን ይቐርእ። ኣብ'ታ ካልአይቲ ረከዓ ድሕሪ ኣልፋቲሓ ዓንቀጽ ኢኽላሰ ይቐርእ። ድሕሪኡ ናብ መስዓ (ዝጉየየሉ ቦታ) ይኸይድ፡ኣብ ሞንጎ ሰፋን መርዋን ሸዉዓተ ዙርያታት ድማ ይጐዪ፡ ምኻዱ ሓደ ዙርያ ክኸውን ከሎ፡ ምምላሱ ድማ ካልእ ዙርያ ኢዩ።
ምጉያይ ኣብ ሰፋ ጀሚሩ፡ኣብኡ ድማ ይድይብ ወይ ደዉ ይብል፡ እንተተኻኢሉ ኣብ ልዕሊ ሰፋ ምድያብ ዝበለጸ ኢዩ። ሽዑ ድማ ንቃል ናይ ልዑል ኣላህ ይቐርእ፦
﴿إِنَّ ٱلصَّفَا وَٱلۡمَرۡوَةَ مِن شَعَآئِرِ ٱللَّهِ...﴾
(ኢነሰፋ ወልመርወተ ሚንሸዓኢሪላህ...) [ኣልበቐራ:158]
ካብ'ቲ ፍቱዉ ዝኾነ ኣንፈቱ ናብ ቒብላ ይገብር፡ንኣላህ ኣመስጊኑን፡ተክቢራ ጌሩን ከም'ዚ ይብል፡
«لَا إِلٰهَ إِلَّا اللَّهُ، وَاللَّهُ أَكْبَرُ، لَا إِلٰهَ إِلَّا اللَّهُ وَحْدَهُ لَا شَرِيكَ لَهُ، لَهُ الْمُلْكُ وَلَهُ الْحَمْدُ، يُحْيِي وَيُمِيتُ، وَهُوَ عَلَى كُلِّ شَيْءٍ قَدِيرٌ، لَا إِلٰهَ إِلَّا اللَّهُ وَحْدَهُ، أَنْجَزَ وَعْدَهُ، وَنَصَرَ عَبْدَهُ، وَهَزَمَ الْأَحْزَابَ وَحْدَهُ».
«ላኢላሀ ኢለላህ, ወላሁ ኣክበር, ላኢላሀ ኢለላህ ዋሕደሁ ላሸሪከ ለሁ, ለሁል ሙልኩ ወለሁል ሓምዱ, ዩሕዪ ወዩሚት, ወሁወ ዓላ ኩሊ ሸይኢን ቐዲር, ላኢላሀ ኢለህ ዋሕደሁ, ኣንጀዘ ዋዕደሁ, ወነሰረ ዓብደሁ, ወሀዘመል ኣሕዛበ ዋሕደሁ»60. ብድሕሪኡ ክልተ ኣእዳው ሓፍ ብምባል ብዝፈልጦን ዝኸኣሎን ዱዓ ይገብር።ነዚ ዚክርን ዱዓእን ድማ ሰለስተ ግዜ ይደግሞ። ድሕሪኡ ይወርድ'ሞ ናብ መርዋ ይኸይድ፡ኣብ'ቲ ቀዳማይ ምልክት ዝርከብ ምስ በጽሐ ድማ እቲ ወዲ ተባዕታይ ክሳብ ናብ'ቲ ካልኣይ ምልክት ዝበጽሕ ዘብዘብ ይብል። ንጓል ኣንስተይቲ ዝምልከት ግን፡ ንሳ ክትስተር ስለ ዝግባኣ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ምልክታት ዘብዘብ ክትብል ኣይተፈቕደላን።እቲ ዝተፈቐደላ ቀስ ኢልካ ምኻድ ጥራሕ ኢዩ። ብድሕሪኡ ናብ መርዋ ከይዱ ይድይብ ወይ ኣብኣ ደዉ ይብል፡ እንተተኻኢሉ ምድያብ ይበልጽ፡ ከም'ቲ ኣብ ሰፋ ዝበሎን ዝገበሮን ኣብ መረዋ'ዉን ይብልን ይገብርን።ብዘይካ ነታ ኣያ(ጥቕሲ) ምቕራእ ንሳ ድማ ቃል እቲ ልዑል ዝኾነ ኣላህ፦
﴿إِنَّ ٱلصَّفَا وَٱلۡمَرۡوَةَ مِن شَعَآئِرِ ٱللَّهِ...﴾
{ኢነሰፋ ወልመርወታ ሚንሸዓኢሪላህ...} እዚ ድማ ኣብ'ቲ ቀዳማይ ዙር ናብ ሰፋ ኣብ ዝድየበሉ እዋን ጥራይ ዝተሓገገ ኢዩ። ብድሕሪኡ ይወርድ እሞ፡ ኣብ'ቲ ናይ መኸዲ ቦታ ይኸይድ፡ ኣብ'ቲ ናይ ምጉያይ ቦታ ድማ ይጎዪ፡ ክሳብ ናብ ሰፋ ዝበጽሕ። ነዚ ድማ ሸወዓተ ግዜ ይፍጽም: ምኻዱ ሓደ ሸዉጥ(ዙር) ምምላሱ ድማ ሓደ ሸዉጥ(ዙር)። ኣብ'ቲ ሳዕይ ድማ፡ ብዝኸኣሎ ዚክርን ዱዓን ከብዝሕ ይፍቶ። ካብ'ቲ ነብሲ ምሕጻብ ዘገድድ ነገር ነጻ ኮይኑ፡ ዉዱእ ዉን ክገብር ይግባእ። እንተኾነ ግን ውዱእ ከይገበረ ሳዕይ እንተፈጺሙ ወልሓንቲ የብሉን። ከምኡ'ዉን ጓል ኣንስተይቲ ድሕሪ እቲ ጠዋፍ ጽግያት እንተ ኣጋጢሙዋ ወይ ድሕሪ ሕርሲ ዝወጽእ ደም እንተመጺኡዋ፡ ሳዕይ ትፍጽም እሞ፡ እቲ ዝገበረቶ ድማ ይሕሰበላ ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሳዕይ ጠሃራ(ንጽህና) ቅድመ- ኩነት ስለ ዘይኮነ፡ፍቱዉ ተግባር ጥራሕ ዝለዝኾነ ኢዩ።
ሳዕይ ምስ ተፈጸመ፡ ጸጉሪ ርእሱ ይላጸ ወይ የሕጽሮ። ንወዲ ተባዕታይ ግን ምልጻይ ይበልጽ።
በዚ ኸም'ዚ ናይ ዑምራ መናሲክ(ተግባረ-ኣምልኾ) ኣሚሊኡ ይኸዉን።
ሓጅ፡
ሀ- ዓንድታት ናይ ሓጅ፡
1- ኣልኢሕራም (ብኒያ ናብ ሓጅ ምእታዉ)፡
2- ኣብ ዓረፋ ዝተበሃለ ቦታ ምህላዉ፡
3- ጠዋፍ ኣልኢፋዳ(ናይ ምምላስ ጠዋፍ ምግባር)፡
4- ኣ'ሳዕይ (ኣብ ሞንጎ ሶፋን መርዋን ምጉያይ)፡
ለ- ግድነታት ናይ ሓጅ፡
1- ካብ ሚቓት ብኒያ ናብ ኑሱክ ምእታዉ፡
2- ኣብ ዓረፋ (ዝተባህለ ቦታ) ምርካብ(ምህላዉ)፡ እዚ ድማ ኣብ ታሽዓይ መዓልቲ ወርሒ ዙል ሒጃ ነቲ ብቐትሪ ኣብኡ ዝወዓለ ክሳብ ጸሓይ ትዓርብ ኢዩ።
3- ዓስረይቲ ለይቲ ወርሒ ዙልሒጃ ኣብ ሙዝደሊፋ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ምሕዳር።
4- ኣያሙ ታሽሪቕ ለይቲታት ኣብ ሚና ምሕዳር።
5- ጀመራት ምድርባይ፡
6- ምልጻይ ወይ ምሕጻር፡
7- ናይ መሰናበቲ ጠዋፍ ምግባር፡
መ: ኣገባብ ናይ ሐጅ፡
ሓደ ሙስሊም ናብ ሚቓት ምስ በጽሐ ፡ግዜ ጸቢብ እንተኾይኑ(እተን ናይ ሓጅ መዓልታት) ንኒያ ናይ ኢፍራድ(ሓንቲ ካብ'ተን ኣገባብ ናይ ሓጅ) ይሕርም። ናብ መካ ምስ ኣተወ ድማ ጠዋፍን ሰዕይን ይገብር። ክሳብ ኣብ መዓልቲ ዓረፋ ናብ ዓረፋት ዝኸይድ ኣብ ኢሕራሙ ይጸንሕ፡ ክሳብ ጸሓይ እትዓርብ ድማ ኣብኡ ይጸንሕ።
ብድሕሪኡ ተልቢያ እናገበረ ናብ ሙዝደሊፋ ይኸይድ፡ ክሳብ ፈጅሪ ሰላት ዝሰግድ ድማ ኣብኣ ይጸንሕ፡ ድሕሪኡ'ዉን ክሳብ ኣጸቢቑ ዝወግሕ ንኣላህ እናዘከረን ተልቢያን ዱዓን እናገበረ ይጸንሕ።
ምስ ወግሐ ጸሓይ ከይወጸት ናብ ሚና ይኸይድ፡ ኣብኡ ንጀምረት ኣል-ዓቀባ ብሸውዓተ ጸጸራት ይድርቢ፡ ድሕሪኡ ርእሱ ይላጸ ወይ የሕጽር፣፡ርእሲ ምልጻይ ድማ ዝበለጸ ኢዩ።
ብድሕሪኡ ጠዋፍ ኣልኢፋዳ (ናይ ምምላስ ጠዋፍ) ይገብር፡ እቲ ቀዳማይ ዝገበሮ ሳዕይ ድማ የኣኽሎ ኢዩ፡ በዚ ኸኣ ሓጅ ናቱ ተፈጸሙ፡ ምሉእ ታሓሉል (ምፍታሕ) ዉን ይረክብ።
ዝተህውወኸ እንተኾይኑ፡ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደን ዓሰርተ ክልተን መዓልቲ ንጀመራት ምድርባይ ይተርፎ። ንሰለስቲአን ጀመራት ነፍሲወከፍ ጀምራ ብሸውዓተ ጸጸራት ምስ ነፍሲ ወከፍ ጸጸር ተክቢር እናገበረ ይድርቢ። በታ ንመስጂድ ኣል-ኸይፍ እትስዕብ ንእሽቶይ ጀምራ ይጅምር። ድሕሪኡ እታ ማእከላይቲ፡ቀጺሉ ድማ እታ መወዳእታ ዝኾነት ጀምረተልዓቀባ ይድርቢ።ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጀምራ ብሸውዓተ ጸጸራት ይድርቢ። ድሕሪ መበል ዓሰርተ ክልተ ክድንጓይ እንተደልዩ ድማ፡ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዕልቲ ከም'ቲ ኣብ መበል ዓሰርተ ክልተን መበል ዓሰርተ ሓደን ዝደርበዮ ጌሩ ይድርቢ።
ናይ ብድርባይ ግዜ፡ ኣብ'ተን ሰለስተ መዓልታት ድሕሪ ዘዋል(ድሕሪ ቀትሪ) ይኸዉን።
ኣብ መበል ዓሰርተ ክልተ መዓልቲ ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ክኸይድ(ክዉድእ) እንተደልዩ ጸገም የብሉን። ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ድሕሪ ዘዋል ክድርቢ እንተ ጸኒሑ ግን እዚ ዝበለጸ ይኸዉን፡ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፡
﴿...فَمَن تَعَجَّلَ فِي يَوۡمَيۡنِ فَلَآ إِثۡمَ عَلَيۡهِ وَمَن تَأَخَّرَ فَلَآ إِثۡمَ عَلَيۡهِۖ لِمَنِ ٱتَّقَىٰ...﴾
«...እቲ ኣብ ክልተ መዓልቲ ዝተጓየየ(ዝፈጸመ) ኣብ ልዕሊኡ ሓጢያት የብሉን፡ እቲ ዝደንጎየ’ውን ኣብ ልዕሊኡ ሓጢያት የብሉን። እዚ ንኣላህ ንዝፈረሐ ኢዩ።...»
[ኣልበቐራ፡ 203].
ክገይሽ እንተደኣ ደልዩ፡ሸውዓተ ግዜ ጠዋፍ ኣልወዳዕ (ናይ መፋነዊ ጠዋፍ) ብዘይ ሳዕይ ይገብር።
እቲ ዝበለጸ ድማ፡ ሃድይ(ሕርዶ) ምስኡ እንተዘይሃሊይዎ፡ ንዑምራ 'ተመቱዕ' ጌሩ ኢሕራም ይኣቱ፡ ድሕሪኡ ኣብ መበል ሻምናይ መዓልቲ ንሓጅ ተልቢያ(ኒያ ናይ ሓጅ) ይገብር፡ ነቶም ዝተወሰኑ ናይ ሓጅ ተግባራት ድማ ይፍጽም። ንሓጅን ንዑምራን ብሓባር ኢሕራም(ኒያ) ጌሩ እንተኣትዩ ድማ ጸገም የብሉን፡ እዚ ድማ 'ቂራን' ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ማለት ድማ ንዑምራን ሓጅን ብሓደ ጠዋፍን ሳዕይን ብሓባር ኢሕራም ምእታዉ ኢዩ።
ሳልሳይ ምዕራፍ፡
ምስ ምሻጥን ምዕዳግን ዝተተሓሓዘ
ናይ ዲን ፈላጣት ኣላህ ይርሓመሎም፡ ነቲ ሓደ ሰብ ብውልቁ ክመሃሮ ግድነት ዝኾነ ፍልጠት ገሊጾሞ ኣለው፡ ከምኡ’ዉን ብዛዕባ እቲ ንነፍሲ ወከፍ ኣስላማይ ክመሃሮ ግድን ዝኾነ መጠን ተዛሪቦም፡ ካብ'ቲ ዝጠቐስዎ፡ ነቲ ኣብ ንግዲ ዝሰርሕ ሰብ ሸሪዓዊ ፍርድታት መሸጣ ክመሃር ። ምእንቲ ኣብ ሓራምን ሓረጣን ብዘይፍላጥ ከይወድቕ፡ ነዚ ዘረጋግጽ፡ ካብ ገለ ሰሓባ ረዲየላሁ ዓንሁም ዝመጸ'ዉ ኣሎ።
ዑመር ኢብኒ ኸጣብ ረዲየላሁ ዓንሁ ከም'ዚ ይብል፡ «ኣብ ዕዳጋና፡ ብዘይካ እቲ ኣብ ዲን ጽቡቕ መረዳእታ ዘለዎ እንተዘይኮይኑ ኣይሸይጥ»61.
ከምኡ'ዉን ዓሊ ኢብን ኣቢ ጣሊብ ረዲየላሁ ዓንሁ ከም'ዚ ኢሉ፡ «ቅድሚ ሃይማኖታዊ ኣፍልጦ ምህላዉ ዝነገደ፡ ምስ ወለድ ተጋጭዩ ደጊሙ ምስ ወለድ ተጋጭዩ ደጊሙ ዉን ምስ ወለድ ተጋጭዩ።እዚ ማለት ከኣ፡ኣብ ሓረጣ ወዲቑ»62።
ኢብን ዓቢዲን ካብ ኣልዓላሚ ዘምጸኦ ከም'ዚ ይብል፡ ኩሉ ዓቅሚ ኣዳም ዝበጽሐ ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስይተይትን፡ መሰረታዊ ፍልጠት ሃይማኖትን ቅኑዕ መንገዲ ምምራሕን ድሕሪ ምምሃሮም፡ ፍልጠት ውዱእን ምሕጻብ ነብስን፡ ሰላትን ጾምን ክመሃር ግድን ኢዩ። ኒሳብ ንዝመልአ(ገንዘብ)ሰብ ብዛዕባ ዘካት፡ ንሓጅ ግዴታ ንዝኾኖ ሰብ ብዛዕባ ሓጅ፡ ነጋዶ ድማ ብዛዕባ ንግዲ ክመሃሩ ግድን ኢዩ።እዚ ድማ ኣብ ኩሉ ርክባቶም ካብ ዘጠራጥርን ዝጽላእ ነገራትን (መክሩሃት) ምእንቲ ክጥንቀቑ። ከምኡ'ዉን ባዓል ሞያታት፡ ከምኡ'ዉን ኩሉ ኣብ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ዝተዋፈረ ሰብ፡ ኣብ'ቲ ስራሕ ክሳብ ዘሎ ሓራም ምእንቲ ክኽልከል፡ ፍልጠቱን ሕግታቱን ክፈልጥ ግድን ይኾኖ።63
ኢማም ኣነወዊ ረሒመሁላህ ከም'ዚ ይብል፡ "ንመሸጣን ኒካሕን(ምምርዓዉ)ን ከምኡ ንዝኣመሰሉን፡ መበቆሎም(ናይ መጀመርያ ፍርዶም) ግዴታ ካብ ዘይኮነ፡ ቅድመ-ኩነቶም ከይተፈለጠ ምፍጻሞም ሓራም ኢዩ64።
እዚኣተን ድማ እቲ እስላማዊ ሸሪዓ ዝሓገገን፡ ብዛዕባ ገንዘባዊ ልውውጥ ዝምልከታ ገለ መምርሒታት ኢየን፡
1- ዝኾነ ዝተረጋገጸ ንጹህ ወይ ዝበለጸ ጥቕሚ ዘለዎ ኩሉ ነገር ፍቁድ ምዃኑ፡ ከም ፍቁድ ዝኾነ ነገራት ምሻጥን ምግዛእን፡ምክራይን ሹፍዓን65።
2- ክሳብ ናይ ሰብ ሓቂ ዉሕስነትን ምሕላዉን ዘለዎ ኩሉ ነገር ፍቁድ ምዃኑ፡ ከም ራህን(ትሕጃ)ን ምስክርነትን።
3- ንኽልቲኦም ተዋዓዓልቲ ጥቕሚ ዘለዎ ኩሉ ነገር ሸሪዓዊ ምዃኑ፡ ከም ኢቓላ(ንብረት ምምላስ)ን፡ ኣልኺያር(ምርጫ)ን ቅድመ-ኩነት ኣብ መሸጣ ዝግበሩ ዉዑላትን።
4- ንሰባት ምብዳልን ንብረቶም ብሓሶት ምብላዕን ዝሓዘ ኩሉ ነገር ምኽልካል፡ ከም ወለድ፡ ብሓይሊ ምምንጣልን ንብረት ምኽዛንን።
5- ንሰናይ ነገር ምትሕግጋዝ ብሸሪዓ ዝተፈቐደ ምዃኑ፡ከም ለቓሕ(ብገንዘብ)፡ኣልወዲዓ(ንግዚኡ እትወሃሃቦ ዝምለስ ንብረትን) ኣማና ምሓዝን።
6- ብዘይ ስራሕ፡ ጥቕሚ ወይ ጻዕሪ ዝርከብ ዝኾነ ይኹን ገንዘብ ምብላዕ ምኽልካል፡ ከም ቁማርን ሓረጣን።
7- ዘይፍለጥን ርግጸኛ ዘይኮንካሉን ንብረት ንግዳዊ ልዉዉ ወይ ምትላልን ዝዓብለሎ ዝኾነ ሸቐጥ ምኽልካል፡ ከምኡ'ዉን ዘይትዉንኖ ነገር ምሻጥን ዘይፍለጥ ነገር ምሻጥን።
8- ኩሉ ናብ ሓራም ዘብጽሕ ምትላል ምኽልካል፡ ከም ኣል-ዒና(ብልቕሕ ምሻጥ)66
9- ካብ ምእዛዝ ኣላህ ዘዘናግዕ ነገር ምኽልካል፡ ከም ድሕሪ ካልኣይ ኣዛን ጁምዓ ምሻጥ።
10- ዝኾነ ጉድኣት ዘለዎ ወይ'ዉን ኣብ መንጎ ሙስሊሚን ጽልኢ ዘስዕብ ነገር ምኽልካል፡ ከም ሓራም ዝኾኑ ነገራት ምሻጥን ፡ሓደ ሰብ እናተዋገየ እንከሎ፡ናትካ ከምዝሓስርን ዝበልጽን እናገለጽካ ኣብ መንጎ ምእታዉ።
ሓደ ሙስሊም ብዛዕባ ሸሪዓዊ ፍርዲ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ምስ ዝሸግሮ፡ ብዛዕብኡ ን ዑለማእ(ፈላጣት እስልምና) ይሓትት፡ፍርዱ ከይፈለጠ ድማ ኣብ'ቲ ጉዳይ ስጉምቲ ኣይወስድን። ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ዝበሎ፡
﴿...فَاسْأَلُوا أَهْلَ الذِّكْرِ إِنْ كُنْتُمْ لَا تَعْلَمُونَ﴾
{...ንሰብ ፍልጠት ሕተቱ፡ እንተዳኣ ዘይትፈልጡ ኮንኩም} [ኣልናሕል:43]
እዚ እቲ ምጥርናፉ ዝተኸኣለሉ'ዩ፡ ንኣላህ ድማ ጠቓሚ ፍልጠትን ሰናይ ስራሕን ክረዝቀና ንልምኖ፡ ንሱ ብሓቂ ለጋስን ወሃብን ኢዩ። ወሰለላሁ ወሰለመ ዓላ ነቢዪና ሙሓመዲን ወዓላ ኣሊሂ ወሳሕቢሂ ወሰለም ተስሊመን ከሲራ።
***
الفهرس
መእተዊ 2
ቀዳማይ ምዕራፍ፡ 3
ምስ ዉሽጣዊ እምነት ዝተተሓሓዘ 3
ምዕራፍ 1፡ትርጉም እስልምናን ዓንድታቱን፡ 3
ኣገዳስነት ናይ ተዉሒድ፡ 3
ትርጉም ናይ ቃል ምስክርነት "ላኢላሃ ኢለላህ"፡ 5
ቅድመ-ኩነት ናይ (ላኢላሃ ኢለላህ) እዚ ዝስዕብ ኢዩ፦ 6
ትርጉም ምስክርነት ሙሓመድ ልኡኽ ምዃኑ፦ 7
ካልኣይ ምዕራፍ፡ ትርጉም ኢማንን ዓንድታቱን፡ 9
1) ብልዑል ኣላህ ምእማን ድማ ሰለስተ ነገራት የጠቓልል፡ 10
1) ብኣፋጣጥራኡ ምእማን፡ 10
2- ብኣምልኾት ምእማን፡ 12
3- ብኣስማትን ባህሪያትን ምእማን(ናይ ኣላህ)፡ 15
2) ብመላእኽቲ ምእማን፡ 22
3) ብመጻሕፍቲ ምእማን 23
4) ብልኡኻት ኣላህ ምእማን ዓለሂሙሰልሰላም፡ 24
5) ብናይ መወዳእታ መዓልቲ ምእማን፡ 26
ሀ- ብትንሳኤ ምእማን፡ 26
ለ- ብፍርድን ብሽልማትን ምእማን፡ 26
መ፡ብ ገነትን ሓዊን ምእማን፡ 27
6) ብጽሕፍቶ ኣላህ ሰናይ ይኹን ሕሱም ምእማን፡ 27
ካልኣይ ምዕራፍ፦ ኣልኢሕሳን፡ 29
ምዕራፍ ኣርባዕተ: ሓጺር ጽማቕ ካብ መሰረታት ኣህለሱና ወልጀማዓ፡ 30
ካልኣይ ምዕራፍ፦ ንተግባራት ኣምልኾት ዝምልከት። 32
ቀዳማይ ኣርእስቲ፡ ንጽህና 32
ቀዳማይ፦ ናይ ማይ ዓይነታት፡ 32
2ይ: ነጃሳ(ርኹስ)፡ 33
ሳልሳይ፡ንሙሕዲስ(ውዱእ ዘይብሉ ሰብ) ዝኽልከሎ ነገራት፦ 35
ራብዓይ፡ ሽቓቕ ክትኣቱ እንከሎኻ ዝግበር ስነ-ስርዓት፡ 37
ሓምሻይ፡ ፍርዲ ኢስቲንጃእን ኢስቲጅማርን ምግባር፡ 39
ሻድሻይ፡ ሕግታት ዉዱእ። 39
ሻዉዓይ: ንኹፍን ጀዉረብን ምድራዝ ዝምልከት ሕግታት፦ 42
ሻምናይ: ፍርዲ ናይ ተየሙም : 44
ታሽዓይ፦ፍርዲ ናይ ጽግያትን ኒፋስን፡ 47
2ይ ምዕራፍ: ሰላት(ስግዳን): 49
ቀዳማይ: ፍርዲ ናይ አዛንን(ናይ ስግዳን ጻዊዒት) ኢቓማን: 49
ካልኣይ፦ ናይ ሰላት(ስግዳን) ክብረታን ብልጸታን፦ 52
ሳልሳይ: ናይ ሰላት ቅድመ-ኩነት: 54
ራብዓይ፦ ዓንድታት ናይ ሰላት: 56
ሓሙሻይ: ግዴታታት ናይ ሳላት: 61
ሻድሻይ: ናይ ሰላት ሱናታት: 62
ሻዉዓይ፦ ኣገባብ ናይ ሰላት 65
ሻሙናይ: ኣብ ሰላት ክትገብሮ ጽሉእ ዝኾና ነገራት: 70
ታሽዓይ: ንሰላት ዘበላሽዉ ነገራት: 71
ዓስራይ: ናይ ሱጁድ ኣሳህዉ 72
መበሊ ዓሰርተ ሓደ: ሰላት ዝኽልከለሉ እዋናት: 74
መበል ዓሰርተ ክልተ: ሰላቱል ጀማዓ(ተኣኪብካ ኣብ መስጊድ ምስጋድ): 74
መበል ዓሰርተ ሰለስተ: ናይ ፍርሒ ሰላት: 78
ኣገባብ ናይ ፍርሒ ሰላት: 78
መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ: ናይ ጁምዓ ሰላት: 79
ሓሙሻይ: ኣብ መዓልቲ ጁምዓ ዝተፈትወ ነገራት: 81
ናይ ጁምዓ(ሰላት) ምርካብ: 82
መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ: ቅቡል ምኽንያት ናይ ዘለዎም ሰላት: 83
መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ፦ ናይ ክልት ዒድ ሰላት፦ 86
መበል ዓሰርተ ሸዉዓተ: ናይ ኩሱፍ ሰላት: 89
መበል ዓሰርተ ሸሞንተ: ናይ ኢስትስቕእ ሰላት: 91
መበል ዓሰርተ ትሽዓተ: ፍርዲ ናይ ጀናዛታት(ሬሳታት): 92
ሳልሳይ ምዕራፍ፦ ኣዘካት 96
1- ትርጉም ኣ'ዘካትን ደረጅኡን: 96
2- ቅድመ-ኩነት ናይ'ቲ ዘካት ምዉጻእ ግድነት ዝኾኖ: 97
3- እቲ ዘካት ዝወጸሉ ገንዘብ፦ 98
ራብዓይ ምዕራፍ፡ ጾም፡ 110
ቅድመ-ኩነት ናይ ግዴታ ጾም ረመዳን፡ 110
ሓምሻይ ምዕራፍ፡ ሓጅን ዑምራን 119
ሓደ ሰብ እዚ ቅድመ-ኩነት ምስዘማልእ ሓጅን ዑምራን ግዴታ ይኾኖ። 120
ኢሕራም ትገብረሉ ቦታታት፡ 121
ኣልኢሕራም፡ 123
ዑምራ፡ 128
ሓጅ፡ 132
ሳልሳይ ምዕራፍ፡ 135
ምስ ምሻጥን ምዕዳግን ዝተተሓሓዘ 135
ti227v3.1 - 15/03/2026
ኢማም ኣሕመድ ኣብ ሙስነዱ ብቑጽሪ (6072)፡ ቲርሚዚ ድማ ብቑጽሪ (1535) ሰኒደሞሓዲስ ሓሰን ኢዩ’ ድማ ኢሉ።
ኣልቡኻሪ ኣብ ኣልኣደብ ኣልሙፍረድ ብቑጽሪ (716)፡ ኣሕመድ ኣብ ኣልሙስነድ ብቑጽሪ(19606) ከምኡ'ዉን ኣድዲያእ ኣልመቕዲሲ ኣብ ኣልኣሓዲስ ኣልሙኽታራ (1/ 150) ሰኒደሞ ኣልኣልባኒ ድማ ኣብ ሰሒሕ ኣልጃሚዕ ኣሰቂር ብቑጽሪ(3731) ሰሒሕ ኢልዎ።
ሙስሊምን ብቑጽሪ(121) ኣሕመድን ኣብ ኣልሙስነድ ብቑጽሪ (10434) ሰኒደሞ።
(መዚይ)፦ሕብሪ ዘይብሉ ቀጢን ፈሳሲ ኮይኑ፡ ኣብ ግዜ ስምዒት ወይ ጾታዊ ርክብ ምዝካር ወይ ምድላይ ወይ ምርኣይ ወይ ብኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ዝወጽእ ኢዩ። ብጥብጥብ ኢሉ መልክዕ ድማ ይወጽእ፡ ሓንሳብ ሓንሳብ ድማ ምዉጽኡ ኣይስምዓካን። (ወዲይ)፦ድማ ድሕሪ ሽንቲ ወይ ከቢድ ነገር ኣብ እትጸረሉ ግዜ ዝወጽእ ጻዕዳን ሓፊስን ፈሳሲ ኢዩ።
ሙስሊም ብቑጽሪ (224) ሰኒድዎ።
ማሊክ ኣብ ሙወጣእ ብቑጽሪ (680ን 219ን) ኣዳሪሚ ብቑጽሪ (312) ከምኡ'ውን ዓብዱረዛቅ ኣብ ሙሰነፉ ብቑጽሪ (1328) ሰኒደሞ። ኣልኣልባኒ'ዉን ኣብ ኢርዋእ ኣልቐሊል ብቑጽሪ (122) ሰሒሕ ኢልዎ።
ኣልነሳኢ ብቑጽሪ (12808)ን ኣሕመድ ብቑጽሪ (15423)ን ሰኒደሞ፡ ኣልኣልባኒ ድማ ኣብ ኢርዋእ ኣልቐሊል ብቑጽሪ (121) ትኽክለኛ ኢልዎ።
ኢብኑ ማጃ ብቑጽሪ (594)፡ ኢብኑ ሒባንን ብቑጽሪ (799) ሰኒደሞ ። ኣልኣልባኒ ድማ ኣብ ደዒፍ ሱነን ኣልቲርሚዚ (146) ዘይበቅዕ ኢልዎ።
ቡኻሪ ብቑጽሪ (142)ሙስሊም ድማ ብቑጽሪ (122) ሰኒደሞ።
ቡኻሪ ብቑጽሪ (7288) ሙስሊምን ብቑጽሪ (6066) ሰኒደሞ።
ሰማሓት ሼኽ ዓብዱል ዓዚዝ ቢን ባዝ (ኣላህ ይርሓመሉ) ኣብ መጅሙዕ ፈታዊኡ (29/ 141) ከም'ዚ በለ:- (ኢማሙል በይሃቂ ብጽቡቕ ሰነድ ካብ ጃቢር፡ ድሕሪ እቲ ቓል «ኣለዚ ወዓድተሁ»፡ «ኢነከ ላ ቱኽሊፉል ሚዓድ» ዝብል ወሲኹ)።
ቲርሚዚ ሰኒድዎ፡ብቑጽሪ (2635)።
ሙስሊም ብቑጽሪ (82) ሰኒድዎ።
ቲርሚዚ ብቑጽሪ (265) ሰኒድዎ ደረጅኡ «ሓሰንን ሰሒሕን ቐሪብን'ዩ» ከኣ ኢሉ፣ ኣልኣልባኒ'ዉን ኣብ ሰሒሕ ኣተርቒብን ኣተርሂብን ሰሒሕ ምዃኑ ኣስፊርዎ።
ቡኻሪ ብቑጽሪ (1117) ዝሰነዶ።
ቡኻሪ ብቑጽሪ(6251)፡ ሙስሊም ብቑጽሪ (884) ሰኒደሞ።
ቡኻሪ ብቑጽሪ(756) ሙስሊምብቑጽሪ (872) ሰኒደሞ።
ኣልቡኻሪ ብቑጽሪ (793)ን ሙስሊም ብቑጽሪ (398)ሰኒደሞ።
ቡኻሪ ብቑጽሪ(812) ሙስሊምን ብቑጽሪ(490) ሰኒደሞ።
ሙስሊም (498) ሰኒድዎ።
ቡኻሪ ብቑጽሪ (724) ሙስሊምን ብቑጽሪ (398) ሰኒደሞ።
ቡኻሪ ብቑጽሪ(797) ሙስሊም ብቑጽሪ(402) ሰኒደሞ።
ቲርሚዚ ዝሰነዶ ፡ብቑጽሪ (839)።
ቡኻሪ ብቑጽሪ (6008) ሰኒድዎ።
ቡኻሪ ዝሰነዶ ብቑጽሪ (1110)።
ቡኻሪ ሰኒድዎ፡ብቑጽሪ (835)።
ቡኻሪ፣ ብቑጽሪ (743) ሙስሊምን ብቑጽሪ (399) ሰኒደሞ።
ቲርሚዚ ብቑጽሪ (266) ሰኒድዎ።
ሙስሊም ብቑጽሪ (588) ሰኒድዎ።
ኣቡ ዳውድ ሰኒድዎ፣ ብቑጽሪ (5168)።
ቲርሚዚ ብቑጽሪ (284)ሰኒድዎ።
ሙስሊም ብቑጽሪ (1484) ሰኒድዎ።
ቡኻሪን (609) ሙስሊምን (602) ሰኒደሞ።
ቡኻሪ (4130) ሙስሊምን (842) ሰኒደሞ።
ሙስሊም ብቁጽሪ (865)ሰኒድዎ።
ቡኻሪን ብቁጽሪ (934) ሙስሊምን ብቁጽሪ (851) ሰኒደሞ።
ቡኻሪ (1081)ን ሙስሊም (693)ሰኒደሞ።
ቡኻሪ ብቁጽሪ (1012)፡ ሙስሊም ድማ ብቁጽሪ (894) ሰኒደሞ።
ኣቡ ዳውድ ብቁጽሪ (3201) ሰኒድዎ፡ቲርሚዚ'ውን ብቁጽሪ (1024) ሰኒድዎ ደረጅኡ«ሓሰንን ሰሒሕን'ዩ »ከኣ ኢሉ።
ሙስሊም ብቑጽሪ(962) ሰኒድዎ።
ቡኻሪ ብቑጽሪ(8) ሙስሊም ብቑጽሪ (111) ዝሰነዶ።
ኢብኑ ማጃህ ብቁጽሪ (1792) ቲርሚዚ ድማ ብቁጽሪ (63) (631) ሰኒደሞ።
ቡኻሪ ብቑጽሪ(1402) ሙስሊም ብቑጽሪ (2287) ሰኒደሞ።
ቡኻሪ ብቑጽሪ(1432) ሙስሊም ብቑጽሪ(984) ስኒደሞ።
ኣቡዳውድ ብቑጽሪ (1609) ከምኡ'ዉን ኢብኑ ማጃ ብቑጽሪ (1827) ሰኒደሞ፡ኣል-ኣልባኒ ድማ ኣብ ሰሒሕ ኣቢ ዳውድ ብጽሪ (1609) ሰሒሕ ኢልዎ።
ቡኻሪብቑጽሪ (1) ሙስሊምን ብቑጽሪ (1907) ሰኒደሞ
ቡኻሪንብቑጽሪ (1810)ሙስሊም፡ ብቑጽሪ(1086) ሰኒደሞ።
ቡኻሪ ብቑጽሪ(1909)ሰኒድዎ
ኣሕመድ ብቑጽሪ (26457)፡ኣቡ ዳውድን ብቑጽሪ (2454)፣ ኣልነሳኢን ብቑጽሪ (2331) ሰኒደሞ። እዚ ሓረጋት ድማ ናቱ ኢዩ።
ቡኻሪ ብቑጽሪ (6669)፡ ሙስሊም ድማ ብቑጽሪ (2709) ሰኒደሞ።
ኣቡ ዳውድን ብቑጽሪ (2380)፡ ቲርሚዚን ብቁቑሪ (719)፡ኢብኑ ማጃ ብቑጽሪ (676) ሰኒደሞ።
ቡኻሪን ብቑጽሪ (1849) ሙስሊምን ብቑጽሪ(1846) ሰኒደሞ።
ሙስሊም ብቑጽሪ (1134) ሰኒድዎ።
ኣሕመድ ብቑጽሪ (25198) ኣነሳኢ ብቑጽሪ (2627) ኢብኑ ማጃህ ብቑጽሪ (2901) ሰኒደሞ።
ቡኻሪ ብቑጽሪ(1862) ሙስሊም ብቑጽሪ (1341) ሰኒደሞ።
ቡኻሪ ብቑጽሪ (1531)ዝሰነዶ ።
ሙስሊም ብቑጽሪ (1211) ሰኒድዎ።
ቡኻሪ ብቑጽሪ (1549) ሰኒድዎ።
ሙስሊም፡ብጽሪ (1218)ሰኒድዎ።
ቲርሚዚ ብቑጽሪ (487) ሰኒድዎ፡ደረጃኡ«ሓሰንን ቐሪብን» ከኣ ኢሉ። ኣልኣልባኒ'ዉን ሓሰን ኢሉ።
ሙቕኒ ኣልሙሕታጅ ተዓዘብ (2/22)።
ሓሺየት ኢብን ዓቢዲን (1/ 42)።
ኣል-መጅሙዕ ተዓዘብ(1/50)
ሹፍዓ: ሓደ መሻርኽቲ(ኣብ ንብረት)፡ካብ'ቲ ንብረት ዘለዎ ሽርካ ምስ መሻርኽቱ ነታ ናቱ ብገንዘብ ዋጋ ንኻልእ ሰብ ምስዘመሓላልፋ፡ እቲ ካልኣይ መሻርኽቲ ካብ'ቲ ዝተመሓላለፈሉ ሰብ ናይ ምምንዛዕ መሰል ኣለዎ።
ኣል-ዒና ማለት፡ሓደ ሰብ ንሓደ ነገር ዶንጊዩ(ጸኒሑ) ብዝኸፈል ዋጋ ሸይጡ ምስ ኣረከቦ፡ ነቲ ናይ መሸጣ ዋጋ ቅድሚ ምቕባሉ፡ ካብ'ቲ ዝሸጠሉ ዋጋ ብዝተሓተ ብጥረ ገንዘብ ካብኡ ተመሊሱ ክዕድግ እንከሎ ኢዩ።
ቡኻሪ ብቑጽሪ (8) ዝሰነዶ።